በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡
ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተስቀለሉ መስቀል ኣበይ ኣሎ᎒
እዚ ሕቶ እዚ ንብዙሓት ተማራመርትን ጭዋታትን መልሲ ዘይተረኽቦ ግድል እኳ እንተኾነ ንቤተ ክርስትያንን ኮነ ንደቃን ግና ህላውነቱ ፈሊጣስ ዓመት ዓመት ኣብ መስከረም 17 ብክብ ዝብለ ብዓለት ተብዕሎ ኣላ። እዚ ብዓል እዚ ዝብዓለሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕጂ መስቀል ኣብዚ ኣሎ ብምባል ዘይኮነስ መስቀል ካብ ተሓቢእዎ ዝነበረ ብምርካቡ እዩ። እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ፥
“ነገረ መስቀሉ ለክርስቶስ”
ትውፈት ቤተ ክርስትያን ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ ጽሓፍትን ከምዝገልጾ፡ ቅዱስ መስቀልን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ዝሓደረሉ መቃብርን ድሕሪ ዕርገተ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ክርስቲያን ዓብይ ቦታ ነበሮም። ክርስቲያን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቀቢሩሉ ዝነበረ ዘውትር ይእከቡን ብመስቀሉ ኣደናቂ ተኣምር ይገበር ብንባሩ ኣይሁድ በዚ ተቆጢዖም ናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መቃብር ብምቅባር ቅዱስ መስቀሉ ካብ ኢዶም ብምንጣቅ ከምዝቀበርዎ ይነግር። 4ይን 5ይን ክፍለ ዘመን ዝነብሩ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ጽሓፍቲ ኣውሳብዮስ፡ ሶክራጥስ፡ ሶዞመኑስ ዝተባሁሉ ኣብ መጻሕፍቶም ከምዝጻሓፍዎ፡ ኣብ ክርስቲያን ዓብይ ቦታ ዝነበሮ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መቃብር ብምድፋን ኣህዛብ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ጣዖት ሓወልቲ ብምትካል ናይ ጣዖት ኣምልኾ ዝምለኸሉ ቦታ ከምዝገበርዎ ይሕብሩ። እዚ ናይ ቬነስ ቤት ጣዖት ዝተሠረሓሉ ብሃድርያን ዝተባህለ ናይ ሮማ ንጉሥ ብ135 ዓመ ኢዮርሳሌም እንደገና ንምጽጋና ኣብ ዝዓየሉ ዝነበረ ዘመን ሙዃኑ ይእመን። ኣውሳብዮስን ሶዘመኑስን ከምዝመዝገብዎ ክርስትያን ኣብ ክንዲ ናብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቀቢሩሉ ዝነበረ በዓቲ ዝሰግዱ ቨነስ ዝተባህለት ጣዖት ክሰግዱ ኣለዎም ወይ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ወለዶ እዚ ቅዱስ ቦታ ካብ ሕልና ክርስትያን ክጥፍእ ኣለዎ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቀቢርሉ ዝነበረ በዓቲ ክሃንጽዎ ክኣሉ።
