በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን፡፡
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-በዓቢይ ኀይል ወሥልጣን፤
ኣሰሮ ለሰይጣን-ኣግዐዞ ለአዳም፤
ሰላም- እምይእዜሰ፤
ኮነ-ፍሥሐ ወሰላም፡፡
ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበምድር ወለዘበሰማያት። ቈላ.፩፡፳።
ብእኡ ብደመ መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። ቈላስ.1፣20።እግዚአብሔር ኣምላኽና ነታ “ሰሙነ ፍሥሐ” እተሰምየት ሰሙነ ሕማማት “ያፈጽመነ ዛተ ሰሙነ በዳኅናወበሰላም፡ ወያርእየነ ብርሃነ ትንሣኤሁ በፍሥሐ ወበሐሴት” ኢልና ከም ዝለመንናዮ፡ ነዛ ሰሙን ብሰላምኣፈጺሙ፡ ናብዚ ዓቢይን ክቡርን በዓል ትንሣኤኡ ስለ ዘብጽሓና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን፡፡ ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንኣዳምን ንደቁን ከም ዜድኅኖም ዚሃቦ ተስፋ ድኅነት ንኽፍጽም፡ፍቕርና ስሒብዎ ሥጋ ድሕሪ ምልባሱ፡ እተን ኣብ መወዳእታ ዝፈጸመን ናይ ድኅነት ሥራሓት፡ ስቕለቱንትንሣኤኡን እየን፡፡ ብስቕለቱ ንጹህ ዝኾነ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ንዓና ካብ ኩሉ ኃጢኣትና ኣንጽሃና፡፡ በቲ ካብ ጎኑ ዝፈሰሰማይ ከኣ ዳግማይ ወለደና፡፡ ብመስቀሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ዘስዕብ ዝነበረ፡ ብጌጋ ናይቲቀዳማይ ሰብ አዳም ዝመጸና ናይ ሞት መርገም ስዒሩ፡ ንሞት ኃይሉን መውግኢኡን መንዚዑ፡ ናብ ገነት (መንግሥተሰማያት) መእተዊ፡ ብእኡ ኣቢልና’ውን ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንኸደሉ መንገዲ ገበሮ፡፡ ብኣካለሥጋ ናብ መቓብር ምስ ኣውረድዎ’ውን፡ ነቶም ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዘመናት ኣብ ትሕቲ ባርነትዲያብሎስ፡ ኣብ ሲኦል ብእግሪ ኣጋንንቲ ይርገጹ ንዝነበሩ ነፍሳት፡ መለኮት ብዘይተፈለያ ነፍሱ ናብ ሲኦል ወሪዱግእዛን (ሓርነት) ሰበኸሎም፡፡ 1ይጴጥ 3፡19። ካብ ሲኦል ናብ ገነት ኣሳገሮም፡፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ንሓዋርያትነጊርዎም ዝነበረ ድማ፡ መግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ንሞት ስዒሩ ተንሥአ፡፡ እዚ በዓል እቲ ክሰዓርዝነበሮ ኃያልን ናይ መወዳእታን ጸላኢና ሞት ዝተሳዕረሉ በዓል እዩ፡፡ ዕብ 2፡14-16።
ሕጂ ግና እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ ሞት፡ ከምቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝበሎ “ክርስቲያናት ዝረግጽዎ፡ ስኑ ዝረገፈ፡ኃይሉ ዝደኸመ ኣንበሳ” ኮይኑ እዩ፡፡ ስለዚ ሞት፡ ሰማእታት ምእንቲ ስሙ እናመስከሩ ብጥብዓት ዝቕበልዎ፡ ጻድቃንከኣ ብወለንታኦም ናብ ኣምላኾም ኪኸዱሉ ዝምነይዎ መሕለፊ (ፋሲካ) ኮነ፡፡ ብእብራይስጥ ‘ፋሲካ’ ማለት- ‘ምሕላፍ’ ማለት እዩ፡፡ ብግእዙ’ውን፡ “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት ብሂል፡ በዘቦቱ ዓዶነ እሞት ውስተ ሕይወት-ፋሲካማለት ምስጋር፡ ምሕላፍ ማለት እዩ፡ ብኡኡ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገርና ” እዩ ዝብል፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳንእስራኤላውያን፡ ሞተ በኵርን መግዛእቲ ግብጽን ካብ ነፍሶም ንኽሓልፈሎም፡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ዘብዓልዎበዓል እዩ፡፡ ኣምላኽ ብብርቱዕ ቅልጽምን ብኃያል ኢድን፡ ካብ መግዛእቲ ግብጺ ኬናግፎም ምስ ፈተወ፡ አብ ምድሪግብጺ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ተኣምር፡ ንበዅሪ ግብጻውያን ምውቃዕ ነበረ፡፡ እዚ ንበዅሪ ኩሉ ፍጥረት ዚቐትልናይ ሞት መንፈስ ከይትንከፎም ምእንቲ ኪሓልፍ፡ ሓደ ገንሸል ወሲዶም ኪሓርዱን ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ልዳትቤቶምን ክልቲኡ ቀዋምን ኪለኽይዎ፡ ነቲ ሥጋ እቲ ገንሸል ከኣ ብማይ ዝበሰለ ወይ ዝሕላ ዘይኮነ ጠቢሶምኪበልዕዎ፡ ሕቖኦም ተዓጢቖም፡ ክዳኖም ተኸዲኖም፡ ሳእኖም መሊሶም፡ ኣባትሮም ሒዞም እናተሃወኹንኺበልዕዎ ድማ ሥርዓት ተዋሂብዎም ነበረ፡፡ ነዚ ምስ ገበሩ ኸኣ እቲ ናይ ሞት መንፈስ ነቲ ደም እናረኣየ ሓሊፉኸደ፡ ፋሲካ ኰነ፡፡ እዚ ሥርዓት እዚ ንግዚኡ እስራኤላውያን ካብ ምድረ ግብጽ ብኸመይ ከም ዝወጹ ምእንቲክዝክርዎን፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን ‹ንምንታይ ኢና ብኸምዚ ዝበለ ሥርዓት እነብዕሎ› ኢሎም ምስ ሓተትዎም በቲሥርዓት ጌሮም ነቲ ዝነበረ ኩነታትን ዜደንቕ ግብሪ ኣምላኽን ምእንቲ ኬዘንትዉሎምን እዩ፡፡ ዘጸ. 12፡1-ፍ.ም። እዚኩሉ ግና ነቲ ኣማናዊ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ ዝነበረ፡፡ ገለ ካብኡ እንተረኣና እኳ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸልናይቲ ብዛዕባ ኃጢኣት መኽሰሲ ዘይተረኽቦ፡ ንጹሃ ባህርይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ፡፡ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ ተታሒዙ ኣብመበል አሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሕራዱ፡ ናይ ጐይታ ምኽሪ ሞቱ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ(ሰኑይ) ጀሚሩ ዓርቢ ከምዝተፈጸመ ምሳሌ እዩ፡፡ ኪመሲ ከሎ ይሕረድዎ ዝበለ፡ ጐይታ ኣብ ጊዜ ሠርክ ከም ዝሞተ ኬረድእ ከሎ እዩ፡፡ ነቲልዳት ምልካዮም ንግዚኡ፡ ንእኡ እናረኣየ መቅሰፍት ምእንቲ ኪርሕቀሎም እዩ፡፡ ፍጻሜኡ ግና ሎሚ ሥግኡንደሙን ንዝቕበሉ ምእመናን ኣጋንንቲ ከም ዘይቀርብዎም ምሳሌ እዩ፡፡ ሳእንኹም ኣብ እግርኹም ጌርኩም ማለትግብሪ ወንጌል እናሠራሕኩም፡ ሕቖኹም ተዓጢቕኩም ማለት ንጽህናኹም ሓሊኹም፡ ኣባትርኩም ሒዝኩምማለት ነገረ መስቀሉ እናሓሰብኩም፡ እናተሃወኽኩም ብልዕዎ ማለት ከኣ ንግዚኡ መንገደኛታት ስለዝኾኑንፍጻሜኡ ግና ዕለተ ሞት፡ መቓብር ኣሎ እናበልኩም ንበሩ ክብል ከሎ እዩ፡፡ “አብድ ውእቱ ዘይሔሊ ዘእንበለመቃብሩ ዘውእቱ ርስቱ፣ ካብታ ርስቱ ዝኾነት መቓብሩ ካልእ ዝሓስብ ዓሻ እዩ።” ከም ዝበለ ኣረጋዊ መንፈሳዊ፡፡ዐጽሙ ኣይትስበሩ ማለቱ ብዕለት ዓርቢ ናይቶም ክልተ ፈያት መሓዅልቶም ክስበር ከሎ፡ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ግና ‹ ኢሰበሩ ቍይጾ › ከም ዝበለ ዓጽሙ ከም ዘይተሰብረ ምሳሌ እዩ፡፡ ዮሓ. 19፡33። ደራሲ ናይ መልክአኢየሱስ ከም ዝበሎ “በዓለ ትንሣኤ ፋሲካነ ዝንቱ፡ እስመ ሥርዓቱ ለእስራኤል ውእቱ።” እቲ ናይ እስራኤላውያንፋሲካ፡ ናትና ናይ ትንሣኤ በዓልና እዩ፡፡ ብትንሣኤ መርገምን ሞትን፡ ኃጢኣትን ሲኦልን ስለ ዝሓለፈልና ትንሣኤፋሲካና እዩ፡፡ ፋሲካ ብትርጉሙን ብምሳሌኡን ንትንሣኤ ስለ ዜርኢ ኸኣ፡ ንትንሣኤ ፋሲካ እናበልና ነብዕሎ ኣሎና፡፡
ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ባህረ ሓሳብ ዝሠርዕ ድማ፡ (ከባቢ 280 ዓ.ም.) ኩሎምክርስቲያናት ንበዓለ ትንሣኤ ኣብ ዕለት ፋሲካ ኣይሁድ፡ ወይ ከኣ ኣብታ ድሕሪኣ እትውዕል ሰንበተ ክርስቲያን (እሁድ) የብዕልዎ ነበሩ፡፡ ብድሕሪኡ ግና ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት እተሰማምዓሉ፡ ኣብ መንበረ ዲሜጥሮስ ዝተሰየመ ናይእስክንድርያ ፓትርያርክ፡ ናይ በዓል ደብዳበ (Festal Letter) ናብ ኩሉ ኪሰድድ እሞ ብሓደ ኬብዕላኦ ናይ ነዊሕ ዘመንልምዲ ነበረ፡፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ካብ መስቀል ኣውሪዶም፡ኣብ ሓዲሽ መቓብር ምስ ቀበርዎ፡ ኣይሁድ “ ክትንሥእ እየ ብል ነይሩ እዩ እሞ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲመጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ዝገደደ ስሕተት ከይኸውን፡ እቲ መቓብር ንሠለስተ መዓልቲ ብጽኑዕ ይተሓሎ።” ኢሎምንጲላጦስ ነጊሮም፡ ነቲ መቓብር ማኅተም ገበሩሉ፡ ብብዙሕ ሠራዊት’ውን ከም ዝሕሎ ገበሩ፡፡ ጐይታ ግና ካብመስቀሉ፡ ብኣካለ ነፍስ ናብ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብ ሲኦል ብሃረርታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ነፍሳት “ሰላምለኩልክሙ” ኢሉ ናይ ሓርነት ብሥራት ኣወጀሎም፡፡ “እመስቀሉ ወሪዶ ውስተ ሲኦል ሙቁሓነ ፈትሐ፡ ሰበከ ሎሙግዕዛነ” ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ፡፡ “ዐረገ ውስተ ኣርያም ጼዊወከ ጼዋ ። ነቶም ምሩኻት ማሪኽካ ናብኣርያም ደየብካ። ” ንዝብል ትንቢት ዝፈጸመ ጐይታ፡ ንሲኦል ጥራሓ ኣትሪፉ፡ ነቶም ነፍሳት ናብ ገነት ኣእተዎም፡፡ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ናይ ትንሣኤ ትምህርቱ (Paschal Sermon) “ሲኦል ተሳዒራ እያ እሞ ብርቱዕ ሓዘንሓዘነት፡ ሲኦል ተዋሪዳ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ጥራሓ ተሪፋ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ተደርቢያ እያ እሞ ሓዘነት፡ሲኦል ብመቝሕ ተኣሲራ እያ እሞ ሓዘነት፡፡ ንሳ ንሥጋ ዝወሰደት መሲልዋ ምስ ኣምላኽ ፊት ንፊት ተራኸበት፡ምድራዊ ናብኣ ዝኣተወ መሰላ ንሱ ግና ሰማያዊ ኮይኑ ጸንሓ፡ ነቲ ዝረአ ወሲዳ ኣብ ኢድ እቲ ዘይርአ ወደቐት፡፡” በለ፡፡ጐይታ ነዚ ዕዮኡ ምስ ወድአ፡ ከምቲ ብትንቢትን ብምሳሌን ዝተነግረሉ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ብኃይሊ ሥልጣኑተንሥአ፡፡ ነዚ’ውን ኣቐዲሙ “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ከሕልፋ፡ መሊሰ’ውን ክወስዳ እየ… ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋእምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን፡፡ በጃ ከሕልፋ ሥልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ክወስዳ’ውን ሥልጣን ኣሎኒ፡፡” ኢሉ ከምዝተዛረበ፡ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝጸቐጥዎ እምንን ዝሓተምዎ ማሕተምን ከይሓዞ፡ ከምቲስኻር ዝሓደጎ ኃያል ሰብን፡ ከም ካብ ድቃስ ምብርባርን ተንሥአ፡፡ ዮሓ. 10፡17-18። መዝ,77-65 ) ሞት ከምቶምቀዳሞት ሰባት ንዕኡ’ውን ኪሕዞ ሓሰበ፡፡ ንሱ ግና ብፍቓዱ ደኣ እምበር፡ ሞት ኪሕዞ ዘይክእል ኃያል ኣምላኽስለዝኾነ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፡ ንሞት ቀቲሉ ተንሥአ፡፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው “ወበከመከይሲ ዘኮነ ያመልክዎ ሰብአ ባቢሎን ሶበ ውህጠ መብልዐ ዘመጠዎ ነቢይ ተሠጥቀ እማእከሉ፡ ከማሁ ተሰጥቀሞት ሶበ ውህጠ ሥጋሁ ለእግዚእ፥ ወሶበ ውህጠ ውእተ ሥጋ ቅዱሰ ሠጠቀ ከርሶ ወተንሥአ እሙታን ሕያወ።” “ከምቲ ሰብ ባቢሎን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ኣራዊት፡ ነቲ እቲ ነቢይ (ዳንኤል) ዝሃቦ መብልዕ ምስ ወሓጦ ካብ ማእከሉዝተጨደ፤ ከምኡ ሞት’ውን ናይ ጐይታ ሥጋ ምስ ወሓጠ፡ ነቲ ቅዱስ ሥጋ ምስ ወሓጦ፡ ከብዱ ጨደዶ፡ ካብ ሙታንድማ ህያው ኮይኑ ተንሥአ” ብምባል ጐይታ ንሞት ከመይ ከምዝሰዓሮ ይገልጽ፡፡ (ሃ.አ. ፷፯፡፲፰)
ምትንሥኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ መልክአ ኢየሱስ “ዐቀብተ መቃብር ኣዕላፍ እንበለ ይስምዑ ቀርነ ጽዋዔ” ዝተባህለ፡ብሕቱም ደንግልና ከም ዝተወልደ ካብ ሕቱም መቓብር እዩ፡፡ እቲ ነቶም ሓለውቲ ከም ምውታት ዘውደቖምንራዕራዕ ዘበሎምን “ዐቢይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ግና፡ እቲ መልኣኽ ኪወርድ ከሎ ደኣ እምበር ጐይታ ኪትንሥእ ከሎምዃኑ ኣይንረክብን ኢና፡፡ እቲ ብዛዕባኡ እተነግረ “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር፡ እሬሲ መድኅኒተ ወአግህድቦቱ።”፡ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ጸሩ።” ወዘተ ዝብል ትንቢታት ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ተፈጸመ፡፡ እቲሰማያትን ምድርን ኪጾርዎ ዘይከኣሎም ኣምላኽ፡ ኣብ ከርሠ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ሓዲሩተንሥአ፡፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከም ዚትንሥእ ብትንቢት፡ “ወበሠሉስ መዋዕል ይሤርየነ ወያሐይወነ-ብሳልሰይቲመዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና እዩ፡፡ ኣብ ቅድሚኡ’ውን ብሕይወት ክንነብር ኢና።” ሆሴ. 6፡1-2። ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ፡፡ምሳሌኡ ኸኣ፡ አብርሃም ንይስሓቅ ብሕሊናኡ ምስ ሠውኦ፡ ኣብ ሣልቲይ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ እዩ፡፡ ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝተዛረቦ’ውን “ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓቢይ ዓሳ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትንከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን” ገይሩ እዩ፡፡ ዘፍ.22፡2.4.12። ት.ዮና.2፡1 ማቴ. 12፡40።
ሠለስተ መዓልቲ ናይ ምዃኑ ምሥጢር ከኣ፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንኣዳም፡ ንሔዋንን ንደቆምን፤ንሥጋን ነፍስን ደመ ነፍስን ከም ዝኸሓሶም ንኸረድእ እዩ፡፡ ካልኣይ’ውን ንሞት፡ ንፍዳ፡ ንመርገም ከም ዘጥፍአንንኸርኢ እዩ፡፡ ሠለስተ መዓልቲኸ ብኸመይ ይኣክል፧ እንተ ተባህለ፡ እቲ ቀዳማይ በቲ ብተኣምራት ጸሓይ ኣብዝጸልመተትሉ ቀትሪ ናይ ዓርቢ ዝተረኽበ መዓልትን ለይትን እዩ፡፡ እዚ ማለት ዓርቢ ካብ ንጉሆ ክሳዕ ፋዱስ፡ ሓደመዓልቲ፤ ካብ ፋዱስ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ (እቲ ጸሓይ ዝጸልመተትሉ) ሓደ ለይቲ፡፡ ካብ ሰዓት ሠለስተ መሊሱ ዝበርሀክሳዕ ሠርክ፡ ካልኣይ መዓልቲ፤ ካብ ሠርክ ናብ ቀዳም ዘውግሕ፡ ካልኣይ ለይቲ፡፡ ቀዳም መዓልቲ፡ ሣልሳይ መዓልቲ፤ካብ ሠርክ ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተንሥኣሉ ፍርቂ ለይቲ ድማ ሣልሳይ ለይቲይኸውን፡፡ እቲ ካልኣይ መንገዲ ኸኣ፡ ከም ናይ እብራውያን ኣቈጻጽራ፡ መዓልት ይስህቦ ለሌሊት መዓልቲ ንለይቲለይቲ’ውን ንመዓልቲ ስለዝስሕቦ፡ እቲ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ለይቲ ምስቲ ዝተቐብረሉ መዓልቲ ዓርቢ እዩ ዝቝጸር፡፡ቀዳም ርእሱ ኽኢሉ ለይትን መዓልትን ኣለዎ፡፡ እቲ ዝተንሥኣሉ ሰንበት ለይቲ ኸኣ ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ መዓልቲሰንበት ስሒቡ፡ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ይኸውን ማለት እዩ፡፡ እቶም ሓለውቲ መቓብር ግና እቲ መልኣኽካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ከም ምውታት ኮኑ፡ ራዕራዕ’ውን በሉ፡፡ ማቴ. 28፡2። ናብሊቃነ ካህናት ከይዶም’ውን ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዎም፡፡ እቶም ልሂቃነ ኣይሁድ ግና ነቶም ሓለውቲ ብዙሕ ገንዘብሂቦም “ንሕና ደቂስና ከሎና ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ሰሪቖም ወሰድዎ።” ኢልኩም ንገሩ፡ ኢሎምኣጉርሕዎም፡፡ ማቴ. 28፡11-15። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ፡፡ ኣይሁድ እኳ ነቲ ነገርክሸፋፍንዎ እንተ ፈተኑ፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ግና ብዙሕ እዋን እናተገለጸ ትንሣኤኡ ሓቂ ምዃኑ ኣመስከረ፡፡ከምቲ ሰብ ቅኔ፡ “እግዚአብሔር ጸውዐ እምነ ገሊላ አንስተ፡ ወእምነ ሰማይ ቀጸበ መላእክተ፡ በሌሊተ እሁድለትንሣኤሁ ከመ ይኩንዎ ሰማዕተ- እግዚአብሔር ብለይቲ ሰንበት ንትንሣኤኡ መሰኻኽር ምእንቲ ኪኾንዎ፡ ካብሰማይ መላእኽቲ ካብ ገሊላ ኸኣ ኣንስቲ ጸውዐ።” ከም ዝበሉ፡ ክሳዕ ዕርገቱ ንኣርብዓ መዓልቲ ብውልቅን ብሓባርንእናተገልጸ ንትንሣኤኡ ኣረድአ፡፡
በታ ጐይታ ዚተንሥኣላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን (ዕለተ እሁድ)፡ እተን ካብ ዓርቢ ጀሚረን ኣበይ ከም ዘንበርዎዝረኣያ ቅዱሳት ኣንስት፡ ሽቱን ቅዱይ ቅብእን ኪቐብኣኦ ናብቲ መቓብሩ መጻ፡፡ ማቴ. 27፡61። ሉቃ. 23፡55። ነቲንሰማያት ዘምዕዞም ጐይታ፡ ብጥዑም ሽቱ ከምዕዛኦ መጻ፡፡ ነቲ ንሰማያት ካብ ምብስባስ ዝሕልዎም ኣምላኽ፡ሬሳኡ ከይብስብስ ቅዱይ ቅብኢ ኣምጽኣሉ፡፡ እቲ ምኡዘ ባሕርይ ክርስቶስ ከኣ፡ ነተን ንሰሠራዊት ሮም ከይፈርሓቅብኢ ሒዘን ዝመጻ ኣንስቲ፡ ንዓለም ኩሉ ዝኸውን ሠናይ ዜና ትንሣኤኡ ሒዘን ከም ዝምለሳ ገበረ፡፡ ንሳተን ከኣከይደን ንሓዋርያት ነገራኦም፡፡ ጴጥሮስን ዮሓንስን’ውን ናብቲ መቓብር ከይዶም ጥርሑ ረኸብዎ፡፡ እቶምመላእኽቲ ከኣ ንኹላቶም ብሓደ ቃል “ንምታይከ ንህያው ኣብ ማእከል ምውታት ትደልያኦ ኣሎኽን፡ ንሱስ ተንሢኡእዩ፡ ኣብዚ የልቦን።” ሉቃ. 24፡5-6። እናበሉ፡ ከምቲ ዝበሎ ከም ዚተንሥአ ኣረድእዎም፡፡
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን፡ ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ፈሪሖም ገዛ ዓጽዮም ኣብ ዝነበሩሉ፡ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።” ምስ በሎምን ምስ ረኣይዎን ተሓጐሱ፡፡ ዮሓ. 20፡20። ብብዙሕመንገዲ ንትንሣኤኡ ምስ ኣርኣዮምን፡ ሓዋርያት ትንሣኤኡ ብሓቂ ምስ ተረድኡን፡ ነዚ ሓቀኛ ትንሣኤ እዚንምምስካር ተባዓት ኮኑ፡፡ ብድሕሪዚ ሓዋርያትን ኩላቶም ክርስቲያንን፡ ናይ ስብከቶም ሕመረት ነገረ ትንሣኤ ናይክርስቶስ ኮነ፡፡ ንሓዋርያ ማትያስ ኣብ ክንዲ እታ ይሁዳ ዝሓደጋ ቦታ ኪመርጽዎ ከለዉ “ብዛዕባ ትንሣኤኡ ምሳናምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።” ኢሎም እዮም፡፡ ግ.ሓዋ.1፡22። ኣብ ካልእ ቦታ’ውን “ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስኣተንሢእዎ እዩ፡ በዚ ኩላትና ምስክር ኢና፡፡” ግ.ሓዋ.2፡32። ኣብ ካልእ’ውን “ንህዝቢ ስለ ዝመሃሩን ትንሣኤ ካብምውታት ብኢየሱስ ስለ ዝሰበኹን…፡፡” ግ.ሓዋ 4፡2። “ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልክምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብምውታት ዜተንሥኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ…” ግ.ሓዋ 4፡10። “ሓዋርያት ከኣ ብብዙሕ ኃይሊ ብዛዕባ ትንሣኤጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ” ግ.ሓዋ 4፡33። ዝብልን ካልእ ነዚ ዝመሰለ፡ ሓዋርያት ማእከልስብከቶም ትንሣኤ ክርስቶስ ከም ዝነበረ ዜረድእ ቃል መጻሕፍቲ ይርከብ እዩ፡፡ ስለዚ ትንሣኤ ናይ ቤተ ክርስቲያንመሠረታዊ ናይ እምነት ዓንዲ እዩ፡፡
