በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ኣርብዓ (40) መዓልቲ እዩ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ኣብዚ ውሽጢኣርብዓ መዓልቲ ንደቂመዛሙርቱ እንዳተገልጸ ቡዙሕ ምሥጢርን ሥርዓተ ሓዲሽ ኪዳን ኣምሂርዎም እዩ። ዝተመኃርዎ ክሕልዉን ንመላእ ዓለምወንጌለ መንግሥቱ ከስፋሕፍሑ ትእዛዝ ኂብዎም ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድሕሪ ምትንሥኡ ሽዑ ዕለተ ዕርገቱ ዘይገበሮ ስለ ብዙሕ ምኽንያት እዩ። እቲ ቀንዲምኽንያት ንደቂ መዛምርቱ ትንሣኤኡ ከረጋግጸሎም ምእንቲ እዩ። ቅዱስ ሉቃስ “ ህያው ምዃኑ ርእሱ ከም ዘርኣዮም ” ከም ዝበሎ ኣብ ግ.ሓዋ.1፣3።ዝተወለድ መከራ መስቀል ዝተቀበሎ፣ ዝሞተ ዝተንሥአ እሱ ምዃኑ ምእንቲ ከረጋግጸሎም ንኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ደቂመዛሙርቱ ተስፋ ቆሪጾም ስለዝነብሩ፣ ሙስን መቓብርን ከምዘይረኸቦም ከምቲ ዝበሎ ከምዝተሥአ ከጸናንዖም ምእንቲ ጸንሐ። ሓደ’ውን ክብሪትንሣኤ ከመይ ከምዝኾነ ከርእዮም ምእንቲ ጸኒሑ። ካልእ’ውን ሞት ድሕሪ ሕጂ ዘፍርሕ ከምዘይኮነ ከርእዮም ምእንቲ ጸኒሑ። ወእለ ዘተርፈ።ኣብዚኦም ኣርብዓ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ ብምትሥኡ ምስኦም ብምብላዕን፣ ንኽድህስስዎን ከረምስስዎም ብምፍቓድ ኣረጋጊጽሎም።
ካብ ሰማይ ኃይሊ ክሳብ እትረኽቡ ኣብ ኢዮርሳሌም ጽንሑ። ሉቃ.24፣49።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንሓዋርያት ካብ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ሓደ መጸናንዒ ከሣቴ ምሥጢር መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝለብሱኣብ ኢዮርሳሌም ክጸንሑ እዩ። ንዚ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ብዝተርጎሞ ቀዳማዊ ድርሳኑ ከብራርሆ ከሎ << ሓደ ወትሃደር ናብኩናት ክኸይድ ከሎ ዘድልዩ ዕጥቂ ከይተዓጠቀ ናብ ኩናት ኣይወርድን እዩ። ሓንቲ ሠረገላ ኪኢላ መራሒ እንተዘይብላ ኣይትኸይድን እያ። ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኃይለ መንፈስ ቅዱስ ከይተዓጠቑ ናብ ዓለም ክኸዱ ኣይገበረን። እዚ ከኣ ዓለም ሲዒራ ከየተትርፎምእዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዳግማይ’ውን ሓዋርያት ናብ ኣህዛብ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ኢዮርሳሌም ወንጌለ መንግሥት ምምኃር ዝንበሮም ሰባት ስለዝነብሩእዮም። ዳግማይ ወገናቶም ከይምኃሩ ባዕዳን ከምኅሩ ከይዶም። ኢሎም ዳሕራይ መናፍቃን ምኽንያት ከይረኽቡ ኢሉ እዩ። ዳግማይ’ውን ብሉያትእዮም’ሞ “ ንሕናውን ድኹማት ኰይንና ከለና ንኃያላት ምእማን ከመይ ንኽእል?። ብቁጽሪ ብጣዕሚ ንእሽቶ ከለና ከመይ ንዓለም ኩሉ ምእማንከመይ ጌርና ምምኃር ይከኣለና። ኢሎም ፍርሓት ከየሓድሮም ፣ ንፍርሓት ዘርሕቅ ኣጸናንዒ ብርትዐ ዝኅብ መንፈስ ቅዱስ ከምዝልእኸሎምስለዝፈተወ እዩ። ይብለና ። ኣብ ትርጉሙ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ።
ዐርገ እግዚ አብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን
ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ናብዚ ምድሪ ዝመጻሉ ዓላም ወዲኡ ምርኮ ማሪኹ ናብ ዝቀደመ ክብሩ ዝተመለሰሉ እዩ። ምርኮዝተባሃልና ንሕና ኢና። እዚ ከኣ ከመይ እዩ እንተኢልና፣ ብዝበደልናዮ በደል ምኽንያት ን5500 ዘመናት ዝኣክል ኣብ እግረ ኣጋንንቲ እንዳተቕጥቀጥናኔርና። ክብሪ ንዕዑ ይኹን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝኸበረ ደሙ ቤዛ ኾይንና ካብ ጥንተ ጻላኢና ዲያብሎስ ነጻ ኣውጺእና። ናብጥንተ ተፈጥሮና መሊሱና፣ ካብ ሓጥያትና ነጻ ኣውጺኡና። ዳግማይ ደቁ ክንበኃል ፈቂዱልና ዓዲሉና። ዝሃበና ሥልጣን ደቁ ክንበኃል ጥራሕ ዘይኮነሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምኅር ከሎ “ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብ'ውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ ደየበ ዚብል ግና፡ ናብቲመዓሙቚ ክፍሊ ምድሪ'ውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያትዝደየበ'ውን ንሱ እዩ…..ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ድማ ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም'ውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” ኤፌ.4፣11-12።
ዳግማይ’ውን ምርኮ ዝብል ቃል ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ክትርጎም ከሎ ከምዚ ይብለና፣ “ብመስቀሉ ናብ ሲዖል ምውራድ ኣድኂኑና። ብናይ ኣቦናኣዳም በደል ኣብ ሲዖል ተኣሲሮም ዝነብሩ ጻድቃን ፈቱሑ። ካብ ሙታን ተፈልዩ ብዝተሥኦ ሓቐኛ ትንሣኤ ኣተንሢኡና ። በሪ ንስሓ ከፊቱልና። ” ሃይ.አብ.36፣30። እዚ ቃል ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሰማምዐ እዩ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማያት ዝዓረገ ድሕሪ እዚ ምርኮ እዩ። ንሕናውን በዚ ቃል ጸኒዕና እንተጸኒሕና፣ ዳግማይውን ናብ ምርኮዲያብሎስ እንተዘይተመሊስና ናይ ልዕሊ ቅዱሳ ሓዋርያትን ካልኦት ቅዱሳን ጸጋ ከመዘይፍለየና ኣረጋጊጹልና እዩ።
ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣ ጥምቀቱ፣ ሕማሙ፣ ሞቱ፣ ትንሣኤኡ፣ ዕርገቱ፣ ወእለ ዘተረፈ ወዝቢ ዝመጸ ዘየኮነ ኣቀዲሙብነብያት ትንቢት ዝተነግረ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ““ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን - ” ዝበሎ ነዚ እዩ /መዝ.፵፮ (፵፯)፥፭)መዝ.46-5።/፡፡
በዚ ቃል ብዙሕ ቁምነገር ንመኃር። ሓደ ብመሎኮታዊ ባህርይ “ ኣብዚ ኣሎ፣ ኣብዚ የለን ።” ዘይበኃል እግዚአብሔር “ዕረገ ” ምባሉ ብዝለበሶ ሥጋምኻኑ የረደኣና። ካልኣይ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርይ ኣምላኽነት ንዝጠራጠሩ ኩሎም ግሩም ዝኾነ ትምህርቲ ዝኅብ እዩ።
ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገቱ ክንገርን ክግለጽን ዘይከኣል እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ናይ ምስጋና ሰልፊ ብጣዕሚ ዘደንቅ ሰማያዊ ሰልፊዝተዓጀበ እዩ ዝነበረ። ንጸላኢና ዲያብሎስ ቀቲሉ ብዓወት ዝዓርግ ዝነበረ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብብነገዶምኮይኖም ብሰልፊ ዘሚሮምሉ እዩም። ሰማያዊ ውዳሴ ኣቅሪቦምሉ እዩም።
ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብዛዕባ እዚ ኣስፊሖም ገሊጾሞ እዮም። ካብ ብዝሑ ብውሕዱ ፣ ካብ ነዊሕ ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዝዓረገሉ ቦታ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብርሃናዊ ስዋስው ተዘርግሐ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ’ውን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንቅዱሳን ሓዋርያት ባሪኽዎም። ኢፍ ኢሉውን ጻጋኡን ሥልጣንን ኂብዎም። ኣብ ዕሊ ኪሩቤም ዝተጻዕነ ብርሃናዊሠረገላ ናብ ሰማይ ወረደ። ምስኡ’ውን ኣእላፋት ወትእልፊት ቅዱሳን መላእኽቲ ነበሩ። ሽዱሽተ ክንፊ ዘለዎም ሱራፌል’ውን ሓቢሮም ነበሩ።ብጣዕሚ ብዝምስጥ ጥዑም ዜማ ብርሃናዊ ቃላት’ውን ኩሎም በብሥርዓቱ የመስግንዎ፣ ይውድስዎ፣ ይቅድስዎ ነበሩ። ምስዚ’ውን ንልቢ ዝሰርቅ ነይመለከት ድምጺ ብብሥርዓቱ ይስማዕ ነበረ። “ብሩክ ውእቱ እግዚአብሔር እምቀዳሚ ወእስከ ለዓለም አሜን” እንዳበሉ ዘመስግኑ ነበሩ። ካሎኦትቅዱሳን መላእክቲ ከኣ በብእብረ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ሰማያተ ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ ፤ ሆሳዕና በአርያምዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እንዳበሉ የመስግኑ ነበሩ ። ዳግማይ ካል ኦት’ውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስእግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ሰማያተ ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ ፤ ሆሳዕና በአርያም ዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመእግዚአብሔር” እንዳበሉ የመስግኑ ነበሩ። ዳግማይ ካል ኦት’ውን “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር እምይእዜወእስከ ለዓለመ ዓለም አሜን”
ብእብረ ካል ኦት ቅዱሳን መላእኽቲ’ውም “ቅዱስ አንተ እግዚአብሔርቅዱስ አንተ ኦ ኃያል፡ ቅዱስ አንተ ኦ ሕያው፡ ዘኢይመውት መሐረነ” እንዳበሉይውድስዎም ይቅድስዎም ነበሩ። ካልኦት’ውን ”ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን። ” እንዳበሉየመስግንዎ ነበሩ ።
ልዕል ኢሎም ዝነብሩ ድማ ግሩምን ነጎድጋዳዊ ብዝኾነ ድምጺ“አርኅዉኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለ እመፍጥረት ወይባእ ንጉሥ ክብርወስብሐት” ኢሎም ዠመሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ብርሃንዊ መንጦላዕትዝነብሩ ማኅበረ ልዑላን “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት ” ክብሉ ሓተቱ። እቶም ዝቀደሙ ድማ“ዝንቱ ውእቱ እግዚአብሔር ኃያል ውጽኑዕ ” ክብሉ መለሱሎም። ድሕር’ዚ ከኣ ቃላተ መኳንንት ወሥልጣናት ኃይላት ተሰምዐ ከምዚ ከኣ በሉ“አርኀዉ ኆኃተ መኳንንት ወይትረኃዋ ኆኀት እለ እምፍጥረት ወይባእ ንጉሠ ክብር ስብሐት፡፡ ” ቀጺሉ’ውን ካብ መናብርት ኣጋዕዝት ካልእ ድምጺተሰምዐ ። “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት ። ” ካልኦት ከምዚ ክብሉ መለሱ “ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ክብር ዐቢየ እስከ ለዓለመ ዓለመ፡፡ ” ኩሎም ንልቢ ብዝምስጥ ጥዑመ ዜማ የመስግኑ ነበሩ። ብርሃናዊ ትዕይንትን ጥዑም ናይ ዕጣን መዓዛ ካብ ዝሓዝዎ ሙዳይ ይወጽእ ነበረ።
