መረን-ዓሰርተ ሹዱሽተ ክፋል ( ብድምጽን ብጽሑፍን)

መረን ዓሰርተ ሹዱሽተ ክፋል ( ብድምጽን ብጽሑፍን)

ድሕሪ ናይ 11(ዓሰርተ ሓደ) መዓልቲታት ከኣ ንዒን ደሓን ኲኒ በልናያ። መካይን ከም ንፋስ ክዉጨፋ ጀመራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጒዕዞና እተን መካይን ኣዚየን ይጐያ እኳ እንተነበራ፣ ኣይከም እዚአንን፣ ፍጥነተን ኣብ ዉሽጢ ጋቢና ዚነበረት ከም ትገልጾ ዚነበረት 140- 150ኪ.ሎ.ኣብ ሰዓት እዩ ። ኣእዛንና ረሲዐናኦ ዚቐነያ ዘየቋርጽ ሕንንታ ክስማዕ ጀመረ። ደሮናን ጸጸርን ብግዲኦም ወግዖም ጀመሩ። ሜሮን ፍጹም ምስትንፋስ ይስእን ስለ ዚነበረ ከኣ ቅድሚ ፋዱስ ኣብ ዘሎ ሰዓታት ልዕሊ ሠለስተ ግዜ መኪና ደዉ ኣበልናያ፣ ደሮናን ንፋስን ከይከዉን ኢሎም ናብ ዉሽጢ ኣኣተዉዎ፣ ኣይተሰማምዐን፣ መወዳእታ ዚሓሸ ንፍስ መታን ክረክብ ናብ እቶም ኣብ ልዕሊ ጋቢና ዚነበሩ ምሳና ከም ዝቕመጥ ብምግባር፣ ኣብ ልዕሊ ጋቢና ደቂሱ ከም ዝኸይድ ገበርዎ። እንተኰነ ኣዚዩ እናደኸመ ከደ፣ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3 ምስ ኮነ ከኣ ኣዚዩ ተኻእለ። በጃኹም ደዉ ኣብልዎ ከኣ በለ። ኣዉቲስታ መሳይቱን ንቅድሚት ሓቢሮም ብምንባሮም፣ ኣብዩ ነዊሕ ተጓዕዘ፣ ግድን ስለ ዚተባህለ ግና፣ ድዉ በለ። ሜሮን ኣውሩዱኒ በለ፣ ምስ ወረደ ሓይሊ ብዙሕ ኣይነበሮን፣ ኣስትንፍስ ይኣብዮ ስለ ዚነበረ ከስተንፍስ ከሎ ብብርቱዕ ሓይሊ ሕሕ…ሕሕ…ሕሕ ዝብል ድምጺ የስምዕ። ኲላትና ዓጒግናዮ ነበርና። ንፍስ ሃብዎ ወላ ኣተተባህለ ዚሰምዕ ኣይነበረን። እተን ኣዋልድ ሰላምን ቤተልሔምን ሓንቲ_ሰብለ ዝተባህለት ኢትዮጵያዊትን ተመራሪሕና ብኽያት ጀመርና። እቶም ኣወዳት’ውን ዓቕሎም ጸበቦም፣ እንተዀነ እንታይ ኴንክን፣ ስቕ ኢልክን ከተሻቕልኦ ዲኽን ከምኡ ትገብራ። ስቕ በላ፣ ዚብል ተሪር ወቀሳ ብኹሉ መኣዝን መጸና። ስቕ በልና ግናኸ ንብዓት’ሲ ኣየቋረጽናን። ሜሮን፣ ነቶም ዚኣልይዎ ዚነበሩ ኣብርሃምን፣ ራእሱን ሓደ ስሙ ዘይዝክሮን, ዘለዎ ሓይሊ ኣኪቡ፣ እናነብዐ በቃ ኣዕርፉ ሕ… ደ… ጉ..ኒ…፣ እዉይ ኣታ ኣምላኽ…. ይቕረ በለለይ። በለ’ሞ ኣብ ኢዶም 33 ዘልሓጥ ኢሉ ዝርግሕ በለ። እ…እ… ብኽያተይ ብትሑት ድምጺ “እ…እ… ያስሚን እታ ንእሽቶ ቆልዓ፣ ንሱ ክዝርጋሕን ንሳ ኣብ ጋቢና እናሃልወት ከይርኣየቶ ከላ፣ መሬት ዝንቕንቕ ጭራሕ ጨራሐት። ኡ..ኡ..