ንመከራን ሓጎስን ብማዕረ’የ ዝስተማቅሮም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ንመከራን ሓጎስን  ብማዕረ’የ ዝስተማቅሮም

እዛ ጽሑፍ ነቶም ኣብ ኣንጻራዊ ጾታ ፍቅሪ  ወዲቆም ዘለው ኣሕዋት እትምልከት ጽሕፍቲ'ያ ።  ንፍቅሪ ኣንጻራዊ ጾታ መዝሚዞም ብፍላይ ኣሕዋትና  ደቂ-ኣንስትዮ ብመንገዲ መንፈሳዊ ሕወይት ዝጓዓዛ  ክብድሉ ንዝፈትኑ መንእሰያት እትምዕድ  ጽሕፍቲ’ያ። ብዝገጥመካ ፈተና ትብዓትን መንፈሳዊ ዕበይትን ከተጥሪ ከም ዘለካ እንተብርህ ጽሕፍቲ'ያ።

ጨካን ኣይኮንኩን ለዋህ’የ ልበይ ገና ብንኡሱ ልግዓ ርህራሃን ፍቅርን’ዩ ተመጊቡ ዓቢ’ዩ። ንዝግጥመካ ፈተና እንተርፎ ስዒርካ ክትዕወተሉ እምበር በቲ ዝገጥመኒ ፈተና ክወድቅ ከም ዘይብለይ ዝዕበየኒ  መንፈሳዊ ሕይወት  ጽቡቅ ጌይሩ ኣለቢምኒ’ዩ። ምስ ዘይመስለካ  ሰብ ፡ምስ ዘይመዛኑኻ መሓዙት  ምቅራብ ዋጋ ከም ዘይብሉ ይፈልጥ’የ። ንፍቅሪ መስዋዕቲ ክኸፍል ድልው’የ። እቲ ዝኸፍሎ መስዋዕቲ ግና መንፈሳዊ ረብሓ ዝረኽበሉ ፡ ኣምላኽ ዝኸብረሉን ዝምስገነሉን መስዋዕቲ ኣቤል ከም ዝኾነ ምስ ዘረጋግጽ ጥራየ ንመስዋዕቲ ድልውቲ ዝኸውን ። ዝኽፍሎ መስዋዕቲ ናይ ቃኤል መስዋእቲ ወይ ከም ድም ከልቢ ዘይጠቅም ከይከውን ጥናቀቀ እናገብርኩ’የ ዝጓዓዝ። ሓሰር መስዋዕቲ ፡ ክዕርግ ኣይደልን’የ ፡ ሓሰር መስዋዕቲ ደኣ ንቃኤል እኳ ዘይጠቀመ።ፍቅሪ እቲ ዝበለጸ ሕያብ ናይ ፈጣሪ’ዩ። ንፍቅሪ ክሳብ ዕለተ ሞተ ከፍቅራ’የ። ኣብ ፍቅሪ ከሲረ ኣይፈልጥን’የ እንትርፎ ክኸስብ። ንስለ ፍቅሪ ዝውንኖ ኵሉ ክኽፍል ድልው’የ ገንዘበይ፡ጉልበተይ፡ሓሳበይ፡ ..ወዘተ ኮታስ ኣብ ሕይወተይ ዘጥረኽዎ ብምልአት ንፍቅሪ ኢለ ክዘርዎ፡ከባኽኖ ፍቃደኛ’የ።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ንብዙኃ እዋን ዝረኣኽዎ ወዲ ንመጻኢ ይኾነኒ ብምባል ኣንጻራዊ ጾታ ጀሚረ። ወግዓዊ ኣይንግበሮ እምበር ንኣስታት ሐሙሽተ ዓመት ብሓባር ተጓዒዝና።ብኣካል ኣብ ሓደ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ንሓደ ዓመት ጥራይ ኢና ተማላሊስና። ዝተረፈ ርክብና ማዕዶ ማዕዶ’ዩ። ብተሌፍን ፡ ብኤመይ ዝምድናና ቀጺልና። ኣብዘን ሓሙሽተ ዓመት ሓንሳብ ክንፈላለ ወሲና ነይርና። ርክብ ኣቋርጽና ፡  ዳግማይ ድሕሪ ዓመት ዝኸውን ብመስመር ተሌፎን ታራኺብና። ንርክብና ሽም ኣይንግበረሉ ብምባል ርክብና ኣሐድስና። መቸም ካብቲ ናይ ቅድም ርክብና ተማሂርና ዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ከነተኩር ጸጸር ተዋሓሒጥና። ስጡም ሰብን እግዚአብሔርን ዝፈትዎ ማሙቅ ፍቅሪ ሰሪሕና።ድሕሪ ክልተ ዓመት ንስድራኡ ክርኢ ብመገሻ ናብ ኤርትራ ይኸይድ። እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ ምስ ተመልሰ ሓድሽ ጣባይ ተሰኪሙ ተመሊሱ። ርክብና ክቋርጽ ሓቲትኒ። ኣነውን ናይ ደሓን ዲኻ ክብል ተወኪሰዮ ፧ንብዙሕ ዓመታት ብሓደ ኔርና ክሳብ ሕጂ ግና ወግዓዊ ዝኾነ ሓዳር ወይ ሕጸ ኣይገብርና እናበለ ሓውሲ ጸርፍን ምፍርራሕን እናወሰኸ ካብ ሎሚ ንደሓር ርክብና ተቢቲኹ ኣሎ ፡ ሕውነትና ከም ቋንጣ ነቂጹ ኣሎ በለኒ። ክዛረበኒ ከሎ ሓንቲ ኣይመለስኩልን መልሲ ክጽሕፈሉ ከም ዘለኒ ጥራይ ምስ ነብሰይ ተረዳዲአ።

