በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሣልሰይቲ ምኵራብ ተባሂላ ትፍለጥ። ናብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓና እግዚአብሔር አምላኽ ከኣዝተመስገነ ይኹን።
እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ሰላም ኣብ ዕለትሰንበት “ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ” (ኢየሱስ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ) እናበለ ጐይታ ኣብ ምኵራብን ቤተ መቅደስን ኣትዩምምሃሩ ስለዝጠቅስን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስለ ዝዝመርን እዩ።
እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ምኵራብ እናኣተወ ወንጌልየስተምህርን ተአምራት ድማ ይፍጽም ምንባሩ ንምዝኽኻር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚ መሠረት ድማ ጐይታ ድውያነ ሥጋ ንዝኾኑ ብትምህርቱ፣ድውያነ ነፍስ ንዝኾኑ ድማ ብተአምራቱ እናፈወሰ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ (ምኵራብ) ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ዝነበረ ተኣምራት ብኅሊናናክንዝክርን ንመልእኽቱ ድማ ኣብ ልብና ከነሕድርን ዝጽውዕ ዕለት እዩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ንእሱራትን ግዙኣትን ናጽነት፤ ንዝሞቱ ሕይወት፤ንድኻታት መንፈስ ወንጌል፤ ንዝተገፍዑ ፍትሒ ክሰብኽ ከምዝመጸ ኣበሲሩን ምሂሩን እዩ። ምስኡ ድማ ጐይታ ነታ ቤት ጸሎት ዝተሰምየት ቤተመቅደሱ፡ ኣይሁድ ቤተ ፈያት ስለዝገበርዋን ዝልውጡን ዝሻየጡን ነጋዶ ስለዝመልእዋን፡ ጐይታ ነዚኦም ኵሎም ሰጒጉ ቤተ መቕደሱ ከምዘኽበረዘዘካኽር እዩ። (ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፫)
ምኵራብ ማለት ቃል ብቃል ዓቢይ ክንዲ ኵርባ ወይውን በረኽቲ ሕንጻታት ከም ማለት እዩ። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተርጓግማን ብመንጽርኣይሁድን ድማ ቤተ ጸሎት ማለት እዩ። ምኵራብን ቤተ መቅደስን ፍልልይ ኣለዎም። ቤተ መቅደስ አምላኽ ኣብ ዘመነ ብሉይ ሓንቲ ኮይና ታቦትዝቕመጠላ፣ እግዚአብሔር ድማ ብኽብሩ ዝግለጸላ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት መካነ አምልኮት ሕዝበ እግዚአብሔር እያ ነይራ።
እስራኤላውያን ናብዛ ቤተ መቅደስ እትርከበሉ ኢየሩሳሌም ኣብ ዓመት ሠለስተ ሳዕ ክነግዱ ተኣዚዞም ነበሩ። ንሳ ድማ ኣብ ዘመነ ሙሴ ብደብተራኦሪት ትፍለጥ ዝነበረትን ዳኅራይ ብንጉስ ሰሎሞን ዝተሃንጸት እያ። እግዚአብሔር ድማ ሰባት ኣብኡ ኮይኖም ንዝጽልይዎ ጸሎት ክሰምዕ ፈቓዱምዃኑ ቃል ኪዳን ዝኣተወላ እያ ነይራ። ቤተ መቅደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክትስራሕ ኣይፍቀድን ነበረ። ሰባት ግና ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ገጾም ናብኢየሩሳሌም ኣቅኒዖም ይጽልዩ ነበሩ። ከም ኣብነት’ውን ነቢይ ዳንኤል ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።
ብኣንጻሩ ምኵራብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ፡ ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ስፍራን ዓድን በብከባቢኦም መምሃሪ ሕገ ኦሪትን ነቢያትን (ብሓፈሻ ቃለእግዚአብሔር) ከምኡ'ውን ንጸሎት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ምርኮ ኣብ ስደት እንከለዉ ዝጀመርዎን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱድማ ዝቐጸልዎን ምዃኑ ይንገር።
መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ካብ ኣባይቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከይተፍለየ ትምህርተ ወንጌል የብስሮም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማቅዱስ ማቴዎስ ከምዚ ይብለና “ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብሕዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” (ማቴ ፬፥፳፫) ቅዱስ ሉቃስ’ውን ብተመሳሳሊ “ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ ኬንብብውን ተንሥኤ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖኸኣ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራትምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር’ውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ ኪብሎምጀመረ።” (ሉቃ ፬፥፲፬-፳፩) እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብትምህርቱ ይግርሙ ነበሩ።
