በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እዛ ዕለት ሻሙነይትን ናይ መወዳእታን ሰንበት ዓቢይ ጾም ኮይና«ሆሣዕና» ተባሂላ ትጽዋዕ። ሆሣዕና ማለት /ሆሻአና/ እቲ ቃል ናይ ዕብራይስጥኮይኑ፥ ትርጉሙ ከኣ “መድኃኒት፥ ሎሚ ኣድኅን፥ ኣቕንዓና”ዝብል እዩ። ሆሣዕና ሓንቲ ካብቶም ትሽዓተ (9) ዓበይቲ በዓላት ናይ ክርስቶስ መድኃኔዓለም እያ።
እዛ ሰሙን እዚእ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ኣብ መንበረ ክብሩ ኣብ ዘባነ ኪሩቤል ፡ቅዱስ ልዑል እናተባህለ በቶም ትጉሃት መላእኽቱ ብፍርሃትን ምንቅጥቃጥን ዝምስገን፥ ካብቶም ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ዝበሃሉ ሓደ ቅዱስ ኢሳ.6፥3። ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ምልኣት ዘመን ምስ ኮነ ግን ፍቓዱ ኮይኑ ብዝተፈልየ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ዝተገልጸ፡ ኣብ ሆሣዕና ኣብዓባይ ኣድግን ኣብ ጻዕቢ ኣድግን ተወጢሑ ብፍጹም ትሕናን ክብርን ናብ ኢዮሩሳሌም ምእታዉ ንሕዝቡ ሰላሙ ምብሳሩ ንቤተ መቕደሱውን ምኽባሩእንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ። ነብያቱ ዘኽብር ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ «ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብታሕጓስ ዕልል በሉ። እንሆ ንጉሥኩም ናባኹምይመጽእ ኣሎ፥እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ ኣሎ።ግናኸ ንሱ ትሑት እዩ፥ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ።» ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል ነቢይ ተፈጸመ ዘካ.9፥9።ተመልከት።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ሳምንት ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተነጊሩ ኣሎ። ኣብዞም ዚስዕቡ ምዕራፋትን ጥቕስን ምዉካስ ይከኣል። ማቴ.21፥1-17። ማር.11፥1-11። ሉቃ.19፥28-40። ዮሓ,2፥13-22፣ ዮሓ.12፥12-19።
ኣሕጽር ኣቢልና ናብ ትሕዝቶኡ ምስ እንኣቱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷
ናብ ኢዮሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት ፋጌ በጽሑ። "ፋጌ" ቀራና መገዲ ማለት እዩ። ሽዑ ጐይታ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክልተንቅዱስ ጴጥሮስን ንቅዱስ ዮሐንስ ልኢኹ"ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፥ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረኽቡ ኢኹም።ፈቲሕኹም ከኣኣምጽኡለይ። ዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር እንተ በለኩም 'ጐይታ ይደልዮም ኣሎ'በሉ፥ ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ"በሎም። ማቴ.21፥1-3።ደቀ መዛሙርቱድማ ኸይዶም ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ፈቲሖም ኣምጽእሉ። ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ኣንበሩለን። ኪሩቤልን ሱራፌልንጸወርተ መንበሩ ጐይታ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ተወጥሐ።