ባሕረ ሓሳብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ባሕረ ሓሳብ
ናይ 2012 ዓመተ ምሕረት በዓላትን ኣጽዋማትን ብቀመረ (ቍጽሪ) ቅዱስ ዲሜጥሮስ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ።

ዓመተ ኩነኔ (ዓመተ ፍዳ) 5500 - ዓመተ ምሕረት(ዘመነ ሥጋዌ) ከኣ 2012 እዩ። 5500+2012 =7512 ብድምር ከኣ ዓመተ ዓለም ይበሃል ።
ወንጌላዊ ንምርካብ ን 7512- ን4 ንመቕሎም 1877 ይበጽሖም እዚ 1877 መጠነ ርብዒት ይበሃል። ራብዓይ ኣፍ ማለት እዩ ።
ተረፍ 1 እንተኾይኑ ዘመነ ማቴዎስ 2 እንተ ኾይኑ ዘመነ ማርቆስ እዩ። 3 እንተ ኾይኑ ዘመነ ሉቃስ ኢዩ፣4 ወይ ከኣ ማዕረ ተረፍ ዘይብሉ 0 እንተ ኾይኑ ዘመነ ዮሓንስ እዩ። ስለዚ ተረፍ 4/0/ ስለዝኾነ ናይ ሎሚ ዓመት ወንጌላዊ ዮሓንስ እዩ። መባጃ ሓመር ማለት ባሕቲ መስከረም ዝብሕተሉ መዓልቲ ማለት እዩ ።
ባሕቲ መስከረም ዓውደ ቀመር ንምርካብ ። ዓውደ ቀመር 7512+1877 =9389 ነዚ ን7 =ንመቕሎ 1348 ይበጽሖም ተረፍ 1 እንተኾይኑ ሰሉስ። ናይ ረቡዕ 2 ናይ ሓሙስ 3 ናይ ዓርቢ 4 ናይ ቀዳም 5 ናይ ሰንበት 6 ናይ ሰኑይ 0 ናይ ሎሚ ዘመን ተረፍ 3 ስለ ዝኾነ ባሕቲ መስከረም ሓሙስ እዩ ።
2ይ መደብ (ወንበር) ወይከኣ ተረፈ ዘመን ንምርካብ ን7512 ዓመተ ዓለም ን19 ብምምቃል ንረኽቦ። ዓመተ ዓለም 7512 ን19 እንተመቐልናዮም =395 ይበጽሖም ተረፍ 7 ንረክብ። ነዚ ዝረኸብናዮ ተርፍ ተረፈ ዘመን ይበሃል ፣ ካብዚ 7 ሓደ ንዘመን ኣእትት ኣትሪፍና (ምግዳፍ) ሂብና ዝተረፉ 6 ወንበር ንብሎም ፣
ካብዚ ቀጺልና በዞም 6 ተረፈ ዘመን ብምላደ መጥቅዕ 19- ምላደ ዓበቅቴን 11 እንዳ ኣርባሕና ዓበቅቴን መጥቅዕን ንረክብ ። ጠቕሚ መጥቅዕ በዓላትን ኣጽዋማት ዝውዕልሉ ፈልዩ ዝሕብር ኢዩ ። ጠቕሚ ዓበቅቴ ድማ ሰርቀ ሌሊት ዝሓድረሉ ለይቲ ዝሕብር እዩ፣
ነዚ ባሕረ ሕሳብ ካብ ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መበል 12 ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጵሳት ቅዱስ ዲሜጥሮስ 207 ዓ - ም ኣብ መበል 27 ዓመተ ሲመቱ ዝደረሶ እዩ፣ ሊቀጳጳሳት፣ቅዱስ፣ዲሜጥሮስ፣ናይ፣ጎይታናን፣ኣምላኽናን፣መድኃኒናን፣ኢየሱስ፣ክርስቶስ፣በዓላትን፣ ኣጽዋማ ትን ኣብዘይግብኦም ይውዕሉ ብምንባሮም ይሓዝን ስለ ዝነበረ ብለይቲ 7 ሱባኤ ብመዓልቲ 7 ሱባኤ የብጽሕ ነበረ። ብድሕሪ እዚ መልኣከ እግዚአብሔር ን23 ሱባኤ ብ7 ኣርብሓዮ መሊስካ ድማ ብቢ 30 ኣፍስሶ በሎ፣ድምሩ 161 ኮነ በቢ 30-150 ፈሲሱ 11 ኮነ ነዚ ዓበቅቴ በሎ እሞ ንሰርቀ ሌሊት መውጽኢ ይኹንካ በሎ፣
ደጊሙ ነቲ 7 ብ7 ኣርብሓዮ በሎ እሞ 49 ኮነ ካብዚ 30 ኣፍስሶ በሎ 30 ድማ ኣፍሰሶ ትረፍ 19 ረኸበ ነዚ ድማ መጥቅዕ በሎ በዚ በዓላትን ኣጽዋማትን ኣውጽኣሉ ኢሉ ገለጸሉ።
ሊቀ ጳጳሳት ዲሜጥሮስ በዚ እግዚአብሔር ዝገለጸሉ
መሠረት ደብረዘይት፣ ሆሳዕና፣ ትንሣኤ፣ በዓለ መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ)፣ ካብ ሰንበት
በዓለ ስቅለት ካብ ዓርቢ
በዓልለ ዕርገት ካብ ሓሙስ ርክበ ካህናት ፣ጾመ ድኃነት፣ ካብ ረቡዕ ከምዘይ ወጹ ገይሩ ቀመሮም። ብቕድሚኡ ግን በዓላትን ኣጽዋማትን ኣብ ዝገጠሞም ይውዕሉ ነበሩ ዓቢይ ጾም ጽባሕ ጥምቀት ጀሚሮም 40 መዓልቲ ጸይሞም ፋሲካ ይገብሩ ነበሩ ።ብድሕሪኡ ከም በሓድሽ በዓለ እግዚአብሔር መጋቢት ሰሙን ክትተርፎ ከሎ እንደገና ሰሙነ ሕማማት ጸይሞም በዓለ ትንሣኤ ይገብሩ እቲ ጾም ኣብ ሓሙስ ይኹን ኣብ ቀዳም ኣብ ዝገጠሞ ይውዕል ነበረ ፣ቅዱስ ዲሜጥሮስ ግን ነነዌ ዓቢይ ጾም :ጾመ ሓዋርያት ካብ ሰኑይ ከምዘይወጽእ ንሕማማትን ትንሣኤን ምስ ዓቢይ ጾም ኣተሓሒዙ ከምዝኸይድ ገበሮ። ብድሕሪ እዚ ድማ እቲ መልኣኽ ንዘመን ብ 4 ወንጌላውያን ጌርካ ቑጸሮ (ቀምሮ) መጀመርታ ወርሑ መስከረም ።ዕለቱ ሰሉስ በዓሉ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ማቴዎስ በሎ ኢሉ ሓበሮ ፣ በዚ መሠረት ድማ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ንባሕረ ሓሳብ ቘጸሮ (ቀመሮ)።

ስለዚ ኢና ብግእዝ ሓሳበ ዲሜጥሮስ ኢልና ንቘጽር፣
3ይ ዓበቅቴን መጥቅዕን ንምርካብ
፣ (ጥንተ) ፣ ምምላደ ዓበቅቴ ፣ ወይ (ወንበር)ዓበቅቴ 11 ኢዩ፣ 6 =11- 66 ይኸውን ካብዚ ክልተ ግዜ 30 ኣፍሲስና ተረፍ 6 ይኸውን ምላደ መጥቅዕ) ወይ ከኣ ወንበር ምላደ መጥቅዕ 19 እዩ 6 =19 -114 ይኸውን ካብዚ በቢ 30-90 ኣፍሲስና ተረፍ 24 ይኸውን ፣ ናይ ሎሚ ዘመን ዓበቅቴ 6 መጥቅዕ 24 እዩ 