ኣቡነ ተክለሃይማኖት ጻድቅ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ኣውራጃ ሽዋ ዝርከብ ኮይኑ ዞረሬ ይበሃል። ስም ወላዲኦም ጸጋዘአብ ስምወላዲቶም ከኣ እግዚእ-ኃረያ ይበሃሉ። ጸጋዘኣብ ካብ እቶም ንቤተክርስትያን ብሃይማነቶም ብርሃን ዝኾኑዋ ወገን ካህናት እዩ። እዞምቅዱሳን ስድራ ውላድ ስለ ዝደንጎዮም ብዙኅ ይኃዝኑን ይትክዙን ነይሮም፡ ኣማላኽ ውላድ ክህቦም ከኣ ብዘይ ቀቢጸ ተስፋ ይጽልዩነይሮም።
ኣብ ከምዚ ትካዘ እንከለዉ ሰይጣን ንመተሎሜ ናይ ዳሞት ንጉሥ ንክፉእ ኣለዓኣሎ ንኣብያተ ክርስቲያናት ከፍርስ፡ ንዝረኸቦ ከኣናብ ጣዖት ክሰግድ ከገድዶም ጀሚሩ። ኵሎም ሰብ ሥልጣን እታ ሃገር ኣንስቶም በብታራ ይህብዎ ነይሮም፡ ካብተን ዝማረኸንምልክዕቲ ሰበይቲ ኣንተረኺቡ ምስኡ የቐምጠን ነይሩ። በቲ ጊዜ ኣብ ምድረ ጽላልሽን ዞረሬን በጽሐ፤ ንኹሎም ክርስቲያናት ከኣቀተለ፡ ጸጋዘኣብ ካብቲ ዝነበረ መዓት ክኽውል ናብ ቀላይ ኣተወ፡ እቲ ቀላይ ከም ቤት መዕቆቢ ኮኖ፡ ንእግዚእ-ኃረያ ግናወተረሃደራቱ ማረኽዋ እሞ ናብ ንጉሥ ድማ ኣብጽሕዋ።
ንጉሥ ምስ ረኣያ ብመልክኣ ተደነቀ ብልቡ ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ ኣዝዩ ዘጌጸ ክዳውንቲ ኣልቢስዋ ድማ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ነቶምኣዘዝቱ ከብካብ ክገብሩላ ኣዘዘ እዚ ምስ ሰምዐት እግዚእ ኃረያ ምስ ኣረሚን ካብ ምውሳብ መታን ከድኅና ናብ እግዚአብሔርጸለየት ብኡንብኡ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት መጺኡ ካብ ማእከል እኩባት ሕዝቢ ኣውጽኣ፡ ብብርሃን ክንፉ ተሰኪሙ ድማካብ ምድረ ዳሞት ናብ ምድረ ዞረሬ ኣብጸሓ። ኣብ ናይ ጊዜ ጸሎተ ዕጣን ከኣ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣእተዋ፡ ጸጋዘኣብ ማዕጠንት ኂዙካብ ውሽጢ መቕደስ ምስ ወጸ ብምልኩዕ ኣልባስ ዝተሠርገወት ሰበይቲ ደው ኢላ ምስ ረኣየ ተደነቀ ብልቡ ከኣ ከምዚ በለእንታይ ደኣላ እዛ ሰበይቲ፧ ናብዚ’ኸ መን ኣምጸኣ፧ ጸሎት ወዲኡ ምስ ሓተታ ከኣ ሰበይቱ ምዃና ፈለጠ ኵሉ ዘጋጠማንእግዚኣብሔር ዝገበርላን ከኣ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ነገረቶ ብድሕር'ዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብለይቲ ተራእዩ ምስክርነትጽድቁ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝበጽሕ ውላድ ከም ዝወልዱ ነገሮም ። ድኅሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተጸንሰ፡ብ24 ታሕሳስ ከኣ ተወልደ ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ኵሎም ኣዝማዱን ከኣ ዓቢይ ሓጎስ ኮነ ፡ ጥምቀተ ክርስትና ክህብዎከለዉ ፍስሓ ጽዮን ኢሎም ሰመይዎ። ምስ ተወልደ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ከኣ ከምዚ በለ አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ። እቲ ሕፃን ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኃይልን ጥበብን ዓበየ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ከኣ ይገብር ነበረ።
