መረን-ዓሰረተ-ሸሞንተ ክፋል

ኣነ ርእሰይ ኣድነንኩ፣ ክሳዕ መዓስ ኢኺ፣ እምነትኪ እተጉድሊ “እንኪ” ሓደ መዓልቲ ክጠቕመኪ እዩ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጸበል ኣረከበኒ’ሞ ጸልዩ ንኣምላኽ ክትርእይዮ. ኢሉ ሓዲጉና ኸደ። ንዓይን ንኽብሮምን ዓቢ ጽፍዒት ነበረ። ካልኣይ ክፋል ተደሪርና ክንድቅስ ተጋደምና፣ ግና ገና ከይደቀስና ብብርቱዕ ፍጥነት መብራህተን ወሊዐን ናባና ገጸን ዚሕንበባ መካይን ስለ ዝተመልከትና፣ ኲላትና እንዳ ፈራህና ክነቋምት ተንሣእና። መራሕቲ መካይን ኣጆኹም እተን ዝወስዳኹም ቅያር መካይን እየን ስለ ዚበለና ግና ሩፍታ ረኸብና። እዘን ክሳዕ ኣብዚ ዘብጽሓና፣ ናብ ከተማ ክኣትዋ ኣይክእላን እየን፣ ምኽንያቱ፣ ታርጋ የብለንን፣ ካብ ሕጊ መንግሥቲ ወጻኢ ስለ ዚዀና፣ ተሓቢአን ዘፍጽምኦ ናይ ኮንትሮባንድ ስራሕ እዩ። መካይን መስ መጽኣ ምስቶም ዘምጽኡና ተረዳዲኦም፣ 300 ዶላር ክንከፍል ሙዃንና ድሕሪ ምንጋር። ንወጋሕታ ክንዳሎ ሓበሩና። ኲልና  ናብ መደቀሲና ኣምራሕና። ሰዓት 3፣00ድ.ቀ. ንቕሎ ኮነ።

ሰላም ደኺምዋ ግዲ ኮይኑ፣ ኣዕጠጠየት፣ ተንስኢ ፡ተንስኢ ኢለ ስለ ዝረበሽክዋ ፣ እዋይ ነዛ ሓጻር ዕድመናስ ክንድዚ ከርተት፣ ንነፍስና እንተ ዝኸዉን እኳ ከምዚ ሰዓት ኣይምተንሳእናን፣ እዋይ ሓቁ’ዩ እዚ ራእሱ፣ መረን’ዩ ክብል እናበለት ብድድ በለት። ናይ ሑጻ ገልበጥቲ መካይን ሰለ ዝነበራ ኲላትና ኣብ ዉሽጢ ተዓኴትና፣ ሓደ ከይቅልቀል ድምጺ’ውን ከየስምዕ ከቢድ መጠንቀቕታ ወሰድና።ምስተን  ኣስፔዛ ዝጸዓና መካይን በይንና  ናብ ከተማ፣ ናብ ዝተዳለወልና መዓሸጊ ቦታ ገና ከይበርሀ ኣቶና። ዓዲ ሰብ ምእታዉና ደስ በለና፣ ደሮናና ነገፍና፣ ተሓጺብና ገለ ዝሓይሽ መግቢ ክንረከብ ገንዘብ ኣዋጺእና ሰብ ብምልኣኽ መግቢ ኣምጻእና። ከተማ ደኣ ንእቶ እንበር ማሕዩር እዩ ዝነበረ። ኣብ ዉሽጢ ሕደት መዓልቲ ገንዘብ ዝተሕወለና ሰባት ስለ ዝነበርና፣ ሕጂ’ውን ጉጅለና ኣብ ሓንቲ መኪና ዚነበርናስ ብሓደ ኢና ተበጊስና።

