ቤዛዊት - ሓምሻይ ክፋል

ንጽባሕቱ ሰዓት 5 ድ.ቀ ሳሚ ካብ ዲያቆን ዘተቀበላ ደብዳቤ ተሰኪሙ ናብ እንዳ ቤዛ ከደ። ቤዛ ጸብሒ ክስትሰርሕ ከም ዝጸንሐት  እቲ ካብ ርሑቅ ኮንካ  ዝሽትት ዘነበረ ጨና ሽሮ ይምስክር። ናይ ኽሽነ ኣቁሑት ክትሓጻጽብ ላዕልን ታሕትን ክትብል ኣብ ደንበ  ናይቲ ኽሸነ ጸንሐት። ቤዛ በይና ኣብ ትኾነሉ ግዜ መዝሙር እና ዘመረት ናይ ስራሕ ገዛ ተዋድድ። ብፍላይ “ መንዩ ከምዚ ኸማይ ከምዚ ኸማይ ሓጢያትን ኣበሳን ገብሪ “  ትብል መዝሙር  ቀጻሊ እያ ትዝይማ።ኣብ ማሕበርናወን መዝሙር ምረጹ ምስ ንበሃል  ነዛ መዝሙር ወይ ከኣ “ ድንግል ማርያም ኃዘነ ልቦና ታቀልል” ትብል መዝሙር ትመርጽ።

ሓማትካ መቸም ክትፈትወካ ኵሉ ግዜ ናይ ኽሸነ ስራሕ ምስ ወዳእኩ ኢኻ ትመጽእ፤ ነቲ ኣብ ኢዳ ዘነበረ ዓፍራ ስማና ንምጽራይ  ኣብቲ ኣብ ጥቅኣ ዘነብረ ማይ ጨብረቅ ጨብረቅ ኣበለቶ። ሳሚ ጥዑይ ጌርኪ ኢድኪ ከይተሓጸብክዮ ሰላም ኣይብለክን በላ እናሰሓቀ ኢዱ ካብ ምንሳእ ግና ኣየቋረጸን ። ኪድ እምበለይ ወረገይ ምስ ዓፍራይ ከለኹ እየ ሰላም ክብለካ ዝግበኣኒ እናበለት ኢዳ ሰዲዳ ከምቲ ቀጻሊ ትግብሮ ሓቌፋ ሰዓመቶ። ከተሕርቆ ኢላ ከኣ ኢዳ ኣብ ሕቆኡ ሓበሰቶ። ኣቲ ግናይ በቲ ረሳሕ ኣእዳዉኪ ትጸያይቅኒ ፡ እዛ ተኸዲነያ ዘለኹ ካምቻ ኣቅኒኣትኪ ምሽ፡ መቸም ኣነ ጽቡቅ ክዳን ተኸዲነ ክትርእይኒ ዓይንኺ ኣይመልኣልክን’ዩ በላ ካብ ጥቅኣ እናረሓቀ።