ማቴ.21፥6-7።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ከምጽእሉ ንሓዋርያቱ ምልኣኹ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተመልከትናዮ ዝተነግረ ቃልትንቢት ምፍጻሙ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ። ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ዝበሎ ድማ፥ እተን ኣእዱግ ንኹሉ ሰብ ዝውክላ ብምዃነን "ኣዳምን ዘርኡን ካብማእሰርቲ ሓጢኣት ዝፍትሓሉ፥ ካብ ፍዳ ዝወጽእሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ንምግላጽ እዩ። ትርጉሙ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኪዱ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይዝበሎ ነተን ኣእዱግ ናይ ምእመናን ምሳሌ ጌይሩ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉ ነቶም ሓዋርያቱ እዩ፥«ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ኣብ ምድሪዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።» ወይውን፥"ኃጢኣቶምንዝኃደግኩምሎም ማለት ኃጢኣትኩም ይተኃደገልኩም ንዝበልኩምዎም ክኅደገሎም እዩ፥ንዘይኃደግኩምሎም ማለት ኣይተኃደገልኩምንዝበልኩምዎም ግና ኣይኅደገሎምን እዩ።"ዝበሎ። ማቴ.18፥18።ዮሓ.20፥23።
ጐይታ ድሕሪ'ቲ ናይ ምድኃን ሥርሑ ምፍጻሙ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነት ምሃቡ ዘመልክት ቃል እዩ። ጎዶሎ እምነቱ ዝኾኑተጣራተርቲ ሰባት ኃይሊ ኣምላኽ ኮነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ከይፈለጡ ጓሎም ወዶም ኩላትና ካህናት ክርስቶስ ኢና ብምባል ንኹሎም ናይምፍታሕን ምእሳርን ሥልጣን ከም ዝተዋህቦም ጌሮም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።እዚ ግን ኢኣ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ዘነጽር ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእፋይዳ ዘይብሉ እዩ።ንሳቶም ጓሎም ወዶም ኩላቶም ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ተዋሂቡና እዩ ካብ በሉ። እቲ ዝተኣሰር መን እዩ ᎒ እቲዝፈትሕከ መን እዩ᎒ እስከ መረዳእታ ይሃቡና።
ሕጊ ዚሥራዕ ንኣመንቲ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነት ዝሃበ ንሓዋርያቱ ጥራሕ እዩ። ዝስዕብዎ ብዙሓትኣመንቲ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነትን ክህብ እንከሎ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ፈልዩ ጥራይ ሥልጣነትክህነት ዝዓደሎም ።እንጌራ ኣበርኪቱ ክምግቦም ከሎ ከምኡ ኣይገበረን። ብዛዕባ እዚኸ እንታይ መረዳእታ ኣለኩም ንብሎም᎒ እዚ ግን ካብኣቶም ቅኑዕመልሲ ንምርካብ ዘይኮነስ ስሕተቶም ንምግላጽን እቲ ሓቂ ክበርሃሎም ንምባል እዩ።
ጐይታ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ፈቲሖም ከምጽእሉ ክልእኾም እንከሎ፥" ዝኾነ ሰብ ገለ እንተ በለኩም ‹ጐይታ› ይደልዮም ኣሎ። "በሉ ኢልዎም እዩ። ፈጣሪኦም ዝኾነ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ በሉ ማለቱ እዩ።
