ፅንሰታ ለእመ ሕይወት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እምፅንሰታ እስከ ልደታ ለእመ ሕይወት

ኣብዚ ዕለት ነሓሴ  ሸውዓተ (7) መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ናብ ጻድቅ ኢያቄም ተላኢኹ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ፅንሰታን ልደታን ነገሮ።

በዚ ዕለት ኩሉ ወለዶ ብተስፋ ዝጽበይዋ ዝተጸንሰትሉ ንምሕረት ዓለም 15 ዝተረፎ ብ5485 ዓመተ ዓለም ኣብ ዋዜማ ዓመተ ምሕረት እዩ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ንሕዝቡ ይቅረ ምእንቲ ክብል ዘመኑ ምስ ቀረበ ርግበ ሰላም ዘመነ ጥፍኣት ምውዳኡ ከተበሥር ናብዛ ዓለም መጺኣ።  

እዚኦም ጻድቃን ሰባት ኢያቄን ሐናን ውላድ ከይወለዱ ሸምጊሎም ነበሩ፣ ሐና መኻን ነበረት በዚ ከኣ ኣዝዮም ይሓዝኑ ነበሩ። ሕዝብ እስራኤል ከኣ ውላድ ዘየብሎም በረከት እግዚአብሔር ዘይብሎም እዮም እናበሉ የናእስዎምን መሥዋእቲ ከየቅርቡ ይክልክልዎም ነበሩ።  ትዝ ዘይብሎም ኮይኑ እዩ እምበር እግዚ አብሔር ካብ ብዙሓት መኻን ኣዴታት ዓበይትን ቅዱሳን ኣተሢኡ እዩ፣ ካብ ሳራ ይስሓቅ፣ ካብ ኤልሳቤጥ ዮሓንስ ፣ ካብ ስምዖንን ኣቅላስያን ገብረመንፈስ ቅዱስ ቅዱሳን ሂቡና እዩ። ሐናን ኢያቄምን ግና ዘወትር ጸሎቶን ምስ ጾም ከየጓደሉ ናብ እግዚአብሔር ብተስፋ ይልምኑ ነበሩ።

ውላድ ወዲ ይኹን ጓል እንተ ወሊዶም ከኣ ኣገልጋሊ ቤተ እግዚአብሔር ከምዝኸውን መብጽዓ ኣትዮም ነበሩ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ደገ ጸኒዖም ዝለመኑ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ትወልድ መተካእታ ዘይብላ ድንግል ማርያም ነሓሴ ሸውዓተ ከምትፅነስ ኣብ ሱባኤ ተገልጸሎም፣ ጻዕዳ ርግቢት ሸውዓተ ሰማያት ሰንጢቃ ኣብ ማሕጸነ ሐና ክትዕርፍ ኢያቄም ራእይ ረኣየ። እዚ ከኣ ኃጥያን ዘማሰኖ ዓለም ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበት ህያብ ምዃና ዘርእይ እዩ። ሰማያዊ ምሥጢር ዝግለጸላ እዩ እሞ ካብ ሸውዓተ ሰማያት መጺኣ ብራእይ ተራእያ ፣ ብኻልእ ከኣ ብተፈጥሮኣ ምዳራዊት ኣደ እንተኾነት ብኽብሪ ካብ ኩሉ ዝተፈለየት ምዃኑ ዝገልጽ ራእይ እዩ። ሐና ከኣ ኣብ ኣፍደገ ቤታ ቆጽሊ ለሚን ለሚሊማ ዓንቢባን ኣፍርያ  ብራእይ ረኣየት። ኣብታ ለይቲ ንኹሉ ፍጥረታት መንፈሳዊ መግቢ ዝኾነ ናይ ሕይወት ፍረ ኣደ ኢየሱስ ክርስቶስ ተኽለ ጽድቂ ዝኾነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተፀንሰት።

ካብ ሰብ ዘርኢ ዋላ ትወለድ ብሕገ ቅዱሳን መላእክቲ ትነብር እህተ መላእክቲ ስለዝኾነት ብጾምን ብጸሎትን ተቀበልዋ። ብዝተቀደሰ መውስቦ ዝተረኽበት  ፍረ ሐናን ኢያቄምን ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ገና ኣብ ማሕጸን ከላ ብዝሑን ኣደናቅትን ተኣምራት ጌራ እያ። ንዕውራት ብርሃን ዝዓደለት ፣ ንዝለምሱ ኣእዳው ብርትዐ ዝሃበት ገና ኣብ ማሕጸን ከላ እያ። ገና ካብ ፅንሰታ ጀሚራ ቅድስቲ ምዃና ነስተውዕሎን ዘርእየናን ነገር እዩ። ካልእ’ውን ሐና ንቅድስተ ድንግል ማርያም ኣብ ማሕጸና ተሰኪማ ከላ ጽላሎታ ዘንበረትሎም ሙታን ከይተረፉ ይትንሥኑ ነበሩ።

