ካብ እነይ ዝተማሃርክዎ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

 ሓቀኛ ታሪኽ - “ትዕግስቲ ክሳብ ሞት “

ሰዓት  ሓደ ናይ ለይቲ ጉዕዘና ካብ ኣስመራ ናብ እንዳ ኣቡነ እንድርያስ(ስፍኣ) ገዳም አሑዱ ኢልና ፈለምናዮ። መንግድና ስሙር ብምንባሩ ናይ ንግሆ ፀሐይ ከየርከበትና ብዝሑ መንገዲ ኣሳለጥና። ከይተረደኣ ናይ ምስሓ ሰዓት ስለዝኣኸለ ካብቲ ንጉዕዞና ስንቂ ክኾነና ዝተማላኣናዮ ስልጣንያ ድሕሪ ምቁዳስና ጸሎት ብምብጻሕ ኣእጋርና ዳግማይ ነቲ ዝተረፈ ጉዕዞ ንምሽፋን ተባራበራ።

ድሕሪ ናይ 6 ሰዓት ጉዕዞ ናብ ገዳም እንዳ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ስፍኣ ኣተና። እዚ ቅዱሳን ዝረገጽዋ ቦታ ሰላም ዝመልኦ ገዳም ብምዃኑ  እቲ ኣቡኡ ዝዝምቢ ዝነበረ ኣየር  ብደስታ ክትውሕጦን ኣካላትካ ድኻሙ ከራግፍን ፡ መንፈስካ  ክሕደስ ሓደ እዩ። ንሓደ  ሰዓት ዝኣክል ምስ ኣዕረፍና ከም ኣመለይ ናብቲ ናይ ኣዴታት ፈለስቲ ዝነብራሉ ገጸይ ኣምራሕኩ። እቲ ቅዱሳን ፈለስቲ ዝርከባሉ ስፍራ ካብቲ ገዳም ቁሩብ ርሕቅ ዝበለ ሰለዝኾነ ነታ ኣብ ላዕሊ ኮይና ርእሲ ርእሰይ ተሃርመኒ ዝነበረት ፀሓይ ፣ እናተዓጀብኩ ምስ ገዛእ ርእሰይ ብናይ ንስሓ መዝሙር ንሕይወተይ እናገስጽኩ  ናብ ኣዝየን ዝፍቅረን እነይ ጸሃይቱ ገዛ ደበኽ በልኩ። ናፍቆት ስለ ዝነበረኒ እዩ መስለኒ እነይ እናበልኩ ነቲ ማዕጾ ደፊአ ብሓይሊ ከፈትኩዎ። እነይ ኣብ ንእደን ኮፍ ኢለን ወዲ እሰይ (ዳዊት) ይደግማ ሰለ ዝነበራ፣ ወላ እኳ ሰላም ክብላኒ ቁሊሕ እንተበላ ጸሎት የዓቢ ብምባል ዕላለን ምስ ፈጣሪአን ቀጸላ።ምድገሚተን እናተጠቅማ ብዘይፍለጥ እህህታ ጸሎተን ኣብ ምዕራግ ቀጸላ። ኣብ ተመስጦ ጸሎት ከለዋ ኣብ ቤተን ድርጓዕጓዕ ዝብል ድምጺ ምፍጣረይ ሕልናይ እናወቀሰኒ ኣብ ኣጎዛ ኮፍ ኢለ ተጸበኽወን ።

