ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና።

ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና።

ካብ ዕለት ሰኑይ ነሓሰ 1-2009 (7-2017) ጀሚሩ

  ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16 ኪዳነምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት

ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምንታይ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘወትር ተምህር ብምባል ሓደ ሓደ የውሃት ሰባት ግር ይብሎም እዮም።  እዞም የውሃት ሰባት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምምሃራ ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከየተምህር ጌርዋ እዩ ይብሉውን እዮም። ቅድስት ቤተክርስቲያና ግና ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣምሂራ ማለት ብዛዕባ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እያ ትሰብኽን ተምህርን ዘላ። ምኽንያቱ ኣደን ወድን ስለዘይፈላለዩ። ካልኣይ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተምህር ንዕዓ ካብ ዘለዋ  ፍሉይ ፍቕሪ፣ ክብራ ስለዝርድኣ ፣ቃልኪዳና ማዕረ ክንደይ ከምተኽብርን መትሕተ ፈጣሪ መልእልተ ፍጡራን ስለዝኾነትን፣ እግዚአብሔር ስለዘኽበራን እዩ። እግዚአብሔር ዘኽበሮ ማንም ከትሕቶ ወይ ከሕስሮ ስለዝይክእል። ነዚ እዩ ከኣ ሊቃውንቲ ኣቦታትና ብናይ ብነገረ መለኮት ትምህርቲ ጥንቁቃትን ብጸጋ እግዚአብሔር ብመንፈስ ቅዱስ ተቓኒዮም ስለዘምህሩን ዝጽሕፉን ንኹሉ ነገራት ምሥጢሩ ገሊጾም ተንቲኖም ይነግሩና እዮም። ንኹሉ ሕቶ'ውን ብግቡእ መልሲ የረዱኡና። 

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ወዳ ተፈልያ ኣይትፈልጥን እያ ። ኩሉ ግዜ ኣደን ወድን ኣይፈላለዩን እዮም። ከምቲ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጽንስቱ ኣትሒዛ ስጋብ ሥቅለቱ ካብ እግሩ ዘይተፍለየት ኣብ ነገረ ድኅነት ከኣ ወላዲተ አምላክ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣላ። 

ኣብ ቅዳሴና ፣ ኣብ ናይ ዘወትር ጸሎትና ፣ ኣብ መዝሙርና ኣብ ሥርዓትና ኣብ ትውፊትና ኣብ ኣለባብሳና ከይተረፈ ናይ ነገረ ድኅነት ትምህርቲ ዘይብሉ የለን። ሰባት ዕረፍተ ዘመኖን በጺሑ ናብ መቓብር ግብኣተ መሬት ከነፋንዎ ከለና ንገብሮ ጸሎተ ፍትሓት ነቲ ምእመን ክርስቲያን ዝግበር ናይ ጸሎት ሥነሥርዓት ኩሉ ንነገረ ድኅነት ይሰብክ እዩ።

ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነገረ ማርያም ዘወትር ተምህሮ ምስ ነገረ ድኅነት ዝተተሓሓዘ ዓሚቅ ምሥጢር ስለ ዘለዎ እዩ። ንነገረ ድኅነት ንኽንመሃርን ንኽርዳእን ንኽንኣምንን ነገረ ማርያም መሠረትን መቅድምን እዩ። ብዘይ ነገረ ማርያም ነገረ ድኅነት ፣ ብዘይ መሰረት ቤት (ገዛ) ማለት እዩ። እስከ ነዚ ምስክር ዝኾነና ቅሩብ ኣብነታት ንርአ፣

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

  1. ናይ ሄዋን ካሕሳ'ያ

ሀ.  ኣዴና ሄዋን ምክንያተ ስኅተት (ጌጋ) ፣ ምክንያተ ሞት ብምዃና ፍዳ መርገም በጺሕዋ ኔሩ። ዘብልዓትና ፍረ ሞት ዘምጽእን ካብ ነገት ዘውጽእ ብምዃኑ ኩሉ ወለዶ እንዳወቀሳ ይነብር ኔሩ።