እዚ ከኣ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህሪይ ኣምላኽነትን ፈጣሪነትን ዘነጽር ዓቢይ ቃል እዩ። ከምኡ ዝተዋህቦም ሥልጣን ሰማያዊ ምዃኑ ንምርዳእ ከኣ፥"ሓደስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም ኢሉ እንተ ሓተተኩም ከኣ ‹ጐይታ›ይደልይኦ ኣለዋ በልዎ በሉ በሎም። ከመይሲ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣብ መንጉኡንኣተዓረቕቲ መንጎኛታት ኮይኖም ንምእመናን ናብኡ ከቐርቡን ምስ ገዛእ ርእሱ ከተዓርቑን ሥልጣን ዝሃቦም ንሳቶም እዮም።
መዓርግ ኮነ ትእዛዝ ኣምላኽ ድማ ንፍቓዱ ክስዕሮ ዝኽእል ኣካል የልቦን። ስለዝኾነ ከኣ ኪዱ ከምዚ እንተደኣ ኢልኩምዎ "ብኡብኡ ኪሰዶም እዩ በለ።ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ «እወ፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ገዛእ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ ብክርስቶስ ገይሩ እዩ፥ በደሎም ኣይሓዘሎምን፥ ንዓና ኸኣመልእኽቲ ዕርቂ (ኪዱ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎም ዝብል )ሃበና። ስለዚ ንሕና ናይ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና፥ ኣምላኽ ከኣ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ኣብክንድ ክርስቶስ ኮይና ድማ "ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ"እናበልና ንልምነኩም ኣሎና» ዝበሎ ምእንትዚ እዩ። 2ይቆሮ.5፥19-20።
ነቶም ደቀ መዛሙርቱ "ክልተ"ገይሩ ምልኣኹ ከምቲ ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ቅዱስ ጅሮም ገሊጽዎ ዘሎ ጐይታ ንሓዋርያቱ"ናብ ሕዝብን ኣሕዛብንምልኣኹ" ዘመልክት እዩ። እታ ዓባይ ኣድጊ ናይ ሕዝቢ እስራኤል፥እታ ጻዕቢ ወይውን ዒሉ ገልገል ኣድጊ ከኣ ናይ ዘይኣመንቲ ኣሕዛብ ምሳሌ እየን። ከመይ᎒÷
v ዓባይ ኣድጊ (ዕድግት) ጽዕነት ዝለመደት እያ፥ እስራኤላውያን እውን ሕጊ ምሕላው ዝለመዱ እዮም።
v እታ ገልገል ዒሉ ወይውን ጻዕቢ ኣድጊ ድማ ጽዕነት ዘይለመደት ውልዶ እያ። ኣሕዛብ ከኣ ከምኡ ምሕላው ሕጊ ዘይለመዱ ንእምነት ሓደስቲ እዮም።
ካልእ እዘን ኣእዱግ ናይ ኦሪትን ናይ ወንጌልን ምሳሌ እየን።
ንሱ’ውን እታ ጽዕነት ዝለመደት ዕድግት ናይ ኦሪት ምሳሌ ክትከውን እንከላ። እታ ገልገል ድማ ናይ ወንጌል ምሳሌ እያ ኔይራ። ትርጉሙ ከምቲ ኣብላዕሊ ዘሎ እዩ።
v እታ ዓባይ ኣድጊ(ዕድግት) ጽዕነት ዝለመደት ወይውን ምጽዓን ዝተለምደት ከምዝኾነት፥ ከምኡ ኦሪትውን ዝተለምደት ሕጊ እያ።
v ገልገል( ጻዕቢ)ኣድጊ ድማ ጽዕነት ዘይለመደት(ምጽዓን ዘይለመደት)እያ፥ ከምኡ ወንጌል ከኣ ዘይተለምደት ሕጊ እያ።
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ከምቲ ዝኣዘዞም ከይዶም ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ክዳውንቶም ኣብ ዝባነን ጎዝጉዞም ኣምጽእሉ። ሓዋርያት ኣብ ዝባን እተንኣእዱግ ኮረሻ ዘይኮነ ምጉዝጋዞም፥ ኮረሻ ዘይምቹእ ኩርካሕ፥ ልብሲ ግን ምቹእ ጉዝጓዝ ስለ ዝኾነ እዩ። በዚ ከኣ ምችእቲ ዝኾነት ሕጊ ወንጌልክትሰርዓልና መጺእኻ ንምባል እዮም። ሕጊ ኦሪት ብኩነኔ ሒዛ ከምዚ ግበር ከምዚ ኣይትግበር እትብል ብዙሕ መሥዋዕቲ እትሓትት ኣዝያ ኣሸጋሪትንከባድን ሕጊ እያ ነይራ። ምስዚ ኹሉውን ካብ ናይ ዘለኣለማዊ ሞትን ፍዳን ከተድሕኖምን ከተውጽኦምን ኣይተኻእላን ነበረ። ሕጊ ወንጌል ግን «ኣቱምኩሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ፥ ኣነ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ፥ ኣርዑተይ ጽሩ፥ ካባይውን ተመሃሩ፥ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከኣ ፈኩሽ እዩ።» እናበለት እትጽውዕ፥ ንኽትነብራ ኣዝያ ምችእቲ እያ። «ትእዛዛቱ ኸኣ ከቢድ ኣይኮንነ።»