ንሑር እስከ ቤተልሔም/ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

"ንሑር እስከ ቤተልሔም ወናእምር ዘንተ ነገረ ዘአርአየነ እግዚአብሔር፣ ነዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ" (ሉቃ. 2፡15)።

ነዚ ቃል ዝተዛረቡ ንዓሠርተ ሰዓታት ዝኣክል ለይቲ ብሠለስተ እብረ ተማቂሎም ኣብ መሮር ማሎም ኣብ ምሕላው ዝነበሩ ጓሶት ቤተልሔም ነበሩ። በዛ ለይቲ እዚኣ መልኣኽ እግዚአብሔር ተገልጸ፡ ክብሪ እግዚአብሔር'ውን ኣብ ዙሪያኦም ኣብርሀ። ንሳቶም 'ውን ኣዝዮም ፈርሁ ንፍርሃቶም ዝቅንጥጥ ንእኦም ጥራይ ዘይኮነ ንኵሎም ደቂ ኣዳም ዝኸውን ዓብይ ብሥራት ሓኈስ ብብሥራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ ኢሉ ኣበሠረ 'እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣለኩ'ሞ ኣይትፍርሁ፡ ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ፡' በለ (ሉቃ2፥8-13)። እቶም ጓሶት ገሪምዎም ከሎ ሃንደበት ብዙኃት ሠራዊት ሰማይ (መላእኽቲ) ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ከምዚ እናበሉ የመስግኑ ነበሩ "ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር-----ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ መንጎ ንእግዚአብሔር ዝሕጐሰሎም ሰብ"፣ እቶም ጓሶት ነዚ ምስጋና ንመጀመርታ ጊዜ ተቐበሉ፡ ሽዑ ንሽዑ ምስቶም መላእኽቲ ኃቢሮም ብዓቢይ ሓጐስ ብሓድነት ዘመን፥ ንብዙኅ ዘመናት ተፈላልዮ ዝነበሩ ፍጥረታት መላእኽትን ሰብን ሓደ ኮኑ። እዚ ሓጐስ ሓድነትን እዩ፡ እምበኣር ማሎም ገዲፎም ካብ መሮር ናብ ውሽጢ ከተማ ቤተልሔም ዘንቀሎም ንሕና'ውን ሎሚ ነዚ ሓጐስን ሓድነትን ኂዝና ካብ ዝነበርናዮ ናይ ኃጥኣት ቦታ ተኣሊና፡ ናብ ዝተወለደሉ ቤተልሔም ክንከይድ ቤተክርስትያን ወትሩ ትጽውዓና ኣላ። ብንስሓ ተሓጺብና ብቅዱስ ቍርባን ተሓቲምና፡ ብፍቅሪ ጸጊና ከምቶም ጓሶት ከነመስግን ናብ ቤተልሔም ክንከይድ ኢና ንበል።

ብዛዕባ ክርስቶስ ምውላዱ ዝተነግሩ ትንቢታት

ብዛዕባ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝውለድ ዝተነግረ ትንቢታት ብዙኅ እኳ እንተኮነ ገለ ካብኡ ክንርኢ፡

1. ኢሳ. 7፡14
'ናሁ ድንግል ትፀንስ ወትወልድ ወልደ ወትስምዮ ስሞ አማኑኤል፡ ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ፡ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ'ውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ። ወንጌላዊ ማቴዎስ ንኣማኑኤል ዝብል ቃል 'ዘበትርጓሜሁ እግዚአብሔር ምስሌነ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ' ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ (ማቴ. 2፡23)።

2. ኢሳ. 9፡6
'ሕፃን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለዓለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።

3. ሚክ. 5፡2
'ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተልሔም፣ ንስኺ ኻብተን ይሁዳ ዘለዋ ከተማታት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸተንሥእ እየ።' …… ወቦ ዘተርፈ!

