ቅድስት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

              ካልኣይ ሰሙን ጾም ፵ /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ

ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ።

 አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ።

  ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።   መዝ. 95፣5።

 እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ።

ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ            

       ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።  

 መዝ .96፣5።

ወንጌል ማቴ.6-1-25። ግ.ሓዋ.10፣7-30።   1ይተሰሎ.4፣1-13።     1ይጴጥ.1፣13-ፍጻሜ  

ቅዳሴ .ዘኢጲፋንዮስ

ቅድስት ዝብል ብናይ ጓል ኣንቀጽ ዝተሰመየ ስያመ ኮይኑ ፈለየ ማለት ንእግዚኣብሔር ብኣገልግሎቱ ዝተፈለየ ማለት እዩ። ንነገራት ብወዲ ወይ ብጓል ኣንቀጽ ምጽዋዕ ናይ ቋንቋ ግእዝ ኮነ ትግርኛ ዘይቤ/ኣበሃህላ እዩ። ቅድስት ኢሉ ብጓል ኣንቀጽ ዝተሰምየ በዚ ኣገባብ እዩ። ከም ኡውን እቲ ቅድስት ተባሂልሉ ዘሎ ብናይ ጓል ኣንቀጽ ንዝጽዋዕ ነገር ከመልክት ወይ ኣተዂሩ ክዛረብ ከም ዝደለየ ዘስምዕ ቃል እዩ። ካብዚ ቀጺሉ ንዘሎ ናይ ቅድስት ውሽጣዊ ምሥጢር ንምርዳእ ወይ ድማ ቅድስት ዝበላ ንመን ምዃኑ ምስ መረዳእታኡ ንምርግጋጽ ኣብ ናይ ዕለቱ መዛሙርን ምንባባትን ምውካስ ግድን እዩ።

ነዚ ኣብ ናይ ዕለቱ ዝንበብ ንባባትን መዛሙርን መሰረት ብምግባር ቅድስት ኣብ ጾም ፵/40 ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካብ ዘወረደ ቀጺላ ዘላ ካልኣይቲ ሰንበት ከም ዝኾነት ኣብ መጽሓፈ ዚቅ ወመዝሙር ካብ ገጽ ፫፻፳፰-፫፻፴/328-330 ኣብ ዘሎ ናይ ቅድስት ጽሑፍ ምስ ናይ ዜማ ምልክቱ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ጽሑፋት ነቲ ኣብ ዕለቱ ንዝንበብ ኣብ ማቴ ፮፡፲፮-፳፭/6፡16-25፣ ፩/1 ተሰ ፬፡፩-፲፫/4፡1-13፣ ፩/1 ጴጥ ፩፡፲፫-ፍጻ/1፡13-ፍጻ፣ ግሓ ፲፡፯-፴/10፡7-30፣ ምስ ናይ መዝ ፺፭፡፭/(96)፡5 “እግዚአብሔር ሰማያት ገብረ፡ አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ፡ ቅድስት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።” ዝብል ሓሳባት ኣሰኒው ቅድስት ዝብል ስያመ ንምንታይ ንመን ብመን ከም ዝተባህለ ምስ ናይ ጾም፣ ምጽዋት፣ ፍቕርን ዕለተ ሰንበትን ኣወሃሂዱ ብግጥማዊ መዝሙር ይገልጾ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዕለተ ቅድስት ንዝተጻሕፈ መዝሙር ምስ ናይ ዕለቱ ምንባባትን በብመስርዑ ከም ፍቕድ ኣምላኽ ክንርኢ።