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንዓዓ ኢሉ ኣብ ዝተተኽለ ብርሃናዊ ደብተራ (ድንኳን)ነበረት። ንቅዱሳን ሓዋርያት ድሕሪ ምዝራቡ ናብኣዲኡ ወላዲቱ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከይዱ። ምድሪ ተንቀጥቀጠት። ኩሎም ሰገድሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብሰማያዊ ሠረገላ ደየበ። ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ብዝመርሖም እልፍ ኣእላፋት ሠራዊተ ሰማይ ብኹሉ መዓዝናትበብመልክዖምን ነገዶምን ሥርዓቶምን ቆይሞም (ተሰሊፎም) ኢሎም ነበሩ። ኣቤት ኣብቲ ዕለት ዝተረኣየ ሰማያዊ ሰልፊ ውዲ ሰብብ ብድኹም ቋንቋፈጹሙ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ኣምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ” /መዝ.፵፮ (፵፯)፥፭ መዝ.46 (47)፥5። ዝበለና ነዚ ግሩም ምሥጢር ርእዩ እዩ።
ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ፍጹም ዝተፈለየ እዩ።
ቅድሚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ናይ ሰማይ ዝወጹ ወይ ዝዓረጉ ዝተወሰዱ፣ ከሙኡ ከኣ ዝተሰወሩ ቅዱሳን ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ናይጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ግና ካብዚቶም ዝተፈለየ እዩ። ናይ ጐይትና ዕርገት ከም ሄኖክ ብምስዋር፣ ከም ኤልያስ ብእሳት ሠረገላ ዝተፈጸምኣይኮነን። ቅሱ ጳውሎስ ስጋብ ሳልሳይ ሰማይ ዝተወስደሉ ዓይነት’ውን ኣይኮነን።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክዓርግ ከሎ ሓጋዚ ( ኣዕራጊ) ኣየድለዮን። ቅዱሳን እንተዓረጉ ፣እንተተሰወሩ፣ እንተተወስዱ እግዚ አብሔር ብዝኃቦም ጸጋእዩ። ብዘይ እግዚኣብሔር ዋላ ሓንቲ ነገር ምግባር ኣይከኣልን እዩ። ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስን ናይ ኤልያስ ዕርገትእንዳነጻጸረ ክዛረብ ከምዚ ይብል። “ ከምዚ ድምጺ ኣምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ (ደየበ)።” ዓረገ ኢሉ ቅዱስ ዳዊት። እሱዐረገ ኢሉ እምበር መላእኽቲ ኣዕሪጎሞ ኣይበለን። ብቅድሚኡ መገዲ ዝመርሖ ኣይድለዮም። በቲ ጎደና ባዕሉ ዐሪጉ እምበር። ኤልያስ ከም ኢየሱስክርስቶስ ከምዚ ክገብር ኣይከኣለን። ናይ ኤልያስ ባህርይ በዚኣ መገዲ ክዓርግ ኣይከኣለን። መላእኽቲ ናብቲ ዝተኣዘዝዎ መገዲ ወሲዶሚ እምበር።ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ግና ንመላእኽቲ ዝፈጠረ እዩ እሞ ብሥልጣኑ ዐረገ። ስለዚ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሓዋርያትመጽሓፉ ናይ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ኣንቃዕዲዎም ይርእዩ ነብሩ እንዳበለ ዝነገረና፣ ኣዕሪጎሞ ኣይበለናን። ወይ ተሰኪሞሞኣይበለናን። ኣዓረገሉ ቦታ ናቱ ገንዘቡ ስለዝኾነ።” ሃይ.አበ. 67.12-14።(፷፯፡፲፪-፲፬) ። ሄኖክ’ውም እንተኾነ ። “ እግዚ አብሔር ስለዝወሰዶ ።” እዩተባኂሉ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ኣይዓረገን።
ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብርቀት ዘይኮነ ብርሕቀት እዩ ዝተፈጸመ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሰማይ ዝዓረገ ብብቁሩን እንዳረሓቀ፣ ልዕል ልዕል እንዳበለ እዩ ናይ ሰማይ ዝዓረገ እምበር ብርቀት (ረቂቅ) ብምኻን ኣይኮነን። እዚ ማለት ኣቀዲሙ ዝተዋሃዶ ባሕርይና (ግዝፉነቱ) ኣጥፊኡ ዘይኮነ ምስ መለኮታዊ ባሕርዩ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝኾነግዙፍነቱ ከይገደፈ ካብ ዓይኒ እንዳረሓቀ ብምውጻእ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኣዒንቶም ናብ ሰማይ ኣልዒሎም ዝርእዩ ዝነብሩ ነዚ እዩ። ድሕሪተዋህዶ ምንታዌ ( ክልተነት፣ ምፍልላይ) የለን። ከምቲ ኣቀዲሚ ኣብ ላዕሊ መእተዊ ዝተገልጸ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቱክድህስስዎ ዝገበረሉ ምኽንያት ሓደ እዚ እዩ። ስለዚ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብርሕቀት ( እንዳረሓቐ ብምኻድ) እምበርብርቀት (ብምርቃቅ) ኣይኮነን።
ወነበረ በየማነ አቡሁ
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ዳዊት ኣቀዲሙ ከምዝበሎ “ ጐይታ ንጐይታይ ብጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳብ ዝገብሮም ኣብየማናይ ተቐመጥ። ” መዝ. 110፣1። ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ትንቢት ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ኣምኂሩ።
እብ.10፣12። “ ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕድሱ ብሓንቲ መሥዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፣ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መሥዋእቲ ስለ ሓጥያት ምስኣቕረበ፣ እቶም ጻላእቱ መርገጽ እግሪ ክሳዕ ዚኾኑ እንዳተጸበየ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። ”
እዚ ማለት ወልደ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእት ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ዕርገት ብየማነ አብ ምቕማጡ ዘረድእእዩ። ቅድሱ መጽሓፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ የማን አብ ተቐሚጡ ክብል ከሎ ። ማር. 16፣19። እብ.1፣3። እብ.8፣1። ንሕናደጋጊምና ናብ ዝቀደመ ክብሩ ተመሊሱ ምባልና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ምምልላሱ ምዝራብና እምበር ካብ ባህርይመለኮቱ ተፈልዩ ይፈለጥ ምባልና ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣለና።
