Comments are off for this post

ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ ተኸፊቱ

"መልዐ ወዐብየ ወተለዓለ ቃለ እግዚአብሔር ወበዝኀ ወተወሰከ ውስተ ቤተክርስቲያን ቅድስት። ወበዝኁ ሕዝብ እለ አምኑ በእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎቱ ስብሐት ለዓለም ዓለም አሜን። ናይ እግዚአብሔር ቃል መልአ ዓበየ'ውን ተለዓለ ድማ፡ ቅድስቲ ኣብ ዝኾነት ቤተክርስቲያን በዚኁ ተወሰኸ። ብጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚአምኑ ከኣ በዝኁ፡ ምስጋና ንእኡ ይኹን ኣሜን"።

ሓዲስ ቤተክርስቲያን ታቦተ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ ብዕለት 02/18/2017 ተኸፊቱ። ኣብቲ ዕለት አቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ሊቀ ኅሩያን ቀሺ ሚካኤልን፡ ቆሞስ አባ ገብረሥላሴን ካብ ዝተፈላለያ ኣድባራት ዝመጽኡ ካህናት ኣቦታትን ውሉደ ክህነት ዲያቆናትን መንእሰያት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ተኸቢሩ። ካብ ንግሆ ሰዓት 3 ቅ.ቀ ጀሚሩ ብማህሌተ መላእክት ጀሚሩ ብቕዳሴ ተሰንዩ፡ ብዑደተ ታቦት እዩ ተዛዚሙ።

ተቐማጦ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ቅድሚ ናብዚ ደረጃ ምብጽሖም ናብ ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ኦክላንድ እንዳኸዱ ይግልገሉ ከምዝነበሩ ተገሊጹ። ብሰንኪ መጓዓዝያ ድማ ብዙሓት ቤተክርስቲያን ንምስላም ይሽገሩ ከምዝነብሩ ተሓቢሩ። ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ድማ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ማሕበር ብምጅማር ነዊሕ ከምዝተጓዕዙን፡ ኣብ ጉዕዝኦም ድማ ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ቤተክርስቲያን ካህናት እንዳለኣኸ ከምዘበራትዖም ተሓቢሩ። ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ድማ ህዝቢ ተኣኪቡ፡ ሃገረ ስብከት ውን ድልየቶምን መንፈሳዊ ቅንኣቶምን ርእዩ ምስ ላዕላዋይ ኣካል ናይ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዝርራብ ፍቓድ ተዋሂቦም። በዚ መሰረት ድማ ብሕግን ስርዓትን ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገረ ኤርትራ እዚ ቤተክርስቲያን ተኸፊቱ።

ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ከምተን ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝረከባ ከተማታት ብናይ ዘመናውነት ኣተሓሳስባን ጊጉይ ኣካይዳን ዝተዋሕጠት ብምዃና ኣድላይነት ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ ኣብዚ ቦታ። ከምቲ " ቅዱስ ይቀድሶ ለመካን/  ቅዱስ ንቦታ ይቕድሶ " ዝብሎ ቅዱስ ቃል።  እግዚአብሔር ኣምላኽና ውን ብታቦተ ቅዱስ ሚካኤል ዝተሰምየ ቤተክርስቲያኑ ጌሩ ንምእመናን ንኹሉን ክባርኽን ክቕድስን እዩ። ነዚ ዓቢይ መዓልቲ ኣመልኪቶም ምእመናን ሳንፍራንሲስኮ ኝሃገረ ስብከት ኮነ ኝቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ሰናይ ድየቶም ኣብ ግምት ኣእትዩ ታቦት ቀሪጹ ብምሃቡ ዝተሰምዖም ሓጎስ ወሰን ከምዘይብሉ ብወከልቲ ሰበኻ ጉባኤ ጌሮም ሓጎሶም ገሊጾም።

ኣብቲ ዝተዋህበ ናይ ዕለት ትምህርቲ " ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ'ሞ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኪንዓዪ ኢና" ቃል መበገሲ ጌሮም ሊቀ ኅሩያን ቀሺ ሚካኤል ቃል እግዚአብሔር ኣመሓላሊፎም። እዚ ጉዕዞ ተጀሚሩ እምበር ኣይተወድአን'ሞ ከምዚ ሎሚ ቤተክርስቲያን ክምስረት ተኣኪብና ዘሎና፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ድማ ታቦተ ቅዱስ ሚካኤል መሕደሪኡ ወኒኑ ቤተክርስቲያን ክንምርቕ ክንመጽእ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና ብምባል፡ ቤተክርስቲያን ናይ ሓድነትን ፍቕርን ስለዝኾነት ህዝቢ ሳንፍራንሲስኮ ከምቀደሞም ብፍቕርን ሓልዮትን ክጓዓዙ ተማሕጺኖም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤይ ኤርያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዘለወን ዓቕሚ ክሕግዛኦም ምዃነን ቃል ኣትየን።

Comments are closed.