Comments are off for this post

ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ጽዮን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣትላንታ ጆርጅያ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ወትቀውም ንግሥት በየማንከ
በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት
ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአፅምኢ እዝነኪ”
“እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቀውም ኣላ
ጓልየ ስምዒ ርኣዩውን እዝንኺ ከኣ ኣድንኒ
ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
(መዝ. 44/45፥9-10)

ክብረ በዓል መስከረም 21 ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣትላንታ ጆርጅያ ብዕለት 24 መስከረም 2012 ዓ.ም ( 10/05/2019) ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብክብ ዝበል ድምቀት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ውሉደ ክህነት ምእመናን ካብ ዝተፈላለየ ክፍል ግዝኣት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዝመጹ ሊቃውንቲ ፥ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ብኽብ ዝበል ብመንፈሳዊ ክብሪ ብድምቀት ተኸቢሩ።


መስከረም 24 2019 (10/05 19) ኣብቲ ዕለት ብዝወጸ መርሐ ግብሪ መሠረት ሥርዓተ ካብ ድሮ'ቲ በዓል ጀሚሩ ዋዜማ ስብሐት እግዚ አብሔር በጺሑ። ተደዊሉ ስብሐት ማኅሌት ሊቓውንቲ ስቡሕ ኢሎም ማኅሌተ ስብሓታትን ዝማሬን ወረብ ምልጣን ዚቅ ብምግባር ናይ ስጋብ ሰዓት 8 ብክብሪ ኣማዕሪጎሞ።

ድሕሪ ቅዳሴ ምዝዛሙ ። ሕጻናት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ልብኻ ዝምስጥ ጣዕመ ዜማ ኣቕሩቦም። እዚኦም ኣብ ቅስድቲ ቤተ ክርስትያን ዝፈረዩ ሕጻናት ጸናጽል ሒዞም ወረብ ክውርቡን፥ እጽፋት ከቅርቡ ክትርእዮም ከለኻ ኣብዚ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ እዮም ኢልካ ክትኣምን ይከብደካ። እም አፈ ደቂቅ ወህፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ ።
ካብቶም ግብረ ዲቁና ዝመሃሩ ሕጻናት ወዲ 5 ዓመት ዝኸውን ህጻን ክርስትያን ዮናስ ውዳሴ ማርያም ናይ ሓሙስ ብቃሉ ሰጋእ ከይበለ ክወጾ ክትሰምዖ ከለካ።
ብሓቂ እግዚብአብሔር መንክር እዩ ሥርሑ የብለካ።

ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ብበቦና ቀሺ ፍትዊ ። ማቴዎስ 11፥28። “ ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። “ ብዝብል ኣርእስቲ ስፍሕ ዝበለ ምስ ተዋህበ።

ሓፍሻዊ ምንቅስቃስ ምዕባለ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣትላንታ ብቃል ዋና ጸሓፊ ተገልጸ ። ድሕሪኡ ታቦተ ብመንፈሳዊ ክብሪ ተዓጁቡ ዑድት ጌሩ ።
ኣብ ዓውደ ምሕረት ደው ምስ በለ። ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ኣትዩ ። ንነጋድያን ብዝተዳለወ ናይ ምስሕ እንግዶት ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮይኑ።

ያብጽሐነ አመ ከም ዮም ።
ንዓመታ ብሰላም የብጽሓና።
በረከታን ጣዕማ ፍቕራን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

Comments are closed.