በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ
ሐ/ ዓቢይጾም(ጾመኣርብዓ)
እዚ ጾም እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እዩ።ዓቢይ ጾም ምባሉ እውን ጐይታ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነን ካብቶምዘለው ኣጽዋማት ብብዝሓት ቁጽሪ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ስለዝኾነን ከምኡውን ብዘለዎ ምሥጢርን እዩ። ጐይታ ብዘመነ ሉቃስ ብ11 ጥሪ ሠሉስ ፍርቂለይቲ ኣብ ሳላሳ(30)ዓመት ብማየ ዮርዳኖስ ብኢድ ባርያኡ ዮሓንስ ምስ ተጠመቐ ከይወዓለ ከይሓደረ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትንጾመ። ሽዑ ዲያብሎስ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበኃሉ ተፈታተኖ።
3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝተባህሉ÷
1,ስስዕቲ (ዘይተዋህበካ ምድላይ)፥
2,ትዕቢት (ኣምላኽነት ምድላይ)፥
3,ፍቕሪ ገንዘብ (ይኣኽለኒ ዘይምባል) እዮም።
መጀመርያ እቲ ፈታኒ መጺኡ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ደኣ ኮይንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል"በሎ።ዲያብሎስ÷ኣቐዲሙ ጐይታ ኣብ ሩባዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ፥እግዚአብሔር ኣቦ"ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዝፈትዎ ዝወልዶ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ"ክብል ሰሚዕዎ ነበረ እሞ፥ነዚ ሒዙ ወዲእግዚአብሔር እንተድኣ ኮይንካስ…ብማለት ፈተናኡ የቕርብ። ነቲ መጀመርታ ፍጥረት ሰብ ዝኾነ ኣዳም ዘስሓቶውን ብብልዒ ምኽንያትስለዝነበረ፥ቅዱስ ወንጌል ከም ዝበሎ ክርስቶስ ምስ ጠመየ፥ሕብስቲ፡እንጌራ ርእዩስ ግዲ ይስሕተለይ ይኸውን ኢሉ"እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹናበል"በሎ።ዲያብሎስ ምስ እዚ ካልእ ክፉእ ዝኾነ ስውር ተንኮውን ኔሩዎ እዩ።ንሱ ከኣ"ከምዚ ኣቕሪበሉ ዘለኹ፥'እንተ ደኣ ፈጺሙዎ'ናይ ሰይጣን ተኣዛዚከብሎ እየ፥እንተዘይገበሮ ከኣ" ድኹም እዩ ከብሎ"እየ።ድሕሪዚ ድኻሙ ርእየ ይቐርቦ"ዝብል ነበረ።ጎይታ ግና ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ ኮይንካ ንዝርከብብልዒ(ረብሓ)ብምንቃፍ"ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ"ኢሉመለሰሉ(ዘዳ8፥3)።ሰብ ዝድሕን ውጽኢት ሓረስታይ ብዝኾነ እንጌራ ጥራይ ዘይኮነ፥በዓቂበ ሕጊ፥ብትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር እውን እዩ ማለቱ እዩ።
*መግለጺ÷ንሰብ እንስሳዊ ባህሪይ፥ መንፈሳዊ ባህሪይ ኣለዎ። እንስሳዊ ባህሪኡ ካብ ማይ ካብ ምግቢ እንተተኸልከለ ማለት እንተዘይበልዐንእንተዘይሰተየን ኣብ ሞት ይበጽሕ።ከምኡ መንፈሳዊ ባህሪኡ ድማ ካብ ቃል እግዚአብሔር እንተተኸልከለ ማለት ቃሉ ካብ ምስማዕ፥ንሕጉ ካብምሕላውውን እንተረሓቐ፥ ናብ ሞተ ነፍስ ይበጽሕ፥ከመይሲ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ምግብን መንፈሳዊ ስቴንእዩ(ኣሞጽ8፥11)ተመልከት።ኣንድም፥"ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኮይንካስ በዚ ጠምዩ፥ደኺሙ ዘሎ ሰብነትካ እዘን ኣእማን ሕብስተሕይወት፥ሕብስተ መድሓኒት ይኹና በል"ምባሉ ዘመክት እዩ። ጐይታ ድማ ነዚ÷"ሰብ ዝድኅን ኣካላዊ ቃል ብዝተወሃሃዶ ሥጋ ደኣ እምበር፥ብናይ ዕሩቕብእሲ ሥጋ (ብናይ ተራ ሰብ ሥጋ)ጥራይ ኣይኮነን"ዚብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ ናይ ምምላሱ ዘመልክት እዩ።ከምዚ ጌሩ"ብስስዕቲ"እንተ መጽኦ ብትዕግስቲሰዓሮ(ማቴ4፥1-3)።