ኮንትሮባንድ ይቕጽል ዝተበገስናሉ ዕላማ ናብ መዕረፊኡ ንምብጻሕ፣ ንፍሲ ወከፍ 200  ዶላር ከፊልና ተበገስና፣ ጒዕዞና ፍጥነቱ ካብ ቀደሙ ኣይነከየን፣ ዘይሕጋዊ ጒዕዞ ኲሉ ሳዕ ድሕነት ተሳፈርቲ ኣብ ግምት ዘየእቱ፣  ፍርሃት እግዚአብሔር’ውን ዘይብሉ ብሙዃኑ፣ ብከቢድ ፍርሂ ኢና ሰጊርናዮ። ምኽንያቱ እንተ ተታሒዝና፣ ናብ ኲፍራ ምምላስን ምጥራዝ (ናብ ሃገርካ) ምምላስን ኣሎ። መቸም ጒዕዞ ሰረቕቲ ዚኰነ ጒዕዞ እንዳኸድና፣ ኣብ ከተማታት፣ እኽሊ ዝጸዓና ወይ’ውን ኣሕምልቲ ዝጸዓና እንደተመሰልና ክንሰግር ከኣልና፦ ቢንቃዚ ምስራጣ፣ ተሳጊርና ኸኣ፣ ትራጵሎስ ኣቶና። ወዲ ባጽዕን ኣብርሃምን ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣብ ሊብያ ዝነበሮም ንቤቲ ስላም፣ ኣድያም ተስፋይን ሒዞምና ናብ ኣዕሩኽቶም ኣቶና፣ ይዝከረኒ፣ ናብታ ቤት ክንኣቱ ከለና፣ ዓባይ ስእሊ ናይ መድኃኒዓለም ስለ ዚጸንሐት፣ ራሱን ሰላምን፣ ንኣምላኽ እናመስገኑ፣ ነታ ስእሊ በእዳዎም እናተንከፉ እናሰዓሙ፣ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

እቶም ካልኦት፣ ብዙሕ ዚተገደሱ ኣይመስሉን እትዮም ኮፍ በሉ። ኣነ ዘለኽዎም፣ ብልበይ እዋይ፣ ከምዚኦም ፍቕሪ ኣምላኽ አንተዝበዝሓለይ በልኩ። ራእሱ ነታ ብሥእሊ ቅዱሳን ተሰሊማ ዝነበረት ቤት ይምልከት ነበረ። እታ ቤት፣ በቶም ቅዱሳን ኣሳእል ኣቢላ፣ ናብ ሰማይ ነጠቀቶ። መግቢ ቀልጢፎም ቀረቡልና። መኣዲ ተቀረበ ምስቲ ጠሚናዮ ዝነበርና ኣነን ተስፋይን ኣእዳዉና ስደድና፣ ጎይትኦም ዋና ገዛ ግና ኲነታትና ስለ ዝተመልከተ ግዲ ኮይኑ፣ ቅልጥፍ ኢሉ ቆሪስና ከየልዓልና ባርኲልና በሉ በለ። ኢደይ ቀልጢፈ መለስክዎ ተስፋይ’ዉን፣ ኲሎም ብሰሓቕ ትዋሕ በሉ። ራእሱ ቀልጢፍኩም ግበሩልና ኣበይ ኢልናዮ ኢልኩምና በለ ተስፋይ። ራእሱ ዘይተባረኸ እንጌራ፣ ሓይሊ የብሉን፣ እንተ ተበልዐ’ውን ዘጽግብ ኣይኮነን፣ ዝተባረኸ እንጌራ ግና፣ ካብ ዘይርአ ሕማም ጥራይ ዘይኮነ ዘድሕን ጸጋ ይሓድሮን፣ ንጥዕናን በረኸትን ድማ እዩ ዚኸዉን ተስፋይ ሓወይ፥ ኢሉ ባሪኹ ሃበና’ሞ ተቛደስና።

ካብ ገዛ ከይወጻእና፣ ንክልተ መዓልቲ ዚኸዉን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነታ ከተማን ንኲነታት ድለላን፣ ክንመላኸት፣ ጀመርና። ኣብታ ከተማ ዘሎ ደላሊ፣ ኲሉ ፣ መራኽብ ንጽባሕ ክመጻ እየን እንዳ በለ እዩ ፕሮፖጋንዳኡ ዚነዝሕ፣ ነፍሲ ወከፍ መልኣኽ’ዩ ዚመስል። ኣብ መስመር ብዙሕ እዩ ዓይነቱ፣ ክንዲ ብቐታ ምስ ሰብ መርኻብ ካልኣይ ፣ ሳልሳይ ጨናፍር ኢኻ ትረኽብ። ስለዚ  እዩ ጎይትኦም ንኲሉ ኲነታት ናይቶም፣ ደላሎን፣ ዘሎ ዕግርግርን፣ ትልመትን ኮፍ ኣቢሉ ንዓይን ንቤትን ንራእሱን እናዛወረና ከሎ ዘዕለለና። ራእሱ፣ ኣቀዲሙ ኣብ ሱዳን ከሎ፣ ምስ በዓል ጐይትኦም ተመዝጊቡ ምጽንሑ ናቱ ኰለል ዘብል ነገር ኣይነበረን። ነቲ ኣብታ ከተማ ዚቃላሕ ናይ ሓሶት መቃልሕን ጥልመትን ብዝረኣየ ብፍላይ ከኣ ጐይትኦም ናይ ደላሊ ዚገበሮ ጥልመት ምስ ሰምዐ፣ ኣንታ መጻእን ራእይን የብሉን ዲዩ፣ ምኻን ዕግርግር’ዩ ዘመኑ።

