በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣
ምስባክ
አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣
ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣
ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።
መዝ.18-4 (19-4)
2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20።
ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ ዝጥቀሱ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዮም። “ ንሥጋኹም ዝቀትሉ ግና ንነፍስኩም ምቅታል ዘይክእሉ ኣይትፍርሕዎም…….” ዝብል ናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል መምርሒ ብምግባር ንቤተክርስቲያን ኩሉ ጌሮም፣ ኩሉ ኮይኖም ናይ ሰማእትነት ጽዋእ ተቀቢሎም እዮም።