ሽዑ ንካልኣይ ግዜ ደጊሙ ከኣ ናብታ ቅድስቲ ከተማ (ኢዮሩሳሌም)ወሲዱ፥"ኣብ ላዕላይ ጫፍ ቤት መቕደስ ኣቖሞ። ሓደ’ውን በቲ ናይ መጀመርታዘቕረበሉ ፈተና ምስተሳዕረን ዘይኮነሉ ምዃኑ ምስ ፈለጠን ቀጺሉ ካልኣይ ግዜ"ብትዕቢት" ክፍትኖ ደለየ እሞ፥ብሓሳቡ"ንካህናት ፈቲነ ስዒረሉ ኣብዘይፈልጥ ገዳም ስለዝኾነ እዩ እምበር፥ንካህናት ኣብ ዝስዕረሉ ቤተ መቕደስ እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ"በለ።እዚ ከኣ ካህናት ኣእምሮናዓሚቕ፥መዓርግና ምጡቕ (ልዑል) እዩ"ብምባር ጾሮም ዕቢት ስለዝኾነ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፥ሓሳቡ ፈሊጡ ናብኢዮሩሳሌም ብምዃድ ናብ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ መቕደስ ወጽኣሉ።ሽዑ ኃይሉ ንምግምጋም ኢሉ እዩ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ድኣ ኮይንካስ፥እግርኻብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ክጾሩኻ፥ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፥እስከ ንታሕቲ ጽደፍ"በሎ። ካልእ ኣብዚ ዝነበረስውር ተንኮሉ ድማ፥"በዚ ጸዲፉ እንተተሰብረ ይዓርፍ'፥እንተዘይተሰብረ ድማ ምትኃት እዩ ከብሎ (ምትኃት እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ። ካልእ ከኣእንተገበሮ ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ፥እንተዘይገበሮ ድማ ድኹም ከብሎ ። (ዘይገበሮ ድኹም ስለ ዝኾነ እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ'በዚ ነገር እንተኾነውንንድኻሙ ምኽንያት ጌይረ ይቐርቦ እንተዘይኮነ ግን ብኻልእ መንገዲ ድማ ይፍትኖ" ዝብል ነበረ። ጐይታ ከኣ፥ነቲ እቲ ፈታኒ ዘቕረቦ ጽሑፍ፥ብጽሑፍመሊሱ÷'ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ። 'ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ" ብማለት ኣሕፈሮ። ከምዚ ኢሉ ብትዕቢት ንዝመጽኦ ብትሕትና ስዓሮ። (ማቴ4፥4-6)።
ሳልሳይ ግዜ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሲዱ፥"መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉክኅበካ እየ" በሎ።ኣብ ኩሉ" ወሰዶ ወሰዶ"ማለቱ ተገዲዱ ምዃዱ ዘመልክት ኣይኮነን፥ሓሳቡ ንምርኣይ ባዕሉ ስለዝኸደሉ እዩ።ንሱ እቲ ፈታኒ በቲዘቕረቦ ካልኣይ ፈተና’ውን ምስ ሓፈረን ምስ ተሳዕረን፥ ንነገሥትታት ክስዕረሉ ኣብ ዘይክእል ኣብ ቤተ መቕደስ ስለዝኮነ እምበር፥ ነገሥትታት ኣብዝስዓርሉ ኣብ እምባ (ብስልጣንን ፍቕሪ ገንዘብን) እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ ስለዝበለ፥ጐይታ ድማ ሓሳቡን ፍቕዱን ፈሊጡ ከደሉ። ኣብኡ ከኣከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ክብርታቱን ኣርእዩ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኩሉ ኽኅበካእየ"በሎ። ንጉሥ ብመንግኅቱ ሰብኣይ ድማ ብሰበይቱ ከም ዝቐንኡ፥እግዚአብሔር ኣምላኽ እውን ብኣምላኽነቱ ቀናእ ስለዝኾነ ። ዘጽ.20፥3-5 )። ሽዑጐይታ" ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ስገድ፥ንዕኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን"ኢሉ ገሰጾን ኣባረሮን። (ማቴ4፥7-10)። ሓደ’ውን፥ካብቶም ደድሕረይ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ማለቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ ድያብሎስ ርሓቕ ምስ በሎ፥ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ኣብዚ’ውን ብፍቕሪገንዘብ እንተፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ሰዓሮ። ጐይታ ንድያብሎስ ዝሰዓሮ ብሰብነቱ እምበር ብኣምላኽነቱ ኣይነበረን።ብኣምላኽነቱ ስዒርዎ እንተዝኸዉንጾሙ ዝድነቕ ኣይምኾነን ኔሩ። ብኃይሉ ምስ ኣምላኽ ክማዓራረ ዝኽእል ኣካል’ውን የልቦን።
እዚ ጾም እዚ ጐይታ ዝጾሞ ጾም ምዃኑ ርኢና፥ኮይኑ ግና" ሎቱ ስብሐት"ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ፥ከምቲ ንሕና ኃጢኣት ኃልዩናሥርየት ክንረኽበሉ፥ ትሩፋተ ጽድቂ ክኾነና፥ ክንባረኽ፥ ክንቅደሰሉ ኢልና እንጾሞ ዘይኮነ ንዓና ኣርኣያን ስሌናን ዝጾሞ እዩ። ብዛዕባዚኣቐዲሙ÷"ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማኃሩ ኪኾኑ እዮም። "ተባኂሉ ትንቢት ተነጊሩ እዩ። ኢሳ.54፥13። ዮሓ.6፥45/) ረኣ። ካልእ ጐይታ ባዕሉውን "ካባይ ተምኃሩ። "ኢሉ ኣሎ:: (ማቴ11፥29)።
መምህር ብቃልን ብግብርን ክምህር ይግባእ።ብሓፈሻ ሓደ ክርስትያን እየ ዝብል ነዚ ክልተ ማለት ቃልን ተግባርን ከም ነፍስን ሥጋን ኣዋሃሂዲ ዝሓዘክኸውን ይግባእ። ጐይታ"እምበኣርሲ ካብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዘፍረሰ፥ከምኡውን ንሰብ ዝመኃረ፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንእሽቶ ክበኃልእዩ።እናፈጸመ ዝምህር ግና፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዓቢይ ኪበኃል እዩ"ዝበሎ ምእንቲ’ዚ እዩ። (ማቴ,5፥19)። ጐይታ ዝጾሞ እምበኣር ብኹሉ ንዓናኣርኣያ ንምኻንን ስሌናን እዩ።ብግብሪ ዝጾሞ እዚ ጾም እዚ እዩ፥ብቃል ድማ÷"እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ርኹስ መንፈስ ግና ብጸሎትን ብጾምንእንተ ዘይኮኑ ኣይወጽእን እዩ። "ኢሉ ናይ ጾም ጥቕምን ዕብየትን ምኂሩ ኣሎ።(ማቴ17፥14-21)።ንሕና ድማ ናቱ ሰዓብቲ፥ ኣባጊዑ ስለዝኾና ብዝኃበናትምህርትን ኣርኣያነትን መሠረት ጌርና ንጾሞ። ከመይሲ÷"እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ ይስምዓ እየን፥ድምጹ ስለዘለልያ ድማ ይስዕቦ። "ተባኂሉ ዝተነግረእዩ። (ዮሓ.10፥2-4)። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ፥"ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። " ዝበሎ’ውን ነዚ ዘጉልሕ ቃልእዩ። (1ይቆሮ11፥1)።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና፥ ንዓና ኣርኣያን ትምህርትን ዝጾሞ ጾም እዩ ክንብል ከሎና÷
v ስሌና
ጐይታ ስሌና 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እቲ ፈታኒ(ዲያብሎስ) መጺኡ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ማለት ብስስዕቲ፥ብትዕቢት ብፍቕሪገንዘብ ምስፈተኖ፥ ብስስዕቲ ንዝመጾ _ብትዕግስቲ፡
ብትዕቢት ንዝመጾ _ብትሕትና፡
ብፍቕሪ ገንዘብ ንዝመጽኦ ድማ_ ብመንኖ ጥሪት