ቅድስት ብእግዚአብሔር ካብ ኲሎም ዕለታት ተፈልያ ንዝተሓርየትን ንዝተቐደሰትን ዕለተ ሰንበት እትገልጽ እያ። ሰንበት ማለት ምዕራፍ ደው ምባል ማለት ኮይኑ እግዚአብሔር ካብ ምፍጣር ዘዕረፈሉ ዕለት እዩ። ብቋንቋ ዕብራይስጥ ሻባት ይብልዎ ትርጉሙ ዕረፍቲ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ዘፍጥረት ፪፡፩-፪/2፡1-2 “ከምዚ ኢሉ ኸኣ ፍጥረት ሰማይን ምድርን ናይቲ ዂሉ ኣብኦም ዘሎን ተፈጸመ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ግብሩ ፈጺሙ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዂሉ ግብሩ ኣዕረፈ።” ኢሉ ንዝገለጾ ዘረድእ እዩ። ሰንበት ተባሂለን ዝጽውዓ ክልተ ዕለታት ማለት ቀዳሚት ሰንበትን፣ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስትን እየን።

ቀዳሚት ስንበት ቀዳም እንብላ እግዚአብሔር ካብ ኲሉ ናይ ምፍጣር ግብሩ ዘዕረፈላ ዕለት እያ። በዚ እግዚአብሔር ንዕለተ ቀዳሚት ሰንበት ኣኽቢርዋን ባሪኽዋን ቀዲስዋን እዩ። “ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገብሮን ዝነበረ ዂሉ ግብሩ፥ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንእኣ ባረኻን ቀደሳን።” ዘፍ ፪፡፫/2፡3። ካብዚ ናይ ቅድስና በረኸት ክንቅበል ድማ ኣብ ዓሰርተ ትእዛዛት ተጻሒፋ ክነኽብራ ከም ዘሎና ኣብ ዘጸ ፳፡፯-፲፩/20፡7-11 “ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ክትሕልዋ ዘክር። ሽድሽተ መዓልቲ ዕየ፥ ተግባርካ ኲሉ ግበር። እታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ግዙእካ ኾነ ግዝእትኻ፥ ማልካ ኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ዝነብር ስደተኛ፥ ከቶ ዕዮ ኣትዕየዩ። ኣነ እግዚኣብሔር ብሽድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዂሉ ፈጠርኩ፥ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ከኣ ኣዕረፍኩ። ስለዚ ኣነ እግዚአብሔር ንመዓልቲ ሰንበት ባረክኽዋን ቀደስክዋን።” ኢሉ ኣዚዙና እዩ። እዚ ትእዛዝ ንዝፍጽሞ በረኸት ዘውህብ ንዝጥሕሶ ድማ ክሳዕ ሞት ዘቕጽዕ ከም ዝነበረ ኣብ ዘፀ ፴፩፡፲፬/31፡14 “ንዓኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ ንሰንበት ኣኽብርዋ። ንእኣ ዘርከሰ ይሙት፥ ብእኣ ገለ ዕዮ ዝዓየየ ዂሉ ኻኣ ኻብ ሕዝቡ ይወገዝ።” ኢሉ ይገልጽ።

ይዂን ድኣ እምበር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ሒዙ ብምምጻእ ብዛዕባ ሰንበት “ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተሠርዐት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረትን። እምበኣር ወደ ሰብ ጐይታ ሰንበትውን እዩ።” ማር ፪፡፳፯-፳፰/2፡27-28 ኢሉ ነቶም ክከራኸርዎ ዝመጹ ኣይሁድ መሊስሎም እዩ። እምበኣር ነቲ ቅተሎ ዝብል ናይ ኦሪት ሕጊ ካብ ተግባራውነቱ ዘሰናኸለ ወይ ደው ዘበለ ናይ ክርስቶስ ቃል እዩ። “ካብ መሥዋዕቲ ምሕረት እፈቱ” ዝበሎ ነዚ እዩ። እዚ ማለት ግን ካቶሊካውያን ቀዳም ስዕርቲ እያ ከም ዝብልዎ ዘይኮነስ፥ ክብሪ ናይ ቀዳሚት ሰንበት ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን ዘየቋረጸ ምዃኑ “ደቂ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም፥ ንዘለዓለም ዚጸንሕ ኪዳን ገይሮም እናኣብዓሉ ንሰንበት የኽብርዋ”። ዘፀ ፴፩፡፲፮/31፡16፥ ዝተባህለላ፥ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ዝተንሥኡ ኣቡነ ፊሊጶስ ዘደብረ ቢዘን በይኖም ንግብጻውያን ጳጳሳት ሞጊቶም ብተኣምራትን ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስን ክብራ ዘጽንዑላ እዮም።

