ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣

ምስባክ

አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣

ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣

ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።

 መዝ.18-4 (19-4)

2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ ዝጥቀሱ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዮም። << ንሥጋኹም ዝቀትሉ ግና ንነፍስኩም ምቅታል ዘይክእሉ ኣይትፍርሕዎም…….>>  ዝብል ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል መምርሒ ብምግባር ንቤተ ክርስቲያን ኩሉ ጌሮም፣ ኩሉ ኮይኖም ናይ ሰማእትነት ጽዋእ ተቀቢሎም እዮም።

ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ኣእማድ እዮም። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ከኣ ዓቢ ቦታ ኣለዎም። እዚ ከኣ ዝኾነ ንቤተ ክርስቲያና ኣብ ቤተ ክርስቲያናን ዝፈጸምዎ  ኣገልግሎትን ዝተቀበልዎ ሰማእትነትን እዩ። ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ዝኽሪ ታሪኾም ንዓና ንኣብነት ክኸወን ኣስፊሮሙልና እዮም። ታሪኾምን ፍልጠቶምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ንዕና ከኣ ዓቢ ኣብነት እዩ። ከም እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቓድ ናይዞም ክልተ ቅዱሳን ኣቦታት ታሪኽ ፍልጠትን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ካብዚ ብምቅጻል ንርአ።

  1. ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክጽውዑ ከለዉ ዝነበርዎ ሕይወት

ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ማዕዶ ትርከብ ቤተሳይዳ ክውልድ ከሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ኣብ ጤርሰስ ከተማ ተወሊዱ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሓዉ እንድርያስ ከሎ ኣብ ባሕረ ገሊላ ዓሳ እንዳገፈፈ ከሎ እዩ ተጸዊዑ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ መብል 15 ዓመቱ ኣብ ምስ መምህረ ኦሪት ገማልያ ትምህርቲ ተማኂሩ ናይ ኣይሁድ ሕግን ሥርዓትን ከኣ ተማኂሩ።  

ኣብ መበል 30 ዓመቱ  ከኣ ኣባል ባይቶ ኮይኑ፣ 1ይቆረ. 1፣ 17- ግ.ሓዋ.22-3።

2 ናይ እግዚአብሔር መጸዋዕታን ናይ ክልቲኦም ቅዱሳን ሓዋርያት መልሲ

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኹሉ ወዲ ሰብ ንቅድስና ንምግባረ ትሩፋትን ንሰማእትነት ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ጸዊዑ እዩ።መጸዋዕታ ኡ ሰሚዖም ንዝተጸወዕሉ ዓላማ ተረዲኦም፣ ከም ናቱ ፍቓድ ዝተጋዕዙ ውሑዳት ኣይኮኑን። ማቴ. 22፣14። ካብ ዚኣቶም ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጴጥሮስን እቶም ቀንዲ እዮም።

እዚኦም ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ሓዋርያት ን ኣገልግሎት ዝተጸውዕሉ መገዲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሓዉ እንድርያስ ኣብ ባሕረ ገሊላ ጌንሴሬጥ ኣብ ትበሃል ዓዲ ዓሳ ይገፍፍ ኔሩ። ኣብዚ እዋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ስዓቡኒ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ።> ብምባል ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሓዉ እንድርያስ ጸዊዕዎም። ማቴ.4፣18። በዚ መሰረት ነተን ዝነበርኦ ንብረት መነባበሪኡ መርበብን ጃልባን ከሙኡ ከኣ ንኣቡኡ ገዲፉ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሲዒብዎ። ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ክሕጸ ከሎ ወዲ 55 ዓመት ከም ዝነበረ ቅዱሳት ናይ ቤተ ክርስቲያና መጽሓፍቲ ይነግሩና።