ጐይታ ኣብ ምኵራብ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ቤተ መቅደስ’ውን ከይዱ እዩ። ንሱ ናብ ቤተ መቅደስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ እታ መኅደሪ ክትከውንዝበሃጋን ከምቲ ቃሉ “መኅደሪ ግበሩለይ” ኢሉ ኣዚዙ ዘስርሓ ቤቱ መሸጥን መሻየጥን ቤት ንግድን ቤት ጐሓሉትን ኮይና ምስረኣያ ኣዝዩ ጐሓየ። ስቕድማ ኣይበለን። ንኵሎም ብጭጕራፍ እናገረፈ ሰጐጐም። ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ትስመ ንስኻትኹም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርክምዋ ኢሉ ገሰጾም።ከመይሲ እታ እግዚአብሔር ዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፤ ብኽብርን ረድኤትን እናተገልጸ ምስ ዝፈትዎም ሕዝቡ ክራኸብን ክጓስዮምን ዝሠረታመንፈሳዊት ቤት ክመርሕዋ ሓደራን ሥልጣንን ዝተዋህቦም መራሕታ ስርሖምን ቀንዲ ዋኒኖምን ገዲፎም ናብ ዓለማዊን ሥጋዊን ዕላማን ነገራትን ምስቀይርዋ ዋና ቤቱ ዝኾነ ክርስቶስ ስቕ ኣይበለን። ስለ ቤቱን ኣባጊዑን ቀናዒ እዩ እሞ ነቶም ሕድሮም ዝጠለሙን መዝነቶም ድማ ዘማሰዉ ጐሓላሉኵሎም ገማጠሎም።
እሞ'ኸ ደኣ ብዝያዳ እኳ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብኽቡር ደሙ ኣብ ዝሠረታ ቤቱ ከምቲ ዝግባእ ከገልግልዋ ዝተሾሙ ክነሶም ንዝላገጹን ዘሽካዕልሉን ከመይገይሩ ስቕ ክብሎም፧ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ቤቱ ዝፍጸም ዝነበረ ግብረ ኣይሁድ ሎሚ ብካልእ መልክዕ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክፍጸምንርእዮ ኣየሎናን ዶ፧ ሎሚ ከ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዓቲ ጐሓላሉ ትኸውን የላን ድያ፧ መን እዩ እሞ ነዚ ከም ማይ ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ ትርጓሜንመርትዖን ዝደልየሉ፧ መን ከ ኣሎ ኣሉ ዝብሎ፧ እቲ እከይ ግብሪ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ልሙዕ ሸኻን ጽሩይ ማይን ክዋፈሩን ክጓሰዩንዝግብኦም ኣባጊዕን ዕያውትን ከመይ ከ ኣለዉ፧ ደሞም ካብ ኢድና ከምዝደልዮ መን እዩ እሞ ክኽሕዶ፧ እታ በትሪ ሓቂ ትቕጥን እምበር ኣይትስበርን፤እታ ጭጕራፍ’ውን ትድንጉይ እምበር ኣይትተርፍን።
ምእመናን ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ዘሕዝን ነገራት ኣይንደሃል፤ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ’ውን ኣይንብጻሕ። ነዚ ጊዜያዊ ኵነታት እናመዝመዙከታልሉና ንዝህቅኑን ጐዛዝዮም ክበልዑና ንዝደልዩን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ መምሰልቲ “ኦርቶዶክሳውያን” መናፍቓን’ውን ዲል ኣይንሃቦም።እግዚአብሔር ካብ ሰብ ንላዕሊ ንቤቱ ይኃሊ እዩ። ስለ ደቁን ቤቱን ድማ ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነን። እወ ኣምላኽና ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ። ኣብምውራዱን ምድይቡን፤ ኣብ ምእታዉን ምውጽኡን ረድኤት እግዚአብሔር ዘስተማቐረ ቅዱስ ዳዊት’ውን “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስንኣይድቅስን እዩ።” ይብል (መዝ ፻፳፥፬)። “ቦ ጊዜ ለኵሉ” እዩ እሞ መጽሓፍ’ውን “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝብል እቲ እግዚአብሔር ዝምደቦጊዜ ምስኣኸለን እቲ መስፈር’ውን ምስ መልአ እግዚአብሔር ንቤቱ ከጽርያን ክሕልዋን እዩ። ንሕና ግና ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖትኣቦታትናን ቅድስት ሥርዓቶምን ትውፊቶምን ጸኒዕና ንንበር።
ብጸጋ ሥላሴ ኣብ ዝተቐደሰ፡ መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ሰብነትና’ውን ግብሪ ጓሓላሉን ካልእ እግዚአብሔር ዝጽየፎምኃጢኣታት ፈርዮምን ኣንቢቦምን መሻየጢ ዕዳጋኦም ገይርናዮ ከይነኸውን ነፍስና ንመርምር። ብንስሓ ንመለስ። እግዚአብሔር ደቀይ ኢሉ ክቕበለናንጸግኡ ከብዝኃልና ድማ ብመገዲ ቅድስና ድማ ንንበር።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።