No comments yet

ዜና ዕረፍቲ - ቀሺ በረከት ተኽለ ገብረኪዳን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

keshi Bereketኣታ ሕያዋይ እሙን በርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። ማቴ 25፡21።

ሓውናን ኣቦናን ቀሺ በረከት ተኽለ ገብረኪዳን ዓሪፎም። ኣቦና ቀሺ በረከት ካብ ኣቦኦም ኣቶ ትኽለ ገብረኪዳን ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ ዘውዲቱ ስዩምን 12 ሓምለ 1975 ኣብ ከተማ መቐለ ኢትዮጵያ ተወልዱ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ መጸውዒኡ ንፋስ ስልክ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክሳብ መጠቓለሊ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ተኸታተሉ።

  ኣቦና ቐሺ በረከት ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ዝተጸምዱ እዮም ነይሮም። ናይዚ መቐጸልታ ድማ መዓርገ ዲቁና ኣብ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ኢትዮጵያ ካብ ብጹእ ኣቡነ ሰላማ ተቐበሉ። ክሳብ ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ከኣ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ብመዓርገ ዲቁናን ወንጌል ብምስትምሃርን ኣገልገሉ። ኣብ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ስያትል ብዲቁናን ምእመናን ብምስትምሃርን ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ መዓርገ ክህነት ካብ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ 4 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ተቐበሉ። ክሳብ ' ዝዓርፉላ መዓልቲ ድማ ብመዓርገ ክህነት ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ስያትል ብተወፋይነትን ትግሃትን ኣገልገሉ።

ኣቦና ቐሺ በረኸት ናይ ፍልሰታ ሱባኤ ብጸሎትን ስግዳንን ተጸሚዶም ከሕልፍዎ ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስከዱ፡ ሱባኤኦም ወዲኦም ኣብ ምውዳእ ጾም ፍልሰታ፡ ምእመናን ኣስተምሂሮም ብሃንደበታዊ ሕማም ነሓሰ 19: 2016 ኣቋጻጽራ ምዕራባውያን ዓሪፎም። ሥነ-ስርዓት ቀብሮም ንረቡዕ ዕለት 31 ነሓሰ: 2016 ኣብ ዓዶም ዝባን ዑና ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣብ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ክፍጸም ኢዩ።

ኣቦና ቀሺ በረከት በዓል ሓዳር፡ ትሑትን ትጉህን ኣገልጋሊ ኢዮም ነይሮም። በዚ ኣጋጣሚ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ንኣቦና ሃገረ ሂወት ገነት መንግስተ ሰማያት የዋርሶም። ንመላእ ቤተ ሰቦም ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ምምሕዳር ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን

30 ነሓሰ 2016

Comments are closed.