ይብል እቲ ቅዱስ ቃሉ 1ይዮሓ.5፡3። ምስዚ ኹሉ ከኣ ንመንግሠተ ሰማያት እተብቅዕ ፍጽምቲ ሕጊ እያ። በዚምሥጢር እዮም እምበኣር ክዳውንቶም ዝጎዝጎዝሉ።
ቀዳማይ፣ ልብሲ (ክዳን) ዕርቃንካ ይሽፍን ሕፍረት ሰብነትካ’ውን ይኽውል። በዚ ከኣ"ኦ ጐይታ ንስኻ በደልና ኣሊኻ ብምሕረትካ እትስውር ብጸጋልብስኻውን ንዕርቃና እትሽፍን ይቕረ ባሃሊ ኢኻ" ክብሉ እዮም። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሓት መጽዓኛታት እናሃለዋ ንኣድጊምምራጹ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ምርኣዩ፥ ንምንታይ እዩ እንተተባህለ᎒
ዝተነግረ ትንቢት ንምፍጻም፥ ምሳሌነቱ ከኣ ንምግላጽ እዩ። ትንቢት ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ እዩ። ምሳሌኡ ከኣ በቲ ኣቐዲሙ ነብያት ዘርእይዎዝነበሩ ገይሩ ንምርዳእ እዩ። ንሱ ከኣ÷
ነብያት ኣበው ዘመነ መከራ እንተኾነ ጸሊም ክዳን ይኽደኑ ኣብ ፈረስ ድማ ይውጥሑ ነይሮም። ዘመነ ሰላም እንተ ኾነ ግና ጻዕዳ ተኸዲኖም፥ኣብ ኣድጊተወጢሖም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ኪዞሩ ይርኣዩ ኔሮም። ናይ ሰላም ንጉሥ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንሱ ዘለዓለማዊሰላም ክህብ ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ ብምዃኑ፥
ዘመነ ሰላም ኮይንልኩም እዩ ክብል ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ተራእየ። እቲ ቃል ትንቢት እውን «ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብታሕጓስዕልል በሉ። እንሆ ንጉሥኩም ናባኹም ይመጽዕ ኣሎ፥ እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ ኣሎ። ግናኸ ንሱ ትሑት እዩ፥ ኣብ ኣድጊ ኣብጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ። እግዚአብሔር " ኣነ ንሠረገላታት ኲናት፥ ካብ እስራኤል፥ ነፍራስ ኲናት ከኣ ኻብ ኢዮሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስታት ውግእ ኪጠፍእ እዩ፥ ንጉሥኩም ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ሰላም ከም ዝኸውን ክገብር እዩ። » ዘካ.9፥9-11። ብምባል ንሱ ክርስቶስ ሰላም ዝህብሰላማዊ ንጉስ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ።
ካልኣይ፣ ትሕትናኡ ዘርኢ እዩ። ከመይሲ ንሱ ኣቦ ትሕትና ስለ ዝኾነ። ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ነዚ ኣመልኪቱ፥ " ፍቕርኻ ካብ ዘባነ ኪሩቤል ኣውሪዱኣብ ዘባነ ኣድጊ ክትቅመጥ ገደደካ። ካብ በቶም ብዙኅ ኣዕይንትን ብዙኅ ገጽን ዘለዎም መላእኽቲ በታ ዓባስ ዝኾነት ኣድጊ ክትምስገን ፈተኻ። ኣብልዕሊ ጻዕቢ ተወጢሕካ ናብ ናይ ሰማይ ሠራዊት ክትከይድ ደኣ መረጽካ እምበር፥ ንኽብርኻ ኣብ ናይ ሰማይ ሠራዊት ሠረገላ ተቐሚጥካ ክትግለጽኣይፈተኻን። ኣብ ኣርያም እሳታውያን ዝኾኑ ኪሩቤል የመስግኑኻ፥ ኣብ ምድሪ ድማ ሕፃናት ይዝሙሩልካ። ኣብ ኣርያም ብርሃናውያን ዝኾኑ መላእኽቲብብርሃን ዝኾነ ክንፎም ንመንገድኻ የንጽፉልካ፥ ኣብ ምድሪ ድማ ደቀ መዛሙርትኻ ክዳውንቶም ኣብ መንገድኻ ኣንጸፉ።
