መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን።

መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን።

 

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ካብ ዝርከቡ ዕስራንሓደን መልእኽታት ብግልጺ ስም ጸሓፊኣ ዘይተገልጸላ መጽሓፍ መጽሓፈ ዕብራውያን ኢያ። ካብ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መልእኽታት ዝያዳ ምስ ብሉይ-ኪዳን ብፍላይ ምስ ናይ መቕደስ ኣገልግሎት፡ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ካህንነት ዝኣመሰሉ ነጥብታት ትዛመድ መጽሓፍ ኢያ።እንተኾነ ግን ኣብዛ መጽሓፍ ካብተን ካልኦት ምልእኽታት ብፍልይ ዝበለ ነገር ንግንዘቦ ስም ጸሓፊኣ ዘይምግላጹ ኢዩ። ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እዚኣ መን ጽሒፉዋ? ናበይ ተጻሒፋ? ንምንታይ ተጻሒፋ? ዝብሉ ሕቶታት ካብ ቀደም ጀሚሮም ይለዓሉ ነይሮም ኢዮም። ንሕና ውን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ብዛዕባ እዛ ናይ እብራውያን መልእኽቲ ክንፍትሽ ኢና።

ዕብራውያን መን ኢዮም? እብራዊ ዝብል ሽም ከ ካበይ ኢዩ መጺኡⵗ ኢልና ኣብ ንፍትሸሉ ጊዜ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ካብቲ “ዔቦር” ተባሂሉ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 10፡21 ተገሊጹ ካብ ዝርከብ ኣበሓጎኡ ንኣቦና ኣብርሃም ዝወጸ ሽም ምኳኑ ክሰማምዑ ከለዉ ኢና ነስተውዕል። ዕብራውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ዐሌት ወይ ህዝቢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኣይሁዳውያን ወይ ውን እስራኤላውያን እናተባህሉ ዝጽውዑ ህዝቢ ኢዮም። ንመጀመርያ ጊዜ ወንጌል ዝተሰብከ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኢዩ። ዝያዳ እውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእግዚአብሔር ብምምላኽ ካብቶም ካልኦት ህዝቢ ፍልይ ዝበሉ ህዝቢ ኣምላክ ኢዮም ነይሮም። ኣምላኽ ካብዞም እስራኤላውያን/እብራውያን ተባሂሎም ዝተጸውዑ ዓሌት’ዩ ብስጋ ዝተገልጸ። ነዚ ኢዩ እውን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝተጻሕፈ “ንሳቶም እስራኤላውያን ኢዮም፡ እግዚኣብሔር ድማ ደቁ ገበሮም፡ ክብሩ እውን ገለጸሎም፡ ኣምልኾ ሰርዓሎም፡ ተስፋ ድማ ሃቦም፡ ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወልዱ ኢዮም፡ ክርስቶስ’ውን ብስጋ ኻብኣቶም ኢዩ ዝተወልደ። ንሱ ልዕሊ ኩሉ ዝኮነ ኣምላኽ፡ ንዘልዓለም ብሩኽ ኢዩ፡ኣሜን” ሮሜ 9፡4-5። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣምላኽ ደቀይ ኢሉ ዝተማጎተሎም፡ ካልእ ህዝቢ ክወሮም ከሎ ዝተዋግኣሎም በረኻታት ብበረኸቱ እናጽለለን እናመገበን ዝመርሖም፡ ንካልእ ኣምላክ ከምልኹ ከለዉ ዝተቖጥዖም። ብየማነይቲ ኢዱ መሪሑ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጽኦም መቅደስ ሰሪሖ ከምልኹዎ ዝኣዘዞም፡ ኣብ በረካታት ሲና ዝመርሖም ባሕሪ ከፊሉ ዘስገሮም፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ምግላጽ ብሃረርታ ዝጽበዩ ዝነበሩ ህዝቢ ኢዮም። እዛ ሕጂ ንዘራረበላ ዘሎና መጽሓፍ እንበኣር ናብኣቶም ኢያ ተጻሒፋ።