ሓንቲ መዓልቲ እስኪ ኣብ ገዛና ከስርሓካ እየ። ሳሚ ትቅብል ኣቢሉ  ኣነ ዝሰራሖ መሳሕ ደኣ ኢድካን መልሓስክ ብሓባራ እዩ ዘቆርጥም ብፍላይ ዓደስ ጽቡቅ ጌይረ እያ ዝሰርሕ። ንርኢ በለት ዕዉርቲ ድዩ ዝበሃል እምበር ክንደይ ግዜ ከምኡ ክትብል ዘይሰማዕና፡ኣብ ተግባር ግና ዋላ ኣይረኣናን። ጽባሕ ቅዱስ ጌዮርጌስ እንድዩ ኣብ ገዛና ብሽም ቅዱስ ጌዮርጊስ ምሳሕ ትሰርሓልና። ማማ ኣብርሃት  ኣብ ዉሽጢ ገዛ ኮይና  ዕላሎም ትከታተል ሰለ ዘነበረት፡ ኣንቲ ቤዛ! ካን በሓደ ኣፊቱ ወዲ ዝሰርሖ ጸብሒ  ክትብልዒ! ያእ ኣይፋልክን ኣይባህልናን ከኣ!። ወይ ሰብ ደቀይ ጽንሒልክስ  ንዓ ስራሕ ገዛ  ዕየይ ክትብልዮ ኢኺ። ሳሚ ወደይ  ቤዛ ጓልይ ሓደ ሓደ ግዜ ሃለውለዉ እያ ትብል፡ እምቢ  ኣይሰርሕን ንስኺ’ኸ  እንታይ ክትዋጥዪ በላ ። ቤዛ ክርትም ኢላ ሰሓቀት ኣንቲ ማሚ ኵሉ መዓልቲ ኣነ ዝሰርሓ ዓደስ እናበለ’ዩ  እኳ እዝነይ ኣይጽሚምኒ  ኣነ ኸኣ ብቃል ዘይኮነስ ብግብሪ ኣርየና’የ ዝብሎ  ዘለኹ። ኣንቲ ቖልዓ ተጸሊልኪ ዲኻ እንታይ በዲልኪ’ዩ ሳሚ ወደይ፡ እዚ ወደይ ባዕለይ ኣለኹልካ ኣነ ክሰርሓልካ እየ።  እዞም ደቀይ ቤተ ክርስቲያን ስዕም ኣቢለ ንኣቦይ ቐሺ ረኺበዮም ግምጥል ክብል’የ እሞ ድራርኩም ተደሩ ኣይትጸበዩኒ ኢኹም  እናበላ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘወስዲ መንገዲ  ኣንፈታ።

ሳሚ ምስ ቤዛ ጸብጻብ ናይ ክፍሊ ድራማን ክፍሊ ሰነ ጽሑፍን ድሕሪ ምጽፋፎም ንድራር ተቀረቡ። ሳሚ ኣብ መንጎ ድራር ብዘዓባ ዲያቆን መርሃዊ እንታይ ሓድሽ ነገር ከም ዘሎ ሓተታ። ዋላ ሓደ ሓድሽ ነገር የለን ሎሚ ግና ደዊልለይ ኔይሩ ዳግማይ ንኽንራኸብ መዓስ ከም ዝጥዕመኒ ሓቲቱኒ ፡ ኣነ ከኣ መዓስ ከም ዝጥዕመኒ ደዊለ ክነግረካ እየ ኢለዮ። ሳሚ ጸቡቕ እምበር  ናይ ሓሳባትኪ ምልዉዋጥ ጌርኪዶ ንስኺ፧  ሳሚ ሓወይ ቃለይ ሓንቲ እያ፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዝኾነ ብዘዓባ ናይ መርዓ ጉዳይ  ክሓሰብ ኣይደልይ እየ። ኣብ ቅድመይ ነዊሕ ዘተወንዘፈ ጉዕዞ ይጽበየኒ ኣሎ ነዚ ዝጽበየኒ መንገዲ ብኸመይ ይዛዝሞ ጥራይ እዩ ሓሳበይን ቀልበይን ዘሎ። ደሓር ከኣ ኣነ ንዲያቆን መርሃዊ ዝኸውን ሰብ ኣይኮንኩን። ኣምላኽ እንተ ፈቂድዎ ናተይ መርጫ ዝፍቅረኒ ዘፍቅሮ ባዕለይ ዘተላለኽዎ፡ ሓሳባ ናይ ልበይ ዝሰፈኖ፡ተሸጊሩ ዘሎ መዓጾ ልበይ ብፍቅሪ ክበስዖ ዝኽእል መንፈሳዊ ወዲ እየ ዝደሊ ። ኣብ ሓጺር እዋን ዝዉሰን ናይ መርዓ መስርሕ ኣይድግፎን እየ።

