አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክፋሌ ባሕር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክፋሌ ባሕር [18 መስከረም]

ሎሚ 18 መስከረም መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዝክሮም፡
ክቡር ኣቦና ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝዓረፉሉ፡
ኣደ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ንግሥት እሌኒ ትዝከረሉ፡
ኣባ ኣኖሬዎስ ዝዓረፈሉ፡
ካልእ ቅዱስ መርቆሬዎስ ብሰማዕትነት ዝዓረፈሉ
ናይ ቅዱስ መስቀል በዓል ክንገብር ዝተኣዘዝናሉ፡
ግብጻዊ ሊቅ ኣባ ያዕቆብ ዘዕረፈሉ፡
ናይ ቶማስን ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ዓጽሞም ዝተረኽበሉ ዕለት እዩ፡ ናይዞም ዅሎም ጸሎቶምን በረኸቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ንዘልዓለም ይንበር ኣሜን። ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ናይ ኣቦና ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕር ታሪኾም ክንርኢ ኢና፡ ምሥጢራቱ ይግለጸልና ኣሜን።

መዝ. ፻፲፩፡፮/112፥6 'ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ……መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር። ' እዩ'ሞ ዝኽሪ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ እንሆ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንዘልዓለም ጸኒዑ ይነብር ኣሎ፡ ንዘልዓለም በረኸቶም ኣባና ጸኒዑ ይንበር። ናይ ኣቦና አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስም ኣቡኡ ክርስቶስ ሞዓ ስም ኣዲኡ ድማ ሥነ-ሕይወት ይበሃሉ። እዞም ክልተ ወለዲ ብሕጊ እግዚአብሔር ጸኒዖም ብፈሪኃ እግዚአብሔር ዝነብሩ ነበሩ። ብብሥራት ቅዱስ መልኣኽ ነዚ ቅዱስ ወላድ ወሊዶም፡ ገና ምስ ተወልዱ ኤዎስጣቴዎስ ንኣምላኾም ኣመስገኑ፣ እንዳዓበየ ምስ ኸደ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ መዝሙረ ዳዊትን ምሳልያት ሰሎሞንን መሃርዎም፡ ብኸምዚ ብጸጋ እናዓበዩ ምስ ኸዱ፡ ኣዲኦም ናብ ኣኩኡ ኣባ ዳኒኤል ወሲዳ ክምህሮን ከዕብዮን ሃበቶ። ኣባ ዳኒኤል ድማ ኵሉ ትምህርቲ ብዝግባእ ምስ መሃሮ ልብሰ ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ኣልበሶም፡ ኣብቲ ገዳም ክሳዕ ዝግረሙ ብጾምን ብጸሎትን ብስግደትን ጸኒዑ ንእግዚአብሔር እንዳሰመረ የገልግል ነበረ። ኣገልግሎቱ ሪኦም መዓርገ ዲቁና ሾምዎ ብከምዚ ንነዊሕ ኣገልግሎት ብቕድስና የገልግል ነበረ።
ድኅርዚ ናብ ጳጳስ ወሲዶም መዓርገ ቅስና ሾምዎ፡ ብኸምዚ ንብዙኅ ጊዜ ብንጽሕና እናገልገለ ከሎ ኣብ ሱባኤ ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ ብጸሎት ምስ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍአ ይራከቡ ነበሩ'ሞ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተገሊጻ ነዞም ክልተ ቅዱሳን 'ነቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ቤተ መቕደሰይ ቀድሱለይ' ስለዝበለቶም ብሓንሳብ እናኸዱ ከለው ኣብ ኣሥመራ ቁሸት ምስ በጽሑ ኣብ ቅድሚኦም ዓበይቲ ጎቦታት ጸንሖም'ሞ ኣቡነ እንድርያስ ብዕድመ ኣሪጎም ስለዝነበሩ ብጸሎቶም ነቲ ጎቦ ካብ ኣሥመራ ቁሸት ናብ ዓርበረቡዕ ኣግዓዝዎ ብድኅርዚ ቀዲሶም ተመሊሶም እዮም።