ናይ መጽሓፈ ዕብራውያን ጸሓፊ መን ኢዩ

መጽሓፈ ዕብራውያን መን ኢዩ ጽሒፉዎ ዝብል ሕቶ ካብ ካልኣይ ክፍለዘመን ጀሚሩ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘዛርብ ዝነበረ ሕቶ ኢዩ። ሄሬኔዎስ (Irenaeus 130-200) ሂፓሊተስ (Hippolytus 170-236) ነዚ መጽሓፍ እዚ መን ኢዩ ጽሒፉዎ ዝብል ሕቶ ካብ ዝሓተቱ ኣቦታት ኢዮም። ከም እኒ ጠርጡለስ(Tertullian 160-225) ዝኣመሰሉ ድማ ነዚ መጽሓፍ እዚ ጽሓፊኡ ሓዋርያ በርናባስ ምኳኑ ይገልጹ ከም ዝነበሩ ናይ ታሪኽ መዛግብ የረድእ። ከምኡ እውን ሲላስ፡ኣጵሎስ፡ሉቃስ፡ቀሌምንጦስ ዘሮም.....ወዘተ ኢዮም ዝብል ርእይቶታት ካብ ብዙሓት ናይቲ ጊዜ ሊቃውንቲ ዝተዋህቡ ርእይቶታት ኢዮም።

ብርግጽ ናይዚ መጽሓፍ ጸሓፊ ኣብ መእተዊ ሽሙ ስለዘይጠቐሰ ነዛ መጽሓፍ ናይ እገለ ኢያ ክትብላ ኣዚዩ እሸጋሪ እኳ እንተኾነ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ግን ካብ ቀደም ኣትሒዞም ብዘየማትእ ድምጺ ናይ ጳውሎስ ምኳኑ ኣርጊጾም ተዛሪቦምን ወሲኖምልናን ኢዮም። ነዚ ውሳነ እዚ ክገብሩ ዘኽኣሎም እውን ካብ ትውፊታትን ካብ ታሪኻትን ብተወሳኺ ድማ ካብቲ መልእኽቱ ብምብጋስ ኢዮም። ካብቶም ናይ ቤተክርስቲያን ሊቃውንቲ ሓደ ዝኾነን ንኹሎም ኣዕይንቲ ቤተክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንቲን መምህሮም ዝኾነ ቅዱስ ኦሪገን ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ “ብዓይኒ ሓቂ ነዛ መልእኽቲ ጸሓፊኣ መን ምኳኑ ኣምላክ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጦ።እንተኮነ ንባዕለይ ሓሳበይ ክገልጽ እንተድኣ ኮይነ፡እቶም ሓሳባት ብሙልኣቶም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኢዮም። ትሕዝቱኡን ቅዲ ኣጸሓሕፉኡን ናይ ሓዋርያ ትምህርቲ ኢዩ።

