መረን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ሰላም ኣሕዋት ከም ከመ ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዛ መረን ትብል ሓቀኛ መንፈሳዊት ታሪኽ ንመንፈሳዊ ሕይወት፡  ኣብ ስደት እትድህስስን እተመዝዝን ጽሕፍቲ'ያ። ብፍላይ እቶም  ካብ ሱዳን ፡ ብምድረበዳ  ሰሃር ኣቢልካ ንሊብያ፡ ድሒሩ ንሃገራት ኢሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ፡ዝጋጥም መንፈሳውን ስጋውን ማሕለኻታት እንትገጽ ሓቀኛ ታሪኽ’ያ። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተጸጊዕኻ ጸንሒካ ሳይንሳዊ ልቢ-ወለድ ምስ ነበብካ፡ ፈጣሪ የለን ኣብ ዝብል ደረጃ ምስ በጻሕካ፡ ዳግማይ ህላወ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኽትኣምን ዝጋጥሙኻ ተጻቡኦታትን፡ዉሽጣዊ ምንዋጽ ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጥን  ብኸመይ ትሰግሮም እትገልጽ እዋናዊትን መሃሪትን ታሪኽ’ያ። ኵሉ መንእሰይ ብፍላይ ኣብ ስደት ዝቅመጥ ነቢቡ መንፈሳዊ ሃብቲ ክድልብ ብዝተኻኣለና መጠን ነንፈልጦም ሰባት ከንብብዋ እንተዓደምናዮም ሰናይ’ዩ።ነዛ ጽሕፍቲ ዘዳለወልና ሓዉና ዲ.ዘረአ(መምህር ዘረአ) ገብረ-እግዚአብሔር ብጸሎት ክንዝክሮ ሓደራ ንብል ።ከም ፍቃድ ኣምላኽ ቀዳም-ቀዳም ክሳብ መዋዳእታ ክፋል ከነቅርባ ኢና።ዝኾነ ኣዉንታዊ ወይ ኣሉታዊ ሃናጺ ርኢቶ ምስ ዝህልወኩም በቲ ኣብ ቅድመ-ገጽ ናይ መርበብና ተሓቢሩ ዘሎ ኤመይል ክትጽሕፉልና ንላቦ።

ቀዳማይ-ክፋል

ሃይለ፣ “ስምዒ እስከ ኣዜብ - ምስ ኣድያም ደኣ ኣበይ ትፋለጣ?” “ኣብ ማእሰርቲ - ኣብ ሓደ ካርሸሊ ናይ ቢንቃዚ-ልብያ እየ ዝፈልጣ”… እዋእዋ…እ ኣብ ቢንቃዚ ተታሒዝኪ ኔርኪ ዲኺ? … እወ ሓደ ካብቲ ፈታኒ ዝኾነ መድረኽ ናይ ሕይወት.. ኣብ ቢንቃዚ እየ ተኻፊለዮ። … ድሮ መሬት ጸልሚቱ፣ ናይ ድቃስ ግዜ ኣኺሉ’ዩ ኔይሩ፣ ናይቲ ንሠለስተ ሰሙን ዝወሰደ ጉዕዞ ሰሃራ… ደጊም ኣብቂዑ’ዩ እናበልና… ኣብታ ላንድ-ክሩዘር ዝነበርና… ኤርትራዉያን፣ ሱዳናውያን፣ ሶማላዉያን፣ ኢትዮጵያዉያን… ንሓድሕድና.. ናይ እንቋዕ ሓጐሰና ዝዓይነቱ ንጠማመት ነበርና። ኣብ ዉሽጥና ግን፣ ሓጐስና ምሉእ ክገብር ዘይክእል፣ ንድሕሪት መሊሱ ዘተክዝ ናይ ሞት ሽግር ገጢሙና ነይሩ እዩ። ካብ ካርቱም ከባቢ ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት ተበጊስና እቶም ደላሎ በዓል ወዲ ዓጣ፣ ከካብ ገዛና እናኣረዩ በብጉጅለ ናብ ሱቅ ሊብያ ዚተባህለ ናይ ኡምዱርማን ካርቱም ኣከቡና።

ነፍሲ ወከፍና ካብ ዘለናን ዘይብልናን፣ ብልግሲ ይኹን ብጻዕሪ ዘዝኣከብናዮ ገንዘብ መግብን ንጒዕዞ ዘድሊ ክዳዉንትን ኣዳለና። ይኹን እምበር መግብን ንሕናን በበይንና ነበርና። ጒዕዞ ብለይቲ ከባቢ 3፣30 ወጋሕታ እዩ።እቲ ጒዕዞን ኩነታቱን ከመይ ከም ዝመስል የሻቕለኒ ስለ ዝነበረ፣ ፈጺመ ቀም ከብል ኣይከኣልኩን። ኣብ ኡምዱርማን መኣከቢ ንቑጣ ዝተረከበና ሓደ ነዊሕ ድልዱል ተሪር ኣፍንጫ፣ ዓርጓድ ድምጺ ዘለዎ፣ ንክትርእዮ ዘፍርህ መንእሰይ እዩ ተረኪቡና። ኣሕመድ ብዝብል ቅጽል ስም እዮም ዚጽዉዕዎ ዝነበሩ። “ጉሙ… ያላ… ጉሙ” (ተንስኡ፡ያላ፡ተንስኡ)፡ዚብል ድምጹ ምስ ኣስምዐ ኣዋልድና ኣወዳትና፣ ከም ኑቑሕ ወተሃደር… ንቕጽበት ተዳሎና። እቲ ካንቸሎ ናቲ ገዛ ኣብ ወሰን ናይታ ከተማ ብምንባሩ… ብዙሕ ዘሰክፍ ነገር - ዝነበሮም ኣይመስለንን።እቶም ደላሎ ብቑልጡፍ ኣብዛ ላንድሮቨር ደይቡ … መግብኹም ከኣ ኣብ ካልኣይቲ ተጻዒኑ ኣሎ በሉና። ኣሕመድ ምስ ክልተ ካልኦት ኢዩ ዝነበረ።

እቶም ክልተ፣ እቶም ክወስዱና ዝተዳለዉ፣ ደላሎ እዮም። ሓሰን ሓደ ካብኦም ኮይኑ ቆማት፣ ቀጢን፣ ጽሙእ ሰብነት ዝዉንን ኮይኑ ዉዑይ መንእሰይ እዩ። ዋዒኡ ካብቲ መጀመርታ ጠመተይ በሪሁለይ ነበረ። ኣሕመድ ዘረብኡ ከይወድአ ሓሰን “ኣልሒን.. ኣኪብና ንስራዕ” … ሕጂ ብቅልጡፍ በሎ” ኣሕዋት፣ ያላ ያጀምዓ ሰሪዕ”ቀልጥፉ “ኣርክቡ” በለና ናብታ ኣብ ኣፍደገ ደዉ ዝበለት መኪና እናመልከተ ብቅልጡፍ ናብታ መኪና ኣበልና።ካልኣይቲ ደኣ ኣበይ ኣላ ፣ ዚብል ሓሳብ ኣብ ዉሽጠይ ነበረ ገለ እናደየቡ፣ ገለና ከኣ ዕንድ ዕንድ ክንብል ጀመርና “ያላ ኩልኩም” ኩልኹም ቀልጥፉና እባ ምስ በለ ግና… ንኩላትና ዚተመዘዘት ምዃና ኣስተዉዓልኩ። ሓደ ካብ ተሳፈርቲ ዚኾነ … ሱዳናዊ “ማዕጉል ኩሉ…” ዘረብኡ ከይወድኣ ሓሰን “ኣኹና ከሊክ ማ ትደኸል ፊ ሽቁልና” ኣብ ሥራሕና ኣይትእቶ ካልእ ክትስከም’ውን ትኽእል እያ ዕድለኛታት ኢኹም 35 ሰባት ዝወሓደ ቁጽሪ ኢኹም ዚብል መልሲ ኣዝነበሎም።