ሕጂ ከኣ ካብዚኣ ዝበለጸት ሰንበት ኣላትና ንሳ ድማ እታ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ምእንቲ ክንረክብ ንሞት ስዒሩ ዝተንሥኣላ፣ ብምውራድ መንፈስ ቅዱስ ናይ በዓለ ሃምሳ ልደት ቤተክርስቲያን ዝተኣወጀላ፣ ናብ ኲሉ ዓለም ወንጌል መንግስሥቲ ኣምላኽ ክሰፍሕ ሐዋርያት ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉላ፣ እታ ናይ ዘለዓለም መዕረፊት ናይ ቅዱሳን ዝኾነት መንግሥተ ሰማያት ዝተፈጥረትላ፣ ጐይታናውን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ነቶም ጻድቃኑ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፥ እቲ ዓለም ክፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ኽትወርሱ ንዑ” ማቴ ፳፭፡፴፬/25፡34 ኢሉ ኣብ የማኑ ዘቑመላ፣ ካብ ኲለን ትዓቢ ዕለት እያ። ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲውን “መዓልቲ ጐይታ” ራእይ ፩፡፲/1፡10፣ “መዓልቲ እግዚአብሔር” ኢሳ ፲፫፡፮/13፡6 ተባሂላ ዝተሰመየት እያ። ከምቲ እግዚአብሔር ንቀዳሚት ሰንበት ንደቂ ሰባት ዘድሊ ዘበለ ዂሉ ምስ ፈጠረ ካብ ስርሑ የዕሪፉ ዝባረኻን ዝቐደሳን፥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ ንኲሉ ሰባት ከድሕን ኢሉ ዝተቐበሎ መከራ መስቀልን ሞትን ኲሉ ምስ ፈጸመ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ እዩ። ነዚ ከም መረዳእታ ኣብ መጽሓፈ ዚቅ ወመዝሙር “ብፁዕ ብእሲ ዘይትዔገሣ ለሥርዓትየ ወያከብር ሰንበታትየ ኢታንሥኡ ፆረ ክቡደ በዕለተ ሰንበት ወኢታብኡ ውስተ ኃዋኅዊሃ ለኢየሩሳሌም ዕለታተ ሰንበታት ቀድሱ። ቀደሳ ወአክበራ ወአልዓላ ወልድ ለዕለተ ሰንበት እስመ ባቲ ኣዕረፈ እምኲሉ ግብር ወብውኅ ሎቱ በዲበ ምድር ይኅድግ ኃጢኣት።/ እቲ ንሥርዓተይ ዝዕገስን ሰናብተይ ዘኽብርን ሰብ ብጹእ እዩ፥ ብዕለተ ሰንበት ከቢድ ጾር ኣይተልዕሉ ናብ ኢየሩሳሌም እውን ኣይተእትው፥ ንሰንበተይ ድኣ ቀድሱ። ወልድ ንዕለተ ሰንበት ቀዲስዋን ኣኽቢርዋን ኣልዒልዋን እዩ፥ ኣብኣ ካብ ኲሉ ግብሩ ብኃይሉ ኣብ ምድሪ ንዘለው ኃጢኣት ክሓድግ ዘዕረፈላ እያ።” ይብል።