ዘገርም’ዩ። ንሱ ሠማያዊ እንከሎ ንዓና ከይንዓቐ ምእንቲ ክበጽሓና ካብ ሰማያዊ ክብሩ ወረድ ፥ ብገዛእ ፍቓዱውን ሰብ ክሳዕ ምዃን በጽሐ፡ ኣብ ኣድጊተጸይሩ ፥ ክበጽሓና መጸ። ነቢይ ዘካርያስ ናይ መንፈስ ቅዱስ እንዚራ ሒዙ፡ ብሓጎስ ትንቢት ንምዝራብ ቀልጠፈ ፥ እንዚራኡ እናደርደረ ከኣ ጓልጽዮን እናበለ ይጽዋዓ።» ብምባል ኣስተምህሮ ሂቡ ኣሎ።ብምሥጢር ግን ኣብ ኣድጊ ዝተወጥሐ ሰብ ሃዲሙ ካብ ሰብ ከምልጥ ከምዘይክእል፥ በዚድማ ብእምነት፥ ብጸሎት እንተ ደለኹምኒ ክትረኽቡኒ ኢኹም፥ እንተ ዘይደለኹምኒ ግን ዋላ ምሳኹም፥ ኣብ ቀረባኹም ይኹን ኣይትረኽቡንን ንምባልእዩ።
ሳልሳይ፣ ኣድጊ ብደቂ ሰባት ዝተናዓቐት እንስሳ ከም ዝኾነት።ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ክብሪ ቅድስናና ስኢና ንዑቓት ኮይና ንነብርንዝነበርና ልዕል ከብል ከም ዝመጽአ ንምርዳእ፥ ኣብ ዝባን ኪሩቤል ዝቕመጥ፥ እሳታውያን መላእኽቱ ብፍርሃትን ምንቅጥቃጥን ዘመስግንዎ ኣምላኽ፥ ንሱ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ተራእየ።
ከምቲ ዝበሎም ጐይታ ፈቲሖም ንክዳውንቶምውን ኣብ ዝባነን ጎዝጉዞም ኣምጺኦምሉ ፥ኵሉ እቲ ሕዝቢ ድማ ናይ ሰላም ንጉሥ ናይ ሰላም ኣምላኽ፥ ይትረፍ ንስኻ፥ እዛ ተወጢሕካያ ዘለኻ እንስሳ እኳ ምድሪ ክትረግጽ ኣይግብኣን እዩ ክብሉ፥ ክዳውንቶም ኣንጸፉ፥ ካልኦት’ውን ካብ ኣእዋም ጨንፈርእናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ። ሎሚ እታ ንደቂ ሰባት ከድኅን ሰብ ክኾነላ፥ንሥጋኣን ነፍሳን ክወሃሃዶ ዝመረጻ፥ ቅዱስ ፍቓዱ ኾይኑ ትሽዓተወርሕን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸና ዝጸሮቶ፥ ድኹማት ሰባት ይትረፍ ብመላእክት እትምስገን ብዓቢኡ ከኣ ባዕሉ እግዚአብሔር ዘኽበራ ልዕልቲክብርቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፥ ክትምስገን፥ክንዝምረላ ክቃወሙ ምርኣይ ክንደይ ዘሕዝን እዩ። ሓቁ ግን ይትረፍ መልዕልተ ፍጡራንመትሕተ ፈጣሪ ድንግል ማርያም፥ ከም እንርእዮ እታ ብሰባት ከም ንዕቕቲ እትፍለጥ ኣድጊ እኳ ክብሪ ተዋሂቡዋ እዩ።
እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ሕዝቢ ከኣ «ሆሣእና»ንወዲ ዳዊት ማለት ንወዲ ዳዊት"መድኃኒ"ኣድሕን ምባል ይግብኦ፥ እቲ ብስምእግዚአብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ ማለት ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስን ደብረ ታቦርን "ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዝፈትዎ ዝወልዶ ፍትዊወደይ እዚ እዩ።" ኢሉ ናይ ወልድ ኣምላኽነት መስኪርሉ ነበረ እሞ፥ እግዚአብሔር ዝመስከረሉ፥እግዚአብሔር እየ ኢሉ ዝመጽእ ብሩኽእዩ"።«ሆሣዕና ኣብ ኣርያም»ማለት መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርሕቕ፥ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዚዕድል ኣብ ኣርያም ዘሎ መድኃኒት እዩእናበሉ ዘመሩ።
