
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።
ክብረ በዓል ደብረ ታቦር መድኃኔዓለም ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ግዝኣት ካሊፎርንያ: ኣብ ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብዕለት 25 ሚያዝያ 2017 ብግእዝ (03 ግንቦት 2025 ፈረንጂ) ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥርዓት ተኸቢሩ።
ነዚ በዓል እዚ ዓቢይ ድምቀት ዝሃቦ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ስለዝተካየደ’ዩ። ኣብዚ ክብረ-በዓል ክልተ ዘሕጉስን ፍስሃ ዝህብን ፍጻመታት ዝተኣንገደሉ በዓል’ዩ ኔሩ።
ብብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዝተበገሰን ዝተማእከለን ናይ ዕርቅን ሰላምን መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ መንጎ ደብረ ታቦር መድኃኔዓለምን ቅዱስ ገብርኤልን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ሎስ ኣንጀለስ (ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ) ብዕዉት መንፈስ ተዛዚሙ ዕርቀ-ሰላም'ውን ሰፊኑ። ኣብዚ መስርሕ፡ ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካንዳን ዲያቆን ሺኖዳ ንብጹዕ ኣቦና ኣሰንዩ ተሳቲፉ።
ብጹዕ ኣቦና፡ ብዕለት 1 ግንቦት 2025 (23 ሚያዝያ 2017) ምስ ሽማግለ ዕርቂ ክልቲኦም ወገናት ብዕሊ ብምርኻብ፡ ኩነታት መስርሕ ዕርቀ-ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብምቕጻል ምስ ኣባላት ደብረ ታቦር መድኃኔዓለም ብምርኻብ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ኣካይዶም። ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ፡ ብጽዕነቶም ሰላምን ፍቕርን ሕድገትን መሰረት ክርስቲያናዊ ህይወት ምዃን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ኩሉ ነገር ገዲፎም ኣብ ዕርቅን ዕብየት ቤተክርስቲያንን ከተኩሩ ኣባታዊ ምኽሪ ሂቦም። ኣባላት ደብረታቦር መድኃኔዓለም ብወገኖም ዝተሰምዖም ኩሉ ንብጽዕ ኣቦና ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ሰላም ፍቕርን ሕድገትን ከም ዝመረጹ ኣበሲሮም።
ድሕሪ’ዚ፡ ብጹዕ ኣቦና ናብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ብምምራሕ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ምስ ኣባላት ቤተክርስቲያን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ኣባላት ቅዱስ ገብረኤል ብወገኖም ሰላምን ፍቕርን ሕድገትን ከም ዝመረጹ ብወግዒ ኣበሲሮም።
ብጹዕ ኣቦናን ዲያቆን ሽኖዳን ኣባላት ቅዱስ ገብርኤል ቤተክርስቲያንን ተተሓሒዞም ናብ ቤተክስቲያን ደብረታቦር መድኃኔዓለም ብምምጻእ፡ ሓባራዊ መንፈሳዊ ርክብ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ኣባላት ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ብምትሕቑቛፍን ብሓባራዊ መዝሙርን ነቲ ንልዕሊ 9 ዓመታት ዝነበረ ሓጹር ዘይምርድዳእን ምትፍናንን ሰይሮም: ሰላምን ዕርቅን ፍቕርን ድማ ብዕሊ ተኣወጀ።
ንጽባሒቱ፡ ዓርቢ 24 ሚያዝያ 2017 ግእዝ (2 ግንቦት 2025 ፈረንጂ)፡ ኣባላት ቅዱስ ገብርኤል ቤተክርስቲያን ንዋዜማ ዓመታዊ በዓል ደብረታቦር መድኃኔዓለም ንምኽባር ብእኩብ ምስመጹ፡ ምእመናንን ምእመናትን