ነዘን ብእግዚአብሔር ዝተባረኻን ዝተቐደሳን ሰናብቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን ንኽብረን ክንሰግድን ክንጸውምን (ካብ ጥሉላት መግቢ ግና ንኽልከል ኢና) ኣይተፍቅድን እያ። ብፍላይ ድማ ንሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት ኣብ ዕለቱ ቅዳሴ ከይሰርዐት ኣይትውዕልን፥ ኲሉ ሰብ ድማ በዛ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ኣምላኽ ክእከብን ምስ ኣምላኽ ብፍጹም ቅድስናን ንጽህናን ምእንቲ ክንነብር ቅዱስ ቁርባን ክንቅበል ትእዝዝ። እዚ ንዂላትን መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዘውህበና እዩ። በዚ ድማ ኲል ጊዜ ኣብ ቅድስና ምእንቲ ክንነብር እግዚአብሔር ቅድስት ዕለትን ቦታን ሂቡና እዩ። በዚ ተመላሊስና ድማ ናብቲ ብሰንበት እትምሰል መንግሥተ ሰማያት ምእንቲ ክንኣቱ ናይ ቅድስና መንገዲ ኣዳልዩልና ጸጋኡውን ሂቡና ኣሎ።

እዚ ዝተዋህበና ጸጋ ከምዚ እዩ ዝብል “ስለዚ ሓቛቁ ልብዂም ተዓጠቑ ከምኡውን ተጠንቀቑ ተስፋኹም ከኣ ብምሉእ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ ክትረኽብዎ ኢኹም። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቀደም ደናቁር ከሎኹም እትገብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ ኣይትመነዩ ‘ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኲኑ’ ዝብል ጽሑፍ ስለዘሎ ከምቲ እቲ ዝጸወዓኲም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩምውን ብዂሉ ንብረትኩንም ቅዱሳን ኩኑ” ፩/1 ጴጥ ፩፡፲፫-፲፮/1፡13-16። ቅድስና ንእግዚአብሔር ናይ ባህርይ ገንዘቡ እዩ። ነቶም ብመንገዱ ንዝመላለሱ ድማ ናይ ቅድስና ጸጋ ይህቦም። በዚ ድማ ኣብቲ ናይ ቅድስና ስፍራኡ ንዘለዓለም ክነብሩ ኣብ የማኑ የቑሞም። ነዚ ናይ ቅድስና መንገዲ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክንስዕብ ኣርኣያ ገዲፉልና እዩ።  

እምበኣር ብቕድስና ክንነብር ዘኽእለና ነገር ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው እዩ። ትእዛዛት ኣምላኽ ድማ ብጾም እዩ ዝጅምር። ጾም ትእዛዝ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ከም ሰልሚ ኣጥሒሉ ዝሕዝ ፍትወታት ናይ ሥጋ ዘውጽእ መንፈሳዊ ኃይሊ እዩ። ከምቲ መብልዕ ናይ ኃጢኣት ምንጪ ዝኾነ ጾም ድማ ናይ ግብሪ ጽድቂ መሠረት እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዂሉ ዕዮኡ ጾም ዘቐደመ። ጾም ነፍስና ማሕደሪ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክትከውን መንጽሂ ሰብነትና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብፍትወት ሥጋ ኣብ ዝነደደ ሰብነት ዘይኮነስ ንፍትወት ሥጋኡ ኣብ ዘድከመ ሰብ ከም ዝሓድር፥ ጾም ናብዚ ዘብጽሓና ናይ ፍትወታት ኃይሊ መዛሕተሊ እዩ። ኣብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ ከም ዝበሃል ዘይጸውም ነቶም ዝጠምዩን ዝጸምኡን ክዝክር ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣብ ምዕራፍ ፮፡፲፯-፳፩/6፡17-21 ናይ ጾምን ምጽዋትን ዝምድና ኣብ ናይ ቅድስት ንባብ “ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጾምካ ነቲ ብስውር ዘሎ ኣቦኻ ድኣ እምበር ንሰብ ምእንቲ ከይተርኢ ርእስኻ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ክፈድየካ እዩ። ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘባላሽዎ ሠረቕቲ ኲዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ ንዓኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይተኣክቡ። እኳ ድኣ ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየባላሽዎ ሠረቕቲ ኲዒቶማ ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ። ከመይ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ።” ኢሉ ይገልጾ።