ክርስቶስ እንተ ዘይትንሥእ “እቲ ተስፋ ዝገበርናዮ ሞይቱ” እናበልና ከም ሉቃስን ቀለዮጳን ተስፋ ቆሪጽና መንገድናናብ ገሊላ ዘይኮነ ናብ ኤማሁስ ምዀነ ነይሩ፡፡ ክርስቶስ ንዓና በዅሪ ብምዃን ካብ ምውታት ብምትንሥኡ ግና፡ኩላትና ከም እንትንሥእ ግሁድ ነገር ኮነ፡፡ ስለዚ እዛ በዓል እዚኣ ዓባይን ክብርትን እያ ‹ዛቲ ዕለት ዓባይ ፋሲካ፡ተዝካረ ትንሣኤሁ ለመድኃኒነ› ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ፡፡ ነቲ ሥጋ ብምልባስን ብምውላድን ዝጀመሮ መስርሕድኅነት ዝፈጸመላ ስለ ዝኾነት ከኣ፡ “ዮም ፍሥሐ ኮነ እናበልና፡ ልዕሊ ኩላተን በዓላት ሰሪዕና፡ ንሓምሳ መዓልታትከም ሓንቲ መዓልቲ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሰይ ባቲ።” እናበልና ንኣምላኽናእናኣመስገንና ሓጐስና ንገልጽ፡፡ አሽንኳይ ንሕና ‹‹ይገብሩ በዓለ መላእክት፡ ይገብሩ በዓለ ሰማያት፡ ይገብሩ በዓለደመናት፡ ባሕርኒ ማዕበልኒ ይገብሩ በዓለ፡››… ኩሎም ፍጥረታት ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምዘድኃንካዮ እናበሉ የብዕልዎ እዮም፡፡
ኣብ መወዳእታ ኣብዘን መዓልታት በዓለ ፋሲካ መግብን መስተን ቀሪብካ ምስ ስድራኻ ምሕጓስ ልሙድ እዩ፡፡ብመሠረቱ እዚ በዓል ሥጋን ነፍስን ክልቲኦም ካሕሳ ዝረኸቡሉ ስለዝኾነ፡ ንሥጋና ምሕጓስና ኣበሳ የብሉን፡፡ ግና እቲካሕሳ ናይ ክልቲአን፡ ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንነፍስናውን ዘድልያ መግቢ ምስጋናን ጸሎትንክንቅርበላ እዩ ዝግባእ፡፡ ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንና ኣብዘን ሓምሳ መዓልታት ጾም ኮነ ስግደት ክልኩል እዩ፡፡ እዚማለት ግና ከም ድላይኩም በሊዕኩምን ሰቲኹምን ከም ድሌትካ ኩን፣ ማለት ኣይኮነን፡፡ መንፈሳዊነትካ ሓሊኻ፣ ካብ መገዲ እግዚአብሔር ከይወጻኻ፣ ካብ ኃጥያት ሪሒቅካ ክኸወን ኣለዎ። ምኽንያቱ ንሥጋና ጥራይ እንተሓጐስናያ፡ነፍስና እንተጠም ፡ እቲ በዓል ናይ ክልቲአን ኣይኮነን ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ንነፍስናውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትሰርዖኩሉ መንፈሳዊ መኣዲ ጊዜ ስብሓታትን ጸሎትን ኪዳንን ቅዳሴን እንዳተረኸብና፣ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳወሰድና ንነፍስናውን ክንምግባ ይግብኣና እዩ፡፡ ትንሣኤከ ለእለ አመነብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ፡፡
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ለወላዲቱ ድንግል ።
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን፡፡
ዲያቆን ኣዶንያስ ብርሃነ ዘመካነ ኣቡነ ፊሊጶስ ዓዲ ሰጉዶ