ስለዚ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኢላ እንተተቐበለቶ ቅቡል ይኹን። ቀዳሞት ኣቦታትና እውን ብዘይ ምኽንያት ኣይኮኑን ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ እናበሉ ዘረከቡና። Church history book 6 chapter 25 page 13-17” ብምባል ገሊጹልና ይርከብ። ብተወሳኺ ናይ ቤተክርስቲያን ታሪኽ ጸሐፊ ዝኮነ ቅዱስ ኣውሳብዮስ ዘቂሳርያ ብዛዕባ መልእኽቲ ዕብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ካብ ናይ ቀሌምንጦስ ዘእስክንድርያ ቃል ብምጥቃስ ከምዚ ክብል ጠቑሱ ይርከብ “ናይ እብራውያን መልእኽቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይኑ፡ ናብ እብራውያን ብቛንቁኦም ኢዩ ተጻሒፉሎም፡ኮይኑ ግን ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ብጥንቃቀ ናብ ቛንቛ ግሪኽ ከም ዝተርጎሞ ይፍለጥ”ክብል ሓሳቡ ይገልጽChurch history book 5 chapter 14 page 1-7። ቅዱስ ኣውግስጢኖስ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ፡  ቅዱስ ጄሮም፡ ቅዱስ ኣምጵሮስ፡ ቅዱስ ዳንቴኒዎስ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅን ዝአመሰሉ ቀዳሞት ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋቶም ናይ ዕብራውያን መልእኽቲ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምዃኑ ገሊጾምልና ሓሊፎም ኢዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ንኣቦታትና እዚ ጽሑፍ ናይ ጳውሎስ ኢዩ ኢሎም ክውስኑ ዝገበሮም መሰረታዊ ነጥብታት እንታይ ኢዩ? ክንብል ንግደድ ኢና። ቅዱሳን ኣቦታትና ነዚ ውሳነ እዚ ኣብ ክልተ መሰረታውያን ነገራት ተመርኩሶም ኢዮም ወሲኖሞ ንሱ ከኣ ኣብታ መልእኽቲን ኣብቲ ጊዜ ዝነበረ ኩነታትን ኢዩ። ብርግጽ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብታ መጽሓፍ ስሙ ከም ዘይጠቐሰ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኣብታ መልእኽቲ ናቱ ምኳኑ ዘብርሁ ዓበይቲ ነጥብታት ግን ንረክብ ኢና እስኪ ነዘን ነጥብታት ነስተውዕለን፡-

  • ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ኣብዛ መልእኽቲ ከምዚ ክብል ገሊጹ ኣሎ “ጢሞቴዎስ ኃውና ከም ዝተፈትሐ ፍለጡ፥ ንሱ ቀልጢፉ ናባይ እንተመጸ ኸኣ ብሓደ ኴንና ክንበጽሓኩም ኢና” እብ 12፡23 ቅዱስ ጢሞቴዎስ ካብ ናይ ጳውሎስ ደቀ መዛሙርት ሓደ ክኸውን ከሎ ታሪኹ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብ 16፡1 “ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ክወስዶ ጸለየ” ብምባል ከመይ ኢሉ ምስ ጳውሎስ ከም ዝኸደ ነጊሩ ይጅምር። ቅዱስ ጢሞቴዎስ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዙ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ደቀ መዝሙር ኮነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስሙ ልዕሊ ዕስራን ኣርባዕተን ጊዜያት እኳ እንተተገልጸ መብዛሕትአን ምስ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዝተኣሳሰረ ኣጋጣሚታት ኢየን ተጠቒሰን ንረኽበን። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ዝጥቀመሉ ቃላት ምስ ንርኢ “ናብቲ ብእምነት ናይ ብሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ” 1ይ ጢሞ 1፡2 “እቲ ፍቑር ወደይን ብጎይታ እሙንን ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣለኩ” 1ይ ቆሮ4፡17 ዝብሉ ኣቦነት ናይ ጳውሎስ ከምኡ ድማ ፍቕሪ ናይ ክልቲኦም ክንግንዘብ ንኽእል። ነዚን ነዚ ዝኣመሰሉ ነገራት ብምርኣይ ብፍላይ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጀካ ጳውሎስ ነዚ ኣቦ እዚ ከምዚ ገይሩ ዝቐረቦ ከም ዘየለ ምስ ንግንዘብ ብጀካ ጳውሎስ ካልእ ሃዋርያ ኮነ ረድእ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ከምዘይጸሓፈ ክንርዳእ ንኽእል ማለት ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ክፍሊ እዚ ጢሞቴዎስ ሓውና ምባሉ ዘጠራጥሮም ሰባት ውን ኣለዉ፡ እንተኾነ ግን ጳውሎስ ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብተወሳኺ ኣብ 2ይ ቆሮ1፡1/ቆላ1፡1/ፊል 1፡1 ኣብ ዝርከባ ጥቕስታት ሓውና ኢሉ ይጽውዓ ኢዩ ስለዚ ሕቶ ዝፈጥር ጉዳይ ኣይኮነን።
  • “ፀጋ ጎይታ ምስ ኩልኻትኩም ይኹን” እብ 13፡25 ኣብተን ዓሰርተ ሰለስተ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽታት ንረኽባ ቃል ኢያ። እዛ ቓል እዚኣ ብፍሉይ መለለዪ ናይዚ ንዋይ ህሩይ ዝኾነ ኣቦ ኢያ።ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንኹለን መልእኽታቱ ክጽሕፍ ከሎ ኣብ መዛዘሚ “ጸጋ ምስ ኩልኻትኩም ይኹን” “ጸጋ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልካትኩም ይኹን” ዝብሉ ናይ ምርቓ፡ ኣቦነት፡ ቡራኬ ዝሓዘላ ቃላት ኣብ መዛዘሚ ናይ መልእኽቱ ብምእታው ብምምራቕን ኢዩ ጦማሩ ዝዛዝም። ናይዚ መቀጸልታ ድማ ኣብታ ሽሙ ዘይጸሓፈላ መልእኽቱ “ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን” ብምባል ጸጋ ኣምላክ ኣብኣቶም ኽሓድር ምእንቲ ብምብራኽ ኢዩ መልእኽቱ ዛዚሙ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዝሓለፋ መልእኽታቱ ዝገለጸን ቃላት ብምግንዛብ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኢያ ክንብል ንግደድ።
  • ካልእ ካብዛ ሕጥበ ጽሑፍ ካይወጻእና “እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ሰላም ይብሉኹም” ግብ 13፡24 ዝብል ሓደ ሃይለ ቃል ንረክብ ኢና። ነዚ ቃል ብምሓዝ እዛ መልእኽቲ ዝተጻሕፈትላ ጊዜ ምስ ንፍትሽ ኣብ መፋርቕ ሱሳታት ከም ዝተጻሕፈት ናይ ቤተክርስቲያንና መጻሕፍቲ የረድኡ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማ ተኣሲሩ ከይዱ ዝነበረሉ ጊዜ ኢዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሰማእትነት ዝተቀበለሉ ዕለት 5 ሓምለ 65 ዓ.ም ከም ዝኾነ ኣብ ቤተክርስቲያንና ዝርከብ ታሪኽ ሕይወት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ የዘንቱ። ስለዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ኮሎ እዛ መልእኽቲ ምጽሓፋን እዛ መልእኽቲ ካብ ሮማ ምልኣኻን ብምንጽጻር ነዛ መጽሓፍ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኢዩ ጽሒፉዋ ክንብል ንግደድ ማለት ኢዩ።
  • ካልእ ከም ሕቶ ዝለዓል ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ኢዩ። ትሕዝቶ ናይታ መጽሐፍ ንዘንበበ ጸሓፊኣ ናይ ኦሪት ምሁር ከም ዝነበረ ክርዳእ ኣየጸግሞን። ኣብ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ብምምርኳስ ዝለዓሉ ማንነት ጸሃፊ ዘእንፍቱ ርእይቶታት ውን ኣለዉ።እቲ ካብ 160-225 ዓ.ም ዝነበረ ጠርቱለስ (tertulian) እዛ መልእኽቲ ናይ ቅዱስ በርናባስ ኢያ ክብል ከሎ፡ ብተመሳሳሊ ካብ ጥልቀት ናይቲ መልእኽቲ ብምልዓል ምስቲ ማእምረ መጻህፍት ተባሂሉ ስሙ ኣብ (ግብ 18፡24) ተጠቂሱ ምህላዉ ኣጵሎስ ኢዩ ብምባል ካብ ዝተዛረቡ ሰባት በዓል ማርቲን ሉተር፡ሉቲያ፡ኣምለር ዝኣመሰሉ ናይቲ ሽዑ ጊዜ ምሁራን ይጥቀሱ። ኮይኑ ግን ምንም እኳ በርናባስን ኣጵሎስን ኣይሁድ ስለዝኮኑ ንሳቶም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ክንብል እንተደለና፡  ጳውሎስ ውን  ኣብ እግሪ ገማልያ ኮፍ ኢሉ ዝተማህረ ብምንባሩ ንሊቅነት ናይ ጳውሎስ ሪእና ነዛ መልእኽቲ ንሱ ኣይኮነን ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ፍልይ ዘብሎ ግን ሃዋርያ ቅዱስ በርናባስ ኮነ ኣጵሎስ ኣብ ከባቢ ኢጣልያ ከይዶም ወንጌል ከም ዝሰበኹ ዘረድእ ዋላ ሃደ ዓይነት ምንጪ ክርከብ ዘይምኽኣሉ ነቲ ሓሳባቶም ውድቂ ይገብሮ ማለት