ኣካላዊ ቃል ናብዛ ምድሪ ወሪዱ ክንብል ከለና ሙሉእነቱ ከይገድፈ ወልድ ብዝተፍለየ ኣካሉ ካብ ናይ ባሕርይና መመክሒት ዝኾነት ኣዴና ቅድስተቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካን ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ (ተዋህዶ) ብሓጺር ቁመት ብጸባብ ደረት ተወሲኑ፣ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፣ ስለ ድኅነትናዝመጸ ምኻኑ ምዝራብና ምኻኑ ኩሉ፣ ወጺኡ ክንብል ከለና ዝመጻሉ ዓላማ ፈጺሙ ንዝተዋህዶ ሥጋን ነፍስን ከይገደፈ ስለንዓና ክብሪ ከምዝዓረገምዝራብና እዩ። ጳምደ ሃይማኖት ዝተባኅለ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ናይ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌል ኣብ ዝተርጎሞ ኣብ መበል 24 ምዕራፉ ብዛዕባ እዚክዛረብ ከሎ “ ንደቂ መዛሙርቱ ድሕሪ ምብራኹ ናብ ሰማይ ዐረገ። በየማን ኣቡኡ’ውን ተቐመጠ። ዝተቐመጠ’ውን ብባሕርየ መለኮቱ ጥራሕኣይኮነን፣ ብዝተዋህዶ ሰውነት’ውን እዩ እምበር ፣ ኣካላዊ ቃል ባሕርይና ክወሃድ ከሎ ንዓና ናብዚ ክብሪ ንምምላስ ስለዝነብረ እዩ። … እግዚአብሔርከሎ ስለና ሰብ ኮነ። ብፍቓዱ መከራ መስቀል ብዝተዋህዶ ሰውነት ተቀቢሉ። ብዝተዋህዶ ሰውነት ሙስን መቓብርን ኣጥፊኡ ካብ ሙታን ተፍለዩተሢኡ። ብዝተዋህዶ ሰውነት’ውን ዐረገ። ኣብ ሕያዋንን ሙታን ክፈርድ ከኣ ዳግማይ ብክበበ ትስብእት ክመጽእ እዩ። ሉቃ፣24። ትርጓሜ ዘቅዱስቄርሎስ።
“ ተቐመጠ ” ክበኃል ከሎ ንመለኮት ምቅማጥን ምትንሣእን ኃልይዎ ኣይኮነን። ካብ ክብሩ ሪሒቑ ካብ ጸጋኡ ዓሪቑ ዝነበረ ባሕርይና (ሥጋ) ብተዋህዶምስ መለኮት ምኽብሩ ምዝራቡ እዩ እምበር። ናይ መለኮት ገንዘብ ንሥጋ ከምዝኾነ ምዝራቡ እዩ። “ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ኡኣቕመጠና። ” ኤፌ.2፣6። ዝተባኅለ ነዚ እዩ።
ዕርገቱን ንሕናን
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ተሢኡ ብምዕራጉ ዝረኸብናዩ ጸጋ ከምዚ እዩ ተባኂሉ ብሓጺር ቃላት ኣይግለጽን እዩ።ብዕርገቱ ተስፋና ጽኑዕ ኮይኑ እዩ። ፍጹም ዝኾነ ክብርውን ረኺብና ኢና። “ ሓመድ ኢኻ’ሞ ” ተባኂሉ ተፈሪድዎ ዝነበረ ባሕርይና ብናይ ኣምላኽናጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ኣብ የማነ አብ ተቐሚጥና ኣዚና ከቢርና ኢና። ሊቕ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ “ ክርስቶስ ንሥጋኡ መሥዋእቲ ጌሩ ኣቅረበ። ሊቀ ካህናትና እዩ ኣሞ ናቡኡ ዘቕረበና ብሥልጣኑ ስለዘዕረጎ ስለ ሥጋና ደምን ናብኡ ምቅራብእንተተኻኢሉ ካብዚ መሥዋእቲ ዝተላዕለ አብ ኣደነቀ። ብየማናይ’ውን ተቐመጥ ኢልዎ ። እዚ ሥጋ ቀዲሙ ንስኻ መሬት ኢኻ፣ ናብ መሬት’ውንክትምለስ ኢኻ ዝብል ኣዋጅ ሰሚዑ ነበረ። ሎሚ ግና ነዚ ሥጋ ኣብ ሰማያት ጥራሕ ብምኻን ኣይኣኸሎን። ኣብ ቦታ መላእኽቲ ጥራሕ ኣይተወሰንን።