- ኮታ ብዙኅ ተነጊሩ እዩ። 'እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ' ኢሉ ዝተጻሕፈ፣ ካብ ኣርዑት ባርነት ነጻ ዘውጽእ መልሲ እግዚአብሔር ከምጽእ ንዘይከኣለ ጽድቂ ደቂ ኣዳም ክምለስ ዳግም ክብሪ ክህበና ምእንታና ኢሉ ኣምላክ ሰብ ኮነ (ኢሳ9፡1-2፣ ማቴ. 4፡16)። ሎሚውን ንሕና ኵልና ኣብ ጸልማት ዘለና ነዚ ናይ ልደት ምኽንያት ጌርና ክንምለስ ናብ እግዚአብሔር ኣዚና ክንቀርብ እግዚአብሔር ናይ ምንቅቃሕ መንፈስ ይሃበና፡ ኣሜን። ኣብቲ ንዑቅ ስፍራ እንስሳታት እቲ ክቡር ጐይታ ዕፁብ ድንቅ ብዝኾነ ምሥጢር ተወልደ። እዋኑ እዋን ከቢድ ቍርን ኣሳሕይታን ቀዝሕን ስለ ዝነበረ ኣቀዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ማለት 'እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ፡ ሪኢኩ ግብረከ ወአንከርኩ፡ በማእከለ ክልኤ እንስሳ ሪኢኩከ ፣ ኦ እግዚአብሔር እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ግብርኻ ርእየዮ፡ ኣድኒቀዮውን። ኣብ ማእከል ክልተ እንስሳ ረኣኹኻ' (ዕን. 3፡2 ፣ ኢሳ1፡2-3) ክፍጸሙ ኣብ መብልዕማል ተወልደ፡ ከብትን ኣባጊዕን ትንፋሶም ገይሮም ኣመቕዎ። ነዚ ከቢድ ብኣእምሮ ደቂ ሰባት ዘይምርመር ምሥጢረ ሥጋዌ እዮም መላእኽትን ጓሶትን ሓደ ኮይኖም ብሓድነት ነቲ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዘመስገኑ። 'ንሕነሰ ምንተ ንግበር፣ ንሕና ኸ እንታይ ንግበር፧' ከምቲ እቶም ጓሶት ነዚ ዓቢ ብሥራት ልደት ምስ ሰምዑ ናብ ቤተልሔም ንኪድ ዝበሉ፡ ንሕና'ውን ንታሪኽ እዛ ንነብረላ ፕላኔት (ዓለም) ንክልተ ብስሙ ዝመቀለ ንኵሎም ደቂ ኣዳም ብፍቕሩ ሓደ ዝገበረ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት በዓል ንምብዓል ናብ ቤተልሔም ማለት ናይ ሕይወት እንጌራ ሓቀኛ መብልዕ ሕይወት ቀሪባ እትጽውዓና ቅድስቲ ማኅደሩ፡ ሓድነት ጓሶትን መላእኽትን ኣብነት ብምግባር ብሓድነት ናብታ ምስ ጐይታ እንራከበላ ቤተ ክርስትያን ንኺድ፡ ኣብኡ ድማ ዘደንቅ ምሥጠሩ ርኢና ኣብኡ ክንነብር ከም ቅዱስ ጴጥሮስ 'ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ' ኢልና ክንውስን ኢና (ማቴ17፡3)።

በረኸት ልደት

በረኸት ልደት ንግብሪ ኃጢኣት ደርቢካ ግብሪ ጽድቂ ምውላድ እዩ። ስለዚ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብዚ ክንሪኦ ዝግብኣና፡ እቶም ጓሶት ንማሎም ኃዲጎም ክከዱ ዘገደዶም ነገር እንተሃልዩ ቅድሚ ኵሉ ክንደልዮ ዝግብኣና መንግሥቱን ጽድቁን ስለዝኾነ እዩ (ማቴ6፡33)። ክብሪ ኣምላኽን ፍቕሩን ለውሃቱን ዝረኣየ ሰብ ናይዛ ዓለም ኃላፊ ወርቅን ብሩርን ንዒቁ ናብ ጐይታ ብምሉእ ልቡ ይጽጋዕ። ከምኡ ድማ ልክዕ ከምቶም ጓሶት ነቲ ኣቀዲሞም ዝሰምዕዎ ኣብኦም ምስ ተፈጸመ፡ ዘዘንተዉ ንሕና'ውን ሥራሕ እግዚአብሔር ብዙኅ ጊዜ ክንገር ሰሚዕና ሱቅ ክንብል ዘይኮነስ ናብ ቤተልሔም ከይድና ዝናኡ ተመልኪትና ምባል የድሊ። ነዚ ምስ እንገብርና ድማ ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ዝበሎ 'ገበርቲ ቃል ኩኑ፡ርእስኩም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ቃል ጥራይ ኣይትኩኑ' ንኸውን (ያዕ. 1፡22)። በሉ ሕዝበ ክርስትያን እዚ ቃል ንዅልና እዩ'ሞ ሰሚዕና ክንገብር፡ ጌርና ድማ ክንጸድቅ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ኣይጋደፈና።

ርሑስ በዓለ ልደት በዓለ ጌና(ገና) ይግበረልና።
'ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ እምቅድስት ድንግል፣ ቤዛ ኵሉ ዓለም ኮነ ዮም ተወልደ ክርስቶስ።

ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም
27 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም.
06 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ፈረንጂ

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላክ አበዊነ፡ ለዘጸገወነ ሠናይቶ ወበጸሎታ ለቅድስት ድንግል ማርያም እመ አምላክ፣ አሜን።

Comments are closed.