ጸሎተን ምስ ወደኣ በቲ ድኹም ድምጸን እዋይ ኣንቲ ወለተ ኣስቴር ጓለይ ዲኺ እናበላ ኣጥቢቀን ሰዓማኒ።  ስም ክርስትናይ ኣስቴር እኳ እንተኾነ እነይ ግና ወለተ ዝብል ቅጽል ሓዊሰን ወለተ-ኣስቴር ብምባል እየን ዝጽወዓኒ። ካብ ብጥሪኡ ኣስቴር  ተበሃሊለ ክሰመ ከምታ ናይ እነይ ኣጸዋውዓ ኣዚያ ትጥዕመኒ። ሰላምታ ምስ ተለዋወጥና ናይ እነይ ድምጺ ኣዚ’ዩ ስለ ዝዘሓለኒ፣ ኩነታት ጥዕነአን ተወከስክወን። እነይ ንኽልተ ሰሙን ዘኣክል እኽሊ ከም ዘይለኸፋ በቲ ቱሑት ድምጸን ምስ ነገራኒ፡ንብዓተይ ምቁጽጻር ሰኣንኩዎ። ኣብዛ ንእሽተይ ዝተጓዓዝያ መንገዲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክስዓና ብመግቢ ወታቲፍናዮ ። ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ሓደ ሰብ ብዘይመግቢ ከመይ ገይሩ ይጸንሕ እናበለኩ ድሕሪ ምግራም እነይ አዘን ኵሉነ ፈለስቲ ኣብዚ ዘለዋ ንምንታይ መግቢ ዘይዕንግላኽን ክብል ነድሪ ዝተሓወሶ ዓው ብዝበለ ድምጺ  ሓተትኩወን።

እነይ እቲ ርጉም ከ መን ክሕጎሰሉ ክብላ መልሲ ሃባኒ። ጸላኢ ሰብ እቲ ፈታኒ ድያብሎስ እምበር ሰባት ከም ዘይሙዃኑ ሓበራኒ።እነይ ብንእሽትአን ጓል 12 ዓመት ከለዋ ካብ ጫፍ መሬት ትግራይ ናብ እንዳ ኣቡነ እንድርያስ ክሙንክሳ ዝመጻ ቅድስቲ ፈላሲት’የን። ነቲ ንብዓተይ በቲ ብጫ ናይ ምንኩስንአን ነጸላ ብምድራዝ ፣ ሕማቅ ከይትሓስቢ ዛጓላይ እቲ ርጉም ደኣ ዘይኑሱ እንታይ ባህ የብሎ ኮይኑ። ኣነ ዝገርመኒ እኮ ዘይደኽሞ ምኻኑ እዩ ። ነዘን ክልተ ኣእዳወይ ኣቁርዩኒ ፡ ተዓጊሰ ፡ ስቅታ ተሰኪመ ተጸሚመዮ ፡ ዳግማይ ናብ እግረይ ወሪዱ ስቅ እለዮ፣ ሕጂ ከአ ምስዘን ጎረባብተይ ፈለስቲ ከባእሰኒ ሒኽ ይብል ኣሎ ። ስንክልናይ  ባዕለይ መግቢ ንኸይዳሉ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ። እዘን ጎረባብተይ  ሰሪሐ ክብልዕ ከም ዘይክእል ዝፈለጣ ፈለስቲ በዛ ጥቃይ እካ ንኽይሓልፋ  እዚ ርጉም ፈታኒ ኣእጋረን ሓሊኹ ሒዝወን። ኣነ ግና ደሓን ኣንታ ርጉም እንጀራ ብዘይምልካፈይ ዘማርር መሲሉካ እናበልኩ ክጽሊይ ሓግየ ። ነዓኺ ብርኽቲ ከኣ እዚ ቅዱስ ኣቦይ ሰዲዱለይ እናበላ ክናፍረን ኣብ ግንባረይ ኣጥብቅ ብምባል ሰዓማኒ።

ሻቡ ዘዓቆርኩዎ ቄምታ ናይተን ፈለስቲ ካብ ውሽጠይ ክስወረ ተሰመዓኒ። እዋይ ኣንትን እነይ ኣነ እንዶ ግዳ ካብቲ ርጉም  ከፊኣክን እበልኩ ናብ ዕንጸይቲ ምቅጽጻል ኣተኹ። እነይ ፍሽክ እናበላ እዋይ ንረሰዓዮ ክሳብ ክንዳኡ ድማ ኣኽቢናዮ  ክብላ  መለሳለይ። ሽጉርቲ ስለ ዘይነበረን ካብቲ ብጻልም ፈስታል ተኣሲሩ ዝነበር ስግ ሰግ ተጠቂመ ጥዕምቲ ሽሮ ናብ ምስራሕ ኣተኹ። በቲ ናይ 20 ጃሎን ማይ ዝመልአ ብሩካ ነቲ ካብ ምስባብ ዝተላዕለ  ቀጠልያ ሕብሪ ሒዙ ዝነበረ ማይ ተጠቂመ ክሳብ እታ ሽሮ ትበስለለይ ምድሪ ቤት ማይ ረብሪበ ኮስቲረ ኣጽረኽዎ ።

