በዓለ ጲራቅሊጦስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

ዐርገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ

ወወሀብከ ጸጋከ ለእጋለ እምሕያው

              እስመ ይክህዱ ከም ይኅድሩ ።    መዝ.67-18

                     ኤፌ.4፣1-17።    1ይዮሓ.2፣1-18።    ግ,ሓዋ.2;-1-14:      ዮሓ.14፣1-22።

ጰራቅሊጦስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ብግሪኽ ቋንቋ ኣጸናንዒ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፣ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ መብል ዓሰርተ መዓልቲ ዝኽበር ናይ መንፈስ ቅዱስ በዓል እዩ። ካብ ሰለስቱ ኣካላተ ሥላሴ ሓደ ዝኾነ ንመንፈስ ቅዱስ ዝወኃብ ስያሜ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ኃምሳ ንቤተ ክርስቲያን ብኣሚነ ሥላሴ ኣጽኒዑ ንኹሉ ዓለም ናብ ሓቒ ንኽመርሓ ምውራድ ዘመልክት እዩ።

ጰራቅሊጦስ ማለት

† ናዛዚ ( ኣረጋጋኢ) ማለት እዩ። ንኹሉ ሰብ ስለዝ ዘረጋግእ።

† ከሣቲ (ገላጺ) ምሥጢራት ስለዝገልጽ ።

† መንጽሒ( ዘንጽኅ) ማለት እዩ። ንሰብ ካብ ኃጥያት ስለ ዘንጽኅ።

† መጽንኢ (ዘጽንዕ) ማለት እዩ። ንሰብ ኩሉ ብምግባርን ብሃይማኖትን ስለዘጽንዕ።

† መስተስርይ ( ኃጢያት ዝድምስስ) ማለት እዩ። ናይ ኩሉ ሰብ ኃጥያት ስለዝድምስስ።

† መስተፍሥሒ (ደስታ ዝህብ) ማለት እዩ። ንሰብ ኩሉ ደስ ስለዘብል እዩ።

(መጻሕፍተ ሠለስቱ ሐዲሳት፣ ገጽ ፪፻፹፫)። እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጭቃ ሓጥያት ዝወደቁ ከምዘንጽሆም፣ ኣብ መንፈሳዊ ተጋደሎ ዘለዉ ኩሎም ኣብ ኩሉ መከራኦም ከምዘበርትዖምን ዘጽንዖምን፣ ንዘይተረጋግኡ ዘረጋግእ፣  ዝሓዘኑ ከምዘጸናንዖም፣  ዝደኹሙ ከምዘበርትዖም፣  ዝተከዙ ሐሴት ከምዝኅብ ዘረድእ እዩ። ሰማዕታት ናብ ደም ፣ መንኮሳት ናብ ገዳም፣ ማኅበር ክርስቶስ ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ልቦናኦም ኣበጋጊሱ ዝመርሕ እሱ እዩ። መንፈስቅዱስ። ዮሓ፣16፣12። ፲፮፥፲፪።

ጰራቅሊጦስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ።  ጰራቅሊጦስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ንሚእትን ዕስራን ስድራ ክርስቶስ ኣብ ቤት ኣደ ማርቆስ ተ ኣኪቦም ከለዉ ወሪዱ ብእሳትን ንፋስን ኣምሳል ተገሊጽሎም። ንኹሎን ከኣ ኣብቲ ዕጹው ማዕጾ ከለዉ ሰባን ሓደን ቋንቋ ገሊጽሎም።

እዚ ቋንቋ ንሓዋያርቱ፣ ንሰብአ ክልእተ አርድእት፣ ንሰላሳን ሽዱሽተን ቅዱሳት ኣንስት ንኹሎም ከከም ዓቕሞም ገሊጽሎም። ዝለዓለ ንሓዋርያት ሰብዓን ሓደን ክገልጸሎም ከሎ፣ ዝተሓተ ከኣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክኸውን ከሎ፣ ንቅዱሳን ኣንስትን ንሰብዓን ክልተን ኣርድእትን ከከም ዓቅሞም ገሊጽሎም። ግ.ሓዋ .2፣1።