ብዉሽጠይ ከመይ’ድዩ ብምባል ጒዕዞና ክብድ ዝበለ ከም ዚኸዉን ክግምት ግዜ ኣይወሰደለይን። ኩሉ ተጻዕነ ጒዕዞ ንምዕራብ። ጒዕዞ ንምዕራብ … ዉሽጠይ ዝሕዉ ይብለኒ ነበረ ሰላም ጓል ገዛዉተይ ግና ነገሩ ድዩ ኣስደሚምዋ፣ ወይስ ንኩሉ ተቀቢላቶ ዝን ኢላ ንኩሉ ትዕዘብ ነበረት። ሰላም… ዳቢስታ እባ በልክዋ ጐረሮይ’ውን ብግዲኡ ናይ ፍርሃተይን ወጥረይን ምልክት… ከም ዝደኸሙ ልሕትት በለ። ሰላም ኩነታተይ ዘስተዉዓለት ትመስል… ኣዜብ… ስቕ ኢልኪ ኣይትሻቐሊ… እስከ ወዲኲዒታ ቦርሳይ ጸቒጥካያ ኣለኻ… በለት እሞ መዚዛ ሃበትኒ። ኣብ ከባቢ ካርቱም… ንፋስ ወጋሕታ እቲ ዝጠለለ ብምዃኑ ልዕሊ ኩሉ ዝበሃግ ናይ መስተርሆት ንፋስ እዩ። እዋይ እዚ ንፋስ ክጥዕም በልክዋ፣ መነጽር እናወደኹ። እዋይ ሓቅኺ … ቀንዲ ከኣ ብጻዕዳ ኒል ቆሪጹ ይመጽእ ምህላዉ እዩ በለትኒ።

“ሓዚ… ሓዚ… ክትብገስ እያ በለኒ… ወዲ ኲዒታ፣ መኪና ክትትስእ ምዃና ሓበሬታ ንምትሕልላፍ እዩ ዝነበረ። መፍትሕ ኣብ ቃታ… ሕጽጽ… ሕጽጽ… ኢላ ደው በለት ። ደጊሙ ፈተና ቅጥን ዝበለ ድምጺ… ሕቅቅ… በለት’ሞ ሕጂ’ውን ድቃስ ይሕሸኒ በለት። ንሳ’ውን ብግደኣ… ነቲ መሪር ጒዕዞ ተሰተንትን ዘላ ክትመስል ሓዉሲ ቃንዛ ኣስምዐት። ሓቃ’ያ በልኩ ብዉሽጠይ ነቲ ጒዕዞ ልዕሊ ኩልና ብእግራ እትረግጾ ሙቐቱን፣ ጻዕሩን፣ ትፈልጦ’ያ። ኣንታ እንታይ ደኣ እዛ መኪና በለ… ሓደ ቀዲሙኒ፣ ወዲ ባጽዕ ኢሎም ክጽዉዕዎ ዝሰማዕክዎ። ቀይሕ… ሓጺር… ህዱእ… ፍሕሽው ገጽ… ክሑላይ ዓይኒ ዘለዎ ድልዱል፣ ከባቢ 27 ዓመት ዚገብር መንእሰይ ደሓን’ያ ናይዚ ደዉ ኢላቶ ዝሓደረት ከይኮነ ኣይተርፍን። ደሓር ከኣ እዞም ሊብያውያን ናይ ኮንትሮባንድ ስለ ዝኾና መካይኖም… ሞተረአን ጥዑይ’ዩ ክብል መለሰሉ። ዘረብኡ እንክዉድእ… ሓቅኻ ዚበለቶ ክትመስል … ንበገስ ዚዓይነቱ… ናይ ድልዉነት ድምጺ ኣስምዐት።