ኣብ መርጫኺ ኣትየ እዝን እትን ከብል ኣይደፍርን። ግና ሓደ ነግር ክትግንዘብዮ ዘለኪ ኵሎም ወለድና ሓዳሮም ብመልክዕ ዕርከነት ተላሊዮም ኣይኮኑን መሲርቶሞ።ምዉስቦ ክቡር  ምዃኑ ፈሊጦም ግዜ ዓዲጎም መን ምስ መን ይሓይሽ መኺሮም፡ ኵሉ ነገር ሓደ ብሓደ ብጽፈት መዚኖም ዉሳኒታት ዝሕልፉ። ኣነ ብወገነይ  ከም በዓል ድያቆን መርሃዊ ምርካብ ኣብ ሕይወትካ ማዕረ ከንደይ መርቓን፡ ዓቢ ህያብን ምዃኑ ደጋጊመ ክነግረኪ የደሊ ።

እዚ ዝበልካዮ  ኣይክሕዶን እየ፡ ወለድኻ  ዝምጽኡልካ ምምርዓውን ጌጋ ኣይኮንኩን ዝበልኩ ። በውገነይ ናብ መርዓ ዝብጽሑ ርክባት ብኽልተ መንገዲ ከፊለ መረኣኽዎ፡ እቲ ሓደ ኣብ በይናዊ ዉሳነ ዝተመርኮሰ  ክኸውን ከሎ። እቲ ካልኣይ  ድማ ብሰብ ተሓጊዝካ (ወለድኻ ወይ ትፈልጦም ሰባት) ዝገብር ርክብ ምስ በልክዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና እንተ ሪኢና’ውን ዝፈተኻዮ ክትምርዖ ኣይክልክልን እዩ። ንኣብነት ኣቦና ያዕቆብ ነታ ዝፈትዋ ራሄል ክምርዖ ብዙሕ ዓመታት ተጸብዩ ኢዩ። ኣቦና ያዕቆብ ንራሄል ክምርዖ ብልቡ ተደሪኹ  እምበር ብናይ ሰባት ድፍኢት ኣይነበረን ። ዘረባ ከየንዉሓልካ  እንታይ ክብል ከም ዝደለኹ ትረዲእካኒ ትኸውን። ሰለዚ ኣነ ኣብታ ካልኣየቲ መስራሕ ርዒመ ኣለኹ ናተይ ዝብሎ ሰብ ባዕለይ እምበር ሰብ ክመርጸለይ ኣይደልን እየ።

ኣብ ሕይወትኪ ዝበለጸ ነገር ክጓንፈኪ’ዩ ደሌተይን ባህገይን እሞ ኣምላኽ ሓሰባ ናይ ልብኺ ድሌትክን የፈጽምኪ።ንዝኾነ ነገር ግና ተሃዊኽኪ መልሲ ኣይትሃቢ ግዜ ወሲድኪ ኣዕሚቕኪ እንተ ተሓስብሉ ዝሓሸየ ይመስለኒ። እዛ ዳብዳቤ ንዓኺ እያ ኢሉ ሃባ።

ቤዛ ትቅብል ኣቢላ ክትከፍታ ጀምረት ።  በጃኺ  ኢለኪ ሓንሳብ  ጽንሒ ኣነ ምስ ከድኩ ትንብብያ በላ ሳሚ  ። ብዘይካኻ መንዶ ኣለኒ እዩ  ካባኻ ዝሕባእ ሰለ ዘይብለይ ኣብ ቅድሜኻ  ኮይነ እየ ዘንብባ ኢላ ከተንብባ ጀምረት።

ናብ ዝተፈተኺ ቤዛ:

ሕጂ ፈርቂ ለይቲ  እዩ ዘሎ ።ኣብዛ ሕጂ ሰዓት ምናልባት ደቂስኪ ትኾኒ ወይ ከኣ ንምድቃስ ትዳለዊ ትህልዊ ። ኣነ ኸአ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘ ኣብ ልበይ ዓቌረዮ ዘነብርኩ ፡ናይ ዉሸጠይ ምስጢር  ንኽግለጽ ሕለናይ ሰለ ዚደፈኣኒ ናይ ደቃስ ግዜይ ሰዉአ እዛ ጽሕፊቲ ብኣእዳወይ ይዉቅር ኣለኹ።