እዚ ሰብዓን ክልተን ቋንቋ ሰብኣ ከለዳውያን ከተማን ምድረ ግምብ ሰማይ ዝበጽሕ ንሥራሕ ኢሎም ምስ ፈጣሪኦም እግዚአብሔር ምስ ተባእሱ ፣ እግዚአብሔር ቋንቋኦም ምስ ደባለቀ ሰብዓን ሓደ ቋንቋ ኮነ። እዚ ቋንቋ ከኣን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ንሓዋርያት ተገሊጽሎም።  ዘፍ.11፣1-9።

ቋንቋ ሓሙሽተ መሠረታዊ ነገራት ኣለዎ።

  1. ፊደል ዝጸሓፎ፣
  2. መጸዊዒ ስም ዘለዎ፣
  3. ሃገር ዝንገሮ፣
  4. ተዛራቢኡ ቋንቋ ዝፈልጦ፣
  5. ሰማዒዑ ክንገር ከሎ ዝሰምዖ ክኸውን ኣለዎ። ነዚኦም ዘየማልእ ግና ሙሉእ ቋንቋ ኣይበሃልን እዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ዝተፍላለዩ ናይ እምነት ትካላት መንፈስቅዱስ ወሪድና ልሳን ተገሊጽልና ኢሎም ዝዛረብዎ፣ ናይቲ ቋንቋ ስም እንታይ እዩ᎒ ፊደሉ’ስ᎒ ሃገሩ ኣበይ እዩ ᎒ ነዚ ሕቶ ምስእንሓቶም መልሲ የብሎምን። መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ዝገለጸሎም ቋንቋ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገር ዝተኣከቡ ሰባት ንኸምህሩሉ እዩ። ግ.ሓዋ.2፣1።

መንፈስ ቅዱስ ንፍጡራን ዝገለጽ ፍጡራን መሲሉ እዩ።

† መንፈስ ቅዱስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቅ ከሎ ብርግቢ ኣምሳል ተገሊጺ እዩ።

ማቴ.3፣16። “ እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፈተ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ።”

 መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ርግቢ ዘይምኻኑ ብኸመይ ይፍለጥ᎒

† ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቐ ንግሆ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ እዩ። ርግቢት ብለይቲ ኣይትንቀሳቀስን እያ። ብቀትሪ ተዘይኮይኑ።

† ዝወረደ ካብ ሰማይ እዩ። ርግቢት ኣብ ሰማይ መንበሪኦም ኣብ ሰማይ ኣይኮነን። ስለዚ በዚ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ንፈልጥ።

ንምንታይ ንመንፈስ ቅዱስ ርግቢ ኢልዎ᎒

† ርግቢ ሓዳጊት በቀል እያ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኃዳጊ በቀል ስለዝኾነ

† ርግቢ ማይ ኣይሂ ካብ ምድሪ ምጉዳሉ ንኖህ ዘበሠረት እያ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ተስፋ መስቀል የበሥረና።

† ርግቢ መንገፍገፋ (ክንፊ) ዋላ እተተሃርመት፣ እንቋቅሖኣ ዋላ እንተሰበሩላ፣ ገዝኣ እንተዘይኣፍረሱላ ቦታኣ ኣይትገድፍን እያ።

† መንፈስ ቅዱስ ከኣ ዋላ ኃጢያት እተሠራሕና እንተዘይኪሑድናዮ ኣይገድፈናን እዩ። ስለዚ ብርግቢ ተመሲሉ።

መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ብእሳትን ነፋስን ኣምሳል ተገሊጽሎም።

በዓለ ኅምሳ ምስ በጽሐ ኩሎምብሓደ ልቢ ከለዉ። “ ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ድሃይ መጸ፣ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንዝብላ መልኣ።እተመቓቀለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ ኩሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም  ” ግ.ሓዋ.2፣2-3፣፪፡፪-፫።

መንፈስ ቅዱስ ንምንታይ ብንፋስ ተመሲሉ ᎒

† ንፋስ ረቒቅ እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ’ውን እዩ።

† ንፋስ ኃያል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኃያል እዩ።

† ንፋስ ፍረ ካብ ገለባ ይፈሊ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ጻድቃንን ኃጥኣንን ይፈሊ።

