ምስባክ
እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ።
በእንተ ጸላኢ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ።
ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ
ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ።
መዝ.1- 2 (8-2)
ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31። ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ እብ.9፣11-ፍጻሜ 1ይጴጥ.4፣1-12
ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ
ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ነዛ ዝተመስገነላ ዑደተ ሆሳዕናኡ ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለትማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብ ዋዜምኡ ጀሚሩ “ሆሳዕና በአርያም” ብምባል ስም ሆሳዕና ደጋጊሙ እናጠቐሰጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእማን ከይተረፈ እናተመስገነን እናተወደሰን ኣብ ኣድጊተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ እያ። ዝርዝር ናይቲ ታሪኽ ድማ ኣብ ኵሎም ወንጌላውያንተመዝጊቡ ይርከብ። (ማቴ ፳፩፥፩-፲፯ ማር ፲፩፥፩-፲ ሉቃ ፲፱፥፳፱-፴፰ ዮሓ ፲፪፥፲፪-፲፭) እዞም ንባባት ድማ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብትንቢት ብዛዕባ’ዛ ዕለት ዝተነግረ’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እዩ። (ዘካ ፱፥፱ ካልኣይ ነገ ፱፥፲፫ መዝ ፻፲፯፥፳፭-፳፮ ኢሳ፶፮፥፯ ኤር ፯፥፲፪ መዝ ፰፥፪) ኣብዚ ዕለት ዝግበር ጸሎትን ቅዳሴን ካብቲ ካልእ ፍሉይ ኣቀራርባን ንውሓት ዘለዎን እዩ። ጐይታ ኣብኣድግን ዒሉን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተወ ንምርኣይ ድማ ብዝምስጥን ዝረአን ሥርዓት እዩ እቲ ቅዳሴ ዝጅምር።
ኣብዚ ዕለት ሕጻናትን ኣዕሩግን ዝዘምርዎ መዝሙር ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእናኣብ ኣርያም” ዝብል ነበረ። እዚ መዝሙር ዓሚቕ ምሥጢር ዝሓዘለ እዩ። ሆሳዕና ማለት መድኃኒት ወይውን ሕጂ ኣድኅን ከም ማለትእዩ። ነቢያት ብመነጽረ መንፈስ፡ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኮይኑን ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ተግባራትገሊጾም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ሥጋዌኡን ሰብ ኮይኑ ዝፍጽሞም ተግባራትን ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚመንክር ዕለት ተነብዩላ ነይሩ። “ኦ እግዚኦ አድኅንሶ” (ኦ ጐይታ ኣድኅን ኮታ) (መዝ ፻፲፯(፰)፥፳፭) ክብል ነዛ ቃል ገሊጽዋ ነበረ።ብህጻናት’ውን ከምዝምስገን ኣቐዲሙ ተነብዩ ነበረ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዛ ዕለት ብዙኅ ትንቢት ተነብዩላ ነበረ። ኣርያምማለት ከኣ መኅደር እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰማይ ዘመልክት ኮይኑ ሆሳዕና በአርያም ክብል ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር እግዚአብሔርሕጂ ኣድኅን ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ሕዝቢ እናመስገኑ ጸሎት ዝሓዘለ መዝሙር ናብ ጐይታ የቕርቡነበሩ። ናይ ሥጋን ነፍስን ልማኖ ዝሓዘለ ድማ እዩ። ንጊዜኡ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ናጻ ከውጽኦም ልማናኦም ምቕራቦም ኮይኑፍጻሜኡ ግና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ክገብሮም ንዘመናት ኣቦታቶም ንዝለመንዎ ልማኖ ሰሚዑ ኣብ መዓልቱ ነዚ ክፍጽምዝመጸ ምዃኑ ዘዘካኽር እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ሠለስተ ዓመት ተዘዋዊሩ ኣብ እስራኤል ድኅሪ ምስትምሃሩን ሕገ ወንጌልምሥርዑን ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ጥቓ ደብረዘይት ናብ ዝተደኰነት ቤት ፋጌ ንሓዋርያቱ ልኢኾዎም። ከምቲዝበሎም ድማ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ተኣሲራ ከምዝጸንሓቶምን ክፈትሕዋ ንዝረኣይዎምን ንዝሓተትዎምን ድማ ጐይታ ከምዝደልያከምዝነገርዎምን ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ትንቢት ክፍጸም ድማ እቲ ለዋህ ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉኣን ተጻዒኑ ብኽብሪ ናብኢየሩሳሌም ኣተወ። ክኣትው ከሎ ድማ ሓዋርያት ክዳውንቶም ጠይቂ ከምዝገበሩን ንሱ ድማ ከምዝተወጠሐን እቶም ሕዝቢ ድማክዳውንቶም ኣብ መንገዲ እናንጸፉ ካልኦት ድማ ኣእዋም ስየ እናሰልዑ ኣብ መገዲ ይንስንሱሉ ነበሩ። ኵሎም ድማ ብዓቢይ ክብሪብቕድሚትን ብድኅሪትን ተሰሊፎምን ዓው ኢሎም እናመስገኑ ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ይብሉ ነበሩ።
