ትንሣኤ ክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም ኣብጽሓና።

 ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን 

በዓብይ ኃይል ወሥልጣን

አሰሮ ለሰይጣን

አግኣዞ ለኣዳም

 ሰላም

 እምይእዜሰ

 ይኩን

 ፍስሃ ወሰላም

እዚ ዕለት እዚ ተኣኪብና ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ጊዜ ንዝክረሉ ዕለት ኢዩ። ንሱ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ጥራይ ዘይኮነ ትንሣኤና ዝኣወጀሉ፡ ኃይሊ ሞት ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘጥፍኣሉ እዩ'ውን እዩ። ኢሳ 25፡8 እንበር። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሣኤ ኣብ ዝመሃረሉ ዓንቀጽ ከም ዝበሎ “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ኦ ሲኦል ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ” 1ይ ቆሮ 15፡55 ኢሉ ዝዘመሮ ዝማሬ ንዝምረሉ እዋን እዩ።

ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ፡ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኾይኑ ተንሥአ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም ንዘልኣለማዊ ነውሪ ሃቦም” መዝ 78፡65-66። ኢሉ ከም ዝተዛረበ ኢየሱስ ክርስቶስ ቦኽሪ ናይ ትንሣኤና ብምዃን ካብ ሙታን ተፈልዩ ተንሥአ። ኣቐዲሙ ኣብ ወንጌል “ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣሕሊፈ ክህባ መሊሰ እውን ክወስዳ ስለዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ ኢዩ።… በጃ ከሕልፋ መሊሰ እውን ክወስዳ ሥልጣን ኣለኒ” ዮሓ።10፡17-18 ከም ዝበሎ ንሱ ብማእሰር ሞት ከይተኣስረ ተንሥአ። ንሱ ብምትንሥኡ ድማ ትንሣኤና ተኣወጀ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ “ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ እንተደኣ ኮይና ካብ ኩሉ ሰብ ነደንግጽ ምኾንና ኔርና” 1ይ ቆሮ 15፡19 ግናከ ተስፋና ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጥራይ ኣይኮነትን እዚ ድማ ብትንሣኤኡ ኣበሰረና።

“ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ኦ ሲኦል ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ” 1ይ ቆሮ 15፡55 ኢልና ንዝምር ብክርስቶስ ኢየሱስ ስለዝተሳዕረ ደኣ እንበር ፈከርቲ ስለዝኾንና ኣይኮነን። ጐይታ ንሞት ስዒሩ ብምትንሥኡ ሞት ኣብ ልዕሌና ዝነበረ ዓወቱ ተሓድገ ሥልጣኑ ድማ ተመንዝዐ፡ ሞት እቲ ቀዳማይ ኣዳም ካብ እግዚአብሔር ዝተፈልየሉ መስርሕ ዘይኮነ ንሕና ምስ ክርስቶስ ንሓብረሉ መንገዲ ኮነ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ ኢየ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ፡ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ።” ዮሓ. 11፡25። ከም ዝበሎ መዓጹ ገነት ተኸፍተልና ነቶም ኣሚንና ዝለመንና “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣለኻ” ዝብል ቃል ብሥራት ሰማዕና። ነዚ’ዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንዓይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ ኢዩ ምሟት ከኣ ረብሓ ኢዩ….ዝሕሸኒ ስለዝኾነ ግና ካብዚ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ ኢዩ ዝበለ” ፊሊ1፡22-24 ። ብምባል ብኹርዓት ንሞት ከይፈርሐ ናብ ክርስቶስ ዝሰግረሉ መንገዲ ዓወት ምዃኑ ዝኣወጀ። ብርሃናተ ዓለም ዝተባህለ እዚ ሓዋርያ ብተወሳኺ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ “ኢየሱስ ከም ዝሞተ ካብ ሙታን ድማ ከም ዝተንሥኣ ንኣምን ኢና፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ነቶም ንኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ ካብ ሙታን ከም ዘተንሥኦም ንኣምን ኢና።” 1ይተስ 4፡14።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሞት ከመይ ኢሉ ዓወቱ ከም ዝሰኣነ ግሩም ብዝኾነ ምሳሌ ክገልጾ ከሎ ንምልከት። እዚ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ተረፈ ዳንኤል ዝርከብ ታሪኽ ኢዩ ዝጥቀም፡ (ተረ.ዳን 1፡23-31) ነቢይ ዳንኤል ነቲ ገበል ከመይ ገይሩ ከም ዝቐተሎ ብምዝካር “ከምቲ ሰብ ባቢሎን ዘምልኹዎ ዝነበሩ ገበል፡ ነቢይ ዝሃቦ መብልዕ ምስ ወሃጠ ካብ ማእከሉ ዝተሰንጠቐ። ከምኡ ከኣ ሞት ንሥጋ ጐይታ ምስወሓጠ ተሰንተቐ። ነቲ ቕዱስ ሥጋ ምስወሓጦ፡ ከብዱ ተሰንጠቐ እሞ ጐይታ ሕያው ኮይኑ ካብ ሞት ተንሥአ” ሃይማኖተ ኣበው 67፡18። ብምባል ሞት ሕያው ዝኾነ ነገር ብምብልዑ ንዕዑ ዝሰማማዕ ነገር ስለዘይኮነ ተሰንጠቐ ወይ ድማ ኃይሉ ተሓድገ ኣጽኒዑ ክሕዞ እውን ኣይከኣለን ስለዚ ድማ ኢዩ ዝተሳዕረ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሎም ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ ኃይሊ ዝነበሮም ነገራት ከም ዝሰዓረ ኢና ነስተውዕል።