ኣብ ዝሓልፈ  ግዜ ከም ዝገለጽኩልኪ ኣብ ናይ ሕይወት ዘመነይ ካብ ዘጋጠማኒ ደቂ ኣንስትዮ እታ ንልበይ ዝደፈረት   ዕንባባ ፍጥረት  ምዃንኪ ዳግማይ ከብርሃልኪ የፈቱ። ኣብ ዓለም 9 ቢልዮን ሰባት ኣለዉን ካብዞም ኵሉም ሰባት ልበይ ንዓኺ ጥራይ  በሩ ኸፊቱ። ጽባቀ ለዉሃትኪ፡ መንፈሳዊ ብስለትክን ንመሳኹቲ ልበይ በሲዑ ብሕዉነት ከይተደረተ ንመዉስቦ ንኽጥምተኪ ደፊኡኒ። እወ ብሓባር ምሳኺ ክነብር እሞ ዘጎደለ መንሰገል ኣዳም መሊእኪ  ሙሉእ ኣካላት ኣዳም ንኸተልብስኒ ትኣምራዊ በሰላ ኣብ መዓሙቅ ልበይ ዘሪኢኪ።

ምፍቃር ንኣንጻር ጾታ ካብቶም ዘይድጉፉ ሰባት እየ ኔይረ ።  ክትምርዖ እንተ ኾንካ ወለድኻ ዘምጽኡልካ እምበር ብፈትዮ ፈቲያኪ ዝንደቕ መዉስቦ ሱሩ ኣብቌሉ ዝድልድል ኣይመስለንን ኔይሩ። ኣብ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ንዓሰረተ ዓመት ዘኣክል ምስ ኣሕዋተይ ደቂ ሔዋን ሰሪሐ ነገር ግና ንሓንቲ እኳ ትኾን ካልኣይተይ  ክትኮኒ ጠሚተያ ኣይፈልጥን። የዕሩኽተይ ንእከሊት ፈትያ ወይ ኣፍቂረያ ክብሉ ከለዉ የገርመኒ ኔይሩ። በፍላይ መዘምራን በዘዓባ ፈትወት ወይ ፍቅሪ ክዛረቡ ምስ ዝሰምዕ ብሳይጣን ዝተበከለ ናይ ስዕረት ዕላል ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ ዘነበረ። መዘምራን ካብ ያሬዳዊ ዜማን ያሬዳዊ ዕላል ከዉጹ የብሎምን ዝብል ኣመር ኔሩኒ።ዘነብረኒ ዘይብሱል እምንቶ  ግና ንዓኺ ምስ ጠመትኩ ማሲኑ፡እምኒ ዓረ መርገጽየይ ብሰንክኺ ከም ዝቕየር ኮይኑ።

ሎሚ ግና እቲ በወረ ዝሰምዖ ዘነበርኩ ነገር ኣባይ ይንጸባርቅ ኣሎ። ፍቅሪ ፍጹም ዝኸዉን  እቲ ኣፍቃሪ  ሓደ ዓይነት ስሚዒት ምስ ተፈቃሪ ምስ ዝህልዎ ጥራይ እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ኣፍቃሪ በዘይ ኣፍቃሪት ወይ ተፈቃሪት በዘይ ኣፍቃሪ ኣልቦ ድኻም እዩ። ፍቅሪ ዝምቅር ካብ ክልቲኡ  ወገን ዝፈስስ ፍቅራዊ ፈሳሲ ንኽልቲ ጾታ ምስ  ዝቀብእ ጥራይ እዩ። ተዛሪብካ እንተይ ኣምጻእኻ እንደዩ ብኣካልን ብጽሑፉን ከም ዝፍቅረኪ ይገልጸልኪ ኣለኹ።