ደኃር በበይኖም ተፈላልዮም እናነበሩ ከለው እግዚአብሔር ኣምላኽ ተገሊጹ ንኤዎስጣቴዎስ “ንምስክር ክትኮነኒ ኪድ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኣብኡ ተከራኺርካ መጽሓፍ ገንጺልካ ክትረትዖም ኢኻ፡ ስምካ ድማ ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኣርመንያ ክትምስክር ኢኻ።” ስለዝበሎም ኣቦና ድማ ምእንቲ ኽብሪ ቀዳሚት ሰንበት ካብ ሃገርና ኤርትራ ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ በቶም ናይ ግብጺ ጳጳስ ዝምርሑ ንጉሥን ካብ ገዳማትን ሊቃውንት ኢትዮጵያን ደባትር ካህናትን ብምኻድ ነዞም ኵሎም ሰባት ምስ ንጉሦምን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ደቆም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ገንጺሎም ነዞም ዅሎም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣሕፈርዎም'ሞ እቶም ናይ ግብጺ ጳጳስ ድማ ነቲ ንጉሣዊ ኃይሊ ተጠቂሞም ከፈራርህዎም ከርዕድዎም ደለዩ ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ግና ዝመጸ እንተመጸ ኵሉ መከራ ሓንቲ ከምዘይገብሮም ኣሚኖም ነዞም ዅሎም ምስ ደቆም ኮይኖም ክምልስሎም
“ እግዚኣብሔር ባዕሉ ዘኽበራ ቅዱሳን ነብያት ክትክበር ዝመሃሩላ ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶሶም ዝሠርዕዎ፡ ቅዱሳን ሊቓውንት ዘስተምሃርሉ ባዕሎም እቶም ናይ ግብጺ ጳጳሳት እኒ ቅዱስ ኣትናቴዎስ፡ ቅዱስ እለስክንድሮስ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ዘስተምሃሉሉ ቀዳሚት ሰንበት ክትክበር ዝሠርዕዋ፣ ንስኹም ከመይ ጌርኩም ሎሚ ክተፍርስዎ፧።" ብምባል ብድፍረት ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ገንጺሎም ረትዕዎም።

ኣብዚ ጊዜ'ዚ ጳጳስ ናይ ግብጽን ንጉሥ ኢትዮጵያን ካህናትን መምህራን ኢትዮጵያን ዝኣመኑሉ ኣቦና ግና ነዚ ነገር ከምዘይቅበልዎ ነገርዎም። ሽዑ ዘደንጹ ቃላት ንእዝንካ ጭው ዘብል ከምዚ ክብሉ ተዛረብዎም 'እሞ ንስኻ'ዶ ካብ ጳጳሳት ግብጺ ትዓቢ ኢኻ፧ ንሶም ዝበልዎ ዘይትቅበል።" በልዎም። ቁሩብ ናብዚ ዘመንና ምልስ ምስ ንብል እዚ ቃል ሎሚ'ውን ብተደጋጋሚ ንሰምዖ ቃል እዩ ከምዚ ይብሉና 'ናይ ግብጺ ጳጳሳትን መምህራንን ንቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ እናበሉ ከመይ ጌርኩም ንስኹም ጥንተ ኣብሶ የብላን ትብሉ፧' ዝብሉ ብዝኸድካዮ ኢኻ ትሰምዕ፣ ነቦና ድማ እዚ ቃል እዮም ኢሎሞም ካብቶም ምስኦም ዘለው ምሳና ዘለው ይበዝኁ ክትብል ትግደድ፡ ስለዚ ቅድሚ ናይ ግብጺ መምህራን ምባልና ኣብ ሃገርና ዘለውን ዝነበሩን ክንደይ ዘደንቁ ተኣምራት ክንደይ ዘደንቁ ትምህርታት ዝገብሩ ከምዘለው ኣይንዘንግዕ እዚ ትምህርቲ ኣብ ካልእ ጊዜ ክንምለሶ ኢና ንግባእኬ ሃበ ጥንተ ነገሩ እዩ እሞ ናብ ዝነበርናዮ ክንምለስ ኣቦና ግና መጽሓፍቲ ኣምጺኦም ረቲዖሞም ናብ ሃገርና ብድጋሚ ተመልሱ ኣብ ሃገርና ኣብ ብዙኅ ቦታታት እናተዛወሩ ማለት ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ኤርትራ እናተዘዋወሩ ብዛዕባ ክብሪ ቀዳምን ሰንበትን ክትክበር ከምዘለዋ መላእ ሃገርና ኣስተምሃሩ፡ ብዙኃት ሕሙማት ድውያት ፈወሱ ምውታት ኣተንሥኡ ዘደንቁ ተኣምራትውን ገበሩ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ቤተ ክርስትያኖም ኣብኡ የዕሪፎም ኮፍ ኢሎም ከለው ኣብኡ እታ መወጾም ረሲዖማ ነዊኅ መንገዲ ተጓዕዙ፡ ደኃር ነታ መወጾም ምስ ዘከርዋ ንሓደ ካብ ተመሃሪኦም ጸዊዖም ወደይ ኣብታ ኮፍ ኢልናላ ዝነበርና ኬድካ እታ መወጸይ ዘይጠጢዓ ኣምጽኣያ እንተጠጢዓ ግና ግደፋ ኢሎም ለኣኽዎ፡ እቲ ዝተላእኸ ወደ መዝሙሮም ከምቲ ዝተባህለ ነታ መወጾም ከምጽኣ ምስ ከደ ጠጢዓ ቦቝላ ጸኒሓቶ ሰንቢዱ ናብ ኣቦና ከይዱ ኣቦና ቦቝላ ጸኒሓትኒ በሎም። ብኸምዚ ድማ እቲ ገዛውቲ ካብዚ ዝተበገሰ ካብ ግደፋ ጎድፍ ጸኒሑ ድማ ጎዳይፍ ተባህለ ክሳዕ ሕጂ ድማ ብእኡ ይጽዋዕ ኣሎ፡ እታ መወጾም ድማ ከም ታሪኽ ኾይና ኣብዚ ደብረ መድኃኒት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ቤተ ክርስቲያን ጎዳይፍ ኣሥመራ ክሳዕ ሕጂ ኣላ፣ ዘገርም ድንቂ ታሪኽ እዩ።