ወለዱ ቀለብ ኣብ ዘወድእሉ ጊዜ ብኣጻብዕቱ ናይ ሓሩጭ መቐመጢ ምስ ተንከፈ ቤቶም ኵሉ ብበረኸት እኽልን ዘይትን መልአ፡ እቶም ነዚ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ኣዚዮም ተደነቑ። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ መዝሙረ ዳዊትን መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንመሃሮ ። ኣቡኡ ማዕረገ ዲቁና መታን ክቐብኦ ናብ ጳጳስ ኣባ ቄርሎስ ወሰዶ በቲ ጊዜ ኣባ ብንያሚን (ብንያም) ሊቀ ጳጳሳት ናይእስክንድርያ ብመንግሥቲ ዛጔ ብ1090 ናብ ጳጳስ ምስ ኣብጽሕዎ እዚ ቆልዓ ኅሩይ ኣቕሓ ናይ እግዚአብሔር ክኸውን ኢሉ ተነበየሉ።ሢመተ ዲቁና ተቐቢሉ ከኣ ናብ ዓዱ ተመልሰ ዓቕሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ እንስሳታት ክሃድን ናብ በረኻ ወፈረ እግዚአብሔር ከኣብኣምሳል መንእሰይ ብጽቡቕ ኣምሳል ተራእዮ ከምዚ ከኣ በሎ ኦ ፍቁረይ ኣይትፍራሕ ካብ ሕጂ ሃዳናይ ኣራዊት ኣይኮንካንእትኸውን ናይ ብዙኃት ሰብ ነፍሳት ክትሃድን ኢኻ ስምካ ኸኣ ተክለሃይማኖት ይኹን ኣነ ኣብ ከርሢ ኣዴካ ከሎኻ ከም ኤርምያስነቢይን ዮሐንስ መጥምቅን ኃርየካየ። ዝሓመሙ ክትፍውስን ኣጋንንቲ ከተውጽእን ሥልጣን ሂበካ ኣሎኹ ኢልዎ ካብኡ ተሰወረ ናብቤቱ ከኣ ኣተወ። ድኅሪ ቅሩብ ጊዜ ከኣ ኣብኡን ኣዲኡን ዓረፉ።ድኅሪ ሞት ወልዱ ኵሉ ሃብቱ ንድኻታት ሃቦም፡ ገዝኡ ኸፊቱ ገዲፉድማ ብለይቲ ከምዚ እናበለ ወጸ “ ምንተ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኃጕለ’’። ብድኅር'ዚ ሢመተ ክህነትተቀበለ ወንጌል ክሰብኽ ወሰነ ፡ ብሓደ መዓልቲ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃት ኣጥመቀ፡ ንመምለኽቲ ጣዖታት ኵሎም ሠዓሮም፡ ዘምልኽዎዝነበሩ ኣእዋም ቆራረጾ ኣብኡ ኃዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሃዲሞም ከዱ። ብድሕሪ ሠለስተ ዓመት ካብ ሰማይ ከምዚ ዝብል ድምጺሰምዐ “ኦ ተክለሃይማኖት ተንሢእኻ ናብ ምድረ ዳሞት ኪድ" ከም ዝተንገሮ ተንሢኡ ከደ፡ ኣብ መንገዲ ጠንቆልቲ መሰርያን ረኸብዎምስ ተኸራከሮም ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአ ብጽኑዕ ሃረምዎ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሕዎ ፡ ምሳጋና ይኩኖ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ከኣ ጉድኣት ዘይብሉ ብጥዕዩ ኣተንሥኦ ፡ ብከምዚ ከኣ 40 ዓመታት ዝኣክል ጸንሐ ስለ ዘይተመልሱ ናብ ኣምላኹ ጸለየብሕይወቶም ከለዉ ከኣ ምድሪ ወሓጠቶም ናብ ብሔረ ዳሞት ከይዱ ነቶም መሠርያን ኣጥፈኦም ንጉሥ መተሎሜ እዚ ምስ ሰምዐብጽኑዕ ኣሲሮም ናብኡ ከምጽእዎ ከኣ ኣዘዘ። ንምንታይ ሃገረይ ተናዕባ ኣለኻ ኢሉ ናብ ጸድፊ ኣጽዲፎም ክቀትልዎ ኣዘዘ። ብዙኅ ጊዜኣጽደፍዎ እግዚአብሔር ከኣ ብጥዕዩ ካይተጎድአ ኣተንሥኦ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣዚ ተኣምራት ምስ ገበረ ነቶም መሠርያኑ ኣጥፍኦምበቲ እጹብ ተኣምራት ከኣ ንጉሥ መተሎሜ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ቅድሜኡ ከኣ ምውታት ኣተንሥአ፡ በታ ዕለትእቲኣ ከኣ ብዙኃት ተጠምቁ ንኩሎም ክቐብኦም ሜሮን ምስ ተወድኦ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ኣውረደሉ። ኣብዚ ታቦት ነዞምሕዝቢ ቅዱስ ምሥጢራት እናሃብካ ኣገልግሎም ኢኻ በሎ። ከምቲ ዝበሎ እናገበረ ንንጉሥ መጻሕፍቲ ናይ ነቢያትን ሓዋርያትንእናመሃሮ ጸንሐ። ኣብ ዳሞት ን12 ዓመታት ምስ ጸንሐ ብዕለተ ፋሲካ ናይ ጐይታ፤ ናብ ኣባ በጸሎተ ሚካኤል ኪድ ዝብል ካብ ሰማይመጾ ምስቶም ኣርድእት እናተራድአ ን10 ዓመታት ጸንሐ፡ ብመዓልትን ብለይትን መንፈሳዊ ሓገዝ ይፍጽም ነበረ፡ ከም ግብረ ማህረጽማይ ምቕዳሕ ዕንፀይቲ ምውፋር ዝኣመሰሉ። ምውታት ብምትንሣእን ዝሓመሙ ብምፍዋስን ከኣ ብዙኃ ተኣምራት ይገብር ነይሩ።ጐይታ ከኣ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ናብ ናይ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማእት ሥፍራ ሓይቅ እትበሃል ኪድ ናብ ቅዱስኢየሱስ ሞዓ ንሱ ኣርዑት ሙንኲስና ክህበካ’ዩ" በሎ ተንሢኡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ከም መሬት እናረገጾ ሓለፈ። ኣባ ኢየሱስ ሞዓ ከኣ ልብሰምንኲስና ሃቦ ኣብኡ ከኣ ን10 ዓመት ብዙኅ ተኣምራት ኣናገበረን በብ6000 ሽሕ እናሰገደ ጸንሐ ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣግዚአብሔር ከምዚበሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ተንሢእካ ናብ ደብረ ዳሞ ኪድ ኣብኡ ከኣ ዮሃኒ ዝበሃል ቅዱስ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ካብኡ ከኣቆብዕ ኣስኬማ ውሰድ ክሳብ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ በሎ።" ቆብዕ ኣስኬማ ወሲዱ ብዙኅ እናተጋደለ ን12 ዓመት ጸንሐ ። ጐይታኣንደገና ተራእዮ ካብ’ዚ ደብሪ ውጻእ ንኲሎም ኣበምኔታት ናይ ትግራይ ብጻሕ በሎ ካብ ደብረ ዳሞ ብገመድ እናወረደ ከሎ ኣቲገመድ ተበትከ ከም ንስሪ ከኣ ብኣክናፍ ንላዕሊ ወጸ ኵሉ ኣድባራት ምስ በጽሐ ብመልኣኽ ተመሪሑ ብእግሩ ናብ ኢየሩሳሌምወረደ። ብቅዱሳት መካናት ተባሪኹ ናብ ገዳማት ትግራይ ተመልሰ። ምስ ኲሎም ቅዱሳን ከኣ ተራኸበ፡ ካልኣይ ጊዜ ሣልሳይ ጊዜ‘ውን ናብ ኢየሩሳሌም ወረደ ኣብኡ ክነብር ‘ውን ደለየ መንፈስ ቅዱስ ግና ናብ ዝተወለድካሉ መሬት ተመለስ ክፍልኻ ኣብኡ እዩ" በሎ ። ምስ ተመልሰ ምስ ኣባ ዮሓኒ ኣብ ደብረ ዳሞ ተራኸበ፡ ናብ ምድረ ቡር ከይዱ ከኣ ምስ ኣባ መድኃኒነ እግዚእ ምንኲስና ዝሃቦጒናጒና ኣብ ዝበሃል ቦታ ተራኸቡ ኣቦ ብዙኃት ክትከዉን ኢኻ ኢሉ ከኣ ተነበየሉ። ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ሓደ ካባኣቶም ናይምንኲስና ውልዱ እዩ። ካብኡ ወጺኡ ናብ መካነ ሓይቅ ከደ ካብኡ ድማ ኵሉ ገዳማት እናበጽሐ ምድረ ሸዋ ከደ 16 ዝኣኽሉኣርድእት ምስኡ ተጸምበርዎ ልብሰ ምንኲስና ከኣ ኣልበሶም። ብድኅርዚ ናብ ግራርያ ከደ ብብዙኅ ገድሊ ጸንሐ ብመዓልትንለይትን ካብ ገዳሙ ካይወጸ ንጸሎት ይነቅሕ ነበረ፡ ብዘይ ቆጽሊ ከኣ ካልእ ኣይበልዕን ፡ ማይ ጥራሕ ይሰቲ ነበረ፡ ብዙኃት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብኡ መጺኦም ይምንኲሱ ነይሮም ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ገዛ ብሓደ ይሓድሩነይሮም ሰይጣን ብኃይሊ ጸሎት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ስለ ዝተኣሥረ ብንጽሕና ብዘይ ገለ ነገር ይነብሩ ነይሮም። ኣብ ግዜ ጸሎተቊርባን ብሓደ ይቆሙ ነይሮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብቲ ዝጽልይሉ ቦታ ብየማን ብጸጋም ንሥጋኦም ዝወግእ በላሕቲ ሓፂንውንተኸሉ ደው ኢሎም ጸሎት ስለ ዘንወሑ ሓንቲ እግሮም ተሰብረት ፡ ብሓንቲ እግሮም ቆይሞም ከኣ ን7ተ ዓመታት ጸለዩ ብድኅር’ዚጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹኖ'ሞ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ምስ 12 ሓዋርያትን ጻድቃንንሰማዕታትን ቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ናብኡ መጺኡ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ብሕማመይ ንኣይ መሲልካ ኢኻ‘ሞ ኣብ መንግሥተይክቀምጠካ እየ ካብ ሕጂ ኩሉ ናይ’ዚ ዓለም ድኻምካ ተወዲኡ እዩ ገድልኻ ተቕቢለዮ እየ ፡ ካብ ሕጂ ናይ ዘልዓለም ሕይወትክትወርስ ነዓ" ኢሉ ኪዳን ኣተወሉ። ስሙ ንዝጽውዕ ተዝካሩ ዝገበረ ብስሙ ምጽዋት ዝሃበ መጽሓፍ ገድሉ ዝጸሐፈ ብጸለቱንዝተኣመነ ኣነ ኣብ ኩሉ መከራኡ ክረድኦ እየ ኃጢኣቱ ከኣ ክሠርየሉ እየ ኢሉ ሰላምታ ሂቡ ናብ ሰማይ ዓረገ ። ኣቡነ ተክለሃይማኖትንቕሩብ ጊዜ ሕማም ውጽኣት ምስ ሓመሙ ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልትን ብሰላም ዓረፉ ብክብርን ብምስጋናን ከኣ ቀበርዎም።
ጸሎት ልመንኦም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን በረኸቶም ኣይፈለየና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
ዲያ. ሙሉእ
ዘቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት
ሳንኣንቶንዮ ቴክሳስ