ኣብ ዕዮ ገዛ ተጸሚደ ከለኹ ሃንደበት ናይ ዓባይ ማኪና ድምጺ ሰማዕኩ እሞ ንግዳም ወጻእኩ። ኣዴታት ዘሓዘት ባሌላ እያ ነይራ ። ናብ ገዛ እነይ ተመሊሰ እነይ ኣጋይሽ ይኣትዉ ኣለዋ ኢለ ሓበርክወን። በቲ ድኹም ድምጸን አለልለልልለልለ በላ። ገዛ እንዳ እነይ ካብ ኣስማራ ዝመጻ ኣዴታት መለአት ።ወዮ ሹሩይ ተረሲዓ በቲ እተን ነጋዶ ዝመጽኦ መግቢ ንእነይ እዚ ይሕሸክን ኖ ኣይፋል እዚ እባ መጀመርያ ብልዓ ዝበላ ኣዴታት  ነታ ሹሮይ ተቃጸጸኣ። ሓቂ ክዛረብ ኣነ እዉን ብዘይ ሽጉርቲ ዝተሰርሐ ሽሮ  ምስ ኮሮሾ ንእነይ ክበልዓን ምርጫይ ኣይነበረን። ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ምስ ኮነ ፣ ኵልን እተን ነገድቲ  ጸሎት ስርክ ክብጻሓ ናብ ቤተ-ክርስቲያን  ከዳ እሞ ነዚ ዕድል ተጠቂመ ንነይ ነብሰን ሓጺበ ክዳነን ቀይረ ፡ ኣዳሪረ እቲ ዘይነጽፍ ክሳብ ሎሚ ደገፍ ዝኾነኒ ምርቀኣን ቀሲመ ከም ሰበይ ነቲ ገዛ ዓጽየ ናብ ገዳም ኣምራሕኩ። ትዕግስቲ ክሳብ ሞት ካብ እነይ ዝቀሰምክዎ እናኣስተንተንኩ ናብቲ ደቂ ማኅበረይ ይዕሪፈሙሉ ዝነበሩ ቦታ ኣምራሕኩ። ደቂ ማኅበረይ ንቤተ-ክርስቲያን ክኸዱ ክቀራረቡ ጸኑሑኒ እሞ ነጸላና ተኸዲና  ተታሓሒዝና ንጸሎት ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲይን ኣተና። እቲ ቤተ-ክርስቲያን ብቅዱሳን ኣሳእል ዝተመልአ ኮይኑ ነፍሲ-ወከፍ ስእሊ'ቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝሓዘ መልእኽቲ ኣለዎ። ብፍላይ ናይ ጐይታን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽዋተ መከረ ዝተቀበሎ ቅዱሳን ኣሳእል ምስ ረአኹ ፡ እቲ ናይ እነይ ገድሊ ዘከርኩ። ክርስትና ሕይወት ብፈተና ዝተማእከለ ጉዕዞ ምዃኑ ብርሃለይ።፡ እዚ ሓጺር ጉዕዞ ሕይወት ብትዕግስትን ብርጉእ መንፈስን ሰጊርካ ኣኽሊሉ ሃበተ መንግስተ ሰማይ ትዓትሩ ፍኖት ምኻኑ ብቃል ዘይኮነስ ካብ ሕይወት እነይ ተማሂረ። ትዕግስቲ ኣብ ግዜ ስእነት ፡ ትዕግስቲ ኣብ ግዜ መከራ፡ ትዕግስቲ ኣብ ግዜ ሽግር፡ ትዕግስቲ ኣብ ትግፈዓሉ እዋን፡ ትዕግስቲ ኣብ ግዜ ስደት ከም ዝድለየኒ ካብ እነይ ተማሂረ። ኣምላከ ቅዱሳን ናብ ቅዱስን መካናት ሃገረና ተመሊሰና   ምስቶም ብሕይወት ዘለዎ ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ብኣካል ምስቶም ዝዓረፉ ካብ ዓጸመ፡ሥጋኦም በረኸት ንረኽበሉ ዘመን ይፍጠረልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ልዋም-ሰሎሞን

8/28/2018

Comments are closed.