ኣቦና ብድኅሪዚ ናብ ብወገን ኖብያ ሱዳን ኣቢሎም ንሕዝቢ እናመሃሩ፡ እናጥመቁን እናፈወሱን ግብጺ ኣትዮም እዮም፣ ኣቡነ መንቆሬዎስ ዝርከብዎም ናብ እስክንድርያዊት መንበረ ማርቆስ ኣትዮም ሰላምታ ተለዋዊጦ ምስ ኣባ ብንያሚ ተራኺቦም ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጳጳስ ኣርድእቲ ኣብኡ ስለዝጸንሕዎም ከምዚ ክብሉ ከሰስዎም 'ዝንቱሰ ኤዎስጣቴዎስ ወደቂቁ ኢየኃብሩ ግዕዘ ምስሌነ ወኢያከብሩ ሰንበተ አይሁድ ወኢይበልዑ ሥጋ ምስሌነ ወኢይሰትዩ ወይነ ወሜሰ ወዓዲ ብዙኃ ትእምርታተ ቦሙ…… እዚ ኤዎስጣቴዎስን ደቁን ምሳና ኅብረት የብሎምን፡ ሰንበተ ኣይሁድ ድማ ኣየኽብሩን ሥጋ'ውን ምሳና ኣይበልዑን፡ ወይንን ሜስን ምሳና ኣይሰትዩን እዝን ከምዝን ካልእ ትምህርትታት እዩ ዘለዎም" በልዎም፣ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ነገር 'ሓሳዊ'ሲ ተቀዳዲሙ ተገምጢሉ ይከስስ!' ዝብልዎ ነቦና ድማ ብሓሶት ከሰስዎም፣ እቶም ጳጳስ ከረጋግጹ ኢሎም ነቦና ሓተትዎም ኣቦና ድማ እቲ ዝኣምኑሉን እቲ ሓቂ ትምህርቲ ዝምህርዎን ኣብ ቅድሚኡ ነገርዎ እምበር እዞም ሰባት ብሓሶት ከሲሶምኒ ዝብል ቃል ኣየውጽኡን፣ ደኃር ቀዳሚት ሰንበት ክትኽበር ከምዘለዋ መጽሓፍቲ ኣምጺኦም ርቱዕ ትምህቲ ሃይማኖቶም ኣብ ሃገሮምን ጳጳሶምን ንጉሦም ነገርዎም፡ ደኃር እቶም ጳጳስ ዝተዛረብዎ ቃል 'እዚ ትምህርቲ ጠፊኡና ኣይኮነን፡ ኤዎስጣቴዎስ ትምህረሉ ዘለኻ ትምህርቲ ሓዋርያት ምዃኑን ኣቦታትና ዝሠርዕዎን ምዃኑ ንፈልጥ፣ ግና ንሕና ንምሕደራ ክጥዕመና ኢልና ዝገበርናዮ እዩ። ምስ በልዎም ኣቦና “ ካብ ሕጊ ሰብ ምፍጻም'ሲ ሕጊ እግዚኣብሔር ምፍጻም ይበልጽን ይሓይሽን።” ብምባል ፍጹም ዝኾነ ተግሣጽ ገሢጾም ግቡእ ትምህርቲ ምሂሮም ንደቆም ድማ ብዝግባእ ኽብሪ ቀዳሚት ሰንበት ምሂሮም ኣጠንኪሮም። ነቶም ንኤርትራ ሃገርና ክምለሱ ዘለዎም መሊሶም ንሶም ድማ ናበይ ምዃኑ መንገዶም ክነግሮም ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ምስ ጸለዩ 'ናብ ኣርማንያ ኪድ' በሎም።

