No comments yet

ቤት-መቅደስ እግዚአብሔር- 1ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር- 1ይ ክፋል

ትርጉም ቤት መቅደስ

ቤተ መቅደስ ዝብል ሓረግ ናይ ክልተ ቃላት ኮይኑ ፣   ቤት ማለት መሕድሪ ፣መንበሪ፣ ስራሕ ዝስርሓሉ ፣ ጉባኤ ማኅበር ( ቤተ እስራኤል ፣ ቤተ ክርስቲያን ከምዝበሃል) ማለት ኪኸወን ከሎ፣ መቅደስ ፣- ማለት ድማ መቀደሲ ፣መመስገኒ፣ መሥዋዕተ ጸሎት መቅረቢ ማለት እዩ።

ስለዚ ቤት-መቅደስ ዝብል ሓረግ ሓደ ቤተ-እግዚአብሔር ፣ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ፣ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ ፣ መቅደስ ኦሪት ፣ መቅደሰ ወንጌል፣  ቤተ-ክርስቲያን ማለት እዩ።

ካልኣይ ማኅበረ እግዚአብሔር ፣ ጉባኤ ምእመናን ዝብል ትርጋሜ ክህልዎ ከሎ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሶም ማኅደር እግዚአብሔር ወይ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ምዃኖም ይገልጸልና ።

ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ናይ ቤተ-መቅደስ ትርጉሙ  ብሰፊሑ ክግለጸላና ብሠለስተ ከፊልና ክንሪኦ ኢና።

1 .ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን) ቤተ-መቅደስ ይብሃል።- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  “ክልተ ወይ ሠለስተ  ዀይኖም ብስመይ ኣብ  እተኣከቡሉ ኣነ ከኣ ኣብ ማእከሎም  እየ” ማቴ.18-20፡ ከም ብዝበለ ንሕና ምእመንና ክርስቲያን ክልተ ሠለስተ ኮይንና ስሙ እናጸዋዕና እንተተኣኪብና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ መንጎና ተረኺቡ ጉባኤና ብፀጋኡ ይባርኸልና። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ዝኾነ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን ) ቤተ-መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

2 .ክርስቲያን  (ሓደ ምእመን) ቤተመቅደስ ይብሃል። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ  መልእኽቱ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ (ቤተ-መቅደስ) ምዃና ክገልጽ ከሎ    1ይቆረ. 3-16 ።”ቤተ  መቅደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተመቅደስ ኣምላኽ እንተኣማሰነ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ። ቤተመቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ። እዛ ቤተመቅደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም” ይብለና።

ከምእውን ኣብ   1ይቆረ.6-19”ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ሥጋኹም ቤተመቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ናይ ርእስኹም̕ውን ከም ዘይኰንኩም̕ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ፣ ስለዚ ብሥጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብሩዎ” ስለዚ ሓደ ምእመን ሰብነቱ ናይ እግዚአብሔር ንብረት ብምዃኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ምእመንና ናይ እግዚአብሔር ቤተ-መቅደስ ይበሃል።

  1. “ሕንጻ ቤተ-መቅደስ” ቤተ-መቅደስ ይብሃል። እግዚአብሔር ዝምለኸሉ ፣ ቅዱስ ስሙ ዝጸውዓሉ ፣ መሥዋዕት ወንጌል ዝሥውዓሉ ፣ ክርስትያን ዝእከብሉ ቤተ-መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ቤተ-መቅደስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምስጋና ቦታ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ሕንጻ ቤተ-መቅደስ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ ምኻኑ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። << ሕጂ ከኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይ̕ውን ጽን ክብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸውን ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ኪኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ። >> 2ይዜና.መዋ.7፣15። ብምባል ሕንጻ ቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር ንምእመናኑ ዝባርኸላን ዝቅድሰላን ፀጋኡ ዝዕድለላ ምዃኑ ይነግረና።

ኣብዛ ቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር ፣ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መልኣኽትን ቅዱሳን ሓዋርያትን ጻድቃን ሰማዕታት ዝርከቡላ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን ፀጋኡን ንምእመናኑ ዝዕድለላ ቅድስቲ ቦታ እያ።

