Comments are off for this post

ሓዋርያዊ ዑደት ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ተዛዚሙ

ብብጹዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገረ ኤርትራ ሓዋርያዊ ዑደቱ ኣብ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዛዚሙ ሓደ ክፋሉ ናብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከምርሕ እንከሎ ሓደ ክፋሉ ድማ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ። ኣብቲ ዝነበረ ዑደት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ብምብጻሕ ዘለወን ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ምእመናን ዘትዮምን ቃለ ምዕዳን ሂቦምን። ኣብ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ውን ንቅዱስ ሲኖዶስ ወኪሎም ብምስታፍ፤ ኣኼባ መሪሖም ንኹሉ ከከም መንገዱ ድማ መልሲ ሂቦም። ካብኡ ሓሊፉ ውን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ዝኾኑ ኣርባዕተ 4 ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ክህቡ እንከለው፤ ንሓደ ድማ መዓርገ ዲቁና ሂቦም። ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ መንእሰያት ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ጉዳይ ቤተክርስቲያን ንዘለዎም ሕቶታት ንምምላስ ውን ብስልኪ ጉባኤ ኣካይዶም። ኣብቲ ዝተገብረ ጉባኤ ኣስታት 135 ተሳተፍቲ ተረኺቦም ኔሮም። መንእስያት ደቂ ቤተክርስቲያን ዘለዎም ሕቶታት ብጽሑፍ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ኣቦታት ውን ንኹሉ ዘዕግብ መልሲ ሂቦሙሉ። ጉዕዞ ሰላም ናይ ቤተክርስቲያን ኣብ ጽቡቅ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ሓቢሮም። ጉዳይ አቡነ እንጠንዮስ'ውን ብመሪሕነት ስምረት ገዳማትን፡ ጉባኤ ሊቃውንት ኣቦታት እናተመርሐ ናብ ናይ መወዳእታ ሰላማዊ ጉዕዞ ኣንፊቱ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ሰላም ቤተክርስቲያን ዘይደሊ ጸላኢ ብዙሕ'ኳ እንተብለ፤ መንእሰያት ብጸሎት ምስ ኣቦታቶም ክሰምሩ ከምዘለዎም ሓቢሮም። ጉዳይ አቡነ ሲኖዳ'ውን ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳብ ሎሚ ዓዲ ንኽኣትው ብተስፋ ይጽበዮም ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ ተረካቢ ወለዶ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብቲ ብመንበረ ፓትርያርክ ተመዲቡ ዘሎ ዕማማት ዓቢይ ተራ ክጻወት ከምዘለዎ ሓደራ ሂቦም፡ ኣብዚ እዋናዊ ዝኾነ ፈተናታት ድማ ብትዕግስትን ብህድኣትን ንኹሉ ክሰግር ከምዘለዎን፤ ኣብዘይ ምልከቶ ጉዳይ ድማ ብዘይምእታው ንኹሉ ብጸሎት ናብ ፈጣሪኡ እናተማሕጸነ ቤተክርስቲያኑን እምነቱን ከጽንዕ ተላብዮም። ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ዑደቱ ዛዚሙ ሓደ ክፋል ናብ ሃገር ክምለስ እንከሎ እቲ ሓደ ክፋል ድማ ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣምርሒ ኣሎ። ልዑል ፈጣሪ ንቤተክርስቲያና ሰላምን ዕብየትን ይሃበልና።

Comments are closed.