በዚ ዕለት ብዙሕ ኣምላኻዊ ኃይልታት ተራእዩን ተጌሩን እዩ እሞ። ነዚ ዝተመልከቱ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብወገኖም እውን ብዙሕ ተሓጎሱ፥ ብዓቢይድምጺ ከኣ ከመስግንዎ ጀመሩ። "እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ ማለት " እግዚኣብሔር ዝመስከረሉ፥ እግዚአብሔር እየ ኢሉ ዝመጽእሰማያዊ ንጉሥ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፥ ክብሪ ኣብ ኣርያም " እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ።
ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ምስጋና፥ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ክብሪ እዩ። ሉቃ.19፥37-38 ። እቶም ንበዓል ዝመጹን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝነበሩን ከኣጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢዮሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዖም ፥ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ተቐበልዎ። "ሆሣዕና እናበሉ’ውንኣመስገኑ። ዮሓ.12፥12-13።
እዚ ስየ ሒዝካ ዝግበር ሓጎስካ ናይ ምግላጽ ቅዱስ ሥርዓት ኣቐዲሙ ብእስራኤል ዘሥጋ ልሙድ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት ኣብርሃም ንይስሓቅ፥ ይስሓቅንያዕቆብ ኣብ ዝወለድሉ እዋን ፥ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ፥ ዮዲት ድማ ነቲ ናይ እስራኤላውያን ጸላኢ ዝነበረ ሆሎፎኒስ ኣብዝቐተለቶ እዋን ሓጎሶም ንምግላጽ ኦም ስየ ሰሊዖም ንእግዚአብሔር ኣምላኾም ኣመስጊኖም እዮም። ዮዲ.15፥12 -13። ከምዚ እናበለ ካብ ወለዶ ናብወለዶ እናተወራረሰ መጸ ። ከምዚ እንርእዮን ንሰምዖን ጐይታ ብዓቢይ ክብሪ ብፍጹም ትሕትና ናብ ኢዮሩሳሌም ክኣቱ እንከሎ፥ ምድኃና ቀሪቡ ፡ናይሰላምና ንጉሥ ክብሉ ካብ ኦም ስየ ሰሊዖም "ሆሣዕና" እናበሉ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፥ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ክብርን ምስጋናን ሂቦምዎ እዮም። ብኸምዚ ትውፊቱ ሓልዩ እናተተሓሓዘ ዝመጸ፡ ኣብቲ ዳኅራይ ጊዜ ድማ ብዝበለጸ ሠራዒ ሕጊ ባዕሉ ጐይታ ስለዘጽንዖ፥ እንሆ ክሳዕ ሎሚ ኣብታጥንታዊትን ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተት ሓዋርያዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያና ተሪፉ ብተግባር ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። እዛ መዓልቲ ኣብ ቤተክርስትያና ኣዝያ ፍልይትን ክብርትን ዕለት ብምዃና ከኣ ዓመት መጸ ኩሉ ጊዜ ኦም ስየኣ ሰሊዓ ብምልዓል "ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት፥ ሆሣዕና ነቲእግዚአብሔር መስኪርሉ፥ እግዚአብሔር እየ ኢሉ ዝመጸ እግዚአብሔር እናበለት ተመስግንን ሓጎሳ ትገልጽን። ከም ሥርዓቱ ከኣ ብዓቢይ ክብርንድምቀትን ተሕልፎ። እዚ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓታ ኮነ ንሳ እትህቦ ኣገልግሎት ኩሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሠረት ዘለዎ ሓቂ ምዃኑ ዘነጽርእዩ።
ብዛዕባዚ ስየ ኣልዒልካ ሓጎስካ ምግላጽን ነዚ ዕለት ኣመልኪቱን ከኣ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢትውን ኣሎ እዩ።መዝ.118፥24-29። ረኣ።