  1. ናብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ክንኣቱ ከለና ዝገብሩ ምድላዋት

ጠቢቡ ሰለሙን “ ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሓሉ”  መክ.5-1። ከምዝብለና ናብ ቤተ-መቅደስ ክኸይድ ዝብገስ ምእመን ንእግሩ ምሕላው ፡እግረ ሥጋኡ ናብ ዘይግባእ ቦታ ፣ እግረ ሕሊናኡ ካብ ሓጥያትን በድልን ምሕላው ይግባእ ። መዓስ፧ ብኸመይ ናብ ቤተመቅደስ  (ቅድመ እግዚአብሔር) ምእታው ከምዘለዎ ፈሊጥና ክንዳሎ ይግባእ።

ናብ ቤተ መቅደስ ቅድሚ ምእታውና ኣቀዲሞና ክንገብሮም ዝግብኣና ምድላዋት ከም እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ካብ ዝቅጽል ጽሑፍና ክንእዮም ኢና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይግለጸለና።

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት

ሀ. ናይ ልቦና ምድላዋት

ናብ ቤተ-መቅደስ  ክብገስ ዝሓሰብ ሰብ ካብ ኵሉ ነገር ኣቀዲሙ ናይ ልቦና ምድላዋት ክገብር ይግብኦ። እዚ ከኣ ልቦናና ካብ ቂም በቀል፣ ክፍኣትን ተንኮልን፣ ካብ ዝሙት ካብ ካልእ ዝተፈላለየ ክፋእ ተግባራት ንጹህ ምግባርናን ዘይምግባርን ክንምምር ይግበኣና። ምኽንያቱ ንሕና ኣቀዲምና ንገዛእ ርእሱ እንድሕር ዘይመርሚና ልብን ኩላሊትን ዝምርምር  እግዚአብሔር ክምርምረናን ክንዕቀናን እዩ።  “ ንልብን ኩላሊትን እትምርምር ጻድቅ ኣምላኽ ኢኻ”መዝ.7፣9።

እግዚአብሔር ኣምላኽ  ብሊቀ ነብያት ሙሴ ጌይሩ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ዝኣዘዞም ትእዛዛት ሓደ ናይ ልቦና ግርዘት እዩ። ናቡኡ ኪመጹ  ኣብ ቅድሚ ድንኳኑ ክሰግዱ፡  ምስ በደሎም ከይቀርቡ “ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ …….>> ኢሉዎም እዩ።  “ እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ጎይታ ጎይቶት እቲ ዓቢ እቲ ሓያል እቲ ዘፍርህ ኣምላኽ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ መማለዲ ኸኣ ዘይቕበል እዩ። “ዘዳ.10-16። ዕልቦ ልብና  ምግዛር ማለት፣ ልብና ምስባር ፣ ካብ ቂም በቀል ነጻ ኮይና ፣ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ምርሓቅ ብሓፈሻ፣ እግዚአብሔር ካብ ዘይፈትዎ ነገር ኩሉ ምፍላይን ምርሓቅን  ማለት እዩ።

ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “መሥዋዕቱሰ ለእግዚአብሔር መንፈሰ የዋህ። ልበ ትሑተ ወየዋህ ኢይሜንን እግዚአብሔር ። መሥዋእቲ እግዚአብሔር ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ። “ መዝ.50(51)፣ 17 ይብለና።

ክቡር ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ከምዝነገረና ብኣእዳውና እንሕዞ ጥዋፍን ሽምዓን፣ ናብ ቤተመቅደስ ካብ ነቅርቦ መባእን ስእለትን ኣቀዲሙ እግዚአብሔር ናትና ልቢ ከምዘድሊ ዘመልክት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ “ኢታፍቅርዎ ለዝ ዓለም፣ ወሐድሱ ልበክሙ፣ ወአመክሩ ዘይፈቅድ  እግዚአብሔር ዘሠናይ ወዘጽድቅ ወዘፍጹም ። እቲ ሠናይን ባህ ዜብልን ሙሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምኻኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። “ሮሜ(12፣2) ኢሉና'ዩ።  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ “ብፁዓን ንጹሓነ ልበ እስመ እሙንቱ ይርእይዎ ለእግዚአብሔር ። ጽሩያት ልቢ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም ። “ ማቴ5፣8። ስለዚ ሰብ ልቦንኡ ነጺሁን ጸኒዑን ብፈሪሃ እግዚአብሔር ንዝቀረበ ኩሉ ኣምላኽና  እግዚአብሔር መሓሪ ስለዝዀነ ብምሕረቱ ይርእየና።