ዋላ እኳ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተጸውዕሉ ኣገልግሎት ዓላምኡ ዋላ ሓደ እንተኾነ ዝተጸውዓሉ መገዲ መገዲ ግና ካብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብጣዕሚ እዩ ዝፍለ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘምኅረሉ ዘመን ቅዱስ ጳውሎስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣይነበረን። ብቀጥታውን ካብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣይተመኃረን። ኣብቲ እዋን ግን ኣብ ኢዮርሳሌም ስለ ዝነበረ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣገልግሎት ይፈልጥ ኔሩ እዩ። ንኦሪትውን ኣዝዩ ቀናኢ ብምዃኑ ንክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ይቓወሞም ኔሩ። ኣብ መበል 32 ዓመቱ ካብ ኢዮርሳሌም 123 ኪሎሜትር ርሕቀት ብወገን ሰሜን ትርከብ ናይ ደማስቆ ከተማ ብዙሓት ክርስቲያናት ምንባሮም ምስ ሰምዐ፣ ንክርስቲያን ከሳድድ ከሳጉጎም ዝኽእል  ናይ ፍቓድ ደብዳቤ  ካብቶም ሰበ ሥልጣን ረኸበ። እሱ'ውን ንክርስቲያን ከሳድድ ናብ ደማስቆ ገጹ ኣምርሐ ። ኣብ መግዲ እንዳኸደ ከሎ ካብ ሰማይ ብርሃን ወረደ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ ። ቲ'ዝወረደ ብርሃን ነጸብራቅ ንቅዱስ ጳውሎስ ናብ መሬት ውድቐ ። ኣብቲ ብርሃን ውሽጢ << ሳውል ሳውል ንምንታይ እትሰጐኒ>> ዝብል ኣምላኻዊ ድምጺ ሰምዐ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን << ጐይታ መን ኢኻ ።>> ኢሉ ሓተተ። ንዝሓተቶ ሕቶ << ንስኻ እትሰጎ ኣነ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ እየ።>>  ዝብል መልሲ ረኸበ። ቅዱስ ጳውሎስ እንዳተንቀጥቐጠ ኣብቲ ዝወደቐሉ ኮይኑ << ጐይታና እንታይ ክገብር ትደሊ… >> ኢሉ እሱ ክገብሮ ዝግባእ ነገር ሓተተ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ከኣ ተሢእካ ናብ ደማስቆ ኪድ ኢሉ ናብ ካህኑ ኃናንያ ለኣኾ። ግ.ሓዋ.  9፣1።

ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ መልክዕ ናይ እግዚአብሔር መጸዋዕታ ተቀቢሉ ብኢደ ካህኑ ኃናንያ ተጠሚቑ ናብ ማኅበር ሓዋርያት ተጸንበረ። ኣቐዲምና ከምዘረኣናዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀደም ግብሩ ኩሉ ገዲፉ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝሰዓቦ ቅዱስ ጳውሎስ'ውን ናይ ቅድም ኩሉ ግብሩ ገዲፉ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓብቲ ምስ ዝኾኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ተጸንበረ። ከም ቅዱሳን ሓዋርያት ንናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸዋዕታ መልሲ ሃበ። 

ቅዱስ ጳውሎስ ዝተጸውዐ ሰለስተ ግዜ እዩ። ዝተጸውዐውን ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ናቱ መጸዋዕታ ናይ አብ መጸዋዕታ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ እዩ። እዚውን ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጾ ከሎ<< እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፍለየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ…. >> ብምባል ኣብ ገላ. 1፣15-16። በዚ ከኣ አብ እግዚአብሔር ብዝብል ኣምላኻዊ ስሙ ከምዝጸውዖ ብምሥጢር ንርዳእ። እቲ ካልኣይ መጸዋዕታ ብእግዚአብሔር ወልድ እዩ። ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ ኣብ ደማስቆ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምንታይ እትሰጎኒ ኢሉ ብጸዳለ ብርሃን ዝተገልጸሉ ዳሕራይ ናብ ካህኑ ኃናንያ ዝለኣኾ። ኣብቲ እዋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ከምዝመረጾ ንካህኑ ኃናንያ ከረድኦ ከሎ <<  ጐይታ ግና እዚ ሰብኣይ እዚ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር ንዓይ ኅሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፣ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግባእ ኸርእዩ እየ…. >> ብምባል እዩ። ግ.ሓዋ.9፣15።  