ሰብ መዋቲ ምዃኑ ረሲዑ፣ ዝገብሮ ስጉምቲ’ዩ’ዚ መረን’ዩ መረን በለ። መዓልቲ እናወሰኽና ብዝመጻእና፣ ብራእሱ ተመሪሕና ሰንበት ናብ ቤተክርስቲያን ክንመላለስ ጀመርና። ሕይወተይ ተለወጠ። ነገር ፍልስፍና ረሓቐ፣ ለካስ እዛ ናይ ምድረበዳ ጒዕዞስ፣ ንጽቡቐይ እያ ነይራ። ኣምላኽ ነቲ ሕማቐይ ንጽቡቕ፣ ንዕርቃነይ ልብሲ ኣልቢሱኒ፣ ንራእሱ ነቲ ኲሉ ዝመርሓኒ ብዉሽጠይ ኣመስገንክዎ። ግዜ እናወሰድና ብዝመጻእና ሓሳብ ብዉሽጠይ ከም ፍልሖ ክበልዓኒ ጀመረ፣ እተን ዚነበራኒ ገንዘብ፣ በሊዐ ከይዉድአን እሞ መሊሰ ንስድራይ ከየሻቕል፣ ብጣዕሚ ይስቀቕ ነበርኩ። በዓል ኣዱ፣ ቤቲ ግና ደሓን እየን ብደገ ኣዝማደን ኣለዉወን። እናሻዕ ኣናተከዝኩ፣ ከም ቀደመይ ምስ ኲሎም ኣብ ዘዕልል፣ ሓሳብ ክገዝኣኒ ስለ ዚጀመረ፣ ኲሎም በብሓደንኩነታተይ ሓተቱ። ደሓን ሙኳነይ ጥራይ መሊሰ ከኣ ይዓጽዎም ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ራእሱ፣ ናብ ንስሓ ሕይወት ክህልወን ከም ዝግባእ … ወዘተ እናመኸረኒ ከሎ፣ ግና ዘተክዘኒ ነገር ስለ ዚሓተተኒ፣ ጒዳይ ገንዘብ ምኳኑ ነገርክዎ።

ተስፋ ኣይትቑረጺ ኣምላኽ ዚመደቦ ኣይተርፍን እዩ። ጸገም የለን፣ ገና ከይኮነ፣ ከሎስ እቲ ገንዘብ ከይተወድአን ጋና እኹል እናሃለወክን ክትጭነቒ ኣይግብኣክን።ደሓር ጐይታናን መድኃኒናን “ድልየትኩም ዘበልስ፣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሰማይዊ ኣቦኹም ምስናይ ጸሎትን ምስጋናን ይፈለጥ እምበር ብገለ’ኳ ኣይትጨነቑ እዩ ዚብለና” እናበለ ኣጸናንዓኒ። ኣጆኺ ኣነ ብዓቕመይ ክሕግዘኪ እየ ከኣ በለኒ። ንዓይ ክጠቕም ክብል ኣብ ጒዕዞ ዝተላለኽዎ እዩ ዝነበረ። ኣብ 4 ይ (ራብዓይ) ወርሕና በዓል ራእሱ መርከቦም መጸት’ሞ ተበገሱ። ንዓና ንቤቲ፣ ንኣድያም፣ ብፍላይ  ንዓይ ካብ ራእሱ ምፍላይ ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ንሱ’ውን ኣንቢቡኒ’ዩ። ስለዚ ከኣ እዩ፦ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ከም ዘይርስዓኒ ቃል እትዩለይ ከደ (ብሰላም ኣትዩ ከኣ ኣብ 3 ይቲ መዓልቲ ደወለልና።) ቢንቃዚ ራእሱ ካብ ዝብገስ ድሕሪ ሰሙን፣ ሰኑይ ሰዓት 9፣00 ቅ.ቀ.(ንግሆ) ንቁርሲ ኣብ ንቅራረበሉ ዝነበርና እዋን ድምጺ ምዕጾ ተኳሕኲሐ ኣድያም ምስ ከፈተት ግና፣ 3ተ ወተሃደራት፣ ኣተዉ’ሞ ተበገሱ በሉና፣ ዓዉ ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ኮነና፣ እታ ንፈርሃ መጸትና።

ዓሰረተ ትሸዓተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘረአ ገብረእግዚአብሔር

Comments are closed.