ሓወይ ንጽህናየይን ግርህነተይን ኣሽኪዕካ ፡ በጃኻ  ኣይትደናገር፡ እቲ ለዋሃተይ፡ ሓልዮተይ፡ መግለጺ ድኽመተይ ዘይኮነስ ኣካል መሓውር ናይ ፍቅረይ ከም ዝኾነ ይሰቆርካ። ፈቃር ምኻነ’ይ ፈሊጥካ ክትምዝምዘኒ ፡ ክትድህለኒ ፡ ከተፋራርሓኒ ኣይትሕሰብ ። ክገርመካ ኣብ ፍቅሪ ፍርሓት የለን ፡ ዝያዳ ምስ ተፍቅር ፍርሓት ካባናኻ ሰኽኽ እናበለ’ዩ ዝርሕቅ። ኣይፈርሓካን’የ ፡ ኣብ ትሕቲኻ እግርኻ ኮይነ ፍቅረይ ተለመን  ክብለካ ኣይትጸበ። ኣብራኸይ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም እንተዘይ ኮይኑ ንኸማይ ወዲ ሰብ ክምርከኻ፡ክሰግዳ ኢልካ ፈጺምካ ኣይትገመቶ ኣይትሕሰቦ ከማን። በዝተኸአለኒ ንዓኻ መሲለ ክልቲና ብመንፈስን ብጸጋን ክንዓቢ ጽዒረ። ላም ዓቅማ’ያ ይሕለብ ፡ በታ ዝውንኖ መንፈሳዊ መንገብገብ ብሓባር ክነፍር ፈቲነ፡ ንስኻ ግና ነቲ መንፈርፈር ቆሪጽካዮ። ዝተቆርጸ መንገብገበይ ዳግማይ ክሳብ ዝበቁል ኣይክነፍርን’የ። ዓቅልን፡ ህድኣትን ስኒቀ ነቲ ኣጥሪዮ ዝነበኩ መንፈሳዊ ዕበየት ክመልሶ’የ። እንተ ምሳኻ ግና ከብድን ሕቆን ኮይና ኢና ድሕሪ ደጊመ ፡ ርክብን ዝምድናንን ምሳኻ መንፈሳዊ ድኽም እምበር መንፈሳዊ ትንሳኤ ሰለ ዘይረአኽሉ ድሕሪ ደጊም ንድሕሪት ተመሊሰ ኣይጥምትን’የ።