ስለዚ ነዘን ዝረኣናየን ኣርባዕተ መግለጺታት ብምግንዛብ ምስ ናይ ኣቦታት ትውፊትን ከም እኒ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነዚ መልእኽቲ ናይ ጳውሎስ ምኳኑ ብተደጋጋሚ ጠቒሱልና ኣሎ። ንኣብነት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብሰንኪ ዓላውያን ካብ መንበሩ ተሰዲዱ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ናብ ናይ ግብጺ ጳጳሳት ኣብ ዝለኣኻ ደብዳቤ ብዛዕባ እምነት ከምዚ ክብል ይጠቅስ “ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝተዛረቦ፡ ጌዴዎን፡ባሮክ፡ሳምሶም፡ ዳዊት ፡ዮፍታሄ፡ሳሙኤል ...ካልኦትን” ብምባል ነዚ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ዘሎ ሃይለቃል ብምልዓል እቲ ሓሳብ ናይ ጳውሎስ ከም ዝኾነ ጠቂሱልና ይርከብ።Select works and latters Volume 4 page 234 ከምኡ ድማ ብተወሳኺ  ኣብ ነፍስ ወከፍ መልእኽቲ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽታት ዘሎ ስነ ሓሳባት ክዝርዝር ከሎ፡ መልእኽቲ ዕብራውያን ሓንቲ ካብኣተን ብምግባር ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጊ ጽላሎት ምኳና ብክርስቶስ ከም ዝተተክኣትን” ብምግላጽ መልእኽቲ እብራውያን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምኳና ደጊሙ የረጋግጸልና። Select works and latters Volume 4 page 533 ብተወሳኺ እዚ ኣቦ እዚ ኣብ ትንሳኤ ኣብ ዝስደድ ዝነበረ መልእኽታት ናይ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን መልእኽቱ ብዛዕባ ቀኖና መጻሕፍቲ ክዛረብ ከሎ ነዛ ናይ ዕብራውያን መልእኽቲ ምስ ናይ ጳውሎስ መልእኽታት ብምስራዕ ናቱ ምኳና ብምግላጽ ኢዩ ሓሊፉዋ። ቅድስት ቤተክርስቲያን እውን ብመልኽዕ ቀኖና  ኣብ ኒቅያ 325 ዓ.ም ከምኡ ድማ ቅርጣግና(cartage) 397 ዓ.ም ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት እቲ መጽሓፍ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝነበረ ብሙሉእ ድምጺ ተቐቢላ ኣጽዲቓቶ ኢያ።Agapebiblesteady.com እንበኣር ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ  ካብ ኮነ ናብ መን ጽሒፉዋ ንምንታይ ከ ስሙ ዘይጸሓፈላ ዝብሉ ሕቶታት ክንርኢ ኢና

መልእኽቲ ዕብራውያን ንምንታይን ናብ መን ተጻሒፋ?