ኣቦና ድማ ናብቲ ደንደስ ባሕሪ ኣቢሎም ብምዃድ ሓደ በዓል መርከብ ኣብቲ ደንደስ ባሕሪ ጸንሖም'ሞ ክማልኦም ሓተትዎ ንሱ ግና ገንዘብ እንተዘይብሎም ከምዘይማልኦም ነጊሩ ተበገሰ ጕዕዝኡ ጀመረ ኣብቲ መንገዲ ሓደ በዓል ዕንጨይቲ ዝፍልጽ ዝነበረ 'እግዚኦ ኣይትመሓረነ ክርስቶስ' እናበለ ክፍልጽ ምስ ሰምዕዎ 'እዛ ወደይ! እዚ ትብሎ ዘለኻ ከምኡ ኣይበሃልን እዩ፡ እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ እዩ ዝበሃል' ምስ በልዎ እቲ ሰብ ድማ እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ እናበለ ክፍልጽ ጀመረ። ኣቦና ኣብዚ ጊዜ'ዚ ነቲ ዓጽፎም (መንጸፎም) ዓጺፎም ንደቆም ደቀየ ኣብ ልብኹም ዘሎ ቂምን ክፍኣትን ይቕረ ተበሃሃሉ በልዎም ዅሎም ድማ ይቅረ ተበሃሃሉ፡ ሓደ ግና ካብቶም ኣርድእቶም የማነ ብርሃን ዝበሃል ይቅረ ኣይበለን ነይሩ፡ ድኅሪዚ ነታ ዓጽፎም ባሪኾም ጸሎት ጸልዮም ኣብቲ ባሕሪ ኣንጺፎም በቲ ባሕሪ እናተጓዕዙ ክኸዱ ከለው ነቲ በዓል መርከብ ኣርከብዎ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኵሎም ተገረሙ።
እቲ ኣብ መንገዲ ዝገደፍዎ ነታ ዝነገርዎ እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ እትብል ስለዝረስዓ እንዳጐየየ ብማየ ማይ ኣርከቦም እሞ “ ኣቦና እንታይ ኢኹም ዓንተቦይ ኢልኩምኒ፧” ምስ በሎም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ረኣይዎ ኣብ ባሕሪ ብእግሩ “ እዛ ወደይ ኪድ ከም እምነትካ ይኩነልካ። “ በልዎ ብእግሩ ድማ ተመልሰ ፣ ደኃር እናተጓዕዙ ከለው እቲ ይቅረ ዘይበለ የማነ ብርሃን በታ መንጸፎም ሰሊኩ ጠሓለ ኣብቲ ባሕሪ ተረፈ። ኣቦና ተጓዒዞም ኣብ ኣርማንያ በጽሑ'ሞ እቲ በዓል መርከብ ወሪዱ ይቕረ ክብሉሉ ለመኖም ይቕረ በሉሉ።