ዳግማዊ ሄዋን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግና ምኽንያተ ድኅነት ኰይና። ዝሃበትና ፍረ ሞት ዘምጽእ ዘይኰነ ተበሊዑ ተስትዩ ናይ ዘልዓለም ሂወት ዘውህብ እዩ። ዮሓ.6፣36። ኩሉ ወለዶ ንሄዋን ይወቅሳ ኔሩ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግና ኩሉ ወለዶ የመስግናን ይውድሳን። ሉቃ.1፣48። ሶርያዊ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ሓሙስ ውዳሴ ማርያም << ብሄዋን ዝተዓጸወ ገነት ብድንግል ማርያም ተኸፊቱልና።  ካብ ዕጽ ሂወት ክንበልዕ ተዓዲሉና>>  ኢሉ እዩ። እዚ ከኣ ዝኾነ ብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝወለደትልና።

ለ.  ሄዋን ብዲያብሎስ ተማኺራ ንሓጥያት ጸኒሳ። ንሞት ወሊዳ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግና ብሊቐ መልኣኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ብሥራት ንሂወት ጸኒሳ ንትንሣኤ ወሊዳ። ሉቃ.1፣28-38። ብሰበይቲ ዝመጸ ሞት ብሰበይቲ ተሳዒሩ። << ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ንሄዋን መድኃኒታ >> ዘበላ እዚ እዩ። እዚ ድንቂ ምሥጢር እንተዘይተረዲኡና እንተዘይኣሚናን ሄዋን ምኽሓሳን። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክብረን ምምላሱ ብምንታይ ተረዲእና ከመይስ ክንኣምን ንኽእል?

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

2 .ናይ ኣዳም ካሕሳ'ያ

ሀ. ኣዳም ዝተወልደ ካብ ሕቱም  ምድሪ እዩ። ምድሪ ቅድሚ ኣዳም ኰነ ድሕሪ ኣዳም ካልእ ውላድ የብላን።  ንኣዳም ክርከብ ዝገብረቶ ብጥበበ መንፈስ ቅዱስ በፈቃደ ሥላሴ እዩ እምበር ዘርኢ ኣየድለያን። በዚ ግሩም ድንቂ ምሥጢር ዝተረኽበ ኣዳም ግና ሞት ኣብ ገዛእ ርእሱ ስለዘምጽአ ወዲቁ። ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ዝመጽሉ ሓደን ቀንድን ምኽንያት ንቤዛ ኣዳም ንቤዛ ዓለም፣ ንካሕሳ ዓለም እዩ። እዚ ከኣ ኣብ መዋእለ ሥጋዌ  ብዝሠርሖ ሥራህ ኩሉ ገሊጽዎ እዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ ብዘይ ዘርእ ብእሲ ፣ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ብኅቱም ድንግልና ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድንግልና እንተዘይተቀበልና ናይ መጀመርያ ኣዳም ካብቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ይበልጽ እዩ  ከብለና እዩ፣ (ሎቱ ስብሐት)። እቲ ዝነኣሰ ድማ ነቲ ዝበለጸ ክመይ ከድሕኖ ይኽእል። እዚ ከኣ ኪኸወን ዘይክእል እዩ። ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ግና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኅቱም ምድሪ ተወሊዱ ዝወደቀ ኣዳም ከተንሥኦ ምእንቲ እንበለ ዘርኢ ብእሲ (ብዘይ ናይ ወዲ ተባዕተይ ዘርኢ) ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተወሊዱ። ኢላ ተምህርን ትኣምንን። ምድሪ ቅድሚ ኣዳም ኰነ ድሕሪ ኣዳም ካልእ ውላድ ከምዘይረኸበት ኩሉ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም'ውን ቅድሚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ ድሕሪኡ ወትረ ድንግል እያ ። በዚ ከኣ ዘልዓለማዊ ድንግል ትበሃል። ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ነዚ ብምሳሌ ከረድእ ከሎ <<  ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ፣ ሣህል ወርትዕ ተራከባ፣ ጽድቅ ወሰላም ተሰዐማ ርትዕሰ እምድር ሰረጸት ..>> መዝ.84-10-11 ።  ሓቂ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ዮሓ.14፣7። ሓቂ ዝበቆለላ ምድሪ ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ጽድቅን ሰላም ዝተሰማምዑ ብልደት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ለ. ኣዳም ዝተረኽበ መርገም ካብ ዘይብላ ምድሪ እዩ። ምድሪ መርገም ዘምጽአት ብወዳ ብኣዳም በደል እዩ። ንኣምላኽ ዝወለደት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በደል መርገም( ጥንተ አብሶ) ዘይበጽሓ ንጽህትን ቅድስትን እያ። ኣቀዲማ በደል ጥንተ ኣብሶ ኔርዋ እዩ እንተ ኢልና ካብ ዳሕራይ ምድሪ እታ ናይ መጀመርታ ዝቀደመት ምድሪ ትበልጽ እያ ከብለና እዩ። እዚ እንተዀይኑ ከኣ ኣዳም፣ ኣዳም ተቤጁ፣ ተኻሒሱ ናብ ክብሩ ተመሊሱ ምባል ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ እቲ ዝነኣሰ ነቲ ዝበለጸ ከኽብሮ ስለዘይክእል። ስለዚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ኣዳም ሓጥያት (ጥንተ አብሶ) ዘይብላ ንጽህቲ ምዃና ተምህሮ ርቱዕ ምዃኑ በዚ ይፍለጥ። እምነትና ከምቶም ካልኦት ዝጋራጮ ኣይኮነን። ናይ ካልኦት ግና ዝዛረብዎም ዝጽሕፍዎን ነንሓድሕዱ ዝጋራጮ እዩ።