ናይ ዕብራውያን መልእኽቲ መሰረታዊ ዝተጻሕፈትሉ ምኽንያት ሕጊ ኦሪትን ክርስትናን እናሳለዩ ዝኸዱ ዝነበሩ ብጐይታ ዝኣመኑ እንተኮነ ግን ሕጊ ኦሪት ክገድፉ ዘይደለዩ ኣይሁድ ክርስቲያን ኢዮም። ገለ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ሕጊ ኦሪት ክሕልዉ ከም ዘየድልዮም ምስ ተነግሩ ካብ መኣዲ ወንጌል ንላዕሊ ሕጊ ኣቦታትና ይሕሸና ብምባል ከድሓርሕሩ ብምጅማሮምን፡  ነቶም ሕጊ ክርስትና ተቐቢሎም ዝኸዱ ክርስቲያን ድማ ጥምቀት ብዘይ ግዝረት ሓዲስ ብዘይ ብሉይ ትርጉም የብላን ኢሎም የጨንቑዎምን የጻብቡሎምን ብምንባሮም። ኣብ እምነቶም ድማ ምንፍቕናዊ ዝኾነ ኣስተምህሮ ይዘርኡሎም ብምንባሮም ኢዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዞም ሰባት ክርስቶስ ካብ መላእኽቲ ከም ዝዓቢ ዕብ1፡4-14 ከምኡ ድማ ልዕሊ ሙሴ ከም ዝኾነ (ዕብ 3፡4) ስለዚ ድማ እታ ናይ መጀመርያ እምነቶም ኣጽኒዖም ክሕዙዋ ከም ዝግባእን (ዕብ 3፡14) ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ከም ዝኾነ ንሱ ካብ ኩሎም ከም ዝዓቢ  እናኣረድአን ነቶም ናይ እምነት ሓርበኛታት እናዘኻኸረ (ዕብ 11) ከመይ ገይሮም ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ከም ዘለዎም፡ ሽሕ እኳ መከራ እንተበዝሐ ናብ ክርስቶስ ክጥምቱ ከም ዘለዎም (ዕብ 12፡2) የረድእ። ስለዚ ብሓፈሻ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብቶም ኣብ መከራን ሽግርን ዝነበሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ብጐይታ ዝኣመኑ ክርስቲያን ኢያ ተላኢኻ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ብንጹር ንኽልተ ዓይነት ሰባት ከም ዝጸሓፈ ንግንዘብ እቶም ሓደ ብክርስቶስ ዝኣምኑ አኳ እንተኾኑ ሕጊ ኦሪት ከም ዝተሳዕረትን ከም ዘብቕዓትን ክቕበሉ ስለዘይከኣሉ ንዓዓቶም ከረድእ ከሎ፡ በቲ ሓደ ድማ ነቶም ነዚ ተረዲኦም ኣብ ክርስትና ኮይኖም ዝጋደሉ ዝነበሩ ሰባት ከመይ ገይሮም እምነቶም ከጽንዑ ከም ዘለዎም ዋላ እኳ መከራ እንተጸንዐ ነቶም ናይ እምነት ሓርበኛታት ክዝክሩ ከምኡ ድማ ናብ ክርስቶስ ከማዓድዉ ከም ዝግባእን ይላቦ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቲ ንምንታይ ስሙ ዘይጠቐሰ?