ይታ ደርጉሓቶ። ኲሉ ክበኪ ጀመረ። እቲ ድዉ ኣቢልኩምኒ ኢሉ ኮርዩ ዚነበረ ኣዉቲስታ’ኳ፣ ካብ ኣዒንቱ ንብዓት ኮረር ክብል ተዓዚበዮ እየ። በዓል ኣብርሃም ወዲ ከረን፣ ብዝተኻእሎም፣ እስቲንፋስ ሓቢኡ ከይከዉን፣ ብኣፉ ኡፍ እንዳበለ ኣየር ብተደጋጋሚ ሃብዎ ግና’ኸ ለዉጢ ኣይነበረን፣ ኣፍልቡ እናሻዕ ጸቐጥዎ፣ ግና ወይከ… ስቕታ… ኮ…ነ። ሃይለ፦ ኣዜብ ደሓን ዲኺ… ኣዜብ…. ኣዜብ፦ ደ… ሓ…ን እየ። እታ ህሞት ስለ ዝተራእየትኒ እየ። ሃይለ፦ በቃ… ኣዕርፊ… ትርግታ ልቢ ድኻም የርኢ ኣሎ እዛ (ኮምፒዩተር) ትሕብር ኣላ። ኣዜብ፦ እ… እ… ሃይለ፦ ኣዜብ.. ኣዜብ… ነርስ፦ … እንታይ ኮይና… እንታይ ኢልካያ “what do you say to her?” ሃይለ፦ just nothing… she remembered something in the past” ገለ ናይ ቅድም ህይወት ስለ ዝዘከረት እያ። ነርስ፦ ማይክሮፎን ብምጽቃጥ “Doctor… doctor… room heart case please! Patient in by law pressure …heart case… please hurry.” ዶክተር ዶክተር በጃኹም ቅልጥፍ ኢልኩም፣ ናብ ክፍሊ ድኻም ልቢ ተረኺቡ ነርስ፦ please stay out፣ (ፍቓድካ እንተ ኮይኑ ደገ’ዶ ክትጸንሕ?) ሃይለ፦Oke… ሕራይ ነርስ፣ ድሕሪ ናይ 10 ደቒቕ ነርስ፦ … ንዓ እቶ ግናኸ… ዝኾነ ዕላል ከይተዕልላ፣ ሰሚዕካ ብጣዕሚ ደኺማ ኣላ። ዶክተር ክረኽበካ ደልዩ’ ኣሎ። ዶክተር፦ ንስኻ “ሓዋ ኢኻ ሓቀይ” ሃይለ፦ እወ… ዶክተር ጓል ሓወቦይ ኢያ። ዶክተር፦ በዓል ቤታ ጽውዓላ ስድርኣ እንተደኣ ሃልዮም’ውን ሃይለ፦ ኢሂ ናይ ደሓን… ዶክተር፦… እ… እ… ደሓን… እንታይ መሲሉካ… ንዕኦም ምስረኣየት ክትሕጐስ ስለ እትኽእል። ነቲ ዘለዋ ድኻም ኣብ ምልዓል ተራ ስለ ዘለዎ እየ፣ ምኽረይ ስምዓኒ። ሃይለ፦ ሕራይ ክፍቲን’የ ስድራኣ ኣብ ኤርትራ እዮም ዘለዉ ግና በዓል ቤታ ግዜ ድኣ ይወስድ እምበር ክመጽእ ክነግሮ እየ። 34 ዶክተር፦ መራፍእ ወጊእናያ ስለ ዘለና ደሓን ኮይና እያ።ሕጂ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ… ግና’ኸ ኣይተዛርባ ። ሃይለ፦ ሕራይ ዶክተር የቐንየለይ (thank you) ሃይለ፦ … ትስሕቒ ከኣ ኣለኺ… ልበይ ምስ ልብኺ ከይዳ ተሰቒላ እኳ እያ ጸንሓ። ኣዜብ፦ እንታይ ኴንካ ደሓን’የ። ሃይለ፦ እዋእ ባዕለይ እባ ዘየድሊ ሕቶ ሓቲተ ንሕማማ ሕማም ወሲኸላ ኢለ ተሻቒለ ጸኒሐ። እዛ ስእሊ ደኣ ካበይ ኣምጻእክያ፣ ኣዜብ፦ እዚኣ ናይ ስቕለት ጐይታ ካባይ ኣይፈልያን እየ ክብርትዓኒ ከሎ ንዓኣ እናረኣኹ ይጸናናዕ። ሰላም ዝሓበትኒ መዘከርታ እያ። ካብ ቦርሳይ ኣይፈልያን እየ። ሃይለ፦ እሞ ነዞም በዓል ቤትኪ እምበር ሕጅስ ምጹ ክንብሎም። ኣዜብ፦ በጃኻ ሃይለ ሓወይ ኣነ ካብ ሆስፒታል ወጺአ እየ ኣይትሻቐል ኢለ ነጊረዮ እየ፣ ሕጂ ንስኻ በጃኻ ከም ዘይትነግሮ ቃል እቶ፣ ምስ ሓረስኩ ኢና ብሓደ ነበስሮ፣ ሽዑ ክመጽእ ንነግሮ። ሃይለ፦ ኣንቲ ኣዜብ ሓብተይ ሕጂ እምበር ከይሓረስኪ ከለኺ ጀሚሩ፣ ኣብ ጐንኺ ይኸዉን።