እዚ ክብሪ ጥራሕ ኣይበቅዖን። ልዕሊ መላእኽቲ ኮነ ፣ ልዕሊ ሱራፊኤውን ኮነ፣ ወጺኡ ልዕሊ ሊቃነ መላእኽቲ ኮይኑ እምበር። ኣብ መንጎ ሰማይምምድርን ዘሎ መጠን ርሕቀት ኣይትፈልጦን᎒ ንዓ ሕጂ ካብ በርባሮስ ጀሚርካ ሥፈር፣ ኣስተውዕል። ኣብ መንጎ ገሃነም’ውን ምድርን ዘሎ ናይ ርሕቀትመጠን ክንደይ ይኸውን ᎒ ዳግማይ’ውን ካብ ምድሪ ክሳብ ጠፈር ዘሎ ርሕቀት ሥፈር ኣስተውዕል። ካብዚ ሰማይ ስካብ ካልኣይ ሰማይ ዘሎ ናይርሕቀት መጠን፣ ካብ ካልኣይ ሰማይ ክሳብ ሳልሳይ ሰማይ ዘሎ ናይ ርሓቀት መጠን፣ ብሰማያውያን መላእኽቲን ኣብ ኣርያም ብዘሎዉ መልእኽቲንኣብ መንጎ መንበረ መንግሥቲ ዘሎ ናይ ርሕቀት መጠን ክንደይ ዝኣክል እዩ ᎒ እግዚአብሔር ናትና ባሕርይ ካብዚኦም ኩሎም ናይ ርሕቀት መጠንኣልዕል ኣቢሉ ኣቐሚጡና። ቀዲሙ ሰብ ካብዝወረዶ ቦታ ንታሕቲ (መሬት ካብ ምኻን ዝንእስ) ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ሎሚ’ውን ሰብ ካብዝወጽኦንላዕሊ ( ኣምላኽ ካብ ምኻን ዝበልጽ) ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ቀዲሙ ሓመድ ስለዝነበረ። እዚ ዝዛረብ ዘለኹ ባሕርይና ንምንቃፍ ኣይኮነን፣ ካብዘይዛረቡ ግዑዛን እንስሳ ፍልጠትና ስለዘነኣሰ እዩ እምበር። ” ሃይ.አበ. 68. 23-28። (፷፰፡፳፫-፳፰)።
ዳግማይ’ውን ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ ኣብ ካልእ ኣንቀጹ ከምዚ ይብል “ ኣስተውዕል ካብዚ ኣብ የማነ አብ ምቅማጥ ዝበለጸ ነገር እንታይ ኣሎ ᎒ልዕሊ ዓሳ ቃሉ ዘይስማዕ ዝነበረ፣ መጻወቲ ኣጋንንቲ ዝነበረ ሰብ ናብዚ ዝለዓለ መዓርግ ልዕል ኣቢልዋ። እዚ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ደጊ ክብሪ እዩ። ” ሃይ.አበ. 67.22 ። (፷፯፡፳፪)፡፡ ንዘይምርመር ነዚ ክብሪ አንክሮ ይግባእ። ትሕቲ ኩሉ ጻጸ ኮለና ልዕሊ ኩሉ ጌሩና።
ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን “ዐርገ እግዚአብሔር ከመ ያለቡ ዕርገተ ጻድቃን ፣ እግዚአብሔር ዕርገተ ጻድቃን ንኸረድእ ምእንቲ ዐረገ። ” ከምዝበሉ ናይጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ንዓና ንምእመናን ዓቢ ተስፋን ብሥራትን ዝኃበ እዩ። ንዕዑ መሲልና ተንሢእና ናብ ላዕላይ ሃገርናኢዮርሳሌም ሰማያዊት ንዓርግ።
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብና ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት እዩ። እዚ ብምኻኑ ሓዋርያ ቅዱስ ንሰብአ ኤፌሶን ከምዝተዛረቦኤፌ.2፣7። ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ቦታ ተቀሚጥና ኢና እሞ ሰማያዊ ግብርና ገዲፍና ምድራዊ ግብሪ ጥራሕ ክንሕዝ የብልናን። ብጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ክብሪ ዳግማይ ከነርስሖ የብልናን። ቤተክርስቲያን ዘወትር ኣብ ቅዳሴኣ ፣ “ ላዕለ ይኩን ኅሊናክሙ፥ በሰማይየሀሉ ልብክሙ፥ አእምሩ ኀበ ትቀውሙ፥ ስምዑ ቃለ ጽድቅ ወአስምዑ ዜና ሰናይ።” እንዳበለት ተዘኻኽረና ነዚ እዩ።
በዓለ ዕርገት ድሕሪ ትንሣኤ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ዝውዕል እዩ። ኩሉ ግዜ ከኣ ካብ ዕለት ሓሙስ ወጺኡ ኣይፈልጥን። ካብ እተን ዓበይቲ ናይጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓላት ከኣ ሓደ እዩ።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብዕርገቱ ዕርገተ ልቦና ይኃበና። በረከትን ኣማላድነትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
ምንጪ ፣
ጦማር ማዕዶት
መቕረዝ ዘተዋህዶ