 ቅዱስ ሳዊሮስ ካብ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ትምህርቲ ብምጥቃስ ዝበሎ ነንብብ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍርኃትን ንጥሜትን ንዝመስሎምን ተቐቢሉዎም ኢዩ፡ ብኣኣቶም ግና ኣይተታሕዘን። እንታይ ደኣ ብህላዌ ሰብነቱ ክቕበሎምን ንሓዋሩ ክምሕዎምን ከጥፍኦምን ተዓገሠ። ኣብ ዝተቐበሎም ጊዜ ኃይሎም ጠፍአ። እንተዘይፈርኅ ነይሩ ሎሚ ፍርኃት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ንሓዋሩ ምነበረ። ጐይታ እንተዘይሓምም ነይሩ ደቂ ሰብ ከኣ ካብ ሕማምን ጓህን ሓርነት ኣይምረኸቡን ነበሩ። ንሱ እንተዘይጭነቕ ጭንቀታት ካባና ኣይምጠፍኡን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዞም ሕማማት ብፍቓዱ ኣብ ልዕሊኡ ክሓልፉ ኣየለዓዓሎምን፡ እንታይ ደኣ ብህውከቶም ብኃይሊ እቲ ምስ ሥጋ ሓደ ዝኾነ ቃል ጠፍኡ” ሃይማኖተ ኣበው ዘሳዊሮስ 85፡13-14 ብምባል የረድእ። ንሕና እውን ነዞም ጐይታ ዝሰዓሮም ነገራት ክንገዝእን ኣበይ ኣሎ ዓወትኩም ክንብሎምን ይግባእ።

ሰላም ንዓኹም ይኹን

 ኣብ መዋእለ ስብከቱ ሰላም እህበኩም ኣለኹ ሰላመይ እውን እሓድገልኩም ኣለኹ እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ግን ከምዚ ዓለም እትህበኩም ሰላም ኣይኮነን ዝበለ ጐይታ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያት ዝበሎም ናይ መጀመርያ ቃል ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ዝብል ኢዩ ዝነበረ እዚ ቃል ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት’ውን ዝተሰብከ ስብከት እዩ። 1ይጴጥ.3፡18። ካብ መስፍን ሰላምከ ብጀካ ሰላምን ሠናይን እንታይ ክርከብ ይከኣል᎒

 ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ከምዚ ክብል ይምህረና  “መጀመርያ ኩልና እግዚአብሔር ካብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ከምዘይተፈለየ ኩሉ ጊዜ እውን ምስኦም ከም ዝነበረ ክንግንዘብ ይግብኣና፡ ብምቕጻል ጐይታ ኣብ ካልእ ቦታ ዝኣተዎ ቃል ኢዩ ፈጺሙሎም “ክልተ ወይ ሰለስተ ተኣኪብኩም ብስመይ ኣብ ትዘራረቡሉ እዋን ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣለኹ” ማቴ 18፡20 ከም ዝበሎ ብዛዕባኡ ክዘራረቡ ከለዉ ኣብ ማእከሎም ተገልጸ። ብምባል ብስሙ ኣብ ንእከበሉ እዋን ዘሎና ናይ እግዚኣብሔር ሓለዋን ህላዌን ክንምልከት ይዕድም። ኣብ ካልእ ኣንቀጽ እዚ ቅዱስ ኣቦ መሊሱ ከምዚ ይብል “ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያቱ ‘ሰላም ንዓኹም ይኹን’ ክብሎም ከሎ ሰላም ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን ማለቱ ኢዩ። ምኽንያቱ ህላወ ናይ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ንነፍስና ፍጹም ዕረፍቲ ስለዝኾነ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ኣብ መልእኽቱ ነቶም ኣመንቲ ዝተመነዮ ሰላም እዚ ኢዩ “እቲ ንኹሉ ምርዳእና ጸብለል ዝብል ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ክሕልዎ እዩ።” ፊሊ 4፡7። እቲ ንኹሉ ምርዳእና ጸብለል ዝብል ሰላም መንፈስ ናይ ክርስቶስ እዩ። ንኹሎም ካብ በረኸቱ ዝሳተፉ ዝመልእ መንፈስ ኢዩ።