ብ 70 ዓ.ም ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ንግሥነት ሮማውያን ብምዕማጾም ኢዮርሳሌም ብሮማውያን ብምድምሳሳ ክርስትያን ከም ኣይሁዳውያን ናብ መላእ ዓለም ተበቲኖም እዮም። ድሕሪ እዚ ዘመን እውን እንተኾነ ን300 ዓመታት ዝኣኽሉ ናይ መከራ ዘመን እየን። ኢዮርሳሌም ብሮማውያን ኣብ እተደምሰሰትሉን ክርስትያን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኣብ ዝስደድሉ ዝነበሩ ቅዱስ መስቀል ኮና ካልኦት ንዋየ ቅዱሳን ብልቦና እምበር ብተግባር ህላውነቱ ከጣይቅን ክረክብ ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ። ዓመታት ብዝተመጠጥሉ ቁጽሪ፣ መልክዕ ኢዮርሳሌም’ውን ካብ ሃገረ ቅዱሳን ናብ ሃገረ ኣህዛብ እናተቀየርትሉ ብዝኸደት መጠን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐቢሩሉ ዝነበረ በዓቲ ኾነ ቅዱስ መስቀል ዝነበሮ ቦታ ቤት ኣምልኾ ጣዖት እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ዝርከበሉ ኣይነበረን።
ናይ ሰላም ዘመን፡ መስቀሉ ዳግማ ናብ ኢድ ኣመንት ዝተመልሰሉ ዘመን፥
ቅዱሳን መጽሓፍትናን ከውእ’ውን ኣውሳብዮስ፡ ሶክራጦስ፡ ሶዞመኑስ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ዘርእስቱ መጻሕፍቶም ከም ዘስፈርዎ ቅዱስ መስቀል ዝረኸበቶ ኣደ ቅድስቲ ኢሌኒ (Helena) ከምዝኾነት መስኪሮም ኣለዉ። እዞም ናይ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ጽሓፍቲ ከምዘስፈርዎ ቅድስቲ ኢለኔ ካብ ክርስትያን ቤተሰብ ዝተወልደት እኳ እንተኾነት ወዳ ግና ካብ ዘይ ኣማኒ ናይ ሮማ ንጉስ ዝነበረ ቆስጠንጢኖስ ከምዝተወልደ፡ ብስም ናየብኡ ድማ ቆስጠንጢን ተባሂሉ ከምዝተጸውዐን ኣብኡ ምብራቃዊ ግዝኣት ሮማ ከምዝሃቦ፡ ኣብኡ ኣብ ዝሞተሉ ድማ ምስቶም ኣብ ምዕራብ ግዝኣት ሮማ ዝነበሩ መራሕቲ ከቢድ ውግእ ከምዝገጠመን፡ ቅድሚ እቲ ውግእ ግና እግዚአብሔር ኣብ ሰማያት ምልክት መስቀል ብሕልሚ ብምርኣይ በዚ ምልክት ክተሸንፎምን ክትቆጻጸሮምን ኢኻ ዝብል ጽሑፍ ብሕልሚ ከምዘገለጸሉ የዘንትዉ። ንጉሥ ቆንስጣንጢን በቲ ዝርኣዮ ምልክት መሠረት ሠራዊቶ ናይ መስቀል ምልክት ዘለዎ ዋልታን ባንዴራን ሒዞም ኣብ ውግእ ብምስላፎም ጸላእቶም ብምሽናፍ ናይ ምልእቲ ሮማ ንጉሥ ብሙዃን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሮማን ክርስቲያንን ሰላም ከምዘምጽአን፡ ኣምስያ እዚ ውዕለታ ብዙሓት ቤት ጣኦት ብምፍራስ ናብ ቤት መቅደስ ከምዝቀየረን ይሕብሩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንግስቲ ኢሌኒ ኣደ ንጉሥን ጎበዝ ክርስቲያን ብምንባራ እቲ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቀለሉ መስቀል ንምርካብ እግዚአብሔር ልባ ብምልዕዓልን ብሕልሚ ብምግላጽን ከምዘተንሥኣ ይግለጽ።
ሶዞመኑስ ሄርማስ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ዝብል መጽሓፉ ከምዘስፈሮ 318 ኣቦታት ኣብ ኒቅያ ዝተኻየድ ጉባኤ ኣጣናቂቆም ምስ ዛዘሙ ንጉሥስ ቆስጠንጢኖስ ብሓድነትን ዓወት ናይ ኣቦታትን ብምሕጓሱ ኣብ ኢዮርሳሌም ቤት መቅደስ ክሰርሕ ተላዕለ ይብል። በዚ መሠረት ድማ ቅድስቲ ኤለኒ ሓደስ ኢዮርሳሌም ኣብ ጎልጎታ ንምህናጽ ካብ ቁስጢንጥንያ ተበጊሳ ኣብ ኢዮርሳሌም ከምዝበጽሐት ይሕብር። ሰለስቲኦም ጽሓፍቲ ቅዱስ መስቀል ተቀቢርዎ ዝነበረ ቦታ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ ከምዝነበረ ኣስፊሮም ይርከቡ። ሶዞመኑስ ሽሕ እኳ ናቱ ትዕዝቢ እንተ ኣቀመጠ ነቲ ታሪኽ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቀሚጥዎ ይርከብ። “ገለ ሰባት ከምዝብልዎ ሓደ ይሁዳ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ኣብ ምብራቃዊ ኢዮርሳሌም ዝነብር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዝወረሶ ጽሑፍ መሠረት ከምዝተረኽበ ይትርኽ። ኣውሳብዮስ ምስኡ ዝመሳሰል እኳ እንተኾነ ነገር ግና ብኸምዚ መልክዕ ኣስፊርዎ ይርከብ። “ኣይሁዳውያን ቅዱስ መስቀል ዝተቀበረሉ መስቀል ንኸይነግሩ ተማሓሒሎም ስለ ዝነበሩ፡ንግሥቲ ኢሌኒ ይሁዳ ዝተባህለ መራሒኦም ብምእሳር ከምዘጨነቀቶን ንሽዱሽተ መዓለቲ ግብኡ መግብን ማይ ከምዘይረክብ ከምዝገበረቶ፡ ኣብ ሻቡዓይ መዓልቲ ግና እቲ ሓቀኛ ቅዱስ መስቀል ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ከምዘርኣዮምን፡ ከኹዕት ከምዝተኣዘዘን ኣስፊሑ ገሊጽዎ ይርከብ። ስለዚ ታሪኽ ግና ሶዞመኑስ ትዕዝብቱ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ዝተቀደሰን ዝኸበረን ቅዱስ መስቀል ንምርካብ ብሕልምን ብምልክትን ጌቢሩ ተቀቢርዎ ዘለዎ ዝነበረ ስፍራ ብምግላጹ እንተ ዘይኮይኑ ብናይ ሰባት ሓቤረታ ምርኩስ ብምግባር ተረኺቡ ኢልና ክንዛዝም ግቡእ ኣይመስልን ብምባል ኣስፊርዎ ይርከብ።
እቲ ኣሸጋሪ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ኣበይ ይርከብ ዘይኮነስ ቅዱስ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ብየማን ብጸጋምን ጐይታናን መድኃኒናን ተሰቒሎም ዝነበሩ ናይ ሸፋቱ መስቀል ምፍላይ ዩ። ቅድስቲ ኢሌኒ ድሕሪ ኣሸጋሪን ኣድካምን ምፍራስ ናይ ቨኖስ ጣዖት ምስልን ናይ ኣምልኾኣ ቤትን፡ ሠለስተ መሰቀልን፡ ሓሙሽተ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተቀነዎም መሳምርን፡ ጲላጦስ “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉስ ኣይሁድ” ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ዝጻሓፎ ጽሑፍን እዩ። እቲ ጽሑፍ ግና ካብ መስቀል ለቂቁ እዩ ዝጸንሖም። ዞሶመኑስ፡ ኣውሳብዮስ፡ ሶክራጦስ ከምዝጽሓፍዎ፡ ቅድስቲ ኢለኒ ቅዱስ መስቀል ካብ ናይ ሸፋቱ መስቀል ንምፍላይ ኣጨኒቅዋ እኳ እንተነበረ ቅዱስ መቃረስ ናይ’ቲ ግዜ ናይ ኢዮሩሳሌም ጳጳስ ሽግራ ብኸምዚ መንገዲ ፈትሓላ። ኣብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣፍ ሞት እትርከብ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዝነበረት፡ እቶም ሰለስተ መስቀል ኣብ ኣካላታ ብምቅማጥ እቲ ዘድሕና ሓቀኛ ቅዱስ መስቀል ምዃኑ ኣረድኣ። እቲ ኣብ ኣፍ ሞት እትርከብ ዝነበረት ሰበይቲ ብምምጻእ፡ መጀመርታ እተን ክልተ ናይ ሸፋቱ መስቀል ኣብ ልዕሊኣ ከምዘቀመጡላን ኣብ ጥዕንኣ ብዘይካ ቃንዛ ለዊጢ ከምጽእ ኣይክኣለን። እቲ ሓቀኛ ከምቲ ኣውሳብዮስ ዝገለጾ “ጸዋረ ሕይወት” ዝኾነ መስቀል ኣብ ዘቀመጡላ ግና ካብ ሕማማ ሻቡ ድኂና ከምዝተንሥአት ጽሒፎሞ ኣለዉ። ኣውሳብዮስ ካብቶም ካልኦት ፍልይ ብዝበለ ድሕሪ ናይዛ ሰበይቲ ምፍዋስ ሞይቱ ዝነበረ ሰብኣይ እውን ቅዱስ መስቀል ምስ ኣቀመጥሉ ካብ ሞቱ ከምዝተንሥአ ጽሒፉልና ይርከብ።