ንዝሞተ ዓለም ንሞት ቀቲሉ ካብ ግዞት ሞት ነጻ ዘውጸኣና መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኣ ዝውለድ እዩ’ሞ ንሙታን ገና ኣብ ማሕጸና ከላ ተተንሥእ ነበረት። ናይ ደቂ ሰባት ዘመነ ትንሣኤ ምብጻሑ ንኽገልጽ እዩ፣ ክትከይድ ከላ ሞት ካብ ሙታን ተፈልዩ ይሃድም፣ ሙታን ካብ ድቃሱ ከምዝተንሥአ ነቂሖም ኣብ ማሕፀን ሐና ከላ ይውድሱዋ ነበሩ። ነዚ ዝረኣየ ሰይጣን ጸላኢ ሠናያት ዓቅሉ ጸቢብዎ ትም ኣይበለን። መዓስ ከምዝኾነ እቲ ግዜ ኣይፈልጦም እዩ እምበር ዝሰዓረሉ ግዜ ምህላዉ ኣጸቢቁ ይፈልጥ ነበረ። ገና ከይተወልደተ እዚ ዝገበረት ምስ ተወልደት ደኣ እንታይ ዘይትገብር ኢሉ ብምርዓድ ጸላእቲ ከላዕለላ ጀመረ። ሠራዊተ ኣይሁድ ብሰልፍ ኣኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ኣቡኣን ኣዲአን ጸላእቲ ኣለዓለ።

ገና ኣብ ማሕጸን ወላዲታ ሐና ከላ ሰይጣን ዝፈርሐን ዝረዓደን ካብ ፍጡራት ንማንም ተጌሩሉ ዘይፈልጥ ስለዝረኣየ እዩ።  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንርእዮ ኣብ ማሕጸን ከለዉ ዝተመረጹ ኔሮም እዮም። ኤር.1፣5። ኣብ ማሕጸን ከለዉ ግና ዝዓወረ ዓይኒ ዝኸፈቱ ፣ ብሞት ዝተኣስሩ ኣንደበት ዘናገሩ ሰባት ግና የሉን። ጽንሰ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ ንሰይጣን ዘርዓዶን ዘሰንበዶን ነዚ እዩ። ገና ኣብ ማሕጸን ከሎ ዝሰኣኖ ነገር ዘየሎ፣ ካብ ኣንደበተ ሙታን ዝማሬ ዝተቀበለ ጽንሲ ከመይ ዝበለ እዩ፧

ናይ መጀመርያ ፍጡር ኣቦና ኣዳም ኣብ ብማሕጸን ኣደ ብዝተመስለት ገነት እንዳነበረ ከሎ ክፋኣቱ ዓጢቁ ዝመጾ ጸላኢ ሠናያት ሰይጣን ኣብ ተመን ተሓንጊሩ ኣብ ውሽጢ ገነት ብምእታው ኣውዲቅዎ እዩ ንግዚኡ ከኣ ተዓዊቱ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰልጦ ከኣ ኣብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ ናይ ጽልኢ ኩናቱ ወሪዊሩ ዝስዕር መሲልዎ ከምቲ ንኣቦና ኣዳም ኣብ ተመን ሓዲሩ ዘስሓቱ ስልቱ ቀይሩ ኣብ ልቦና ደቂ ሰባት ብምሕዳር ኣደ ኩልና ዳግሚት ሔዋን ዝዀነት ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ክወጋኣ ጀመረ ግና ክስዕር ኣይከኣለን።