6 +24 -30 ይኸውን መጥቅዕ ወዓበቅቴ ኢየዓርጉ እ30 ወኢይወርዱ እ30 ወትረ ይከው30 ከምዝብል መርሃ ዕዉር፡ መጥቅዕ ካብ 14 ንላዕሊ እንተኾይኑ (መባጃ ሃመር) ብባሕቲ ብመስከረም ይወጽእ፣ ጾመ ነኔዌ ድማ ኣብ ጥሪ ይውዕል፣ካብ 14 ንታሕቲ እንተኾይኑ ባሕቲ ብጥቅምቲ ይወጽእ፣ ጾመ ነኔዌ ድማ ኣብ የካቲት ይውዕል፣ስለዚ ናይ ሎሚ ዘመን መጥቅዕ ልዕሊ ዓሰርተ ኣርባዕ 24 ስለ ዝኾነ ብባሕቲ መስከረም እዩ ዝወጽእ፣ ባሕቲ መስከረም ሓሙስ እዩ። ካብ ሓሙስ ናብ ሓሙስ 8 ካብ ሓሙስ ናብ ሓሙስ 15 ካብ ሓሙስ ናብ ሓሙስ 22 ዓርቢ 23 ቀዳም 24 ። ወድቀ መጥቅዕ ቀዳም ዕለት 24 መስከረም ኮይኑ ኣሎ ስለዚ መጥቅዕ 24- ተውሳኽ ናይ ቀዳም 8 ። 24+8- 32 30 ኣፍሲስና 2 ንሕዝ ጾመ ነኔዌ ብ 2 የካታት ይውዕል፣
ተውሳኽ (መንበር)ዕለታት ብቀዳም ይጅምር
ናይ ቀዳም 8 ናይ ሰንበት 7 ሰኑይ 6 ሰሉስ 5 ረቡዕ 4 ሓሙስ 3 ዓርቢ 2
ጾመ ነኔዌ ዝውዕለሉ ዕለት 2 የካቲት ረኺብና ኣለና፣ ዝውዕለሉ መዓልቲ ሰኑይ ክኸውን ኣለዎ ሰኑይ ምዃኑ ምርግጋጽ ካብ ባሕቲ ጀሚርና ንቖጽር
ባሕቲ የካቲት ሰንበት እዩ፣ ስለዚ ሰንበት1 ሰኑይ 2 ካብ ሰኑይ ዘይወጽእ ጾመ ነኔዌ ብ2 የካቲት ውዒሉኣሎ (መንበር)ተውሳኽ:ኣጽዋማት፣ብዓይጾምይጅምር ናይ ዓቢይ ጾም 14፣ ደብረ ዘይት፥11 ሆሳእና 2 ፤ ሥቅለት 7 ትንሣኤ 9 ናይ ርክበ ካህናት 3 ፥ዕርገት18 ፥ ጰራቅሊጦስ 28፥ጾመሓዋርያት29፥ ጾመድሕነት1 ጾመ ነኔዌ ረኺብና ዓቢይ ጾም ንምርካብ፣ ተውሳኽ ዓቢይ ጾም 14 እዩ፥14+2=16 ባሕቲ የካቲት ሰንበት እዩ ፥ ካብ ሰንበት ናብ ሰንበት 8 ካብ ሰንበት ናብ ሰንበት 15 ሰኑይ 16 ካብ ሰኑይ ዘይወጽእ ዓቢይ ጾም ብ16 የካቲት ውዒሉ ኣሎ ፥
ዓቢይ ጾም ረኺብና ደብረ ዘይት ንምርካብ ተውሳኽ ደብረ ዘይት11 ኢዩ 11+2=13 ባሕቲ መጋቢት ሰሉስ እዩ ፥ ካብ ሰሉስ ናብ ሰሉስ 8 ረቡዕ 9 ሓሙስ 10 ዓርቢ 11 ቀዳም 12 ሰንበት 13 ካብ ሰንበት ዘይወጽእ ደብረዘይት ብ13 መጋቢት ይውዕል ኣሎ። ደብረዘይት ረኺብና ሆሣዕና ንምርካብ ። ናይ ሆሣዕና ተውሳኽ 2 እዩ፡ ስለዚ 2+2 =4 ይኸውን ባሕቲ ማያዝያ ሓሙስ እዩ ፥ ሓሙስ 1 ዓርቢ 2 ቀዳም 3 ሰንበት 4 ካብ ሰንበት ዘይወጽእ ሆሳዕና ክርስቶስ ብ 4 ሚያዝያ ውዒሉ ኣሎ፣
