No comments yet

ዞባዊ ጉባኤ ቤት/ት/ሰንበት ምብራቕ ኣሜሪካ ተቓኒዑ

ዓመት መጸ ዝግበር ጉባኤታት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ መላእ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ይካየድ ኣሎ። መቐጸልታ ናይዚ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ምብራቕ ኣሜሪካ ለካቲት 11/2017 ዓ.ም ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ማርያም ኮሎቦስ ኦሃዮ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኣስታት 15 ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጹ ካህናትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ተሳቲፎም። እዚ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ “ሓደ  መንእሰይ ንሕይወቱ  ከመይ ገይሩ ብንጽሕና ክሕልዋ ይኽእል፡ ትእዛዝካ ብምሕላው ጥራይ እዩ።" መዝ 119፡10 ዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ሓሰውቲ ነብያት ዝበዝሑሉ እዋን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ መንእሰይ ውን ብኸመይ መንፈሳዊ ሕይወቱ ሓልዮ፡ ነታ ቅዱሳን ኣቦታት ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐቢሎም ዘጽንሕዋ እምነት ኣጽኒዑ ዝሕዘላ መንገዲ ዘስተምሃረ መሪሕ ቃል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ጉባኤ ተሳተፍቲ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም እዮም ክኣትው ጀሚሮም፡ ገሊኦም ኣስታት 8 ሰዓታት ብመኪና ዘዊሮም ገሊኦም ውን ብነፋሪት ነቲ መንፈሳዊ መግቢ እናሓሰቡ እዮም ኮሎምቦስ ኣትዮም። ምእመናን ደብረ ብርሃን ድማ ብዝግባእ ተዳልዮም ከምቲ ኣቦና ኣብርሃም ተቐባል ጋሻ ኮይኑ በረከት ዝረኸበ ንሳቶም ውን ኣሰር ኣቦታቶም ብምኽታል ንኹሎም ብፍሕሹው ገጽ ተቐቢሎምዎም።

ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ቀዳም ካብ ንግሆ ሰዓት 6 ቅ.ቀ ኣቢሉ ስብሓታተ ነግህን ተኣምርን ተነቢቡ፡ ቀጺሉ'ውን ጸሎተ ኪዳን ብምብጻሕ፡ እግዚአብሔር ከምቲ ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ተረኺቡ ጉባኤኦም ዝባረኸ ነዚ ናትና ጉባኤ'ውን ባርኸልና ብምባል ጸሎተ ኪዳን ተዛዚሙ። ቀጺሉ ብምእመናን ደብረ ብርሃን ዝተዳለወ ቁርሲ ምስ ቀረበ ኣምላክነሰ ተወሪቡ። ብድሕር'ዚ እቲ ዋና መርሓ ግብር ብጸሎት ሰዓት 10 ቅ.ቀ ምስ ተኸፍተ ነዚ ጉባኤና ባርኮ ጐይታና ዝብል ተዘሚሩ፡ ቀጺሉ'ውን ብኣማሓዳሪ ደብረ ብርሃን ቅድስት ማርያም ቤተክርስቲያን ርእሰ ደብር ቀሺ ርእሶምን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻኩም መልእኽቲ ተመሓላሊፉ። ስዒቡ ዝመጸ መደብ ድማ ሓፈሻዊ ዘተ ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዝብል ብፓወር ፖይንት ዝተሰንየ መደብ እዩ፡ ተሳተፍቲ በደረጅኦም ማለት ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ንበይኖም፡ ተምሃሮ ኮለጃት፡ ሰራሕተኛታትን ነንበይኖም ብምክፍፋል በብደረጅኦም ንዘጋጥሞም ፈተናታት ብቋንቋታት ትግርኛን ኢንግሊዝን ዘትዮምሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብቀሺ ብንያምን ዲያቆን መድኃኔን መዛዘሚ ተጌርሉ። ቀጺሉ ድማ ብጠርነፍቲ ዞባዊ ጉባኤ ጸብጻብ ቀሪቡ፡ ብዝያዳ ኣብ ርክባት ዘሎ ድኽመታት በዳሂ ኮይኑ ከምዘሎን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ነቶም ወከልተን ብግቡእ ክከታተልኦም ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም። ብድሕርዚ መዕጸዊ መዝሙር ተዘሚሩ ኣባላት ናብ ናይ ምሳሕ መደቦም ከይዶም።