† ንፋስ ብምልኣት ከኣ ኣይፍለጥን፣ ባሕሪ ክግስጽ፣ ገብረ ከወዛውዝ ከሎ ሥርሑ ይረኣ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብምልኣት ኣይረኣን፣ ቋንቋ ከዛርብ ምሥጢር ክገልጽ ከሎ ሥርሑ ይግለጽ።

† ንፋስ መዓዛ የምጽእ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ መዓዛ ጸጋ የምጽእ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ብንፍስ ተመሲሉ።

 መንፈስ ቅዱስ ንምንታይ ብሓዊ ተመሲሉ᎒

† ሓዊ ሙሉእ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሙሉእ እዩ።

† ሓዊ ጣእመ መዓዛ የምጽእ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ጣእመ ጸጋን መዓዛ ጸጋን የምጽእ።

† ሓዊ ብመጠን ክትሞቆ ሕይወት ይኸውን፣ ካብ መጠን እንተሓሊፉ ግና ብሙቀቱ ትቃጸል። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብዝግባእ ዝተጻሕፈ እንተመርመካዮ ሕይወት ይኾነካ፣ ዘይግባእ ካብቲ ዝተጻሕፈ ወጺኡ ዝምርምሮ ከኣ መቕሰፍቲ ይመጾ።

† ሓዊ ዘቅረብሉ ኩሉ የቃጽል እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ’ውን ሕዝብ ኣሕዛብ ዝጸለይዎ ጸሎት ዘቅረብዎ መሥዋእት ይቅበል።

† ሓዊ ማይ ገደል እንተዘይከልከሎ ንኹሉ ከጥፍእ እየ እንተኢሉ ይኽእል እዩ። መንፈስ ቅዱስ’ውን ምሕረቱን ርህራሄኡን ጥራሕ እንተዘይገዲብዎ ንኽሉ ከጥፍእ እየ እንተኢሉ ይከኣሎ እዩ።

† ሓዊ ዱር ይገልጽ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ምሥጢር ይገልጽ።

† ሓዊ ዝበልዖ መሬት ንእኽሊ ብተኽሊ ይጥዕም። መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብነት ከኣ ንትሩፋት ይተግህ።

ሓዊ ካብ ሓንቲ ሽግ ካልእ ሓምሳ ስልሳ እንተኣብርሁ ተከፍሎ የብሉን። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ተከፍሎ ከይሃለዎ ስጋብ ዳግማይ ምጽኣት ክወሃብ ከነብር እዩ።

ስለዚ†  መንፈስ ቅዱስ ብሓዊ (ብእሳት) ተመሲሉ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ቅድሚ በዓለ ሓምሳ ጰራቅሊጦስን ድሕሪኡን ዝተፈለዩ ፍጡራት እዮም ኮይኖም። ቅድሚ ጰራቅሊጦስ ፈርሓት፣ ጎደሎ እምነት ፣ ዝነበሩ ክዀኑ ከለዉ፣ ድሕሪ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምቅባሎም ግና እዞም ዝተጠቅሱ ድኽመታት ኩሎም ጠፊኦም ፣ትቡዓትን ሙሉእ እምነት ሓደሽቲ ፍጡራት እዮም ኮይኖም። እዚ ኩሉ ዝዀነ ብዝተቐበልዎ ጸጋ እዩ።

ሎሚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራዳኢነት ምስ ኩልና ኣሎ። ብጸጋኡ ኩሉ ግዜ ይበጽሓና እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝፈልየና ነገር እንተሎ ዋላ ካብ ቅድም እንተሪኢና ናብ ሰብ በደል እዩ ብሓጥያትና ካብ መንፈስ ቅዱስ ንፍለ። ሎሚ'ውን በድልናን ሓጥያትናን ቅዱስ መንፈስ ካባና ክርሕቅ ይገብሮ። ንሕና ብንነብረሉ መገዲ መንፈስ ቅዱስ ይቐርበና ወይ ይርሕቐና። ብንጽሕና ንገዛእ ርእስና ሓሊና ፣ካብ ሓጥያት ብምርሓቅ  ናይ ጸጋኡ ተኻፈልቲ ንምዃን የብቅዓና ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ጸጋኡን የብዝሓልና። ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለወስቀሉ ክቡር።

ዘሚካኤል

Comments are closed.