ብሂላት ብዛዕባ ጾም

ከምቲ ሓያል መድሃኒት ብርቱዕ ሕማማት ዝፍውሶ ክምኡ ከኣ ብጾም ዝተሰናየ ጸሎት ድማ ንኽፋእ ሓሳባት ነቒሉ የውጽኦ”

ቅድስት ሲንቅለጢያ

“መብልዕሰ ኢያረብሃነ ወኢያነክየነ” ብልዒ ኣየርብሓናን ኣየነክየናን “

ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ

ጾም ርእስኻ ገዚእካ ስምዒትካ ገቲእኻ ጸጋኻ ሓሊኻ ርእሲ ኩሉ ንምዃን ዘኽእል መንፈሳዊ ቁልፊ እዩ

ኣቡነ ሲኖዳ

ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ ፣ ወታጸምም ኩሎ ፍተወታተ ዘስጋ ጾም ቁስሊ ነፍሲ ትፍውስ ፍትወታት ናይ ስጋ ድማ ተወግድ

ቅዱስ ያሬድ

ጾም ማለት ስጋ ንነፍሲ ትክፍሎ ግብሪ እዩ።

ብሂል ኣበው

ጾም ማለት ቃል ብቃሉ፣ ምሕዳግ ወይ ድማ ምቁራጽ ማለት እዩ። ብሓጺሩ መግቢ ምሕዳግ እዩ። ጾም ነቲ ሓጢኣት እንዳተመገበት እትስልጥነሉ ብልዒ ብምሕዳግ፣ ንሓጢኣት ከም ትቐትላ እዩ።

ቅ.ባሲልዮስ

ጾም፣- ኣብዚ ምድሪ ክትነብር እንኮለኻ፣ በቲ ኣብ ሰማያት ዘይርከቡ ነገራት ማለት ብብልዒን ፍትወት ሃብትን፤ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣብ ምዕጋብ እንድሕሪ የሕሊፍካዮ ደኣ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ሰማያት ገዛእ ርእስኻ ክትምግባ፧? ንጣዕሚ ሰማያዊ ህይወት እንድሕሪ ዘየስተማቒካዮ ደኣ፣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ (ዘለኣለማዊ ህይወት ምስ ወረስካ) እንታይ ክትምገብ ኢኻ፧? ኣብ ምድሪ ክትነብር እንኰለኻ ንሰማያዊ ህይወት፣ ከተስተማቕሮ ድሌታትን ህንጡይነትን እንድሕሪ ዘይብልካ ደኣ፤ ከመይ ጌርካ ብሰማያዊ መግቢ ክትሕጎስ፧

ርእሲ መንፈሳዊ ህይወት ጸሎት እያ፣ መሰረታ ኸኣ ጾም።

ቅዱስ ኣግናጥዮስ

“ንሕና እቶም ንልብና ኣናዲናዮ ዘይንፈልጥ፡ ኣበይ ኢና ክንጅምር? እምበኣር ከምቲ ጐይታ ዝኣዘዘና፣“ኳሕኩሑ ክኽፈተልኩም እዩ” እሞ ዝብል፣ ንሕና ዉን ኣብ ደገ ደዉ ኢልና ብጸሎትን ብጾምን ንኳሕኹሕ።”/ማቴ 7፡7/

ቅድስ መቃርዮስ

ብጾም ነብያት ተወልዱ፣ ሓይሎም ዉን ተሓደሰ፣ ጾም ንጸሓፍቲ ሕጊታት ጥበብ ትህቦም። ጾም ንነፍሲ ትሕልዋ። ጾም ናይ ሰብነት እሙን ዓርኪ፣ ናይ ጅግና መሳርሒ፡ ናይ ስፖርተኛ መሰልጠኒ ማእኸል እያ። ጾም ፈተና ተርሕቀልና፣ ናብ ስነ ምግባር ብቅብኣት ተብጽሓና። ጾም ናይ ንቕሓት ብጻይ፣ ናይ ንጽህና መሳልል እያ። ኣብ ኲናት ብትብዓት ትቃለስ፣ ኣብ ግዜ ሰላም ድማ ስቕታ ትምህረና። ንናዝራዉያን ዝዀኑ ባሕታዉያን እትቅድስ፣ ንካህናት ድማ ናብ ፍጽምና እተብጽሕ።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላክ አበዊነ ዘፈጠረ ኪያነ ከመ ናምልኮ።

ዘኬዎስ

Comments are closed.