Comments are off for this post

ዑደትልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ንምስታፍ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ኣትዮም። ውሉደ ክህነትን ምእመናን ቤይ ኤርያ ድማ ብኽብ ዝብለ ክብሪ ተቐቢሎምዎም። ቅዱስ ሲኖዶስ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ውጥናት ሓደ ዑደት ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ኮይኑ፡ እዚ ድማ መቐጸልታ ናቱ እዩ። ብጹዓን ኣቦታት ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ሓዋርያዊ ዑደት ጉዳይ ቤተክርስቲያን ምስ ደቂ ቤተክርስቲያን እናዘተዩ፡ ምእመናን ድማ ኣብታ ሓዋርያዊት እመነቶም ክጸንዑ ሓደራ እናሃቡ ይርከቡ። ኩልና ደቂ ቤተክርስቲያን ድማ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ኣነስ ዘጨንቐኒ ናይ ቤተክርስቲያን ነገር እዩ" ከም ዝበሎ። ዘወትር ኣብ ልብና ክንሓሶቦን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታትና ድማ ብጸሎት ክንድግፎም ይግባእ። እምበኣር ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኣን እትርከቡ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ንኽትሳተፉ ቅድስት ቤተክርስቲያን በዚ ኣጋጣሚ ጻዊዒታ ተቕርብ።

lukan-ab-oaklnad-2 lukan-ab-oakland-3 lukan-ab-oaklnad-5lukan-ab-oakland-4

Comments are closed.