ለካስ እቲ ዘብለጭልጭ ኵሉ ….

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንሆ ሓደ መዓልቲ ሓደ መንእሰይ ንነዊኅ ጕዕዞ ተበገሰ፣ እታ ዝኸዳ ዝነበረ ዓዲ ኣዝያ በራኽን መገዳ ውን ነዊኅ ነበረ፣ እቲ መንእሰይ ጕብዝናኡ ተኣማሚኑ፣ ንመን ገዲ ዝኾኖ ስንቅን ካብ ተጻባእቲ መከላኸሊ ዝኾኖ ኣጽዋርን ኣይተማልአን ነበረ። (ኤፌ. 6፦13-18። እቲ ናብቲ ዓዲ ዚወስድ መገዲ ኣዝዩ ኣድካምን ተሪርን እምብዛ ኃያልን ስለዝነበረ (ማቴ. 7፦14) ነቲ ስንቂ ዘይተማልአ መንእሰይ ኣብቲ ተሪር ዓቐብ ምስ በጽሐ ኣዝዩ ፈታኒ ኮኖ። (ግብ.ሐዋ 14፦22)። ካብ ድኻምን ጥሜትን ዝተላዕለ ኣብራኹ ራዕራዕ ኢልዎ ምኻድ ሰኣነ እሞ፣ ጻሕ ኢሉ ናብ መሬት ወደቐ። ምድሪ ናብ ምምሳዩ ስለዝነበረ ቁሩብ ድኅሪ ምዕራፍ ኃይሉ ኣኻኺቡ ብድድ በለ። እንተኾነ ግና ብዙኅ ኪቕጽል ኣይከኣለን፣ ሕማቕ ሓሳባት ኣብ ሕሊናኡ ደወለ። ብናይ መገሻኡ ነገር ኪጠዓስ ጀመረ። (ዘፀ. 17፦3)። ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምበኣር ካብ ርሑቕ ቦታ ኣዝዩ ማራኺ ዝኾነ ድምጺ ቃነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ዝሰምዐ፣ (ራእ. 3፦13-19)። እቲ ድምፂ ብድኅሪኡ ስለዝነበረ ካበይ ከም ዝኾነ ንምርኣይ ንድኅሪት ቍሊሕ በለ። (ዘፍ.19፦26) እቲ መንእሰይ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ናብ ብዘሎ እቲ ጐልጐል ጠመተ። ኣዝዩ ባህ ዘብል ጊዜ ዘምጽኦ ዘብለጭልጭ መብራህቲ ናይ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ረኣየ፣ ፈተዋ ድማ። (ዘፍ. 13፦10-11) ናብዛ ከተማ ዚወስድ መገዲ ምስቲ ዝኸዶ ዝነበረ ከነጻጽሮ ጀመረ። ናብታ በራኽ ዓዲ ዚወስድ መገዲ ገና ነዊኅ ዓቐብ ተሪፍዎ ስለዝነበረ፣ ነቲ ናብታ ከተማ ዚወስድ ሰጣሕ ጐልጐል መረጸ። ንድኅሪት ተመሊሱ። ናብታ ከተማ ኪኸይድ ከኣ ጀመረ። (2ይ ጢሞ.4፦10)። ከይተረድኦ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ከተማ በጽሐ። እንሆ ካበይ ምዃኑ ዘይፈለጦ፣ “ኣታ ወዲ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ” ዝብል ድምፂ ሰምዐ፣ (መክ. 11፦9)። ዋላ እኳ ኪቕጽል እዩ ብምባል ጽን እንተበለ እቲ ድምፂ ግና ደሃዩ ኣጥፍአ። ናብዝን ናብትን እናጠመተ ባህ እናበሎ ናብ ውሽጢ ኣደባባይ እታ ከተማ ገጹ አምርሐ። ባህ ዝበሎን ዓይኑ ናብ ዝረኣዮን ሓጐስ ኪረኽበሉ እኽእል እየ ናብ ዝበሎን መገዲ ዘምበለ፣ ትምኒት ሥጋኡ እናፈጸመ ከኣ ኣብታ ከተማ ተቐመጠ። መባልዕትን መሳትይትን መዛውርትን ዝኾንዎ ብዙኃት ኣዕሩኽ ገበረ። ምስኣቶም ብምዃን ድማ ነቲ ኣብታ ከተማ ኣሎ ዚበሃል፣ ከሐጕሰና ይኽእል እዩ ዝበልዎ ቦታታት እናበጽሑ ዓንደሩ፣ ድኅሪ ጊዜ.. . ግና ኪጭነቕን ምስ ኣዕሩኽቱን ኪበኣስን ጀመረ። ነቲ ኵሉ ዝገበሮ ድማ ዕግበት ሰኣነሉ፣ “ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኵሉ ኣይከልከልክወንን ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን ልበይ ብዅሉ ፃዕረይ ይሕጐስ ነይሩ። ፃማ ኵሉ ጻዕረይ ግና እዚ ኮነ” እናበለ ከስተንትንን ከስተማስልን ምስ ገዛእ ርእሱ ክራገምን ጀመረ። (መክ. 2፦10)። “ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩርከም እተለበጠ ኣቕሓ” ዝብል ኃይለ ቃል ድማ ኣብ ኣእዛኑ ደወለ፣ (ምሳ. 26፦23)። ከምኡ ውን“ ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተ’። ዓለምን ፍትወታን ኃላፋይ እዩ” ዝብል ኣቦታዊ ማዕዳ ዘከረ። (1ይዮሐ 2፦15-17)። ብዝገበሮ ኵሉ ተጣዕሰ፣ ኵሉ ነገር ናይታ ከተማ ኣጽሊእዎ ዓቕሉ ኣጽበበ፣ ኣእምሮኡ ስሒቱ ከም ጽሉል በይኑ እናተዛረበ እግሩ ናብ ዝመርሖ ኪኸይድ ከሎ ሕዝቢ እታ ከተማ ካዕካዕ እናበሉ ኪስሕቕዎን ከባጭውሉን ከለ’፣ ጭንቀቱን ኃዘኑን ወሰኸ። <ካብ ሕዝቢ እዛ ከተማ ክርሕቕ ኣሎኒ> ዝብል ሓሳብ ድማ መጽኦ። ከም ኣተኣታትዋኡ ብህድኣትን ሓጐስን ዘይኮነ ብኃዘን ከም ዕቡድ እናጐየየ ከይተረድኦ ኣብ መውፅኢ ደገ ከተማ በጽሐ። ኪወፅእ ከሎ ሃንደበት “ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ። ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቕላዕን ክትክደንን ከኣ ፃዕዳ ክዳውንቲ፣ ምእንቲ ክትርኢ ኣዒንትኻ ክትኰሓለሉ ውን ኵሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ።” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ፣ ኣዋጅ ሰምዐ። (ራእ. 3፦18-19)። ካብቲ ዝነበሮ ሓሳብን ጭንቀትን ድማ ኣበራበሮ። ካበይ ከም ዝኾነን መን ከም እተዛረቦን ኪርኢ የማነ ጸጋም ጠመተ። ኣብ ከባቢኡ ግና ሰብ ዚበሃል ኣይነበረን። እቲ ድምፂ ካብ ወፃኢ እታ ከተማ ከም ዝኾነ ግና ኣስተውዓለ። ብጉያ ኸኣ ናብቲ ድምፂ ዚሰምዓሉ ገጹ ኣምርሐ። እንሆ ካብታ ከተማ ምስ ወፅአ። እታ ናብታ በራኽ ዓዲ እትወስድ ቀጣን መገዲን ጸባብ ኣፍ ደገን ብማዕዶ ተራእየቶ። ከምቲ ናይ መጀመርታ ዘይኮነ ኣፅዋሩ ዓጢቑ ናብኣ ተበገሰ። ኣብ ጕዕዞኡ ብዙኅ መከራን ሽግርን ፈተናን ኣጓነፎ፣ እናወደቐን እናተንሥ አን ተስፋ ከይቈረጸ መገዱ ቐጸለ። ድኅሪ ነዊኅን ኣድካም ን ጉዕዞ፣ ብድኻም እናላህልሀ ነቲ ተሪር ዓቐበት ወፅኦ። ንምእማኑ ዘጸግም ለምለም መሬት ኣብ ማእከሉ ድማ ብርሃና ኣዝዩ ዝደመቐ። ውቅብቲ ቤት ረኣየ፣ “ ንዑ እንጌራይ ብልዑ። ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። ብሕይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ኅደጉ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ” ዝብል ናይ ዕድመ ጻውዒት ካብታ ቤት ይወፅእ ነበረ። (ምሳ. 9፦5-6)። ቤት እግዚአብሔር ምዃና ከኣ ተረድኦ። ትብዓት ኪረክብ ኣይከኣለን። ኣብ መንጽራ ኮይኑ ድማ ብግምባሩ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። “ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኪሓብኣኒ። ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ ንእግዚአብሔር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ ውቃበ እግዚአብሔር ንምርኣይ መቕደሱ ውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክነብር ደልየ ኣሎኹ” እናበለ ብዓውታ መዝሙር ዳዊት ዘመረ። (መዝ. 27፦5)። ለካስ እቲ ዘብለጭልጭ ኵሉ ወርቂ ኣይኮነን እናበለ ውን ከስተንትን ጀመረ፣

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል ።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ መጽሔተ ቃል ጽድቅ

Comments are closed.