ነዛ መልእኽቲ ከምቲ ዝበልናዮ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እንተኾይኑ ጽሒፉዋ ንምንታይ ከምተን ካልኦት መልእኽታቱ ስሙ ዘይጠቐሰ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን ኢዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንምንታይ ስሙ ዘይጠቐሰ  ኢልና ኽንሓትት ዘገድደና መሰረታዊ ምኽንያት ኣብተን ካልኦት መልእኽታት ስሙ እናጠቐስ ኣብዛ መልእኽቲ ዘይምጥቃሱ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብሰፊሑ ከም እነስተውዕሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኣህዛብ ሓዋርያ ኢዩ ዝነበረ። ምስቶም ስርዓት ኣይሁድ እንተዘይሓሊኹም ድሕነት የለን ኢሎም ዝእውጁ ዝነበሩ ኣይሁድ ከመይ ከም ዝተኸራኸረን ፍታሕ ከናዲ ምስ በርናባስ ብምኻን ኣብ ኢየሩሳሌም ጉባኤ ከም ዝጠለበን ኣብ (ግብ 15) ተዘርዚሩ ንረኽቦ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኣህዛብ ሓዋርያ ብምኳኑ ድማ ንሕጊ ናይ ኣይሁድ ብዙሕ ኣይጥንቀቕን ነበረ እኳ ደኣ ይማጎቶም ከም ዝነበረ “ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚጳውሎስን በርናባስን ምስቶም ሰባት ኣዚዮም ተኸራኸሩ” ግብ 15፡2 ብምባል  ይገልጸልና ነዚ ኢዩ  ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መቕደስ ክሰብኽ ከሎ “ኣቱም ሰብ እስራኤል ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ሀዝቢ እዝን፡ ምስ እዚ ሕጊ እዝን፡ ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝፃረር ነገር ኩሉ ዝምህር ሰብኣይ እዚ ኢዩ......” እናበሉ ንምእሳሩ ዝተጓየዩ ግብ21፡28።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኣህዛብ ሓዋርያ (ኣብ መንጎ ኣህዛብ እንዳተዘዋወረ ዝሰብኽ) ብምንባሩን ንሕጎም ኣዚዮም ዝጥንቀቁ ኣይሁድ ከምኣቶም ስለዘይተጠንቀቀ  ኣዚዮም ይቃወሙዎ ነበሩ። ስለዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ ካብ ጳውሎስ ኢያ ኢሉ እንተልኢኹዋ ክቕበሉዋ ከም ዘይክእሉ ብምስትውዓል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ሰቨርያን ዘጋባል ከምዚ ክብል ይገልጽ ” ገለ ገለ ወገናት እቲ መጽሓፍ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዘይኮነ ይዛረቡ፡ ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕርቡዎ ድማ እቲ ጸሓፊ ስሙ ስለዘይ ጸሓፈን፡ ካብተን ካልኦት ዓሰርተው ሰለስተ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መጻሕፍቲ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ ፍልይ ስለዝብልን ኢዩ። ኣብዚ ክግንዘቡዎ ዘለዎም ግን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣንጻር ሕጊ ጽሒፉ ስለዝነበር በዚ ምኽንያት ድማ ስለዝተቓወሙዎን እታ መጽሓፍ ብስሙ እንተደኣ መጺኣቶም ከም ዘይቅበሉዋ ብምግንዛብ ካብታ መልእኽቲ ካይተማህሩ ካይተርፉ ክብል ስሙ ካይጠቐሰ ክጽሕፋ ተገዲዱ።Agapebiblesteady.com። ንሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዘእሰሩዎ ውን ባዕላቶም ኣይሁድ ስለዝነበሩ  ብሽሙ እንተትመጾም ኣይኮነን ከም መልእኽቲ ከንብቡዋ ክዕቕቡዋን ገና ምስረኣዩዋ ካይተርክሶም ኢሎም ከም ዘይሕዙዋ ይፈልጥ ስለዝነበር ኢዩ።

ካልኣይ ድማ እቲ ዘመን ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሮማውያን ዓመጽ ከለዓዕሉ ዝዳለዉሉ ጊዜ ስለዝነበረ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ብምንባሩ  ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ስሙ ጠቒሱ እንተደኣ ሰዲዱሎም እሞ እታ መልእኽቲ እንተተረኺባ ብመልኽዕ ፖለቲካ ነታ ቤተክርስቲያን ጸገም ካየምጽኡላ ካብ ዝብል ቤተክርስቲያናዊ ሓልዮት ኢዩ።