በዚ ዕለት ብፍላይ ሕጻናትን ንኣሽቱ ቆልዑን ከምቲ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት « ብኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ።» ክብልዝተነበዮ፥ ሰማያዊ ምሥጢር ተገሊጽሎም ባሕርየ ጐይትነቱ ፈሊጦምን ተረዲኦምን፥ ዝገርም ጸባ ጡብ ኣዲኦም ሓዲጎም «ሆሣዕና» እናበሉኣመስገንዎ።
ጐይታ’ውን ብዛዕባዚ ከምዚ ኢሉ ነይሩ እዩ÷ "ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዚ ኻብ ብልህታትን መስተውዓልትን ስለዝሓባእካዮ፥ ንሕፃናት ግናስለዝገለጽካዮ ኣመስግነካ ኣለኹ።"።
ነዚ ኣምላኽ ሰብ ናይ ምኻኑ ምሥጢር፥ ሰብ ኮይኑ’ውን ንደቂ ሰባት ዘለዓለማዊ ሰላሙ ናይ ምእዋጁን ድኅነት ናይ ምኃቡን ነገር ነዞም ሕፃናትስለዝገለጽካሎም ማለቱ እዩ። ማቴ.11፥25። በዚ እዋን እቶም ብልህታትን መስተውዓልትን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ካህናትን መማህራን ሕግንግን ከም ኣምላኽነቱ ክምስገን ምስ ሰምዑ ብቑጥዓ ነደዱ። ናብ ክርስቶስ ቀሪቦምውን ትሰምዖምዶ ኣለኻ᎒ ገስፆም እባ እናበሉ ተዛረብዎ።
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ እወ ይሰምዖም ኣለኹ ድሕሪ ምባሉ ነቲ ኣቕዲሙ ብባርያኡ ቅዱስ ዳዊት ኣቢሉ ዘዛረቦ ቃል ትንቢትጠቒሱ "እቲ ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ።" ዚብል’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም᎒ እናበለ ቅድም ንዕኦም ዝተነግረ ጽሑፍ ኣምጺኡ ኣፎምኣትሓዞም። ሎሚ’ውን ብዙሓት ንጌጋ ዝቃልዑ፥ ነቲ ቃል ዘየንብብዎ ኮይኖም ዘይኮነስ ስለዘየስተውዕልዎን ዘይተረድኦምን እዩ። ብቓሎም ብልህታትንመስተውዓልትን ኢና ክብሉ ከኣ ከምዚ ብድንቁርኖም ይተርፉ።
ኣብዚ ቆልዑ ተባሂሎም ዘለው ደቂ ዓመትን ፍረቓን፥ ሕፃናት ዝተባህሉ ድማ ደቂ ክልተ ዓመት እዮም። እዚ ከኣ ዘደንቕ ሥራሕን ጥበብእግዚአብሔርን እዩ። ንጥምቀት ዚምልከት ገለ ናይ እምነት ትካላት ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ብዘይምስትውዓል መለኮታዊ ጥበብ እግዚአብሔርከይተረድኡ ሕፃናት ክጥመቑ ዝግባእ ምስ ዓበዩ ጥራይ እዩ። " እናበሉ ይከራኸሩ እዮም። ግን ከምቲ ዝብልዎ እንተ ዝኸውን ኔሩ፥ ኣብዚ ከምእንርእዮን ንሰምዖን እቶም ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ዘይተረድኡ ካብ ምምስጋኑ ንድኅሪት ዝበሉን ዘይኣመንዎን፥ እኳ ደኣ ንኽብሩ ዝተቓወሙ ሕፃናትዘይኮነስ እቶም ዓበይትን ምሁራንን ፈላጣትን ኢና በሃልትን እዮም። ሕፃናትን ቆልዑ ግና ኣምላኽነቱ ተረዲኦም ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ምስጋናኣቕረብሉ። እሞ ብዘይካ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ነዞም ንኣሽቱ ሕፃናትን ቆልዑን ኣምላኽነት ክርስቶስ መን ነገሮም᎒ ከም ኣተሓሳስባ ሥጋተሰቢኾም ክሰምዑ ኣብ ዘይክእልሉ ክልል ዕድመ እናለውኸ ዕድሚኦም ንኸይኣምንዎ ንምንታይ ዕንቀፍቲ ዘይኮኖም ወይውን ዘይከልከሎምን᎒ እቲሓቂ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝበሎ እግዚአብሔር ስለ ዝገለጸሎም ጥራይ እዩ። ማቴ.11፥25። ነባቤመለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ነዚ ቃል ጐይታ ሒዙ መንፈስ ኣምላኹ ገሊጽሉ ብዛዕባዚ « ኣቱም ቆልዑ፥ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።»ኢሉኣሎ። 