ኣብዚ ጊዜ'ዚ ሰብ ኣርማንያ ሰብ ሞይትዎም እናበኸዩ ክቐብርዎ እናኸዱ ከለው ኣቦና ስለዝረኣይዎም ደንጊጾም ነቲ ምውት ካብ ሞት ኣተንሢኦሞ እዮም። ኣቦና ኣብ ኣርማንያ እናስተምሃሩ እናኣጥመቁ፡ ምውታት እናተንሥኡ፡ ሕሙማት እናፈወሱ፡ ድውያት እናድኃኑ ድኅሪ ምጽናሕ ብዙኅ ገድሊ ተጋዲሎም።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተገሊጹ ከምቶም ካልኦት ኅሩያን ቕዱሳን ከምቲ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ “ ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ።” ምስቶም ዝፈትዎም ቕዱሳን ኪዳን ኣተኹ። “ [መዝ. 89፡3] ዝበሎ ነቦና ድማ ቃል ኪዳን ክህቦም መጸ፣ ስምካ ዝጸውዐ፡ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ዝለመነ፡ ቤተክርስትያንካ ዝተሳለመ፡ ንቤተክርስትያንካ ሞባእ ጥዋፍ ሥርናይ ወይኒ ዝሃበ፡ ገድልካ ዝሰምዐ ዘስምዐ ዘንበበ ዘጽሓፈ ዝጸሓፈ፡ ብስምካ ንነዳይ ዘብልዐ ዘስተየ ኣነ ክምሕረልካ እየ፡ ንኤርትራ ሃገር ድማ ናይ ኣስራት ደቅካ ክገብራ እየ ብምባል ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ብ18 መስከረም ብሰላም ዓሪፎም።
ጸሎቶምን በረኸቶም ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን፡ ሎሚ'ውን ሕዝበ ክርስትያን ነስተውዕል ንሕና እኒ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ እኒ ኣቡነ ፊሊጶስ እኒ ኣቡነ መንቂሬዎስን ኣቡነ ኣብሳዲን ካልኦትን ንሃይማኖቶም ደው ኢሎም ዝምሃሩ ኣቦታት እዮም ዘለውና እሞ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ “ ዓዲ ኩስቶ በጺሕና ኣሎና ኣይንተሃመል።” ይብሉ ነይሮም እሞ ነስተውዕል፡ መንእሰይ ወለዶ ቅድሚ ናይ ካልኦት ሃገራት መምህራን ዝብልዎ ምስማዕ ናትና ሊቓውንት ቤተ ክርስትያን እንታይ ትብል ከነስተውዕል ይግብኣና፡ ከምቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቅስ ዳርጋ ጨርቂ ዝበሃል ኣይንግበሮ ምሳና ዘለው ንፍለጦም ንሕተቶም ነዚ ክንገብር ጸሎት ኣቦና ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣይፈለየና ንሃገርና ሰላምን ፍቅርን ሓድነት የውርዱልና፡ ናይ መተኣካከቢ መተሓቋቘፊ ዓመት ይግበረልና፡ ንንስሓሉ ኣእምሮ ይፍጠረልና ንጸድቀሉ ሕልና ይሃበና ኣሜን።

"ሰላም እብል ለዘአብረከ ሞገስ፡ ምስለ ፈጣሪ ትትናገር ሰባኤያተ ሰላስ፡ ኤዎስጣቴዎስ ዘሶጥከ ዲበ በድነ ሕፃን ነፍስ፡ ጊዜ ዐደውከ ማዕበላተ ዘአልቦ አርማስ፡ በዘባነ ባሕር እንዘ ትሰፍሕ ልብስ፡፡

ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት፡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት, ናይ ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ጸሎቶም ናይ ዅሎም ቅዱሳን በረኸቶም ረድኤቶም ምሕረት ኣምላኾም ኣይፈለየና ክብረ በዓል ዓውደ ዓመትና ይባርኸልና ንዓመታ ከምዚ እዋን ብሰላም ብጥዕና ብፍቕሪ የጽንሓና ኣሜን። ኵሉ ሰብ ኣንቢቡ ክመሃረሉን በረኸት ክቅበለሉን ንኻልኦት ነካፍል ንበሎ ዝጐደለ ዝነጠበ ብኣፍ ትጉሃን መላእኽት ይኣርመልና ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፣ አሜን።

ዲያቆን ዳኒኤል ኣብርሃም

Comments are closed.