(ገንዘብ ብምጽላእ)ንጸላኢና ኣሕፊሩ ዝሰዓረልና እዩ።
v ኣርኣያነቱን ትምህርቱን ድማ÷
ጐይታ ባዕሉ "ኣጀኹም ንዓለም ማለት ንዓለምን ፍትወታን ስዒረያ እየ። "ከም ዝበሎ። (ዮሓ.16፥ 33።እዚ ኣርባዓ ጾም ጐይታ ዝጾሞ እዩ ኢልካ ብኣድናቖት ጥራይ ዝሕለፍ፡ወይ’ውን ምንም ከይሠራሕካ ጐይታ ምእንታይ ንድያብሎስ ምስዓሩ ኣኻሊ እዩ ዝበኃል ዘይኮነስ፥ብ3ተ ኣርእስተ ኃጣውእተፈታቲኑኒ ከምዚ ጌረ ከም ዝሰዓርክዎ፥ንዓኻትኩም እውን ከምዚ ንድያብሎስ እትቃወምዎን ትስዕርዎን ንትዕግስቲ፥ ትሕትና፥ መንኖ ጥሪትገንዘብኩም እንተ ደኣ ጌርኩም ስለዝኾነ፥እንሆ ሰብ ኮይነ፥ብኹሉ ንዓኹም መሲለ። (እብ2፥16) መንገዲ ሂበኩምን ኣርኣያ ኮይነኩምን ኣለኹ ዝብልስለዝኾነ እዩ። ኩሉ ምንጪ ክፍኣት በዞም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ እዩ ዝጅምር።ስለዝኾነ ወዲ ሰብ ካብዞም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ እንተ ደኣ ተሓልዩብኻልእ ኣይስዓርን እዩ።
ጐይታ ከምዚ ጌሩ ጾም ንኃይሊ ድያብሎስ እነዳኽመሉ መንፈሳዊ ኃይሊን መሳርያን ምዃኑ የምኅረና።
v ካልእ÷ጐይታ 40 መዓልትን 40 ለይትን ክጸውም እንከሎ፥ቅድሚ ትምህርተ ወንጌልን ገቢረ ተኣምርን ምጅማሩ ንጾም ቀዳምነት ኂቡ እዩ።
በዚ ከኣ÷ከምቲ መብልዕ ንኃጢኣት መንገዲ ዝኾነን ዝኸውንን፥ከምኡ"ጾም"ድማ ናይ ጽድቂ ኹሉ መሠረትን መጀመርታ መንገድን ምዃኑ ሚኂሩና። "ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኹሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብርውን ብግልጺ ነገረና። ከምኡ’ውን ንኣዳም ዝተዋኅበት ናይመጀመርታ ሕጊ " ጾም " ምንባራ እሞ መሊሱ ከም ዘጽንዓ ከረድኣና እዩ። ……ወዘተረፈ…።ሓደ’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዝጾመ፥ምስ ጾመውን ጠመየ ዝበሎ " ለአጽድቆተ ትሥብእት " ማለት ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነን ወልደ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያምብትሥብእቱ ብተዋህዶ ዝኸበረ ኣምላኽን ሰብን ምዃኑ ንኸመልክት እዩ። እምበኣር ናይ ጾም ኣድላይነት ክሳዕ ክንድዚ ዓብይን ሓጋዝን ምዃኑ ተረዲእናኣብ ግዜ ወርሓት ጾም ክንተግህን ክንነቕሓሉን ይግባእ።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ።
ንምንታይ እዩ ጐይታ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾመ?
1/ ኣቦና ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ካብ ኣምላኹ ዝተቐበሎ ክብሪ ስለዝስጥፍአ ክብሩ ንምምላስ እዩ።
2/ ኣቐዲሙ ነብያት ዝጾምዎ ጾም ኣርብዓ ኣርብዓ እዩ። ጐይታ ድማ ጾሙ ካብዚ ዘይወሰኾን ዘይኣጉደሎን÷" ጎደሎ እንተ ዝገብሮ ኣጉደለ፥ዝያዳ እንተዝገብሮውን ወሰኸ"ኢሎም በዚ ምኽንያት ፈጢሮም "ኣይሁድ" ቅዱስ ወንጌሉ ካብ ምቕባል ንድሕሪት ምእንቲ ከይብሉ እዩ።
3/ ኣቦና ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ኦሪት ተቐበለ። ጐይታ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ወንጌል ሰሪዑእዩ እሞ፥ ምእንቲዚ ኮነ።
4/ እስራኤላውያን ድሕሪ'ዚ ናይ ብ70ን፥ብ80ን ዕድመና ዝምሰል ናይ 40 ዓመታት ጉዕዞ ሕይወቶም ናብታ ናይ ገነት መንግስተ ሰማያት ምሳሌዝኾነት ምድረ ርስቲ(ከንኣን)ከም ዝኣተውን፥ኣቦና ነቢይ ኤልያስ እውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ድሕሪ ምጻሙ ናብ ምድረ ህያዋን ከምዝተወስደን ከም ዝዓረገን፥ንስኻትኩምውን 40 መዓልትን 40 ለይትን እንተ ደኣ ጾይምኩም፥ "ገነት መንግሥተ ሰማያት ክትኣዉ ኢኹም ንምባል 40 መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።
