No comments yet

ዜና ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ማርቆስ

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ብዝኃደሮም ሕማም ንነዊኅ እዋን ኣብ ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያን እስራኤልን ክሕከሙ ድኅሪ ምጽናሕ ቀዳም 30 መጋቢት 2009 ዓ.ም (08 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ መበል 86 ዓመቶም ዓሪፎም።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ “ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር/ ካብ ሕፃንነቱ ሕይወቱ ኣብ ቤት እግዚአብሔር” ከምዝብል፣ ካብ ጊዜ ንእስቶም ኣትኂዞም ንቤተ ክርስቲያን ተወፍዮም ዘገልገሉ፣ ቅድምን ድኅርን ናፅነት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጽፍሒ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንሕዝበ ክርስቲያን ዝጓሰዩ ኣቦ እዮም ነይሮም።

ኣብ ገዳሞም ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ (ጐደይቲ) ብዙኅ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኮይኖም ድኅሪ ሢመተ ጵጵስናኦም ድማ ካብ ታኅሣሥ 1988 ዓ.ም. (1995 ዓ.ም.ፈ) ጀሚሮም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ኃላፊ ወፃኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ኣባል ቀዋሚ ሲኖዶስ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ . . . ብደረጃ ኃላፍነት ኣገልጊሎም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ፥ ልሳን ተዋሕዶ

Comments are closed.