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዝነበረ መደብ ድማ ኣባላት ቤት/ት/ሰንበት ደብረ ብርሃን ቅድስት ማርያም ኮሎምቦስ “ኃደገ ለነ ማዕተቦ “ዝብል  ወረብን ክልተ መዝሙራት ብምቕራብ መደብ ተኸፊቱ። ብድሕር'ዚ ድማ ኣብ ቴማ ዝተመርኮሰ ስብከት ብኣባል ሃገረ ስብከት መልአከ ብርሃን ቀሺ ጸጋዘአብ ተዋሂቡ፡ ኣብቲ ዝተዋበ ትምህርቲ መንእሰያት ቅድሚ ኩሉ ነቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ እንተኾይኖም መጀመርታ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ብሱታፌ ምስጢራት ዝተሃነጹ ክኾኑ ኣለዎም፡ ሓይልን ጸጋን እግዚአብሔር ብሱታፌ ምስጢራት ስለዝርከብ ብምባል ኣዕጽምቲ ዘለምልም ቃል ኣስሚዖም። ቀጺሉ'ውን ብቋንቋ ኢንግሊዝ ኣብ ቴማ ዝተመርኮሰ ስብከት ተዋሂቡ፡ ብዝያዳ ኣብዚ ዓዲ ንዝዓብዩ ብዝሑ ጽልዋታት ናይ ደገ ስለዘለዎም ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቶም ክዓብዩ ከምዘለዎም ኣገንዚቡ። ቀጺሉ ዝመጸ ድማ ንዝሓትኹም መልሲ ንምሃብ ኩሉ ግዜ ድልዋት ኩኑ ከምዝበሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት እዩ ስዒቡ። ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኡ ከክልተ ኣባላት ተሳቲፎም፡ ብሓያል መንፈስን ውድድርን ድማ ተዛዚሙ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸብጻብን እዋናዊ ጉዳይ ቤተክርስቲያን ዘተኮረ ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ቀሪቡ። ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብዙሕ ዕዮታት ይጽበዮ ከምዘሎ ተገሊጹ፡ ከም ኣብነት ድማ ሓገዝ ገዳማት ኣብ ዝምልከት ኣብ ዌብሳይት www.ergedamat.com ዓምዲ ናይ ገዳማት ተኸፊቱ ከም ዘሎን ብዘመናዊ ኣገባብ ወርሓዊ ክፍሊት ብምግባር ሓገዝ ከበርክቱ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡ ብተወሳኺ'ውን ንመንፈሳዊ ኮለጅ ዝምልከት ድማ 5 ዝኣባላታ ኮሚተ ኣቑሙ ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ንዝያዳ ውጽኢት ድማ ግዜኡ ሓልዩ ምስ በጽሓና ኣብ ምውህሃዱ ናይ ኩልና ገደ ምዃኑ ተነጺሩ። ኣብዚ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ እዚ መደባት ብዘይ ተሳትፎ ኣባላት ዕውት ስለዘይከውን ኩልና ክንሳተፍ ነዘኻኽር። ብተወሳኺ'ውን  ነዚ ሰናይ መንፈሳዊ ተበግሶ ንምትዕንቃፍ ኣብ ዝተፈላለየ ሜዲያታት ብዙሕ ሓሶት ተዘሪቡን ይዝረብን ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ ኢና ስለዚ ጸላኢ ሰናያት ብቡዙሕ መንገዲ ስለዝመጽእ ሓድነትና ኣጽኒዕና ንዕብየት ቤተክርስቲያና ክንቃለስ ከምዘለና ነዘኻኽር። ንጉዳይ ቤተክርስቲያና ዝምልከት ድማ ኩልና ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከም መንእሰያት፡ ቤትና ካብ ተሃድሶ መናፍቕነት ክንከላኸለላን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝፍጠሩ ፈተናታት ድማ ብትዕግስት ብጸሎትን ሓደ ልቢ ብምዃን ክንቃለሶ ነዘኻኽር።

ብሓፈሻ እዚ ጉባኤ ኣዝዩ ዕውት ምንባሩን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝያዳ ተሳትፎ ከምዝነበሮን ተሓቢሩ። ንዝመጽእ ድማ ብዝያዳ ክስረሓሉን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዘወትር እንዳተራኸባ ሓድነተን ዘዕብያሉ፡ ቤተክርስቲያነን ካብ ኑፋቄ ዝሕልዋሉ ግዜ ስለዝኾነ መንፈሳዊ ጉባኤታት ኣብ ኩሉ ክሰፍሕን፡ ቅኑዕ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ንምእመናን ዝበጽሓሉ መንገዲ ክንጸርግ ግደ ኩልና ምዃኑ ዘረድእ እዩ።

መቐጸልታ ናይዚ ድማ ኣብ ምዕራብ ኣሜሪካ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ደብረ ምሕረት ኪዳነ ምሕረት ሳንዲያጎ ጉባኤአን ከከይዳ ምዃነን ተሓቢሩ።

ናይዚ ዓመት ጉባኤ ቤት/ት/ሰንበት ሃገረ ስብከት ድማ ኣብ ደብረ ግእዛን ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተክርስቲያን ፊላደልፍያ 07/28−07/30/2017 ክካይድ ምዃኑ ነዘኻኽር።

Comments are closed.