ብኸምዚ ቅድስት ጾም ናብ ዝለዓለ መንፈሳዊ ደረጃ ተብጽሕ ሰረገላ እያ። ጾም ኣደ ትዕግስቲ፡ ዓቕሊ፡ ትሕርምቲ፡ እያ። ብጾም ስስዕቲ፣ ትዕቢት፣ ኣፍቅሮ ንዋይ ከም ዝሰዓር ጐይታ ምእንታና ኢሉ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ጸይሙ ብተግባር ኣርእዩና እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ እምበኣር “ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣሕዛብ ድማ ብፍትወት ሥጋ ኣይትመላለሱ ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለጸሉን ከምቲ ኣቐዲምና ዘሰማዕናልኩም ናይዚ ዂሉ ነገራት እዚ ፈዳይ ሕነ ኣምላኽ እዩ። ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኮነ ብቕድስና ክንነብር እዩ ጸዊዕና። እምበኣር ነዚ ዘይቅበል ነቲ ቅዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣይኮነን ምቕባል ዝኣቢ። ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልን እዩ።” ፩/1 ተሰ ፬፡፭-፱/4፡5-9።

ከምቲ ሰብነትና ብናይ ውሽጣዊ ስርሑ ዕረፍቲ ስኢኑ ብዙሕ ሓሳባት ብምሕሳብን ዕዮ ብምዕያይን ልብና ከይከብድ ውሽጣዊ ሰብነትና ዕርፈሉ ጾም ሰርዓልና። ከምቲ ንውሽጣዊ ሰብነትና ዘህድእ ጾም ዝሰርዓልና፥ ብደጋዊ ካብ ዘሎ ጋዕ ገልጠም ናይ ሥጋ እነዕርፈሉ ዕለተ ሰንበት ድማ ሰሪዑልና እዩ። ከምኡውን በዚ ዕለት ብውሽጥን ብደጋውን ኣካላትና ረጊእና ሓሳባትና ናብ ሰማያት እንገብረሉ ኣፍ ደገ ሰማይ ኣሎና። እዛ ኣፍ ደገ ነታ ዘለዓለማዊት ዝኾነት መዕረፊትና ሰንበተ ሰንበታት እንርእየላ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑውን ብመንፈስ እንራኸበላ መሳልል ናይ ሰማይ ቅድስት ቤተክርስቲያን እያ። በዛ ዘላ እትሓልፍ ሰንበት ነታ ዘለዓለም ዕረፍትና ኣማዕዲና ንጥምት ኣሎና እዚኣ ሰንበተ ሰንበታት/ ናይ ሰንበታት ሰንበት ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እያ። “ሰንበት ተዓቢ እምኲሉ ዕለት እስመ ሰንበትሰ በእንተ ሰብእ ተፈጥረት ሰንበተ ሰንበታቲሁ ለውሉደ ሰብእ መድኃኒት ጽዮን ቅድስት ሰላማዊት ታስተርኢ እምርኁቅ ከመ መኅቶት።”  