ካባይ ክትርሕቅ እንተ ደሊኻ ብፍታውካ ከተልግስ ዝኽልክለካ የለን። ካባይ ንኽትርሕቅ መመኽነይታ ኣድጊ ሞይታ ዝዓይነቱ ናተይ ኣብሳን በድልን ከተናዲ ኢልካ ሒኽ ምባልካ ተጋጊኻ። እንታይ ገደሸካ ንነብስኻ ተታልላ፡ እቲ ሓቀኛ መልክዓ ዘይትህባ።ቅድሚ ሕጂ ካባይ ክትርሕቅ ምስ ደለኻ እናተጻወትና ከለና ሓንቲ ሙላቅ ነጥቢ ናይ ከናፈረይ ብምርካብ ማእለያ ዘይብሉ ጽርፍን ዘለፋን ደርቢኻ ካባይ ተኣሊኻ። እኸሰካ ኣይኩንኩን ዘለኹ የዘኻኽረካ እባ ደአ ። ሓቀኛ መንነትካ ክትፈልጥ ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ትማሊ ታሪኽ ክትድህስስ ክትውከስ ሰለ ዝደለኹ’የ። እዚ ናትካ ነገር ደግሲ’ዩ ኮይንኒ  ፡ ዳግማይ ተማሳሳሊ ምኽንያት ብምፍጣር ካባይ ክትርሕቅ ወሲንካ ። እንታይ ገደስካ ሓወይ ንነብስኻ ተታልል፡ ኣነስ ርክብና ከነቋርጸ ይደሊ ኣለኹ ብምባል ብፍትወትካ ዘይትሕበረኒ።  ጥይትን፡ ቦንባን ዝመስል ናይ ኣሽሙርን ምንኣሳስን መንደራግሕ እናወርወርካ ዓቢ ኴናት ዘይትዕወትሉ ኪፊትካ፡ ናተይን ናትካብ ርክብ እዚ ኣይኮን ፍይድኡን ፍረኡን።

ፍቅሪ’ዩ ሓይለ’ይ ፡ፍቅሪ’ዩ ቅናተይ ፡ ፍቅር’ዩ ዋላታይ ዋላ ዝደለኻ ዘረባታት ሰንድው፡ ዋላ ጸርፍታት ከዓው ፡ ኣስናንካ ሓርቅም ኣነ ግና ኣይቅይርን እየ። ከምታ ተፈልጠኒ’የ ኣይሽረፍ ኣይጎርፍ።ንሳ እንድያ ዓቅምኻ ፡ ንሳ እንድያ እታ ዝካብካ ዘይርካብካ ካበይ እሞ ከትጽሕትር  ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓበርኹኻ’ዩ ፡ ሓደ ሓሳዊ ሰብ ፡ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ’ዩ ዝመስሎ፡ ሓደ መታለሊ ሰብ ኵሉ መታለሊ’ዩ ዝመስሎ፡ ሓደ ተጣራጣሪ ሰብ ከምኡ ኵሉ ተጣራጣሪ’ዩ ዝመስሎ። ሰብ ዓዓቅሙ’ዩ ዝሓሰብ ከምዚ ዓይነት ባህራያት ከም ዘይብለይ ንዓመታት ዝአክል ምሳኻ ዝተቋረንክዎ  ፍቅሪ ምስክር’ዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ክሓስቦ ከለኹ ናትካ ነገር ይድንጽወኒ’ዩ። ነዓይ እኳ ክንደይ ኣዋላድ’የን ዝጥምታኒ እናበልካ ንነብስኻ ኣብ ዓቢ እምባ ሶይራ  ሰቂልካ ንዓይ ትሕቲ መቃብር ኢኻ ትሰርዓኒ። ዕሽነትን ጃህራን ኣንጻር ባህረየይ ምዃኑ ትዝንግዖ ኣይመስለን እምበር ልዕልቲ ንስኻ ትሕተቶ ኣነውን ሰባት ከምዝሓቱኒ ሓደ ብሓደ መልእኽቶም እንተ ዘርእየካ እንታይ ኮን ምበልካ፧.....ቀሩብ ዕሽነት ክትጻወረኒ እንተ ዝሓተካ ንሓንቲ ደቂቅ እኳ ኣብዛ ጎነይ ደው ኣይምበልካን ፡ ከም ዝሰኸረ ፈረስ ምነፈጽካ።