እግዚአብሔር ናይ ደቂ ሰባት ልቦና ናብኡ ዝምለሰሉ ዘመን ከምዝመጽእ ብነብዩ ኤርሚያስ ሓዲሩ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል። “ እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣተወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን ይብል እግዚአብሔር። ከምቲ ካብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይትኦም ክነሰይሲ ንሳቶም ነቲ ኪዳን ኣፍረስዎ ይብል እግዚአብሔር። ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤተ እስራኤል ዝተኣኽዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፣ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ክገብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፍ ኣነ ኣምላኾም ክኽውን እየ፣ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም። ይብል እግዚአብሔር ኣነ ኣበሰኦም ይቕረ ኽብለሎም ሓጥያቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ ካብ ንእሽቶኦም ክሳብ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ንእግዚአብሔር ፍለጦ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሀሩን እዮም። ይብል እግዚ አብሔር “ኤር.31፣-31-34።።

ናይ ወዲ ሰብ ልቦና ናብ እግዚአብሔር እንድሕር ተመሊሱ ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ብዙሕ መንፈሳዊ ምኽሪ ኣየድልን እዩ። ምኽንያቱ ዝተጣዕሰን ንንስሓ ዝተዳለወ ልቦና ስለዝሕዝ  እዩ። ልቦናኡ  ብቃል እግዚአብሔር ስለዝመልእ፣ ኣብ ግዜ ቅድሴን፡ ብተመስጦ ምስ ኣምላኹ ይራኸብ ። እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሕይወት'ውን ክመርሕ ይጅምር። ነብየ እግዚአብሔር ኤርምያስ ዝተዛረበሉ እዚ ዘመን ወዲ ሰብ ብፍጹም ልቦና ዝምለሰሉ ፣ ልቡ ንፈጣሪ ዘግዘኣሉ ዘመን ፣ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ዘመን እዩ። ሓዲሽ ኪዳን ሰብ ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኣን ደምን ተሓቲሙ ናይ ፈጣሪ መሕደሪ ኮይኑ ከም ጥንቲ ከም እስራኤል ዘሥጋ ብተሪር  ልቢ ዘይኮነ ስቡር ልቢ ሒዙ ናብ እግዚአብሔርን ናብ ቤተምቅደሱን ዝቀርበሉ ዘመን እዩ።

ኣብዚ ዓመተ ምሕረት ዝተኣወጀሉን ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ብዝተዓረቐሉ ዘመን፣ ልቦናና ካብ ዓመጻ ዘይተመለሰ ኵላትና ህዝበ ክርስቲያን ንእግዚአብሔር ንለምኖ። ልብና ናይ ሕግኻ መሕደሪ ንክኸውን ኣብቅዓና ንበሎ። ከምዚ እንተኢልና እሱ ዝኣተወልና ቃልኪዳን ይፍጽመልና'ዩ። ሓድሽ ልብን መንፈስን ከኣ ይህበና።  “ጽሩይ ማይ ከነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኩሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኩሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም ናይ እምኒ ልቢ ካብ ሥጋኹም ከውጽእ ናይ ሥጋ ልቢውን ክህበኩም እየ” ሕዝ.36፣25።

ልብና ብንስሓ መርሚርና ካብ ሓጥያት ተፈሊና እንተ ቀሪብና እግዚአብሔር ጸሎትና ይቅበለልና'ዩ፣ ብእነቅርቦ መባእውን ይሕጐስ። እግዚአብሔር ካብ መባእናን ስእለትናን ኣቀዲሙ ናይ ውሽጢ ልብና ቅንዕና እዩ ዝርኢ።”እግዚአብሔር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መሥዋዕቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ” ዘፍ.4፣4  ዝተባህለ ናይ ኣቤል ቅኑዕ ልቡን ንጹህቲ ንኣቤል እዩ ዝረኣየ። ኣብ ሕይወትና'ውን ክንርእዩ ዝግበኣና መባእና ናብ ቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር ቅድሚ ምቅራብና፣ እግዚአብሔር ንዓና ከምዝርኢ ብዝግባእ ተረዲእና ንገዛእ ርእስና ብንስሓ ክነዳሎ ይግበኣና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ዘሚካኤል

Post a comment

You must be logged in to post a comment.