ናትኪ ዉሽጣዊ ስሚዒት ክትገልጽለይ ኣባይ  ዘለኪ ኣረኣእያ ከትገልጸለይ  ተወኪሰኪ ኔይረ ።  መልሲኺ ግና  ካብ ፍርሂ ዘተለዓለ ይመስል  ምስ ማማ ክዘራረብ ወይ ከኣ ምስ ሳሚ ከመያየጥ ዘብል ኔይሩ። ብፍላይ ምስ ሳሚ ዘለኩም ርክብ ንጹር ጌርኪ ኣይሓበርክን ። ዝኾነ ዘጀምርክሞ ዕርክነት እንተ ደኣ ሃልዩ እንተ ተብርህለይ ተመራጺ እዩ፡ ኣብ ማሕበርና እኳ  ኵሉ ሰብ ናይ ክልቲኹም ርክብ ብሕዉነት ዝርእዮ የለን።  ምቅርራብኩም ኣብ ሕዉነት ጥራይ ዘተመርኮሰ ኣይመስልን፡እቲ መስጢር ርክብኩም ግን ዝያዳ ንስኹም ትፈልጥዎ ንዓኺ የገድፎ።

ክሓስበሉ እየ ትብል መልስኪ በዙሕ ግዜ ብጽሞና ላዕልን ታሕትን እናሰቀልኩን እናዉረድኩን  ኣስተንቲነያ። ብዘተፈላለየ መለክዕታት ክመዝና ፈቲነ ወይከ ክትረደኣኒ ኣይከኣለትን ዘላ። ንትደልዮን ተፍቅሮን ሰብ ምጸባይ ዓቅሊ ከም ዘድሊ ርዱኡ ነገር እዩ። ንዓቅሊ ኣሚነ ክሳብ ናይ ትምህርቲ ዘመንኪ ትዛዝሚ ንዓመታት ክጽበየኪ ይኽእል’የ። ሕጸ ንዝኾነ መደባትኪ ሰለ ዘየሰናኽል ቅድሚ ናብ ኣሜርካ ምጋሸይ ሕጸ እንተ ገብርና ጹብቅ ኣማራጺ ኮይኑ ይስመዓኒ። ነገር ግን እዛ ክሓስበሉ ትብል መልስኺ መዋጥር ኮይና ትዕንቅፈኒ ሰለ ዘላ ምላሽ ክረኽበላ ደለየ ኣለኹ።

ኣነስ ሕውነትና ዓቂብና ንንበር ርክበና ናብ ካልእ ደረጃ ከሰጋግሮ ድሌት የብለይን እንተኾይኑ መልሲኺ ብግልጺ ሓብርኒ። ያእ ኣይፋለይን፡ኣነስ ርክብና ዝያዳ ኣደልዲልና ብሓባር ንነብረሉ ባይታ ንፍጠር እንተ ደኣ ኮይኑ መልሲኺ  ርክብና  ቀልጢፍና ወግዓዊ ንገብሮ እሞ ምስ ትምህርትኺ ዘይጋኣርጮ መደባት ንስራዕ። እንታይ ከምዝሕሸና ንላዘብ ኣብቲ ዝበለጸ ማዕልቦ  ንርዓም።

ከም ኣምላኽ ፍቃድ መልሲ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ ሓብርኒ። መልሲ እንተዘይ ሰዲድክለይ ግና ንኣቦና(ኣቦይ ቀሺ) ክሕብሮም’የ ጉዳይና ምስ ኣቦና ኮይና ንዝትየሉ። ሰለምታይ እንተ በለኪ ነፍሰይ ኣብ ኣጎላጉል ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ትጽቢት ከንብራ ኣይደልን።

ኣብ ጸሎትኪ ዝክርኒ

ዲ.መርሃዊ

 

ሻድሻይ   ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛ ናቱ

Comments are closed.