ክጸርፎ ኣይደለየን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

  

ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና ጸርፊ ኃጢኣት ኢዩ፡ ንገሃነመ እሳትውን የውርድ ኢዩ። [ማቴ 5፥22]

ኣሽንኳይ ወዲ ሰብ እቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ መላእኽቲ ብዝገበርዎ ዓመጽን ክሕደትን፡ ጸርፍን ጥልመትን ዓስቢ ክፍኣቶም ምእንቲ ክረኽቡ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ ኣዳልይሎም ኣሎ። [ይሁ ቁ 6] እቶም ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ፡ ብሕልሚ ተገሊጽልና ኢዩ እናበሉ ንሰብነቶም ዘርክሱ፡ ድልየቶም ዝፍጽሙ፡ ንሥልጣን ዘበለ ኵሉ ዘቃልሉ፡ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ሰማያውያን መላእኽቲ ከይተረፈ ዝጸርፉ፡ መልክዕ ሰብ ዘለዎም፡ ብግብሪ ግና ደቂ ዲያብሎስ ዝኾኑ ሰባት፡ ንዓኣቶም'ውን እታ ነቦኦም [ንዲያብሎስ] ዝረኸበቶ ፍርዲ ክትረኽቦም ኢያ። እዚ ናይ ግድን ክኸውን ኢዩ።

 ጸርፊ ምጽራፍ እንተ ዝፍቀድ ነይሩ ቅድሚ ዅሉ ክጽረፍ ዝግብኦ፡ ጸሪፍካ'ውን ክትጸግቦ ዘይትኽእል ዲያብሎስ ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ንሱ ንኣምላኽ ከም ሓሳዊ፡ ንነፍሱ ግና ከም ጻድቕ ፍጥረት ገይሩ ዝጥምት ከዳዕ፡ ቀታሊ ሰብ፡ ሓሳዊ፡ ዓማጺ፡ መታላሊ፡ ከሓዲ… ስለ ዝኾነ፣ ጸሪፍካ ኣይትገልጾን ኢኻ። ብሓጺሩ ንሰይጣን እቲ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ጸርፊ ይውሕዶ እምበር ኣይበዝኆን ኢዩ። [ዘፍ 3፡5]

ቅዱሳን መላእኽቲ ድላዮም ክገብሩ፡ ነቲ ብመገዶም ምኻድ ዝኣበየ ክቐጽዑ ሥልጣን እኳ እንተ ሃለዎም፡ [ዘፀ 23፡20-21] ከምቲ ቅዱስ ገብርኤል ንካህን ዘካርያስ ዓባስ ክኸውን ዝፈረዶ፡ ቅዱስ ሚካኤልውን ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ሰይጣን ኣብ ዝተኸራኸረሉ እዋን፡ በቲ ዝተዋህቦ ሥልጣን፡ ዓባስ ክገብሮን፡ ዓስቢ ዓመጻኡ ክህቦን ክዂንኖን እናኸኣለ ከሎ፡ ``እግዚአብሔር ይግናሕኻ`` ጥራይ ኢልዎ ምኻዱ ንዓና ዓቢይ ትምህርቲ ኢዩ። ንሓደ በደለኛ ከም በደሉ ገይሩ ክቐጽዖ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ'ውን ኢድና ከነእቱ ከም ዘይብልና ተማሂርና ኣለና። [ቍ. 9]

እንደገና ክርስቲያን ንዝጸርፎ ዕጽፊ ገይሩ ክመልሰሉ ዘይኮነስ ክምርቖ፡ ንዝረገሞ እንደገና ክረግሞ ዘይኮነስ ክባርኾ ኢዩ ኣምላኽ ጸዊዕዎ። አቦና መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸረፈ ንጸላእቱ ምሕረት ይልምነሎም ካብ ነበረ፡ ንሕና’ውን ነዚ ኢና ክንደግሞ ዘለና። [ማቴ. 5፡44 ፣ ሉቃ 6፡28] እቲ ዝጸርፍ ወዲ መን ምዃኑ፡ ሥራሕ መን’ውን ይሠርሕ ከም ዘሎ ክርድኣና ኣለዎ። ሰይጣን እምበር ኣምላኽ ኣይጻረፍን ኢዩ። ከምኡ እንተ ዝኸውንስንስ፡ ``ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት'ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን`` ዝብል ቃል ኣይምተጻሕፈሉን ነይሩ። [1ይ ጴጥ 2፡22] ስለዚ ንሶም ሥራሕ ኣቦኦም ስለ ዝኾነ ይጽረፉ፡ ንሕና ድማ ሥራሕ ኣቦና ስለ ዝኾነ ነቲ ጸርፎም ከም ምርቓ ክንቕበሎ ኢና።

ብሓቂ 'መርገም ንረጋሚኡ' ከም ዝበሃል ካብ ጸርፊኸ እንታይ መኽሰብ ኣሎ?! ቅዱስ ሚካኤል ንሰይጣን ክጸርፍ ክብል እንኳዕ ጊዚኡ ኣየጥፍአ። እንኳዕ'ውን ኣምላኽ ኣጸቢቑ ብሓውን ግብ ብዝበለ ጸልማትን ክኹንኖ የኅሊፉ ሃቦ።

"ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም እቲ ክቡር መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዝኃድር ተሓጐሱ" [1ይ ጴጥ 4፡14]

መር ቂርቆስ

Comments are closed.