ደቂ ተባዕትዮ ብወሰን ወሰን ናይታ መኪና ኣእጋሮም ንደገ ሕቖኦም ንውሽጢ ብኣርባዕተ መኣዝና ተቐመጡ። ደቀኣንስትዮ ከኣ ብዉሽጢ እታ ሓንቲ ኣብ መንጎ ኣእጋር እታ ሓንቲ ተቐራቒርና ተሓቛቒፍና ኮፍ በልና። መግብናን ኣቁሕትናን ከኣ ኮፍ ኢልናዮ ነበርና። ዓጠጥ እናበለት ተበገሰት፣ ክብደት ቀሊል ከም ዘይኮነ ካብ ምንጋር ይኹን ካብ ምዝኽኻር ዓዲ ኣይወዓለትን። ፍጥነት በብቁሩብ ክትዉስኽ ጀመረት፣ ቁሩብ ከይከድና ካልኦት ጉጅለታት በብመኣዝነን ክጽንበራና ይስዕባ ነበራ ለካስ ጒዕዞ ብጭፍራ እዩ ከዋኽብቲ ብርሃኖም በብቁሩብ ክድብዝዝ ጀመረ… መሬት ምዉግሑ ዝገልጽ ክመስል… ብርሃን ክቐዶ ጀመረ።ኣብዚ፡ ድሮ… ናይ 2 ሰዓት ኣከባቢ ተጓዒዝና ብምንባርና… ናብ ሓንቲ ገጠር ከባቢ ካርቱም እትርከብ ከተማ ኣብ ሓደ ወሰና ተሓቢእና ክንዉዕል ምዃንና ተነግረና። ናብ ሓደ ጀርዲን መሰል ኣግራብ ዚርከቦ ተዓሸግና።

ምሉእ መዓልቲ ከነዕልል ወዒልና ኣጋጣሚ ኣድያም ፣ ወዲ ባጽዕ፣ ስላም፣ ኣብርሃም፣ ተስፋይ፣ ወዲ ጅምዕ፣ራእሱ፣ ብሓደ ከነዕልል ወዓልና ምስ ኣብርሃምን ወዲ ባጽዕን እኳ ካብ ንፋለጥ ነዊሕ ኣለና፣ ንወዲ ባጽዕ ዝተላለኽዎ’ውን ብኣኣ እዩ ዝነበረ። ተስፋይ ኣብ ካርቱም ጐረባብቲ ብምንባርና ወዲ ጅምዕን፣ ራእሱን ከኣ ብመንገዲ ወዲ ባጽዕን ኣብርሃምን እዮም ተጸንቢሮምና፣ ንመጀመርያ ግዜ ከዕልሉና ጀመሩ ካብ ዕላሎም ከኣ ኣብ ሓደ ብዛዕባ ዚሓለፈዎ ገድለ ሕይወት… ወዘተ የዕልሉ ነበሩ፣ ሙቐት ጥርዚ ክበጽሕ ጀመረ ከባቢ ሰዓት 1፣00 ናይ ቀትሪ ምስ ኮነ ኣብዚ ህሞት ኩልና ከነማርር ጀመርና። ራእሱ ግና ርግእ በሉ ኣንታ ካብዚ ዝነዉሐ ካብዚ ዝኸፍእ ጒዕዞ ክህልወና ስለ ዝኽእል፣ ነዚ ኣይነማርር ደሓር ከኣ ፈቲና ዝኣተናዮ፣ ዝመረጽናዮ ጒዕዞ’ዶ ኣይኮነን፣ ከይተበገስና ኣይነማርር ደኣ በለ። ተስፋይ ከልየና’ያኽ ሓቅኻ ንስኻ ደኣ ኣብ ዓዲ ሃሩር ከርተት እናበልካ ዝዓበኻ እንታይ ክዓጠካ በሎ። ኩልና ብሓባር ሓቁ ንስኻ ምናልባት ኣብ ሙቐት ስለዚዓበኻ ኢኻ እናበልና ጨረቕናሉ።

ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘረአ

Comments are closed.