ሕጂ'ውን ስመይ ንዘልዓለም ኣብኡ ምእንቲ ክነብር ገዛ መሪጸ ኣለኹ። ኣዕይንተይን ልበይን ኣብኣ ክኾና እየን። ብምባል መሕደሪኡ ምእንቲ ክኸውን ንዝቀደሶ ገዝኡ ዘይግባእ ስራሕ ክሰርሕሉ ምስ ረኣየ ተቆጥዐ። " ኣብ መቅደስ ኣትዩ'ውን ነቶም ኣብ ቤተመቅደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽእ ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥት ርግብን ደንከለ። ሓደ'ኳ ኣቕሓ ጸይሩ በታ ቤተመቅደስ ኪሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡ ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል ጽሑፍ ዶይኮነን፤ ንሳኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉትገበርኩምዋ፡ ኢሉ መሃሮም።" ማር 11፡15—18። ካብ ተግሳጽ ናይ ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንመሃሮ ነገር ኣቐዲሙ " መቕደሰይ ፍርሑ" ኢሉ ንዝኣዘዘና ዕሽሽ ኢልና ቤተ መቕደስ ናይ ወረ፡ ሓሜት ትዕቢትን ናይ ዕዳጋ ቦታን እንተድኣ ጌርናዮ መዓቱ ከውርድ እዩ፡ በረከቱ'ውን ክኸልኣና እዩ። ኣዒንቱ ንኸይሪኣና ኣእዛኑ'ውን ነኸይሰምዓ ካባና ከርሕቕ እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር መሕደሪኡ ናብ ዝገበሮ መቕደስ ክንከይድ ከለና እግዚአብሔር ብፍቕሪ፡ ብምሕረት ምእንቲ ክቕበለና ናብ መቕደሱ (ቤተክርስቲያን) መምጽኢና ንምንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ሓደ ኣማኒ ናብ ቤተክርስቲያን ዝመጽእ ነገረ ሃይማኖት ክመሃር፡ ናብ ፈጣሪኡ ክጽሊ፡ ሰለ ሓጢኣቱ ንስሓ ክኣቱ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ኣብ ክብረ በዓላት ማህሌት ንኽቀውም እዩ።
ብኸምዚ መንገዲ ብፍቓደ እግዚአብሔርን ካብ ናይ ሥጋ ፍቃድ ገላ 5፡19—22። ተኸልኪልና ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ እንርከብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ቃልኪዳን ኩሉ ክፍጽመልና እዩ። ዘሌ 26፡11—13። ጎይታና " ክልተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብኡ ኣብ መንጎኦም ክርከብ እየ።" ኢሉ ዝመሃረ'ውን ስሙ ኣኽቢሮም ስለ እግዚአብሔር ኢሎም ሽሙ ኣብ ዝምስገነሉ ቤተክርስቲያን ብፍቕሪ ንሰናይ ግብሪ(ዕላማ) ንዝእከቡ ዝምልከት እዩ። ማቴ 18፡20ዋላ'ኳ ክብሪ ቤተመቅደስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እኳ እንተኾነ ፍርሑ ከምዘይተባህለ ዝዳፈሩ፡ ነቲ ኣኽብርዎ ዝተባህለ ከዋርዱ ዝደልዩ፡ ነቲ ብቅድስና ቅረቡ ዝተባህለ ዕሽሽ ኢሎም ብንስሓ ብዘይተሓደሰ ህይወት ከራኽሱ ዝደልዩ፡ ሓደ ሓደ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ዘይፈላጣትን ናይ ደገ መናፍቃንን ኣለዉ። ስለዚ ከኣ ሰብን መላእኽትን ብሓደ ኣብ ዘመስግኑላ ኣብ ቤተክርስቲያን ውሽጢ ካብ መቅደስ ክሳዕ ቅኔ ማህሌት፡ ካብ ካህን ክሳዕ ምእመን ዕላል ዘዕልሉ፡ ንሓዎም ዝሓምዩ፡ በቲ ዘይፈልጥ ዘላግጹ፡ ፍሉጥ ሕማም ወይ ድኻም (እርጋን) ዘይብሎም ኣብ ጊዜ ጸሎትን ቅዳሴን ኮፍ ዝብሉ፡ ዝድቅሱ ኣለዉ። ካብ ቤተ መቅደስ ወጻኢ'ውን ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ዝግበሩ ሓደ ሓደ ጌጋታት ኣለው። ንኣብነት ሓደ ሓደ ሰባት ንክመሃሩ፡ ንክጽልዩ ዘይኮነስ ምስ መሓዙቶም ንክራኸቡ ዝመጹ ኣለው።
ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተባእሰ ምዕራቕ ግቡእ እዩ። እንተኾነ ግን ሰብ ሓዳር ዘፋትሑ፡ ኣብ ወገንነት ዝተመርኮሰ ንወዲ ዓደይ ንወዲ ሩባይ ብዝብል ፍርዲ ዝዕምጹ ምህላው ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጊዜ ሽምግልና ካብ መጠን ንላዕሊ ብዝኾነ ድምጺ ዓውዓውታ ነቶም ኣብ ቀጽሪ ዝጽልዩ ዝርብሹ'ውን ኣይሰኣኑን እዩም። እግዚአብሔር ዝኣዘዘና ግን ነቲ ንሱ ዘኽበሮን ዝቐደሶን ንኽነኽብር " መቕደሰይ ፍርሑ ኣነ እግዚአብሔር እየ" ኢሉ እዮ።ብኻልእ ወገን ከኣ ክብሪ ቤተመቕደስ ንኸይፈልጡ ልቦናኦም ዝተሰወሮም ነቲ እግዚብሔር ስርሑ ኢሉ ንዘስርሖ፡ ንዘኽበሮ መቕደስ ዘቃልሉ መናፍቃን ኣለው። ክሕደቶም ንኸስፋሕፍሑ ክጥዕሞም ቤተመቕደስ ከምዘየድሊ ሰብነትና ናይ እግዚአብሔር ቤተመቕደስ ከምዝኾነ ኣስተምሂሮም ንህዝቢ የሰናኽሉ። ብርግጽ ብቅኑዕ ሃይማኖትን ብሠናይ ምግባርን ዝጸንዐ ምእመን ናይ እግዚአብሔር ቤተመቕደስ እኳ እንተኾነ ሥርዓተ ኣምልኾ እንፍጽመሉ ቤተመቕደስ ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባሪኹ ሂቡና እዩ። ብመጀመሪያ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መምጽኢኡ ንኦሪት ክስዕር ዘይኮነስ ብሓዲስ ፍጹም ክገብሮ ከምዝኾነ " ኣነ ሕግን ነቢያትን ክስዕር ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም ክፍጽሞም ደኣ እምበር" ማቴ 5፡17። ኢሉ ኣምሂሩና እዩ። ብመሰረት ትምህርቱ ከኣ ነቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኮይኑ ዝነበረ ቤተመቕደስ ኣጽርዩ ነቶም ኣብ ገዝኡ ክኾኑ ዘይግብኦም ሰጒጉ" ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል" ኢሉ ክብራ ገሊጹ እዩ።
እቲ ቀደም ብዓምደ ደበና ይግለጸሉ ዝነበረ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ ክቡር ደሙን ቅዱስ ሥጋኡን እናተፈተተሉ ክነብር እዩ። ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሃርምዎ፡ ክጸርፍዎ ከለው ኣይተዛረበን፡ ባሪኹን ቀዲሱን መሕደሪኡ ዝገበራ ቤተመቕደስ ምስተደፍረት ግን ጭጉራፍ ተቲዑ ነቶም ዝደፈርዋ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጺእዎም። ሎሚ'ውን ብድፍረት ብንዕቀት ንቤተመቅደስ ዝርእዩ ብንስሓ እንተዘይተመሊሶም ናይ እግዚአብሔር ቁጠዓ ኣብኦም ክትወርድ እያ። ዮሓ 2፡13—18። እዞም መናፍቃን " ንእግዚአብሔር ንምጽራፍ ስሙን መሕደሪኡን (ቤተ መቅደስ ድንግል ማርያም ቅዱሳን) ነቶም ኣብ ሰማይ ዝሓድሩ (መላእኽቲ) ክጻረፍ ኣፉ ከፈተ" ተባሂሉ ናይ ዝተገልጸ ቃል ጸረግቲ መንገዲ እዩም። ራእ 13፡6 ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ኣብ ዘመነ ኦሪት ነቲ" መቕደሰይ ፍርሑ" ዝበሎ ቃል ስዒሮም ኣብ ቤተ መቅደስ ክገብርዎ ዘይግባእ ብምስርሖም ዝተቀዘፉ ኔሮም። ናዳብን ኣቢሁን ዝተባህሉ ደቂ ኣሮን ንዕጣን መዕጠኒ ዘገልግል ፍሕሚ ካብ ዘይግባእ ቦታ ኣምጺኦም ኣብ ጽንሃሆም ብምግባሮም ሓዊ ካብ እግዚአብሔር መጺኡ በልዖም። ዘሌ 10፡1-11
ከምኡ'ውን ደቂ ቆራሕ እራኤላውያን ብምዃኖም ጥራይ ተመኪሖም ንሕና'ውን ክህነት ይግብኣና እዩ፡ ከም ኣሮን ጽንሃ ሒዝና ናይ ዕጣን መሳዋእቲ( ማዕጠንት) ከነቅርብ ይግባኣና እዩ ብምባል ንሙሴ ስለዝተሃላለኽዎ እታ ዝረገጽዋ መሬት ተኸፊታ ምስ ህይወቶም ውሒጣቶም። ዘሁ 16፡1—35። እዚ'ውን ትዕቢት ዘምጸኦ መዘዝ እዩ። ኣብዚ'ዚ ዘለናዮ ዘመን'ውን ንክህነት ብገንዘብ፡ ዉሩያት ሃብታማት ስለዝኾኑ፡ ደቂ ካህናት ስለዝኾኑ ጥራይ ከይተማህሩ ካህናት ክኾኑ ዝደልዩ ኣለው።" ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ይግባእ እዩ" ኢሎም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብሑ ዘለዉ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ብመገዲ ደቂ ቆራሕ ዝጓዓዙ እዮም። ኣባና'ውን ኣብ ቤተክርስቲያን ብትዕቢትወይ ብዘይፍላጥ ብፍላይ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ከምቲ ዝደልይዎ ክሓጽር ከም ዘለዎ ዝዛረቡ ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡
እዚ ጥራይ ዘይኮነ ደቂ ካህን ኤሊ ኣቡኦም ምስ ኣረገ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን እቲ ህዝቢ ዘምጽኦ መሥዋእቲ ከም ድላዮም ንውልቃዊ ረብሓኦም ምውዓል ጥራይ ዘይኮነ ምስተን ኣብ ኣፍደገ ድንኳን ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ብፍቃድ ስጋ ወዲቆም። በዚ እግዚአብሔር ተቆጢዑ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ ከምዝሞቱ ታቦተ ጽዮን ከምእትማረኽ ኤሊ ከምዝመውት ጌሩ። 1ሳሙ 2፡12—34 ፡ 3፡12—14። ሎሚ'ኸ ብዝረኸብክዎ ዕድል ብዘለዎም ፍሉይ ቅርበት ንቤተመቅደስ ንናይ ቤተመቅደስ ንዋየ ቅዱሳት ከም ውልቃዊ ንብረቶም ዝጥቀሙ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ክጽልዮ ካብ ሓጢኣቶም ክገላገሉ ንዝመጹ ምእመናን ዘሰናኽሉ፡ ካብ ጥዋፍ ክሳብ ጽላት ዝሰርቁ ፈሪሃ እግዚአብሔር ካብ ልቦም ዝረሓቀ ብዙሓት ኣለዉ። ንቤተ መቅደስ ምድፋር፡ ምቅላል ነቲ ዘኽበሮ እግዚአብሔር ምድፋር እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ንትሑታት ልዕል ዘብል ንዕቡያት ዘዋርድ ንኩሉ ከከም ግብሩ ዝፈዲ(ኩሎም ትሑታትን ዕቡያትን) ኣብ ኢዱ ትሑዛት እዮም። ስለዚ ከምቲ እግዚአብሔር ዝእዝዘና መሰረት ብፍቕሪ ብትሕትና ኮይና