ቅዱስ ጳውሎስ ብአብን ወልድን ጥራይ ዘይኮነ ብመንፈስ ቅዱስ'ውን ንኣገልግሎት ዝተመርጸ እዩ። እዚ ዝኾነ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንኣቦታትና << በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለ በሎም። > ግ,ሓዋ.13-1። ኣብ ዝበለሉ እዋን እዩ። ኣብቲ እዋን  << እዚኣቶም ንእግዚአብሔር ከገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ከኣ መንፈስ ቅዱስ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎ እም ሰደድዎም። ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ>> ብዝብል ኣምላኻዊ ቃል መሠረት እዩ። ግ.ሓዋ. 13፣3-4።  ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መጸዋዕቱኡ መጸዋዕታ ጥራሕ ዘይኮነ ምሥጢረ ሥላሴ ዝተገልጸሉ እዩ። ብናቱ ምምራጽ ውሽጢ ናይ ቅድስት ሥላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ተገሊጹን ተመኪሩን እዩ።

3.መደብ ኣገልግሎቶም

ግብረ ሓዋርያት ዝጅምር ብቅዱስ ጴጥሮስ ክኸውን ከሎ ናይ ምዕራፉ መፈጸምታ ድማ ብቅዱስ ጳውሎስ ኣገልግሎት እዩ። በዚ መሠረት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣይሁድ (ንዝተገዘሩ) ብኣቦነት ክሕልዎም ክሽየም ከሎ። ብተመሳሳሊ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ንኣህዛብ (ዘይተገዝሩ) ክሕልዎምን ከምህሮምን ተሸይሙ። ብዛዕባ እዚ ነገር ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብአ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ << እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሓዋርያነት ኣብ ግዙራት ዝዐየየ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዐየየ እሞ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዝራት ንዓይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂቡኒ ምስ ረኣዩ፣… >> ብምባል እዩ ዝገለጾ። ግ.ሓዋ.2፣7-9።
በዚ መደቦም መሰረት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኢዮርሳሌም ፣ ኣንጾክያ ፣ ይሁዳን ሰማርያን ከምእ'ውን ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣይሁድ መንግሥተ እግዚአብሔር ክሰብክ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፣ ኣብ ቆጵሮስ፣ መቅዶንያ፣ ግሪኽ ፣ተሰሎንቄ፣ ፊሊጰስዮስ ፣ቆሮንጦስል ኤፊሶን ሮምን ኣብ ካልኦት ቦታታት ሰቢኹ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ኣብዚኦም ከባቢታት ዝነብሩ ህዝብን ኣህዛብን ተኸፋፊሎም ከምህሩ ናይ ገዛእርእሶም ከባቢያዊ ተጨባጢ ኩነታት ይጥቀሙ ኔሮም እዮም።
ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኣይሁድ መምህር ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ስብከቱን መልእኽቱን ኣዘውቲሩ ካብ ብሉይ ኪዳንን ካብ መዝሙር ዳዊት ዝተፈላለዩ ጥቅስታት ይጥቀም ኔሩ። ሓዋርያት መተካእታ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ መተካእታ ሰብ ክመርጹ ከለዉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እሱ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዝሙር መጽሓፍ << ገዛኡ ይዖኑ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ ሽመቱውን ካልእ ይወስዳ .።>> ብምባል ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ጠቒሱ እዩ ተዛሪቡ። ግ.ሓዋ. 1፣20-22። መዝ. 69-25። መዝ.109-8።

ካብዚ ተወሳኺ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ሃምሳ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ድሕሪ ምውራዱ ነበየ እግዚአብ ሔር ዩኤል ብዛዕባ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምዕራፍ 2፣2-32። ዘሎ ብምጥቓስ እዩ ጺሒፉ። እዚ ከኣ << በተን ዳሕሮት መዓልታት ኪኸውን እዩ ይብል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሥጋ ዘበለ ኹሉ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ ኣጒብዝኩምን ከኣ ራእይ ኪርእዩ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሓልሙ እዮም። በተን መዓልታት ድማ ኣብ ሰቡኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ ንሳቶም ከኣ ኪንብዩ እዮም። …………..   >> ዝብል እዩ። ግ,ሓዋ.2፣17-21። ከሙኡ ከኣ ብተመሳሳሊ መልክዕ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መዝሙረ ዳዊት ጠቒሱ ተዛሪቡ እዩ።

