ኣቡነ ኣብሳዲ ዘደብረ ክሳሄ 30 መስከረም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤ አሜን።

"ይባርኩከ ጻድቃኒከ ስብሐት ይብሉ ለመንግስትከ ወይነግሩ ኃይለከ ፥ ቅዱሳንካ'ውን ክባርኩኻ ኢዮም፤ ግብርታት ኃይልኻን ክብርታት መንግሥትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ከፍልጡ ክብሪ መንግሥትኻ ክዛረቡ ሥልጣንካ'ውን ክነግሩ ኢዮም።” መዝ 145፡10-11

  እዞም ቅዱስ ኣቦ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ኣውራጃ እንድርታ፤ ፍሉይ ሽሙ ከኣ ሓይቀ መሳሕል ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ኣቡኦም ቀሲስ ቶማስ ካብ ኣዲኦም ቅድስት ሰሎሜ (ጓል ሕይወት ብነ) ተወሊዶም። ኣቡኦም ቀሲስ ቶማስ ንበዅሪ ወዶም ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለዱ ሰበይቶም እምነ ሰሎሜ ከይፈለጣ ተሓቢኦም ንምንኩስና ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከዱ፡ ኣቦና ድማ ንሰበይቶም ከይነገሩ ከምዝመጹ ፈሊጦም ገሢጾም ምንኩስና ክፍሎም ከምዘይኾነ ብምንጋር፤ "ሀለው አርጋብ ንጹሐን ዘይትወለዱ እምኔከ" ብምባል ካልኦት ውላድ ከምዝወልዱ ተነበዩሎም። ቀሲስ ቶማስ ድማ ንሰበይቶም ይቕሬታ ሓቲቶም ንገዞም ኣተው፡ ኣይጸንሑን ኸኣ ንኣቡነ ኣብሳዲ ብድኅሪኡ ንማቴዎስን ንመክብበ ድንግል ወለዱ። መክብበ ድንግል ንኣቡነ ቴዎድሮስ ዝወለዳ ቅድስቲ ኣደ ኢየን። ኣቡነ ኣብሳዲ ብ16 የካቲት ብ1282 ዓ.ም ተወልዱ፣ ኣብ ጥምቀቶም ከኣ ‘ሀሎ ክርስቶስ’ ተሰመዩ። ኣቡነ ኣብሳዲ (ሀሎ ክርስቶስ) ብንእስነቶም ከለው ጒስነት እናጓሰዩ ብትግሃት ዘገልግሉ ለጋስን ፈቃርን ምናኔ ዝፈትው ኢዮም ኔሮም። ሓደ መፃጒዕ ብኣድጊ ዝመላለስ ዝነበረ ኣድጉ ምስ ሞተቶ ሀሎ ክርስቶስ ካብ ስድሮም ኣድጊ ሃብዎም፡ ብድኅሪዚ ናብ ኣቡነ ጳውሎስ (መምህር ገብረ መስቀል) መንፈሳዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ከዱ፡ ኣኩኦም ስለምንታይ ከምዝመጹ ምስ ሓተትዎም፥ 'ዓለም ከም ጽላሎት ብርሃን ኃላፊት ኢያ ዘይትኃልፍ ዓለም ክረኽባ ኣመንኩሰኒ' በልዎ፣ ነዚ ሓሳቦም ንወለዱ ምስ ኣካፈሎም ወለዶም ክምለስ እንተለመንዎም ኣበይዎም በቲ ሓሳብ ምንኩስና ድማ ጸንዑ። ሀሎ ክርስቶስ ካብ ኣኩኦም መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ደብረ ሽማና ኣብ ዝበሃል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ዝርከቡሉ ቦታ ሰደድዎም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ 81 መጽሓፍቲ ተማህሩ፡ ኣብ 28 ዓመቶም ምንኩስና ኣስኬማ መላእኽቲ ተቐበሉ፣ ካብ ሀሎ ክርስቶስ ድማ ኣብሳዲ ዝብል ስመ ምንኩስና ተዋህቦም ኣብሳዲ ማለት 'ኣቦ ብዙኃት' ማለት እዩ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ኣቡነ ኣብሳዲ ዘሎ ጸጋ ተረዲኦም ባረኽዎም፡ ኣብ ኣካሎም ሰዓምዎም ኣብታ ዝሰዓምዋ ቦታ ጠሊ ገደፈት እሞ ጻዕዳ ጸጉሪ በቘለት።