ቤተክርስቲያን ደብረታቦር መድኃኔዓለም፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ፍዮሪ (ዕምባባ) ብመንገዲ ኣደይ ኢታይ ስላስን ኣደይ ኢታይ ቅዱሳንን ብምብርካት፡ ብሓጎስን ብመዝሙርን ተቐቢሎሞም። ድሕሪ ዝቐረበ ናይ ሰላምን ምስጋንን መዝሙር፡ ብጹእ ኣቦና ናይ እንቋዕ ሓጎሰና ሓጺር መልእኽቲ ኣቕሪቦም። ነቲ በዓል ድርብ ሓጎስ ዝሃበ ድማ፡ ቀሺ በረኸት ኣብ መበረ ፓትርያርክ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ፡ ሊቀ ትጉሃን ቀሺ ሃብታኣብ ናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መራሕ ስራሕ፡ ከም’ውን ካብ ብዙሓት ከተማታት ኣመሪካ (ሳንሆዘ፡ ሳንታ ሮዛ፡ ኦክላንድ፡ ስያትል፡ ሳንዲያጎ፡ ላስ ቨጋስ፡ ዳላስ፡ ኢንድያናፖሊስ፡ ሚልዋኪ፡ ሲንሲናቲን ሎስ ኣንጀለስን) ንዓመታዊ በዓል ደብረታቦር መድኃኔዓለም ከኽብሩ ዝመጹ ልዕሊ 16 ሊቃውንቲ ካህናት ምስታፎም ኢዩ። ነቲ ናይ ዕርቂ መስርሕ ፍስሃ ወሲኾምሉ።
ድሕሪ’ዚ ብጹዕ ኣቦናን ሊቃውንቲ ካህናትን፡ ብዝወጸ መርሐ-ግብር መሠረት ሥርዓት ዋዜማ ብዝግባእ በጽሐ።
ካብዚ ቀጺሉ ነቲ ክብረ በዓል ከብዕሉ ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ድማ ብኃባር ኣብ ቤተክርስቲያን ብምንቃሕ ንክብሪ ጎይታናን መድሓኒናን ዝምልከት ሥርዓተ ማሕሌት ብትግሃትን ተምሳል መላእክትን ከብጽሑ ድኅሪ ምኅዳሮም፡ ብመሪሕነት ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ሥርዓተ ቅዳሴ ተሠርዐ።
ድኅሪ ቅዳሴ፡ ብጹዕ ኣቦና አቡነ ኤልያስ፡ ብምኽንያት ዕርቀ-ሰላም ደብረታቦር መድኃኔዓለምን ቅዱስ ገብርኤልን እንቋዕ ሓጎሰና፡ እግዚኣብሔር ይኽበርን ይመስገንን ዝብል ናይ ሓጎስ ቃል ኣስሚዖም። 'ክርስቶስ ሰላምን ፍቕርን ማለት’ዩ። ሰላም እንተሃልዩ ኩሉ ኣሎ ሰላም እንተዘይሃልዩ ግና ወለሓንቲ ኣይርከብን ኢዩ። ኩልና ነዛ መጺኣ ዘላ ሰላም ዋጋ ክንኸፍለላን ክንሕልዋን ክንሕብሕባን ክንዕቅባን ይግባእ።" ብምባል ብጹዕ ኣቦና ተላብዮም።
ድሕሪ’ዚ፡ ብጹዕ ኣቦና ናብቲ ናይቲ ዕለት ዝተዳለወ ዓሙቅ ዝዀነ ስብከትን ቃለ ማዕዳን ብምእታው፡ ስፍሕ ዝበለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ብጹዕነቶም፡ ዘፍጥረት ምዕራፍ 31 ካብ ፍቕዲ 44 ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ላባን ያእቆብን ዝተኣትወ ኪዳን ብምጥቃስ፡ ንሓውካ ዘይምብዳል ንሓውካ ሕማቕ ዘይምግባር ናትና ግደ ክኸውን ከምዝግበኦ ብሰፊሑ ኣብሪሆም።
ቀጺሉ ታቦተ ሕጉ ብዓቢይ ክብርን ኣገባብን ብመሪሕነት ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስን ሊቃውንትን፡ መስቀልን ጽንሐሕን ዝኃዙ ለባስያንን ውሉደ ክህነትን፡ ማኅበረ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዘይሩ። ኣብ ዝተዳለውሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ፡ ሊቃውንቲ ለዘብ ብምልዛብ ኣሸብሺቦም፡ ካብዚ ቀጺሎም ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት 3 መዛሙር ምስ ዘመሩ፡ ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ብጸሎተ ምህለላን ቡራኬን ናይ ብጹዕነቶም ብምዝዛም፡ ብጹእ ኣቦናን ሊቃውንቲ ካህናትን ዲያቆናትን ህዝበ ክርስቲያንን ናብ ዝተዳለወ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምርሑ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።