ኣዜብ፦ ኖ.. ኖ… በጃኻ። ሃይለ፦ ሕራይ ኣዜብ ሓብተይ በቃ ጸገም የለን ከም ዚበልክዮ ንገብር። ሕጂ ኣነ ከዕርፍ ክመጸኪ እየ ንስኺ’ዉን ኣዕርፊ። ኣዜብ፦ ሕራይ “ድሕሪ ናይ 8 ተ ሰዓታት” ሃይለ፦ ኣዜባ… ሒሹኪ’ዶ ሕጂስ… ገጽኪ በሪሁ’ሎ ኣዜብ፦ ደሓን’የ እግዚኣብሔር ይመስገ፣ ሐውየ ሓንሳብ ጽግዕ ኢለ ኮፍ ክብል… ከነዕልል ከኣ ሃይለ፦ ኖ… ኖ… … ፈጺምኪ ብዛዕባ ጒዕዞኺ ኣይነዕልልን ኢና፣ ንዕኡ እናዘከርኪ ኢኺ ዝኸብደኪ ዘሎ። ኣዜብ፦ ኖ… ኖ… ኣይኮነን ሃይለ ሓወይ፣ በጃኻ ደሓን በቃ ቀሰይ ኢለ፣ በቃ ከም ተራ ዕላል ባኒ ከዕለለካ፣ ኣይ…። ሃይለ፦ … ሕጂ ኣይከዉንን’ዩ እዞም ሓካይም ኣይተዕልላ ኢሎም ኣጠንቂቖምኒ ኢዮም። ኣዜብ፦ ኣንታ ሃይለ ሓወይ ረስዓዮም ንሳቶም ዘይፈልጥዎ፣ እዮም ፣ ሕጂ ሓደ ዓቢ ምሥጢር ዝነግረካ ኣሎኒ፣ ጥራይ ንስኻ ስምዓኒ። ደሓር ከኣ በጃኻ ከዕልል ይሕሸኒ ስቕ እንተ ኢለ’የ ብዛዕባ ዝተፈላለየ እናሓሰብኩ፣ ዝጭነቕ። ሃይለ፦ ሕራይ ብሊ በቃ ቀሰይ እናበልኪ ኣዕልልኒ…

ዓሰርተ-ሸዉዓተ ክፋል ኣብ ዘመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረ-እግዚአብሔር

 

Comments are closed.