  ኣቡነ ኣብሳዲ ብብሕትውናን ስብከትን ጾምን ጸሎትን እናኣገልገሉ ከለው ብመንፈስ ቅዱስ ተሓቢሮም "ሑር ውስተ ሃገረ ሐማሴን ፣ ናብ ሃገረ ሓማሴን ( ሃገረ ኤርትራ) ኪድ" ተባሂሎም ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስዒቦም ናብ ሃገርና ኣተው። መጀመርታ ኣብ በራቂት (ቆሓይን) ኣዕረፉ፣ ካብቲ ከባቢ ኃሊፎም ኣብ ማእከላይን ሰሜን ኤርትራን ደቡብን ዞባ ማእከልን ዞባ ዓንሰባን፡ ኣብ ቆላ ከኣ ኣብ ሓልሓለ ቦጎስ ማርያ ቀይሕን ማርያ ጸሊምን ሓዋርያዊ ተልእኽኦም ፈጺሞም ኢዮም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ሃገረ ኣርማንያ ቅድሚ ምኻዶም ዝመረቕዎም ንደቆም 'ቡራኬ ንኣብሳዲ ወንበር ንመርቆሬዎስ' ብዝበልዎም ክሳዕ ሕጂ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብ1327 ናብ ሃገረ ኣርማንያ ኣብ ዝተበገስሉ ኣቡነ ኣብሳዲ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ስብከተ ወንጌል ንመላእ ሃገርና ኣብጺሖም ኢዮም። ኣብ ኣሥመራ ጎዳይፍ ኣብታ ናይ ኣቡኦም መወጽ ዝበቈለታ ንሓደ ዓመት ስብከተ ወንጌል ምሂሮም እዮም። ናብ ደቡብ ወሪዶም ንሰብዓ ዓመት ብተባሕትዎ ጸኒሖም፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመልክዕ ሰብ ተገሊጹ ፃዕዳ ልብስን ወርቃዊ መጽሓፍ ሃቦም፥ ስብዓ እትብል መጸውዒ ዝወጸላ ሽዑ ጊዜ ኢያ። ሳምራ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ጥቃ ዓረዛ ደብረ ድማኅ ምስ ሚስዮናታትን ልዮናውያንን ጉባኤ ተጌሩ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣረዲኦም ኣሕፊሮም ሰደድዎም፣ ንዅሉ ድማ ወልድ ዋሕድ ምሂሮም ኣእሚኖም ኢዮም።