ስቅለተ ክርስቶስ ንምርካብ ናይ ሥቅለተ ክርስቶስ ተውሳኽ 7 እዩ። 7+2=9 ባሕቲ ሚያዝያ ሓሙስ ኢዩ ካብ ሓሙስ ናብ ሓሙስ 8 ዓርቢ 9 ስለዚ ካብ ዓርቢ ዘይወጽእ ስቅለተ ክርስቶስ ብ9 ሚያዝያ ይውዕል ኣሎ።
ትንሳኤ ክርስቶስ (ፋሲካ)ንምርካብ ናይ ትንሳኤ ተውሳኽ 9 ኢዩ9+2= 11 ባሕቲ ሚያዝያ ሓሙስ ኢዩ ካብ ሓሙስ ናብ ሓሙስ 8 ዓርቢ 9 ቀዳም 10 ሰንበት 11 ካብ ሰንበት ዙይዉጽእ ትንሣኤ ክርስቶስ ብ11 ሚያዝያ ይውዕል ፣ ርክበ ካህናት ንምርካብ ናይ ርክበ ካህናት ተውሳኽ 3 እዩ። 3+2 =5 ባሕቲ ግንቦት ቀዳም እዩ ። ካብ ቀዳም ሓደ ኢልና ክሳብ ረቡዕ 5 መዓልቲ ይኸውን ። ካብ ረቡዕ ዘይወጽእ ርክበ ካህናት ብ5 ግንቦት ይውዕል ዕርገተ ክርስቶስ ንምርካብ ናይ ዕርገተ ክርስቶስ ተውሳኽ 18 እዩ። 18+2 =20 ይኸውን ፥ ባሕቲ ግንቦት ቀዳም እዩ ። ካብ ቀዳም ናብ ቀዳም 8 ካብ ቀዳም ናብ ቀዳም15 ሰንበት 16 ሰኑይ 17 ሰሉስ 18 ረቡዕ 19 ሓሙስ 20 ካብ ሓሙስ ዘይወጽእ ርገተ ክርስቶስ ብ20 ግንቦት ይውዕል፡
ናይ ጰራቅሊጦስ (በዓለ መንፈስ ቅዱስ) ንምርካብ. ጰራቅሊጦስ ተውሳኽ 28 እዩ። 28 +2 = 30 ። ባሕቲ ግንቦት ቀዳም እዩ ፥ ካብ ቀዳም ናብ ቀዳም 8 ካብ ቀዳም ናብ ቀዳም 15 ፥ ካብ ቀዳም ናብ ቀዳም 22 ካብ ቀዳም ናብ ቀዳም 29 ሰንበት 30 ካብሱንበት ዘይወጽእ ጰራቅሊጦስ ብዓለ መንፈስ ቅዱስ ብ30 ግንቦት ይውዕል፣ ጾመ ሓዋርያት ንምርካብ፥ ናይ ጾመ ሓዋርያት ተውሳኽ 29 እዩ ። 29+2= 31 ካብዚ 30 ኣፍሲስና 1 ንሕዝ ባሕቲ ሰነ ሰኑይ ጾመ ሓዋርያት ብ 1 ሰነ ይውዕል፣ ናይ ጾመ ድኅነት ትውሳኽ 1 እዩ . 1+2 = 3 ባሕቲ ሰነ ሰኑይ እዩ ፥ ሰኑይ 1 ሰሉስ 2 ረቡዕ 3 ካብ ረቡዕ ዘይወጽእ ጾመ ድኅነት ብ 3 ሰነ ይውዕል ሃሌ ሉያ በዘንዜከር ሓሳባተ ሕጉ ወትእዛዙ ለእግዚእነ ወአምላክነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ እንዘ ሀሎነ በዘመነ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ያብጽሓነ እስከ ዘመነ ማቴዎስ ዜናዊ በሰላመ እግዚአብሔር አሜን ።
(1) ኣሚሩ ሰርቀ መዓልት (8) ሰምኑ ሰርቀ ሌሊት ሓምሱ ሰርቀ ዕለት ሰኑዩ ጥንተ ኦን ።
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና
ተፈጸመ
ቀሺ ክፍለማርያም የማነ

Comments are closed.