ጾመ እግዚእነ ( ዓቢይ ጾም )

                                                                 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

ካብ ለካቲት 13, 2009 ዓ.ም (የካቲት 20, 2017) ስጋብ ሚያዚያ 8.. 2009 ዓ.ም ( ሚያዝያ 16, 2017) ። እዚ ጾም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጥማቁ 40 መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ጾም ብምኻúኑ ዓቢይ ጾም ተባኂሉ። ንሕና'ውን  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ብምዝካር ፣በረከት ንምርካብ ፣ ከምእ'ውን ብግብሪ ንዕዑ ብምምሳል ናይ ሥጋ ፈቃድና ንምግዛእ ንጾሞ።

ዐቢይ ጾም 55 መዓልታት ንጾሞ ጾም እዩ። ሸሞንተ ሳምንታት ከኣ ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ፣-

1 ሰሙነ ፣ ዘወረደ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ካብ ሰማይ ምውራዱ

2 ሰሙነ ፣ ቅድስት፣ ናይ ሰንበት ቅድስና

3 ሰሙነ ፣ምኩራብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራብ ምምሃሩ

4 ሰሙነ ፣ መፃጕእ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማን ምፍዋሱ

5 ሰሙነ ፣ደብረዘይቲ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እምባ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ምምሃሩ

6 ሰሙነ ፣ ገብርሔር፣ ቅኑዕ ኣገልጋሊ ዋጋኡ ዘለዎ ምኻúኑ

7 ሰሙነ፣ ኒቆዲሞስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ምዝርራቡ

8 ሰሙነ ፣ ሆሳእና ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነ ናብ ቤተ መቅድስ ምእታዉን ስለና ሕማማት ምቅባሉ ይዝከር።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾሞ ብሰላም ብፍቅሪ ብትሕትና ጾምና ናብ በዓለ ትንሣኤኡ ብሰላም ክንበጽሕ ብለውሃቱን ምሕረቱ ይሓልወና። በረከታን ረዲኤታን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። ኣሜን።

                                                           ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                           ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                          ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.