እዚ ከኣ ቅዱስ ዳዊት << ንእግዚአብሔር ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ ብየማነይ ስለ ዝኾነ ኣይክናወጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን፣ ቅዱስካ'ውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ ይብል። ሥጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሓድር እዩ። ንመገዲ ሕይወት ትሕብረኒ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጎስ ጽጋብ ኣብ የማናይካውን ንዘልዓለም ብጽእና ኣሎ። >> ዝብል ኣብ መዝ.16፣8። ዝርከብ ኪኸውን ከሎ፣ እዚ ከኣ ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍጻሙ ንኸረጋግጹልና ዝተጠቐሰ እዩ።

ካብዚ ብዝተወሳኺ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ብሉይ ኪዳን ብምጥቃስ ዝተፈላለዩ ጥቅስታት ኣብ ክልቲኡ መልእኽታቱ ተጠቒሙ እዩ። ብኻልእ መልክዕ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽታቱ ውሽጢ ናይ ብሉይ ኪዳን ጥቅሲ ብዙሕ ኣይጠቀሰን። ጠቂሱ ዝበሃል ኣብ እብራውያን መልእኽቱ ጥራሕ እዩ።እዚ ካብ ብሉይ ኪዳን ጥቅሲ ምጣቃስ ዘይምጥቃስን ዝተፈጥረ ናይ ትምህርቶም ኣተኩሮ ኣንፈት ምስ ዝኾኑ ኣህዛብን ህዝብን ምኽንያቱ ምዃኑ ንርዳእ።

4. ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ክልቲኦም ሓዋርያት

 ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ኪኸውን ከሎ ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ካብ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያትን ካብ ሰብዓን ክልተ ኣርድእቲ ኣይኮነን። ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዓስርተ ክልተ ሓዋርያት ወገን ምዃኑ ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽራኸብ ጌርዎ እዩ። ምስኡ ከኣ በሊዑን ሰትዩን እዩ። ካብ ዘመነ ሥጋዌ ስጋብ ዕርገቱ ሓቢሩ ብምዃን ናይ ቃሉ ትምህርቲን ስብከቱን ሰሚዑ እዩ። ናይ ኢዱ ተኣምራትውን ርእዩ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግና እዚ ዕድል በቲ ግዜ ብእዋኑን ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይረኸቦን። እሱ ኣብቲ እዋን ንቤተክርስቲያን የሳድድ ኔሩ። 1ይጢም፣1-። ዳሕራይ ግና ቅዱስ ጳውሎስ ብኣስዳድነቱ ኣይቀጸለን። በዚ ከኣ ንክርስቶስ ፈሊጥዎ፣ ብራእይ'ውን ተራእይዎ ኔሩ። ዋላ እኳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣካል እንተዘይረኸቦ ኣብ ደማስቆ ብጸዳለ ብርሃን ተገሊጹ ኣዘራሪብዎ እዩ። ግ.ሓዋ.9፣1። ኣብ ቆረንጦስ'ውን ብራእይ ተገሊጹ ኣዘራሪብዎ እዩ።

ቅዱስ መጽሓፍ <<ጐይታ ከኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዩ እሞ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል ኣነ ምሳኻ እየ እሞ ክፋእ ኪገብረካ ዚቀርበካ የልቦን ኣይትፍራህ በሎ። ኣብኡ ቓል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። >> ግ,ሓዋ.18-10። 