  ኣቡነ ኣብሳዲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ገዳማትን መነኮሳትን ኣብ ሃገርና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ካብዚ ኃሊፎም ደቆም ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ እናኸዱ ገዳማት መሥሪቶም ኢዮም። ኣብ ሃገርና ካብ ኣቡነ ኣብሳዲ ዝፈረዩ እሞ ገዳማት መሥሪቶም መነኮሳት ዘፍረዩ፥ ደብረ ኮል ኣቡነ ብሩክ ኣምላኽ መራጕዝ፡ ገዳማት ኣቡነ ዮናስ (ደብረ ድኁኃን ቈሓይን፡ ደብረ ጽጌ ትምዛእ፡ ደብረ ሣህል ዛይዶኮሎም)፣ ደብረ ኣቡነ ሙሴ ማይ ጎርዞ፡ ደብረ ሲና ኣቡነ ድምያኖስ (ምድሪ ወዲ ሰበራ)፣ ደብረ ሓዋርያት ኣቡነ ሴት ዓዲ ቂታ፡ ደብረ ማርያም ዓይላ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ናይ ሃገርና ጠቂስና እምበር ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ደቂቀ ኣቡነ ኣብሳዲ ዝመሥረትዎ ገዳማት ኣዝዮም ብዙኃት ኢዮም፡ ስለዝኾነ ድማ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ኣብ ሰዓታት ድርሰቱ ከምዚ ክብል ዘኪርዎም፥ 'ሰአል ለነ አብሳዲ አበ ብዙኃን ወላዲ አእላፍ መምህራን በደብረ ማርያም መካን ፥ ኣቦ ብዙኃት ኣቦና ኣብሳዲ ኣብ ደብረ ማርያም ናይ ኣእላፋት መምህራን ወላዲ ተለመነና ኢኻ"፣ ቤተ ክርስትያን ድማ በረኸቶም ብምምሕፃን ወትሩ ኣብ ናይ ጾም እዋን ዘለሊት ክትዝክሮም ትነብር ኣላ። ማይ ኣብ ዝተሳእነሉ እዋን እታ ምራቖት ዝጠፍኡላ ከም ማይ ዝስተ ኴይና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደብረ ማርያም ገዳሞም ተገልግሎም ኣላ።

 ጐይታ ተገሊጹ እዛ ንወገን ሰሜን ዘላ ጎቦ ባሪኸልካ ኣለኹ፡ ምስ ደቅኻ ኣብኣ ተቀመጥ ስለዝበሎም ኣብዛ ሎሚ ደብረ ማርያም ደብረ ክሳሄ ኮነት ገዳሞም፣ ክሳሄ’ ማለት ምዑዝ ዝጨናኡ ሮዛ ዕንባባ ማለት እዩ። ‘ደብረ ክሳሄ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ካብቲ ገዳም ዝተገደመሉ እምባ ወግረ ክሳሄ ዝተወስደ እዩ። ከባቢ ናይቲ እምባ ኸኣ ደብረ ማርያም እናተባህለ ይፍለጥ። ቅዱስ ኣቦና ከይሰልከዩ ምሂሮም ንደቆም ምዒዶም ብድኅሪኦም ኣቦ ዝኾኖም ንኣቡነ ዘካርያስ ኃርዮሙሎም ከምቲ "ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ" ዝበሎ ስምካ ዝጸውዐ፡ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንካ ዝተቐብረ፡ ገድልካ ዝሰምዐ ምሒረልካ ኣለኹ።  ፍሉይ ድማ 'ሃበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይርኢ ደይን ፣  ኣብ ጽላሎት ናይታ ጎቦ ገዳምካ ዝበጽሐ ሲዖል ኣይርእን እዩ!'፣ ገዳምካ ኣብ ዕለተ ዕረፍትኻ ዝነገደ ኢየሩሳሌም ከምዝነገደ ኢሉ ቃል ኪዳን ካብ ኣምላኾም ተቀቢሎም ኣብ 98 ዓመቶም ብሠላሳ (30) መስከረም ኣብዛ ገዳሞም ዓረፉ። ደቆም ድማ ብብዙኅ ብኽያትን ኃዘንን ኣብዛ ገዳሞም ቐበርዎም፣ ነፍሶም ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ነብየ እግዚኣብሔር ዳዊትን ቅዱስ ያሬድን "ወተቀልዎ መላእክት ለአብሳዲ አብእዎ ኢየሩሳሌም" እናዘመሩ ወሰድዎም።