ናብታ ቅድስቲ ከተማን ቤት ጸሎት እተሰመት ቤተ መቕደሱን ድማ ብምስጋና ኣተወ። እዚ በቲ ሕዝቢ ዝተወፈየ ድንቂ ምስጋናንክብርን ግና ነቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ባህ ኣየበሎምን። ተበሳጪዮም ድማ ክቃወምዎ ተራእዮም። ጐይታ ግናእዚ ዝፍጸም ዘሎ ትንቢተ መጽሓፍ ምዃኑ ነገሮም። “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን?” ድማ በሎም። ንሳቶም ግና ነቲ ዝፈልጥዎ ንባብ ኣይስተውዕልዎን ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እንተዝፈልጥዎሲ ንጐይታ ክብሪኣይመሰቐልዎን ኢሉ ነይሩ። ጐይታ’ውን ሰባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዘይምስትውዓሎም ከምዝስሕቱን ዝወቐሰሉን ጊዜ’ውን ኣሎ።ኣይሁድ ጸሓፍት ከምኡ ገበሩ፤ ንሕና ከ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ነስተውዕለሎም ዶ? ሎሚ’ውን ጽሑፍን ቃልንእግዚአብሔር እንታይ ይብል ከምዘሎ ብዘይ ምስትውዓልና ንጥፍእ ዘሎና ክንደይ እሞ ክንበሃል? እቶም መጻሕፍቲ ንምርምር ኢናዝብሉን ንርእሶም ፈላጣት ገይሮም ዝሰመይዋ ጸሓፍት ፈሪሳውያን፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩን ልቢ ዘይገበሩን ሕጻናት ንኣምላኾም ከመስግኑከለዉ ንሳቶም ግና ነቢያት ዝተነበይሉ ሱባኤ ዝቖጸሩሉን ዝጽበይዎ ዝነበረ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከምቲ እተጻሕፈሉ እናኸደኣዕይንቶም ስለዝዓወረ ግና ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ክምስግን ከሎ’ውን ኣዕይንቶም ደም መልአን ኣስናኖም’ውን ሓርቀሙ። ሎሚ’ውንነስተውዕል። ቃለ እግዚአብሔርን መጻሕፍትን ስለዝፈለጥና ጥራይ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኮይንና ማለት ኣይኮነን። ነቲ እንፈልጦክንነብሮ ይግባእና። ነቲ ምስጋና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ምስጋና ይግብኦ እዩ እሞ ነመስግኖ። ብዘሎና ፍልጠት ወይውን ካልእነገር ኣይንመካሕ። ዝምካሕ ብእግዚአብሔር ይመካሕ እዩ ዝብል ጽሑፍ። ትምክሕቲ ሥጋ ዑረተ ልቦና እዩ ዘኽትል። እግዚአብሔርግና ነቶም ትሑታን ይፈቱ፤ ልዕል ድማ የብሎም። ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ድማ ከስተውዕሉ ምእንቲ ድማ ዓይነ ልቦናኦምየብርሃሎም እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንፈልጥ ንርእይ ኢና እናበሉ እዮም ብዙኃን ኣፎም ተለኲቱ ምስጋና ንእግዚአብሔር ምቕራብተሓሪሞም ዘለዉ። ኣይንተዓሾ ክንፍጠር ከሎና’ውን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ከሥመረና ዝኽእል ንእግዚአብሔር ምስጋናምቕራብ እዩ። እግዚአብሔር ንምስጋና ዝተፈጥረ ሰብ እንተዘየመስገኖ ኣእማን ቢታንያ ከምዘመስግንዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽናኣመስጊንና ኽብርን ጸጋ ንረክብ ንሕና ኢና እምበር ኣብ ኽብሪ ጐይታ ንውስኾ ነገር የልቦን። ንሱ ብባህርዩ ክቡርን ምስጉንን እዩ።ሎሚ’ውን ብዙኅ ነገረ ትንቢት ኣብ ቅድሜና ይፍጸም ኣሎ፤ ሰሚዕናን ርኢናን ነስተውዕል እሞ መገድና ነስተካኽል። ካብ ጸጋም ናብየማን ተመሊስና ንእግዚአብሔር ዘመስግን ስራሕ ንስራሕ። ከይተፈለጠና’ውን ኣብ መገዲ ስሕተት ዘሎናን ቤተ ክርስቲያንና ነጽርፍዘሎና ርእስና ንመርምር።
ጐይታናን ኣምላኽናን ሰረቕቲ ንዝሰረቕዎምን ዝኣሰርዎምን ኣእዱግ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ኣዘዞም። ብኣጋንንትንክፉእ ግብሮምን ዝተኣስሩ ደቂ ሰባት ኵሎም ክፍትሑ ጐይታ ንሓዋርያትን ድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ካህናትን ሥልጣን ሂቡ ኣዚዝዎምእዩ። ንሳቶም ዝፈትሕዎ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን ድማ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ካብ ጐይታ ተቐቢሎምእዮም። እሞ ኸ ደኣ ሎሚ “ሑሩ መሓሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብዝግባእ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ ዶ? ሎሚኸ ብነፍሲ ዝተኣስሩ እሞ ክፍትሑ ዝግብኦም ደቂ ኣዳም ነዛ ምድሪ ይመልእዋ የለዉን ድዮም? ሎሚ ጐይታ ደቁ ዳግም ካብማእሰርቲ ክፍትሑ ይደሊ ኣሎ እሞ ልኡኻነ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ዕዮ ወንጌል ኣብ ቕድሜና ኣሎ። ሎሚ ኸ ደቂ ኣዳም ኣበይኣሎና? “ኣቤል” ኃውና ኸ?