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣካለ ሥጋ ረኺቡ ንቅዱስ ጳውሎስ እንተዘይዛራርቦ ካብዚ ተወሳኺ ኣብ ቤተመቅደስ ጸሎት ክገብር ተገሊጹ ኣዘራሪብዎ እዩ። << ኰነ ድማ ናብ ኢዮርሳሌም ተመሊሰ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ከለኹ ተመሰጥኩ እሞ፣ ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፣ ስለዚ ካብ ኢዮርሳሌም ቀሊጢፍካ ውጻእ ኩብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ።…. ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ ኪድ በለኒ።>> ግ.ሓዋ.22፣17-21።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንኣገልግሎት ምስ መረጾ ምስኡ ስለዝነበረ ኩሉ ግዜ የበራትዖ ኔሩ እዩ። ከምእውን ቅዱስ ጳውሎስ ብራእይ ተገሊጹሉ የጸናንዖን የበራትዖን ኔሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ << ጐይታ ከኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ ጳውሎስ ከምቲ ኣብ ኢዮርሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮም ከሙኡ ከኣ ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግበኣካ እዩ እሞ ኣጆኻ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ።>> ግ.ሓዋ.23፣11።

  1. ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብስም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብርዎ ተኣምራት

  እዚኦም  ክልቲኦም ቅዱሳን ሓዋርያት ብዙሕ ተኣምራት ይገብሩ ኔሮም። ዝገበርዎ ተኣምራት ንክርስትና ሃይማኖት ምስፍሕፋሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኔርዎ እዩ። ክልቲኦም ብተኣምራት ሙታን ኣተንሢኦም እዮም። ድዉያን ፈዊሶም እዮም ። ነዚከም ኣብነት ክንጠቅስ ከለና። ቅዱስ ጴጥሮስ ጣቢታ ዝተባህለት ኣብ ዮጴ  ትነብር ጓለንስተይቲ  ተመሃሪት ካብ ሞት ብተኣምራት ኣተሢእዋ እዩ። እዚኣ ሰበይቲ ንኹሉ ሰብ ጽቡቅ ትገብር ፣ ምጽዋት ትምጽውት ፣ ንዝተፈላለዩ ድኻ ደቀንስትዮ ዝኸውን ኣልባሳት ብምሥራሕ ትልግስ ኔራ እያ።  ነዚ ኩሉ ተኣምራት ትገብር ሰበይቲ ሓሚማ ሞይታ ። ቅዱስ ጴጥሮስ ብተኣምራት ካብ ሞት ኣድኂንዋ። ግ.ሓዋ.9።36-40።

ቅዱስ ጳውሎስውን ከምዚ ዝጥቀስ ተኣምር ኣለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ  ቃለ እግዚአብሔር እንዳ ኣስተምኃረ ከሎ ኣውጤክስ ዝተባህለ መንእሰይ ደቂሱ ነበረ። ካብ ክበድ ንዋም ዝተላዕለ ካብቶ ዝነብሮ ቦታ ወዲቁ ይመውት። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መንእሰይ ብተኣምር ካብ ሞት ኣተንሢእዎ እዩ። ግ.ሓዋ.20፣9፣12።

ካብዚ ተወሳኺ እዚኦም ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ብልብሶምን ብጽላሎቶምን ብተኣምራት ንሕሙማን እንዳፈወሱ ንሕሙማት ናይ ክርስቶስ ወገናት ይገብርዎም ኔሮም። ተኣምራቶም ንዝተሽገሩ ጸገማቶም ካብ ምእላይ ተወሳኺ ንክርስትና ሃይማኖት ምስፍሕፋሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ እዩ ኔርዎ። ግ.ሓዋ.5፣15-16፣ 19-12።

ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል ከምዝኾነ ኩሉ፣ እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት።

ኣብዚ ዕለት ፭ ሓምለ፡ ብርሃናተ ዓለም - ኣዕማድ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዩ ክልተ ሓዋርያት ማለት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ብኢድ እቲ ጨካን ኣረማዊ ኔሮን ብሞት ዝተራኸቡላን፤ ካብቲ ድኻምን ጻዕርን ዝበዝኆ ዓለም ናብታ ዝናፍቕዋን ዝተጋደሉላን፡ ዘለዓለማዊት ርስቶም ዝተሰጋገሩላን ሰማያዊ ኣኽሊል ዝጨበጡላን ዕለት እያ።

  ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ክርስትና ኃይማኖት ንመራሕቲ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ይምጉት። ኣብ ቅድሚኦም'ውን ምስክር ይኅብ  ኔሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት << ካብ ንሰብ ንእግዚአብሔር  ምእዛዝ እዩ ዝግባእ። >> እንዳበለ ኣብ ማእከል ባይቶ ይሙጉት ኔሩ። ግ.ሓዋ.5፣29። በዚውን ብዙሕ ግዜ ይግረፍን ይእሰርን ኔሩ።