ገዳም ደብረ ማርያም

 ምሉእ ስም እዚ ገዳም ደብረ ማርያም ኣቡነ ኣብሳዲ ይበሃል፤ ብናይ ጥንቲ ስሙ ድማ ገዳም ደብረ ክሳሄ ኣቡነ ኣብሳዲ ተባሂሉ ይፍለጥ። ክሳሄ ማለት ምዑዝ ዝጨናኡ ሮዛ ዕምባባ ማለት እዩ። እዚ ገዳም'ዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ዝርከቡ ጥንታውያን ገዳማት ሓደ ኮይኑ ካብ ንኡስ ዞባ ማይምነ (ቆሓይን) ካብ ሓውሲ ከተማ ማይምነ ብሸነክ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ከባቢ ምድማር ሩባ ዑበልን ሩባ መረብን ይርከብ። ዝተገደሙሉ ቦታ ድማ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኑ ብቅድሚኡን ከባቢኡን ግና ብዙኅ እኳ እንተዘይኮነ'ኳ ልሙዕ ጎልጎል ዝርከበሉ ቦታ እዩ።

 ናብዚ ገዳም ክትድይብ ብዙኅ ጥውይዋይ መንገድን ዓቀብን ዝበዝኆ ስለዝኾነ፣ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ብእግሪ ምስ ተጓዓዝካ ዝርከብ ገዳም እዩ። ንክትድይቦ ኣሸጋርን ኣድካምን እኳ እንተኾነ ምስ ደየብካ ግና ምስቲ ጥዑም ኩነት ኣየርን ግርማ ናይቲ ገዳምን ቅድስንኡን ኣብኡ ንበር እምበር ውፃእ እኳ ኣይመጻካን ኢዩ። እዚ ገዳም ዝተገደመሉ ኣብ መበል ቀዳማይ ርብዒ ዓሰርተ ኣርባዕተ (14) ክፍለ ዘመን ካብ 1332 ክሳብ 1335 ዓ.ም ከምዝተገደመ ይግለጽ። ገለን ድማ ታሪኽ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ 1374 ዓ.ም ከምዝተገደመ ይገልጹ።

ቅርስታት

 ኣብዚ ገዳም ኣዝዮም ክረኣዩ ዝግብኦም ኣዝዮም መሰጥቲ ጥንታውያን ቅርስታት መካናትን ንዋያትን ይርከበ፣ ንገለ ካብኡ ምስ ንጠቅስ፥ መቓብር ኣቡነ ኣብሳዲን ኣቡነ ዘካርያስን፡ ኣብ ካልኦት ገዳማት ዘይርከቡ ጥንታውያን ታሪካውያን ብራናታት፡ ተኣምራት ዝተፈጸመሎም ከባቢታት፡ ኣቡነ ዘካርያስ ተሰኪሞም ዘምጽእዋ ክልተ ኩንታል ትከውን እምኒ (ጥቃ እንዳ መጋቢ)፡ ለይትን መዓልትን ተብርህ ዝነበረት ዕፅ ኣውሊዕ(እንዳ መጋቢ)፡ ኣቡነ ዘካርያስ መውረዲ ማይ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወረደትሉ (እንዳ መጋቢ) ካልእን ዘይተጸንዑን ብዙኃት ቅርስን ተኣምርን ዘለው ገዳም እያ።