ከም ልማደ ፍጥረታት ካብ ኣቡኣን ኣዴኣን ብደም ተኸፊላ፣ ብነባቢት ነፍስ ሕያው ኮይና ብደማዊ ነፍሲ ከቢራ  ምግላጻ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ንማኅበረ መላእኽቲ  ኣብ ክንፊ ሊቐ መላእክቲ ቅዱስ ሚካኤል  ሲኢሉ ኣርእይዎም እዩ ። ካብ ማሕጸና ጀሚሩ ንኽሕልዋ መዓርግ ስለ ዝተዋህቦ በቲ ዝተዋህቦ ሓደራ መሠረት ዋላ ሐናን ኢያቄምን ዝኸበሩ ኣዝማድ በኣዲኣ ወገን ካህናት ኣሮን፣ ብወገን አቡኣ ካብ ነገሥታት ዳዊት ሰሎሞን ዝኸበሩ ኣዝማድ  ዘለዎም ይኹኑ፣ ንትውልደ ሕጻን ዘመዳ መላእክተ ሰማይ ስለዝኾኑ ብመላእኽቲ ተኸቢባ ናብ ትውለደሉ ሥፍራ ንኽኸዱ ሐናን ኢያቄምን ብቅዱስ መልኣኽ ተነጊሩዎም።

እሳ ካብ ዓለም ኣይኮነት እሞ ብምውላዳ ኣብ ቤት ዝነብሩ ሰባት ዓለማዊ ተድላ ደስታ ከይገብሩ ብመንፈሳውያን ዘመዳ ቅዱሳን መላእኽት ተዓጂባ ካብ ቤታ ወጺኣ ። ሕገ እግዚአብሔር ጢሒሱ ካብ ቤቱ ኮቢሊሉ ዝነበረ ኣዳም ዝደልዮ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዲኡ እያ እሞ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ቀዲሞም ኣቦታታ ነብያት ንዓኣ ብራእይ ናብ ዝረኣይዋ ናብ ቅዱስ ቦታ እምባ ሊባኖስ ከደት። ኣብ እምባ ሊባኖስ ከም እትውለድ ዝተነገረላ ትንቢት መርዓት ሊባኖስ እሳ እያ።

ካብ ግሩማን አንብስት  ቅዱሳን አበው ዳዊት ሰሎሞን ፣ ካብ ዓቢ እምባ ቅዱሳን አበው  ካብ አብራክ ኣብርሃም ይስሓቅ ያዕቆብ ዝተረኽበት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ ሥፍራ ክትውለድ ተወሲኑ። ክብራ ካብ ኩሎም ኣድባራት ዝለዓለ ፣ ካብ ቀደምት ኮነ ዳሕረዎት ስማ ዝገነነ ፣ ካብ ፀሓይ ኣዝያ ትደምቅ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግንቦት ሓደ (1) ተወሊዳ።

እሳ ናይ ኩሉ ፍጥረት እያ እሞ ፣ ናይ ኢያቄምን ሐና ስለዘይኮነት ኣብ ቤት ሓደ ሰብ ክትውለድ መንፈስ ቅዱስ ስለዘይፈቀደ ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወሊዳ። ኣብዚ ዕለት ኣዝርእቲ ብዘይእዋኖም ለሚሊሞም ኣፍሪዮም። ኣእማን ሕብስቲ ኮይኖም ፣ ወርሓት ክረምቲ ሓሊፎም ዘመነ በረከት ቀሪቡ ደቂ ሰባት ፍረ ጽድቂ ዘፍርይሉ ፣ ክርስቶስ ሕብስተ ሰማያዊ ኮይኑ ንዓለም ዝወሃበሉ ዘመን በጺሑ እዩ እሞ እዚ ምልክት ተራእዩ። ካብ ሰማይ ንልደታ ንምኽባር ብዙሓት ቅዱሳን መላእኽቲ ናብ ምድሪ መጺኦም ስለዝነበሩ እቲ ቦታ ኩሉ ብጥዑም መዓዛ መሊኡ ነበረ። ምድራዊ መዓዛ ብሰማያውያ መዓዛ ተተኪኡ ነበረ።

ሕጻና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣቡኣ ቅዱስ ኢያቄም ካብ ዝሰርሓሉ ዳስ መሳሊ ነገር ዑቃቤ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ክንፎም ኣብ ልዕሊኣ ዘርጊሖም እያ ተወሊዳ።  

ስንቂ ስደተኛ እዚ እዩ እሞ ንሓራስ ሐና ዝቀረበላ መግቢ ጥጥቆ እዩ ኔሩ። ሎሚ ኣብ ማርያም ግንቦት ባሕቲ ግንቦት ኣዴታትና ጥጥቆ ጌሮም ኣብ ደገ ኮይነን ዘብዕልኦ ነዚ እዩ።

በረከታ ረዲኤታ ጣዕማ ፍቅራ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር የብዝሓልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

                                     ዘተወልደብርሃን                                                                                                                      

Comments are closed.