ሓደ ሓደ የውሃት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም << ካብ ናይ ኣዳም ሓጥያት ዝነጽሀት ብብሥራተ  ቅዱስ ገብርኤል እያ።>> ይብሉ። ከምዚ እንተኢል'ሞ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምማት፣ ንደቂ ሰባት ምድኃኑ  ከንቱ እዩ ከብለና እዩ። ብሥራተ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ዝቀደም ሓጥያት (ጥንተ አብሶ) ነጻ ዘውጽእ ኔሩ እንተዝኸውን ኣብ ብሉይ ኪዳን በዓል ብእሲተ ማኖኣ መሳ. 13፣1-24። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን'ውን በዓል ዘካርያስ ሉቃ.1፣13-20። ብብሥራተ ቅዱስ ገብርኤል ወዲ ረኺቦም እዮም። ስለዚ ከመኡ እንተዀይኑ ካብዚ ኣርዑት ባርነት ነጻ ምስ ወጹ ኔሮም።  ብኻልእ መገዲ ብናይ መልኣክ ብሥራት ካብ ናይ ጥንተ ኣብሶ ሓጥያት ነጻ ዝውጻእ ኔሩ እንተዝኸውን  እልፍ ኣእላፋት መልኣኽቲ ተላኢኾም ንኣዳምን ዘርኡን ምስ ኣድሓኑ ኔሮም። ናይ ቅዱስ ገብርኤል ብሥራት ካብ ጥንት ኣብሶ  ነጻ ዘውጽእ እንተዀይኑ ምስ ናይ ኣምላኽና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ሓደ እዩ ከብለና እዩ (ሎቱ ስብሐት) ። ቅድስቲ ሓዋርያዊት ቤተክርስቲያና ግና ከምዚ ኣይትብልን ፣ኣይተምህርን። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ዓቢ ናይ ሃይማኖት ህጸጽ  ስለዝኾነ። ድኅነት ዝረከብና ብ ኣማልኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

  1. ናይ ህያዋን ኣደ'ያ

ኣዳም ንሰበይቱ ሄዋን ኣደ ህያዋን ኢሉ ስም ኣውጺኡላ ኔሩ። ሄዋን ማለት ናይ ህያዋን ኣደ ማለት እዩ። ዘፍ.3፣20። ግና ኣዴና ሄዋን ናይ ህያውን ኣደ ኣይነበረትን። እሳን ደቃን ናይ ሞት ግዙኣት ስለዝነበሩ። ኣርዑት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊኦም እዩ ኔሩ። << ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ ኣቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጥያት ዘይገበሩውን ሰልጠነ>> ከምዝብል ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ  ሮሜ.5፣19። እሞ  ድኣ ናይ ህያዋን ኣደ መን እያ?

