No comments yet

ዑደት ኣበው ናብ ሃገረ ሰብከትና

ብብጹዕ አቡነ ባሲልዮስ ኣማሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራን፤ መምህር ምልከጼዲቅን ዝምራሕ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ካህናት ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ንምስታፍ ሎሚ ሰንበት ፲፫ ጥቅምት ዋሽንግቶን ዲሲ ኣትዩ። ኣብቲ ዝተገብረ ኣቀባብላ  ካህናት ኣቦታት፤ ዲያቆናት ልብሰተ ክህኖ ለቢሶም፤ መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን ድማ ብያሬዳዊ ዝማሬ እናዓጀቡ ብኽብሪ ተቐቢሎምዎም። ጉባኤ ካህናት ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካና ካናዳን ዘወትር ዓመታዊ ዝካየድ ኮይኑ ሎሚ ድማ ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ዋሽንግቶን ዲሲ ሕዳር 18-20/2016 በቆጻጽራ ምዕራባውያን ክካየድ እዩ። ኩሎም ካህናት ኣቦታትን፡ ወከልቲ ሰበኻ ጉባኤታትን፡ ወከልቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ዝሳተፍዎ ዓቢይ ጉባኤ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ምህላዎም ድማ ዝያዳ በረከት ዝዓዘዞ ምዃኑ የረድእ። እዞም ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ፡ ኣብ ዕብየት ቤተክርስቲያን ተበጺሑ ዘሎ ደረጃን፡ ጉዕዞ ሰላም ቅድስት ቤተክርስቲያንን ስፍሕ ዝበለ መብርሂታት ክህቡ እዮም፡ ድሕሪ  ጉባኤ ካህናት ድማ ዑደት ክገብሩ ምዃኖም ዝበጸሓና ሓበሬታ የገንዝብ። እምበአር ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጉባኤ ሓዋርያት ተርኺቡ ዝባረኸሎም፡ ነዚ ጉባኤ ኣቦታትና ድማ ክባርኾን ዕውት ክኸውንን፡ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ብጸሎት ክንድግፍ ይግባእ።

 

 

Comments are closed.