ታሪኽ ገዳም ደብረ ማርያምን  ደቂቀ ኣየጣዕስን

  ታሪካዊ ዝምድና ገዳም ኣየጣዕስን፥ምስቲ እቲ ገዳም ምምሥራት ዘለዎ ዕድመ ኣብ ጥቃ እቲ ገዳም ደቂቀ ኣየጣዕስን ኣለው ታሪኾም ድማ ኣቡነ ኣብሳዲ ካብቲ ወፊሮሙሉ ዝወዓሉ ናብ ገዳም እናተመልሱ ፀሓይ ስለዝበርትዓቶም ኣብ ጥቃ እቲ ዓዲ ከዕርፉ ኢሎም ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ኣተው እሞ፡ እታ ሰበይቲ ንጋሻ ዝግብኦም ክብሪ ሂባ ኣአንጊዳ፣ እግሮም ሓጺባ ነቲ ሕጻብ እግሮም ሰተየቶ። ቅርብ ኢላ ድማ ውላድ ዝሰኣንኩ መካን እየ በለቶም ኣቦና ድማ እሞ ውላድ እንተወለድኪ ንዓይ ትህብኒ'ዶ በልዋ ንሳ ድማ ጥራሕ ይውለድ እምበር ይህበኩም በለቶም። ኣቦና ጸሎት ጸልዮምላ ከዱ ከም ድላያውን ውላድ ረኸበት ከም ቃላ ግና ኣይሃበቶምን፣ እቲ ቆልዓ ዓበየ ኣቦና ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ናብዛ ሰበይቲ ኣላጊሶም እንታይ ከም ቃልኪ ዘይሃብክኒ ተጣዒስኪ ዲኺ በልዋ፧ ንሳ ድማ 'ረቢ ኣየጣዕስ ኣይተጣዓስኩን' ኢላ ውላዳ ሃበቶም። በቲ 'ረቢ ኣየጣዕስ' ዝበለቶም ድማ ኣቦና ኣየተጣዕስ ኢሎም ሰመይዎ። ኣየተጣዕስ ተጠሚቁ ረድኦም ኮነ፡ ዳኅራይ ድማ ነርባዕተ ማይ ቤት ደቂ ኣየጣዕስ ዝፈረየ ኮነ። ካልእ መትረሪ እዚ ገዳም ኮይኑ ዘሎ ድማ ኣቡነ ኣብሳዲ ብ30 መስከረም ምዕራፎም ኢዩ። ኣየጣዕስ ድማ ብ29 መስከረም እዩ ብድሮ በዓሎም ኣኽቢሮም ንጽባሒቱ ንደብረ ማርያም በዓል ኣቡነ ኣብሳዲ ከኽብሩ ይመጹ። እዚ ገዳም ብኣቡነ ኣብሳዲ ዝተገደመ ብዙኃት ተመሃሮ ዘፍረየ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ኣብዚ ገዳም ከምዝተማህሩ ዝንገረሎም ኢዩ። እዚ ገዳም ብ18 መስከረም በዓል ኣቡኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣኽቢሮም፡ ዝዓበየ ድማ ዕለተ ዕረፍቶም ኣቡነ ኣብሳዲ ብ30 መስከረም ይበዓል። እዚ ገዳም ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝዖደቶ ገዳም እዩ፡ ከምኡ ድማ ብኢድ መልኣኽ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ዝተባረኽ ደም ጐይታና ዝተነጽጎ ቅዱስ ገዳም ኢዩ እሞ፡ ኣብዚ ኬድና በረኸት ኣቡነ ኣብሳዲን ደቆምን ክንቅበል ቤተ ክርስትያና ወትሩ ተዘካክረና ኢያ።

30 መስከረም መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም፥

በዚ ዕለት ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ነቶም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተኣከቡ 318 ርቱዓነ ሃይማኖት ኣብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ተኣምር ጌሩ

 ናይ ሃገረ ኣርማንያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ጎርጎሬዎስ ዝክሩ እዩ

 ኣባ ሣሉሲ ዘዕረፈሉ እዩ

 ኣቡነ ኣብሳዲ ዘደብረ ማርያም ዘዕረፈሉ ዕለት

ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ኢዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስትያንን ምስ ሃገርና ኤርትራን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር፡ ኣሜን።

ምንጪ፡-

መጽሓፈ ስንክሳርን

  1. ገድሊ ኣቡነ ኣብሳዲን
  2. ሊቃውንት ኣበው ዘሃገረ ኤርትራ ነፍስሄር ሊቀ ሊቃውንት ጎይታና ይስሓቅ ዘደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዓረዛ፡ መልአከ ገነት ሊቀ መዘምራን የኔታ ተክለ ማርያም ዘደብረ ኤፍራታ

ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

27- 12 - 2012 ዓ.ምሕረት

2- መስከረም- 2020

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል፤ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፤ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፤ አሜን።

Comments are closed.