ኣብ ዝባነ ኪሩብ ኮይኑ ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቲ ንዘለዓለም እናተመስገነ ዝነብር ጐይታ ብትሕትና ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ ፍቓዱኮነ። ሎሚ’ውን እቶም ካብ ማእሰርቶም ዝፍትሑ ንሱ ይደልዮምን ብጸጋ ድማ ምስኦም ይኸውንን ኣይፍለዮምን ከኣ እዩ። ፈጣሪዓለማት ዝተወጠሓላ እታ ኣድጊ ክንደይ ዕድለኛ እያ። ቅዱስ ዳዊት እግዚአብሔር ኣምላኹ ዝኸውን ሕዝቢ ብፁዕ እዩ ይብል እሞንሕና’ውን ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽንዓት ሃይማኖትናን ብሰናይ ግብርን ደቂ ሥላሴ ምዃንና ነመስክር። ብሓቂ መኅደር ኣምላኽንኹን። ነቲ ብጥምቀት ዝተቐደሰ ሰብነትና እግዚአብሔር ብዝጽየፎ ነገራት ኣይነራኽሶ።
ጐይታ ሓቀኛ ሰላም ንደቂ ሰባት ክዕድል ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ እሞ ብምሳሌ እቶም ቀዳሞት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ። እቶምሕዝቢ’ውን መድኃኒትነቱ እናመስከሩ ወዲ ዳዊት ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ንሱ ንኣዳምን ደቁን ክብጆብሥጋ ከምቲ ዝተነግረሉ ትንቢት ካብ ወገን ዳዊት ምዃኑ ተመስከረ። ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ’ውን ነቢያት ንዝተነበይሉ ጐይታ፡ንሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ክርስቶስ ምዃኑ ነቶም ኣይሁድ ኣመሳኺሩን ኣርጊጹን ከረድእ እንድዩ ኣብቲ ቅዱስወንጌል “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ክብል መጽሓፉ ዝጀመረን ወለዶ ዝጸብጸበን። እቶም ዕዉራት ይኾኑ ካልኦት “ወልደ ዳዊት” ኢሎም ክጽውዕዎን ክምኅጸንዎን ከለዉ ድማ ነዚ ምሥጢር ዘመሳኽር እዩ።
ዕለተ ሆሳዕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብን ድምቕን ብዝበለ ኣገባብ እያ ትኽበር። ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርትን ምሥጢርን ዘለዋዕለት ድማ እያ። ትንቢት ነቢያት ዝተፈጸመላ፥ ጐይታ ዝተመስገነላ፥ ቤቱ ድማ ካብ ጓሓላሉን ሰረቕትን ድማ ዘጽረየላ ዕለት እያ።ስለዚ ናብ በብሰበኻናን ቀረባናን ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ካብ ለይቲ ጀሚርና እንታይ ዓይነት “ዝንበብ” ዘይኮነስ “ዝረአ” ሕያው ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከምዘላና ነስተውዕል። ኣቦታትና እንታይ ዓይነት ጸጋን ሃብትን ከምዝገደፉልና ንርኣይ። እቲቃለ እግዚአብሔር ብኸመይ መገዲ ከምዝገልጽዎን ጐሊሑ ከምዝረአ ከምዝገብርዎን ክንፈልጥ ጽን ንበል። እዚ ሰማያዊ ሃብቲ እዩ።ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሥርዓት ክልውጡ ዘዕሽዉና ዘለዉ ልኡኻት መን ምዃኖም ንንቅሓሎም።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ኣዕይንትን ኣእዛንን ልቦናና ከፊቱ ነዚ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ከነስተውዕልን፤ ንንሕና’ውን ከምቲዝግባእ ንኣምላኽና እናመስገንና ክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ማዕዶት
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለስቀሉ ክቡር።