
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።
ክብረ በዓል ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ግራንድ ራፒድስ ሚሺጋን ብድምቀት ተኸቢሩ።
ክብረ በዓል ናይታ ኣብ ክፍሊ ግዝኣት ሚሺጋን ከተማ ግራንድ ራፒድስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝመጹ ካህናትን መማህራንን፡ መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን፡ ምእምናንን ምእምናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ 24-25 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ግ (03/05/2025 ዓ.ም. ፈ) ብድምቀት ተኸቢሩ።
እዚ ብምእመናን ካብ ነዊሕ ጊዜ ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ክብረ በዓል ዓርቢ 4:00 ድኅሪ ቀትሪ ዋዜማ ተቖይሙ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ቀዳም ሰዓት 2:00 ናይ ለይቲ ድማ ስብሐተ ማኅሌት ተቆይሙ።
ንክብሪ መድኃኔ ዓለምን ቅዱስ መስቀልን ዝምልከት ሥርዓተ ማሕሌት ብትግሃትን ተምሳል መላእኽትን ከብጽሑ ድኅሪ ምኅዳሮም ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዝሙር ምስ ቀረበ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ብቀሲስ መሓሪ ቀሲስ ኪዳነማርያም ተዋሂቡ።
ቀጺሉ ታቦተ ሕጉ ብዓቢይ ክብርን ኣገባብን ብመሪሕነት ሊቃውንትን፡ መስቀልን ጽንሐሕን ዝኃዙ ለባስያንን ውሉደ ክህነትን፡ ማኅበረ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዘይሩ ኣብ ዝተዳለውሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ፡ ሊቃውንቲ ለዘብ ብምልዛብ ኣሸብሺቦም፡ ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ብጸሎተ ምህለላን ቡራኬን ተዛዘመ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።