“እምበኣር እግዚአብሔር ነቲ ዘዳለዎ ስፍራ ዕረፍት ከም እንኣቱ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ግና ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ናብዚ ዕረፍቲ እዚ ኸይኣተወ ዝተርፍ ከይህሉ ንፍራህ። ንኣናውን ከምቲ ንእኣቶም ዝተሰብከሎም እዩ ወንጌል ተሰቢኹልና። እንተኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቃል ብእምነት ስለዘይተቐበልዎ ኣይጠቐሞምን። ንሕና እዞም እንኣምን ናብቲ እግዚአብሔር ዘተስፈዎ ዕረፍቲ ክንኣቱ ኢና። ግና ሽሕ እኳ ግብሪ ኣምላኽ ካብ ምፍጣር ዓለም ምዱብ እንተነበረ፥ እቲ ጽሑፍ ‘ናብቲ ኣነ ዘዳለኽዎ ስፍራ ዕረፍቲ ኣይክኣትውን እዮም፥ ኢለ ብቑጥዓይ መሓልኩ’ ይብል። ከመይ ብዛዕባ እታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ኣብ ገለ ስፍራ ‘ኣምላኽ ድማ ካብ ኲሉ ግብሩ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ’ ይብል። ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ ናብቲ ኣነ ዘዳለኽዎ ስፍራ ዕረፍቲ ኣይክኣትውን እዮም’ ይብል። እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ገለ ሰባትሲ ክኣትው እዮም። እቶም ቅድም ብሥራት ዝሰምዑ ግና ብሰሪ ዘይምእዛዞም ኣይኣትውዋን። ስለዚ ኣምላኽ ከምቲ ቕድም፦ ‘ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም ልብዂም ኣይተትርሩ’ ኢልዎም ዝነበረ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ ከም ብሓድሽ ‘ሎሚ’ እናበለ ብምዝራቡ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ከም ዝመደበ የርኢ። ኢያሱ የዕሪፍዎም እንተ ዝነብርሲ ድሕሪኡ ብዛዕባ ካልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እምበኣር ንሕዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተነቢራትሎም ኣላ ከመይ እቲ ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዝኣተወ፥ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ግብሩ የዕርፍ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ከይወድቕ፥ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።” ዕብ ፬፡፩-፲፩/4፡1-11።  

ነዚ ድማ እግዚአብሔር ብጥበቡ ባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘለውን ከይተረፈ በዚ ዕለት እዚ ከም ዘዕርፉ “ለዘቀደሳ ወአክበራ ለሰንበት ዓሣት ወኣናብርት እለ ውስተ ልጎታት ያዕርፉ ባቲ።/ ኣብታ ዝቐደሳን ዘኽበራን ሰንበት እንስሳታት ኣብ መሕደሪኦም የዕርፉ” ኢሉ ቅዱስ ያሬድ ይገልጸልና። ንዓና ንደቂ ሰባት እውን ሰንበት ምእንቲ ክነኽብር ንንጉስ ቆስጠንጢኖስ ኣተንሲኡ ኣብ ፫፻፳፩/321 ዓ.ም ኣብ ኲሉ ዓለም ሰንበት ከም እትኽበር ገይሩ እዩ። በዚ ድማ ምስቶም ቅዱሳን ከምዚ እናበልና ንኣምላኽ ብማህሌት መዝሙርን ነመስግኖ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዕ ስሞ ወንግርዎሙ ለኣሕዛብ ምግባሮ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ” ኢሉ ብምጅማር “ሰንበትየ ቅድስትየ ሰንበትየ ቅድስትየ ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ እምኩሉ ግብርየ ይቤ እግዚአብሔር።” ይብል። ኣብዚ ሰንበትየ ቅድስትየ ኢሉ ሰለስተ ጊዜ ምድግጋሙ ኣጽንኦ ቃል ማለት ንድምቀት ነቲ ቃል ማለት ሰንበት ኣዝያ ቅድስት ዕለት ምዃና ብድምቀት(ብኣጋንኖ/ብምግናን) ይገልጽ።

እምበኣር ሰንበት ንዓና ንደቂ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሥጋዊ ምዕራፍ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ካብኡ ዝዛየደ ምስ መንገዲ ቅድስናን ምስ ጾምን ምጽዋትን ተስፋን ፍቕርን ዝተኣሳሰር ዓሚቕ ምሥጢር ዘለዎ እዩ። ነዚ ኣቐዲምና ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባትን መዝሙርን ከመይ ከም ዝኾነ ካብ ተረዳእና። ዕረፍቲ ናይ ነፍስና ክንረክብ በታ ኣምላኽ ካብ ሥጋ ጻዕሪ ክነዕርፈሉ ዝመደበልና ዕለተ ሰንበት ናብ ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያንና ወትሩ ብምግስጋስ ልብና ኣብ ሰማይ ክህሉ ናብታ ሰማያዊት ቤትና ነቋምት።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዘሚካኤል

Comments are closed.