 ብተመሳሳሊ'ውን ቅዱስ ጳውሎስ ዝተፈላለዩ ጸዋእተ መከራ ተቀቢሉ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እሱን ካልኦት ሓዋርያት ስለ ክርስቶስ መከራ ምቅባሎም ኪገልጽ << ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበናን፣ እንገብሮ ይጠፍ ኣና ግናኸ ተስፋ ኣይንቀብጽን ኢና፣ ንስጎግ ግና ድርቡያት ኣይኮንናን፣  ይደድኡና ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። ሕይወት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክትገሃድውን ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሥጋን ንጸውር ኣለና።>> 2ይቆረ.4፣8-10። ብተወሳኺውን << ብኹሉ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ንርኢ ኣለና እምበር ብብዙሕ ትዕግስቲ፣ ብመከራ፣ ብጭንቀት፣ብጸበባ፣ ብመውቃዕቲ፣ ብማእሰርቲ፣ ብጋሮ፣ ብጻዕሪ፣ ብምንቃሕ፣ ብጾም ብንጽህና፣ ብፍልጠት፣ ብዓቅሊ፣ ብለውሃት፣ ብቅዱስ መንፈስ፣ ተጉላባ ብዜብላ ፍቕሪ፣ ብቃል ሓቂ፣ ብሥልጣን ኣምላኽ ብጽዋር ጽድቂ በየማነ ጸጋም፣ ብኽብርን ሕስራንን፣ ብኽፋእ ወረን ጽቡቅ ወረን ከም መስሓትቲ ግናኸ ሰብ ሓቒ ኢና። ከም ዘይተፈለጥና ግናኸ ኣጸቢቅና ፍሉጣን ኢና፣ ከም ዝሞትና እንሆ ግና ህያዋን ኢና፣ ከም ቅጹዓት ንሞት ግና ኣይተወፌናን፣ ከም ጉሁያት ግናኸ ኩሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ኩሉ ኸሎናስ ሓንቲ ኸም ዜብሎም ኴንና ንርኤ ኣለና። >> 2ይቆረ.6፣4-5። 2ይቆረ.11፣22-28።

  ብሓፈሽኡ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበጽሖ መከራ ብኸምዚ መልክዕ ገሊጽዎ። እዚኦም ክልተ ሓዋርያት በዚ መልክዕ ስለ ወንጌል መከራ ድሕሪ ምቅባሎም ካብዛ ምድሪ ዝሓለፉ ብሰማእትነት እዮም። ክልቲኦም ሰማእትነት ዝሓለፉ ብዘመነ ኔሮን 5 ሓምለ,67 ዓ.ም እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ብሰማእትነት ዝዓረፈ ንቁልቁሊት ተሰቂሉ ክኸወን ከሎ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ እዩ::

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለና።

 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስ ረዴኤቶምን በረከቶምን ኣማላድነቶምን ኣይፈለየና።

ሰላም እብል ብርሃናተ ክልኤተ።

በዐጸደ ንጉሥ ኔሮን እለ ፈጸሙ ሩጸተ።

ጳውሎስ ወጴጥሮስ እንዘ ይጸውሩ ፀበርተ።

አሐዱ በመስቀል ተሰቅለ ቁልቁሊተ።

ወአሐዱ ተመትረ ክሳዶ ክብርተ።

ሰላም ለዝክረ ስምኩም ዘአልባስጥሮስ አፈው።

ወለሥዕርትክሙ ጸሊም ዘድላሌሁ ፍትው።

ምቱረ ክሳድ ጳውሎስ ወጴጥሮስ ቅንው።

ተራወጸ ውስተ ልብየ ምስለ መዓዛሁ ቅድው።

ቃለ ደምክሙ ሐዋርያ ዘእግሩ ከዋው።

መልክአ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

 

                                                                                                                                                       መልክአ ጴጥሮስ ወጳውሎስ።

                                                                                ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                            ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                              ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.