ወዲ ሰብ ብጥፍኣቱ ኣደን ኣቦን ሲኢኑ እዩ። ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ካብ ነገት ተባረሩ። ንዓና ቤዛ ዋልታ፣ ኣብ ክንዲ ዝዀኑና ንዕዖኦ'ውን እዚ ኹሉ ኣድለዮም። በዚ ምኽንያት ጐይታን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ኣዳም መከራ ክቅበል ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተወሊዱ። ደቂ ተባዕትዮ ንሕና ጥራሕ ተኻሒስና ናይ ሄዋን ነገርከ ከመይ ክኸውን እዩ ከሙኡ ኢሉ ድዩ ክተርፍ ከይብሃል ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መሪጹን ቀዲሱን ኣዳልዩ'ዋ።  ኣቦን ኣደን ዝሰኣነ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣቦ ረኸበ። << ኣባ ኣቦ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ተዋሂቡና።>> ከምዝበል ቅዱስ ጳውሎስ << ኣቡነ ዘበሰማያት ፣ ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና>> በሉ ዝተባሃልና እዚ ክብሪ ስለ ዝተመለሰልና እዩ። ሮሜ.8፣15። ብዛዕባ ሄዋን ድማ  ናይ ህያዋን ኣደ ክትኰነና ምእንቲ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተዋሂባትና። ወዲ ሰብ ንገነትን ኣዲኡን ዝሰኣነ ብሓደ ግዜ እዩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብጸሎትና ብዝሓት፣ ብቅድስናና ብቕዓት ዝረኸብናያ ኣደ ኣይኮነትን፣ እንታይ ድኣ ስለተድልየና ዝተዋህበትና ኣደ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኰይኑ ነቲ ዝፈትዎ ወዲ መዝሙር ቅዱስ ዮሓንስ << እነኅት ኣዴኻ >> ኢሉ ዝሀበና እያ። ዮሓ.19-19። ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት'ውን ኣቐዲሙ << ሰብ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ።>> ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። መዝ.86፣5።

ኣማናዊት ሄዋን ( እመ ሕያዋን) ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ወዳ ንሞት ሲዒሩ ንሕና ደቁ ንሞት ንሥዕረሉ ሥልጣን ከምዝሃበና፣ እሳ'ውን ንሞት ሲዒራቶ እያ እሞ ከምቲ እምነትና ከኣ ንምስክር ።  እዚ ስለዝኾነ እዩ ወዲ ሰብ ናብ ናይ ጥንተ ክብሩ ተመሊሱ ፍጹም ድኅነት ረኺቡ ንብል፣

ስለዚ በዚኦም ካብ ብዙሕ ብውሑድ ኣብነት ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ማዕረ ክንደይ መሠረት ከምዝዀነ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ነገረ ማርያም ብግቡእ ዘይተረድአ ንነገረ ድኅነት ኰነ ነገረ መለኮት ጠንቂቁ ምርዳእ ኣይከኣሎን እዩ። ሓደ እምኒ ካብቲ መሠረት እንድሕር ወጺኡ እቲ ገዛ  ኩሉ ከምዝነቃነቕ፣ ኣብ ነገረ ማርያም ሓንቲ ጌጋ ምስ እንሕውስ ኣብ ነገረ መለኮት ትምህርትና ኰነ እምነትና ዝተጋገየ ይኸውን። ብዘይ ንጽህቲ ሃይማኖት ድማ ንጽህና ኣይርከብ እዩ።

ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነገረ ማርያም ኣዘውቲራ ብቀጻሊ ተምህር ብዘይ ጥርጥርን ብዘይ ነቀፋ እትኣምኖ ናይ ድኅነት መሠረት ምዃኑ ብዝግባእ ስለዝተረድአት እያ። ኣብ ቅዱሳን ኣሣእልና፣ ኣብ ጸሎትና፣ መጽሓፍትና፣ ኣብ ዝማሬና፣ ሥርዓትናን ትውፊትናን ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝለዓሉ ነዚ እዩ።

ዝተረፈ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ይግለጹልና። ኣሜን::

እግዚአብሔር ኣምላኽና ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና። ካብ በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም የካፍለና።

ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ሣህልን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር::

ወለወላዲቱ  ድንግል::

ወለመስቀሉ ክቡር::

     ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ ውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተሀለየ

እንዘ ትትአጸፊ ጸጋ ወትለብሲ ዕበየ

ማርያም ሥጋኪ ዘተመሰለ ባሕርየ

ተኃፍረ ሞት አኮኑ ሶበ ነጸረ ወርእየ

እንዘ በደመና ብሩህ የዐርግ ሰማየ።

      ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ እግዚአብሔር ዘባረካ

ወአልዓለ ክብራ እምፍልሰተ ሄኖክ ወልደ ባረካ

 ማርያም ፍሥሕት ወብርህት እምነ ዋካ

  በእንቲአኪ ይገብሩ ወስተ ሰማያት ታዕካ

   ነገደ መላእክት ኣእላፍ ሱባዔ ፋሲካ።

       መልክአ ፍልሰታ ለማርያም

 

Comments are closed.