ምቸም  ተፈላሊና ኣሎና። ሩታፋ ተሲሚዕካ ክኸውን ተስፋ ይገብር ፡ ናትካ ሓጎስን ደስታን  ናተይ ሰላምን  ባህታን ሰለዝኾነ  ንስኻ ድሱት ምዃንካ ኣነውን ሓጉስቲ’የ። ከምቲ ካልኦት ኣዋልድ መድሪ እናጠፍጠፋ ዝረግማ ከምኣተን ክረግመካ ኣይክእል። ካብ መልሓሰይ ምረቃ እምበር መርገም ከውብጽ ቤተ-ክርስቲያን ኣይመሃረትንን።መዘዝ ፍቅሪ ዝምጽኦም ናፍቆት ፡ ጦብላሕታ፡ተዝክሮ  ንሓጺር ግዜ ከም ዝፈታተኑኒ ርግጸኛ’የ። ከምዚ ዓይነት ፈተና ይፈትው’ዩ እንተበልኩ ዝጓነንክዎ ከይመስለካ ብሓቂ’የ ዝፈቱ። ፈተና ክገጥመኒ ከሎ ንቅዱስ ኣግናጢዎስ’የ ዝዝክር ። ንሱ እንታይ ይብል ምስለካ ንዓይ መከራን ሓጎስን  ሓደ መልእኽቲ’ዮም ሓዚሎም ዝመጹኒ  ንኽልቲቶም ብማዕረ’የ ዝስተማቅሮም። ሰባት ሓጎስን ባህታን ጥራይ ከስተማቅሩ ይደል’ዩ። ኣብ ፈተና፡ ሽግር ዘሎ መቀርት ማዕረ ክንደይ ምቁር ምዃኑ ኣይፈልጡን’ዮም። ሰለዚ ንስኻ ንዓይ  ፈተነ ከስተማቅር ዕድልን ባይታን ሰለ ዝፈጥርካለይ የመስግነካ። ስም ኣምላኸይ እናጸዋዕኩ ፡ ኣብ ደገ ቤቱ እናኸድኩ ልበይ ብሰሓቅን ደስታን ክመልእ’የ። ከም ቀደመይ ፍሽኽ እናበልኩ ናብራይ ክመርሕ’የ። ሓገዝ ኣለኒ ፡ ሓገዝ ቅዱሳን መልአኽቲ፡ ሓገዝ ናይ ቅዱስን ጸሎት ፡ ሓገዝ ጸሎትን ምኽርን ኣበ-ነፍሰይ። እቲ ዘይታኸስ ጐይታ መድኃኔ-ዓለም ብሩባ-ሩባ ደነ ሞት እኳ እንተ-ኸድኩ ንሱ ምሳ’ዩ ፡ ንሱ’ዩ ምርጫይ።

ጽቡቅ ዕድል ኣብ ሕይወትካ ይምነየልካ ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!

ልዋምን ራህዋን

2018/08/27

Comments are closed.