እዚ ተኣምር ዝርኣየ ቅዱስ መስቀል ዝተቀብሮ ቦታ ከይነግር ምስ ኣይሁድ ሓቢሩ ዝነበረ መራሒ ናይ ኣይሁድ ዝኾነ፡ ብኃይሊ ግና ዘርኣየ፡ ናይ ኣይሁድ እምነት ብምሕዳግ ብስም አብን ወልድን መንፈስቅዱስን ብምጥማቅ ክርስትና ከምዝተቀበለን፡ ናይ ቆጵሮስ ጳጳስ ኮይኑ ከምዝተሸመን ኣውሳብዮስ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ቅድስቲ ንግሥቲ ኢሌኒ ቅዱስ መስቀል ብኸምዚ መንገዲ ብምርካብ ከምዝተሓጎሰትን ኣብ ጐይታና መድኃኒናን ተቀቢርሉ ዝነበረ ብዓቲ ኣብ ጎልጎታ፡ ኣብ ዝተወልደሉ ብዓቲ ኣብ ቤተልሔም፡ ኣብ ዝዓረገሉ ደብረ ዘይቲ ሓድሽ ቤት መቅደስ ሠርሐት። ግማድ መስቀል ናብ ወዳ ቅዱስ ንጉሥ ቆስጤንጢኖስ ብምልኣኽ እቲ ዝተረፈ ካብ ብሩር ኣብ ዝተሰርሐ መቀመጢ ብምቅማት ኣብ ቤት መቅደስ ኣብ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ኣቀመጠቶ። ቅድስቲ ኢሌኒ ትሕትን ለጋስን ብንባራ ነተን ኣብ ኢዮርሳለም ዝነበራ ደናግል ንመግቢ ብምዕዳም ከምዘገልግለተን፡ ንቤተ ክርስትያንን ንድኻታትን ከምዝረድአት ኣብ መጽሓፎም ኣስፊሮሞ ይርከቡ። ናይ ታሪኽ ቤተክርስትያን ጸሓፍቲ ዝሰማምዕሉ ቅድስቲ ኢሌኒ ድሕሪ ምርካብ ቅዱስ መስቀል ነዊሕ ከምዘይ ጸንሐትን፡ ኣብ ሰማንያ ዕድሚኣ ብሰላም ካብዛ ዓለም ከምዝተፋነወት ይሕብሩ።
ንምንታይ መስከረም 17 ነብዕሎ
መስከረም 17 እንብዕሎ ቅዱስ መስቀሉ ዝተረኸበሉ ዕለት ብሙዃኑ እዩ። ናይ ቤተክርስቲያና ይኹን ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ስንክሳር ከምዝሕብሮ መስቀል ዝተረኽበሉ 17 መስከረም ከምዝኾነ እዩ። ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ናይ ታሪኽ ቤተክርስትያን ጽሓፍቲ ኣበየናይ ዕለት መስቀል ከምዝተረኽበ እኳ እንተ ዘይሓበሩ፡ ናይ ቤተክርስቲያና ሊቃውንቲ ከምዝገልጽዎ ግና ቅዱስ መስቀሉ ንምርካብ 17 መስከረም ጀሚሩ 10 መጋቢት ከምዝተዛዘመ ይገልጹ። እንተኾነ ግና መጋቢ 10 ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። መስቀል ካብ ናይ ፋርስ ንጉሥ ሕርቃል ኣምሊሱ ናብ ጎልጎታ ዘእተዎ መዓልቲ እዩ። ኣብ ስንክሳር መስክከረም 16 ንግስቲ ኢሌኒ ኣብ ኢዮርሳለምን ከባቢኡን ዝሃንጸተን ቤት መቅደሳት ብቅዱስ መስቀል ተባሪኸንት ዝተኸፍታሉ እዩ። መስከረም 17 ድማ ድማ ቅድስቲ ኢሌኒ ቅዱስ መስቀሉ ኣብ ዝረኸበትሉ ጎልጎታ ዘስራሓቶ ቤትመቅደስ ዝተቀደሰሉ (ቅዳሴ ቤቱ)እዩ። እንተኮነ ግና ቅዱሳን ኣቦታት 10 መጋቢት ቅዱስ መስቀል ዝተረኽበሉ ዕለት ብጾም ይውዕል ብምህላዉ፡ ናይ ሓጎስን ደስታን ዓብይ ብዓል ብሙዃኑ ካብ 10 መጋቢት ናብ መስከረም 17 ከምዝክበር ከምዝገበርዎ ስንክሳር ናይ ቤተክርስትያና ይነግረና።
ወሃብቲ መጻሕፍቲ
ስንክሳር
Schaff, P. and Wace, H. (2012). Nicene and Post-Necene Fathers. Volume2.(PP 21, 258)
Schaff, P. and Wace, H. (2012). Nicene and Post-Necene Fathers. Volume2.(PP 444)::
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፡፡
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
ክፍለኢየሱስ