5/ ኣቦና ዕዝራ 40 መዓልትን 40 ለይትን እኽሊ ካብ ምብላዕ ተኻልኪሉ (ጾይሙ) ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣጽሓፈ።"አንሰ በውእቶን መዋዕል ኢበላዕኩእክለ፥ወኢሰተይኩ ማየ።እሙንቱሰ መዓልተ ይጽሕፉ፥ወሠርከ ይዴረሩ"ከም ዝበሎ፥በቲ እዋን፥እቶም ጽሓፍቱ ቀትሪ ጽሕፍ ውዒሎም ምሸት ክበልዑእንከለው፥ንሱ ግን ነቲ ብቀትሪ ከጽሕፎም ዝወዓለ ብለይቲ ከስተንትኖ ይሓድር ነበረ እምበር ንኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እኽሊ ኮነ ማይኣይጠዓመን።ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት÷"ንሕጊ እግዚኣብሔር ብምእዛዝ ዚሕጎስ፥ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዜስተንትኖ ሰብ ብጹእእዩ።ንሱ ኸምታ በብእዋኑ ፍሬኣ እትህብ፥ቆጽላ ዘይነቅጽ፥ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦም እዩ።ዚገብሮ ኹሉውን ይሰልጦ"ማለቱ ምእንቲ’ዚእዩ(መዝ1፥2-3)።በዚ ከኣ ንስኻትኩምውን"40 መዓልትን 40 ለይትን እንተ ደኣ ጾይምኩም፥"ምሥጢር"ክግለጸልኩም እዩ ክብለና እዩ።
6/ ተመን ዕፋፎቱ ማለት ነቲ ዝኣረገ ቆርበት ሰብነቱ ክቅይሮ እንተደኣ ኾይኑ ኣቐዲሙ 40 መዓልትን 40 ለይትን ካብ ምግቢ ተኸልኪሉ እዩ።ድሕሪ’ዚናይ 40 መዓልትን 40 ለይትን ከኣ" በስቁረተ ዕጽ፥በስቁረተ እብን"ሰሊኹ ይሓፍ እሞ፥ሽዑ ተገፊፉ ይተርፈሉ፥ሓዱሽ ሰብነት ከኣ ይኸውን።ጐይታ ድማበዚ 40 መዓልቲ 40 ለይቲ እንተደኣ ጾይምኩም ተሐድሶተ ነፍስ (ሕዳሴ ነፍስ)ክትረኽቡ ኢኹም ክብል ንሱ ብዝፈልጦ ምሳሌ ጌርዎ ኣሎ።
ዓቢይ ጾም 55 መዓልታትን ሸሞንተ ሳምንትን ሰለስተ ምድባትን ዘለዎ ኮይኑ፥ኣከፋፍልኡ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።
1. ናይቶም55መዓልታትኣከፋፍላ÷
ሀ. ዘወረደ(ጾመሕርቃል)÷ እዚ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ዓቢይ ጾም መእተዊ ዘሎ ቀዳመይ ሳምንት እዩ።
ለ/ ናይ ጐይታ ጾም÷ካብ ቅድስት ክሳዕ ሆሳእና
ዘሎ 40 መዓልታት እዩ።
ሐ/ ጾመ ሕማማት÷ ኣብ መጨረስታ ናይዚ ዓቢይ ጾም
ናይ ክርስቶስ መከራን ስቓዩን
እናሓሰብናን እናዘከርናን እንጾሞ
ፍሉይ ሳምንት እዩ።
2/ ዝርዝር ስያሜ ናይቶም ኣብ ውሽጢ 55 መዓልታት ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከቡ ሸሞንተ ሳምንታት።
እዞም ኣብ ውሽጢ 55 መዓልታት ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከቡ ሸሞንተ ሳምንታት ነፍስ ወከፎም ስያሜን ምሥጢርን ዘለዎም እዮም።ናብቲ መንፈሳዊዝኾነ ምሥጢሩ ቅድሚ ምእታውና እምበኣር ዝርዝር ኣስማቶም ከምዚ ዚስዕብ ንመልከት÷
1ይ. ዘወረደ(ጾመ ሕርቃል)፥ 2ይ.ቅድስት፥ 3ይ.ምኩራብ፥
4ይ. መጻጉዕ፥ 5ይ.ደብረ ዘይቲ፥ 6ይ.ገብርሔር፥
7ይ. ኒቆዲሞስ፥ 8ይ. ሆሳዕና እዮም።
ሕራይ ካብዚ ቀጺልና ድማ ቀደም ተኸተል ጌርና ናብ ናይዞም ጠቒስናዮም ዘሎና ሸሞንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ምሥጢርን መልእኽቶምንክከ እግዚ አብሔር ፍቓድ ክንርኢ ኢና።
1/ ዘወረደ (ጾመ ሕርቃል) ÷
ይቕጽል… …
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
ዲን. ዓንደማርያም