ኣብ ትንሣኤኡ ሞትና ኣይተኣወጅ

 ኣብ ትንሣኤ ኩልና ብሓባር ጥዋፍና ኣብሪህና “ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ/ትንሣኤኻ ነቶም ዝኣመንና ብርሃንካ ፈንዎ ናባና” እንዳበልና ንዝምር ኢና። ኮይኑ ግን ብዙሕ ጊዜ ኣብ ምውዳእ ጾም ተኣሲራ ከም ዝጸንሐት ብተይ ነቲ ክንእክቦ ዝቐነና በረኸት ብርኽሰትን ኃጢኣትን ምጥፋእ ዳርጋ ልሙድ ኢዩ። ገለ ከምዚ ከማይ ድኽም ዝበሉ ድማ በዓለ ፶ እንዲዩ ዝብል መመኽነይታ ኢና ነቕርብ። ብሓቒ’ዶ ግን ብትንሣኤ ክርስቶስ ሞትና ክንእውጅ ይግባእ ኢዩ᎒ ብርሃን ትንሣኤ ክንጽበ ቀኒና ጸልማት ምምራጽናከ እንታይ ኢዩ᎒ ኢየሱስ “ኣነ ብርሃኑ ንዓለም ኢየ እቲ ዝስዕበኒ ከኣ ብርሃን ሕይወት ክረክብ እንበር ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ።” ዮሓ.8፡12። ከም ዝበሎ ኩልና ብብርሃኑ ክንመላለስ ይግብኣና እዩ። ሕጂ እንበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ ብብርሃን እግዚኣብሔር ንመላለስ ዝተባህለስ ንዓናዶ ኣይኮነን᎒ ኢሳ.2፡5።

  እዚ ማለት ሰብ ክበልዕ ክሰቲን ክሕጎስን የብሉን ማለት ኣይኮነን። ሰሎሞን “እንበኣር ኩልና ክንበልዕን ክንሰትን ብኹሉ ፍረ ጻዕርና ክንሕጎስን ይግብኣና፡ እዚ’ውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።” መክ3፡13። ከም ዝበሎ ክንሕጎስ ሠናይ ኢዩ እንተኾነ ግን ኩሉ ነገራትና ዕላምኡ ሓደ ነገር ምስ ዝኸውን ዕረፍቲ ኣለዎ። “እንበኣርሲ እንተበላዕኹም ወይ እንተ ሰቴኹም ወይ ዝኾነ ይኹን እንተገበርኩም ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበሩዎ።” 1ይ ቆሮ.10፡31። ስለዚ ብትንሣኤ ክርስቶስ ትንሣኤና ኣዊጅና ነዞም ናብ ክፍኣት ዝመርሑ መንገድታት እንዳዓጸና ምስ ኣምላኽ ሕብረት ክንገብር ማዕረ እቲ ብጾሙ ጾይምና ንዲያብሎስ ዝመከትና ብትንሣኤኡ ድማ ብበረኸቱ ክንመልእ ነቶም ናይ ጥፍኣት ሓለቓታት ድማ “ኣቱም ጸላእትና እንተወደቕና እኳ ክንትንሥእ ኢና ኣብ ጸልማት እንተተቐመጥና እኳ እግዚአብሔር ብርሃንና ክኸውን እዩ እሞ ብኣና ኣይትተሓጎሱ።” ሚል.7፡8። ክንብሎም ይግብኣና እዩ ነዚ ክንገብር ኣምላኽ ብትንሣኤኡ ናይ ምትንሣእ መንፈስ ይዓድለና።

ስብሓት ለእግዚአብሔር፥

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር፥

ዲን. ዮሓንስ ዘደብረ ቁስቋም

 

Comments are closed.