ትሕዝቶ ናይ መልእኽቲ ዕብራውያን።

መልእኽቲ ናይ ዕብራውያን ኣብዛ ሓጻር ጽሑፍ ክትዝርዝሮም ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ ብሓፈሻዊ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝዘርዘሮም ኣርእስትታት ገዲፍና አቶም ዓበይቲ ነጥብታት ክንዝርዝሮም ክንፍትን ኢና። ናይ ዕብራውያን መልእኽቲ ዓሰርተ ሰለስተ ምዕራፋት ክህልዉዋ ኮለው ከም ፍቓድ ኣምላክ ኣብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ነጥብታት ከፊልና ክንሪኦም ኢና።

  • መእተዊ 1፡1-3
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብነቢያት ደሓር ብሓደ ወዱ ብክርስቶስ ከም ዝተዛረበ 1፡ 1-2
  • ወልድ ናይ ባህሪኡ መግለጺ ከም ዝኮነ 1፡3
  • ክርስቶስ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቦ ናይ ባህሪ ወዱ ስለዝኾነ ካብ መላእኽቲ ኮነ ካብ ካብ ነብያት ከም ዝዓቢ 1፡4 -4፡16
  • ካብ መላእኽቲ ከም ዝዓቢ ዝገልጹ መብርሂታት 1፡4-18
  • ክርስቶስ ካብ ሙሴ ከም ዝዓቢ ዝገልጹ መብርሂታት 3፡1-6
  • እምነቶም ከጽንዑ ከም ዘለዎም ዝተዋህበ ማዕዳ 3፡7-16
  • ስለ ናይ ክርስቶስ ሊቀ ካህንነት ዝተጻሕፈ ትምህርቲ 5፡1-10፡39
  • ናይ ክርስቶስ ክህነት ከም ናይ ኣሮን ጊዝያዊ ዘይኮነስ ከም ናይ መልከጼዴቅ ከም ዝኾነ 5፡1-7፡28
  • ክርስቶስ ናይታ ሰማያዊት ድኳን ሊቀ ካህናት ከም ዝኾነ ኣብኣ ዘለዎ ኣገልግሎትን 8፡1-9
  • ናይ ኦሪት መስዋእቲ ስዒሩ ስለ ሓጢኣት ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝኸውን መስዋእቲ ከም ዘቕረበ 10፡1-8
  • ምስ ኣመኑ ንድሕሪት ገጽካ ምምላስ ከም ዘይግባእ 10፡19-39
    • ብዛዕባ እምነት ዝተጻሕፈ ትምህርቲ 11፡1-12፡29
  • ብእምነቶም ዝተመከረሎም ናይ እምነት ኣቦታት እንዳዘኻኸረ ኣብ እምነቶም ኽጸንዑ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ክፋል11
  • ናብ ክርስቶስ ክጥምቱ ከም ዝግባእ 12
    • ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ስነ-ምግባር 13፡1-17
  • ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ብዛዕባ መውስቦ፡ ኣፍቅሮ ንዋይ ከምዘይግባእ 13፡1-6
  • ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበኹሎም መራሕቶም ክዝክሩ ከም ዝግባእን፡ ኢየሱስ ሎሚን ንዘልዓለምን ሓደ ከም ዝኾነ 13፡7-10
  • ክርስቶስ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ከም ዝተሰቅለ ንሕና ድማ ናብቲ ንሱ ዝተቅሎ ክንከይድ ከም ዝግብኣና 13፡11-13
  • ብዛዕባ ናይ ምስጋና መስዋዕቲን፡ንመራሕቲ ምእዛዝ ከም ዝግባእን 13፡13-17

መደምደምታ

  • ክጽልዩሉ ከም ዘማሕጸኖምን፡
  • ናብ እግዚኣብሔር ዘቅረቦ ምስጋና፡
  • ምስ ጢሞቴዎስ መጺኡ ክሪኦም ከም ዝደሊን፡ ቡራኬ13፡18-25

 

ዲ ዮሐንነስ ዘደብረ ቁስቛም

 

Comments are closed.