1ይዮሐ2፥14። ጐይታ" መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እዩ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።" ከም ዚበሎ። ዮሐ.14፥6። ወልድ ኢልካ ኣቦ ምባል ግዲ እዩ እሞ ኣቱም ቆልዑ ብወልድ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ ማለቱ እዩ።ስለዚ ንሕፃናት ብናኣሽትኦም እንከለው ከይጥመቑዝኽልክል የልቦን።ይከልከሉ እንተበሉ እኳ ከምዚ ካብዞም ፈሪሳውያንን መማህራን ሕግን ፈሊኻ ዝርኣዩ ኣይኮኑን። ሓሳብ ፈሪሳውያን ካህናትንመማህራን ሕግንን ብጐይታ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ድማ ርኢናዮ ኢና። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ እኳ ዝተነግረ ትንቢት ይንገሮም፥ ዝተጻሕፈ ቃልውን ይጥቀሰሎም ንሳቶም ግና ነዚ ረጊጾም ነቶም ዘመስግንዎ ዝነበሩ ካብ ክሲ ሓሊፎም ክቃወምዎም ስለ ዚጀመሩ÷ ኣስዒቡ"እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፥ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም እብለኩም ኣለኹ።" ኢልዎም እዩ። ሉቃ.19፥39-40። ከምቲ ዝበሎ ከኣ ኣይተረፈንኣእማንን ኣእዋምን እናሰገዱ ኣመስጊነምዎ እዮም። ከመይሲ ንሱ ፈጣሪ ኩሉ ፍጥረታት ስለዝኾነ።
ድኅሪዚ ኹሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓብይ ክብሪ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣተወ። ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ «መን እዩ እዚ᎒ »እናበለትተናወጸትን ተደነቐትን ማቴ.21፥10። ቀንዲ ዝተናወጽሉን ዝተደነቅሉን ምኽንያት ብናይ'ቶም ንኣሽቱ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና፥ ከምኡውን ክርስቶስከም ፀሐይ ይበርህ ስለ ዝነበረ ካብ ድምቀት ብርሃኑ ዝተላዕለ እዩ። እዚ ፍጻሜ እዚ መጀመርታ ዘይልሙድ ተርእዮ ስለ ዝኾኖም ከኣ "እዚ መንእዩ᎒"በሉ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ድማ " እዚ ነቢይ ኢየሱስ፥ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ።"በሉ። ማቴ.21፥11። ጐይታ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ምዕባዩዝተፈልጠ ኮይኑ፥ ነቢይ እዩ ምባሎም ግን ንዕኦም ዝመሰሎም ደኣ ተዛረቡ እምበር "ሎቱ ስብሐት" ንሱስ ናይ ነብያት ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። በቲሽዑ ጊዜ ዝፈልጥዎ ካልእ ስያሜ ስለ ዘይነበረ "ነቢይ እዩ በሉ" ሓዋርያ ከይብሉ፥ ድኂሩ ዝመጸ ስያሜ እዩ። ስለ ዝኾነ ኣይሁድ ዝኾነ ኣብ መንጉኦምሓደ ፍሉይ ተኣምር ዝገበረ እንተ ተረኽበ እዚ ነቢይ እዩ ናይ ምባል ልምዲ ኔርዎም። ምናልባት ኣምላኽ’ዶ ክብሉ ኣይምኻኣሉን᎒ ዝብል እንተሎ ክሳብሽዑ ኣምላኽነቱ ዝተቐበልዎ ኣይነበሩን። ምእንትዚ" ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ዝፈለጦ የልቦን፥ እንተ ዚፈልጥዎስ ነቲ ጐይታክብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። "ተባሂሉ ተነጊሩ እዩ። 1ይቆሮ2፥8። በቶም ብኣምላኽነቱ ዘይፈለጥዎን ዘይተቐበልዎን ሰባት ነዚ ዚመስል
" ነቢይ እዩ" ዚብል ኣብ ሓያሎ ክፍሊ ንረክብ ኢና፥ እንተኾነ ናቶም ኣመለኻኽታ ዝመሰሎም ደኣ ተዛረቡ እምበር ትኽክል መንነቱ ተረዲኦምኣይነበረን። ነዚ ከኣ" ንሽሕ ፈልጺ ዕንጸይቲ መእሠሪአን ሓደ ልሕጺ።" ከም ዚበሃል ናብ ካልእ ከየበልና ጐይታ ባዕሉ ዚበሎ እኹል ዝኾነ መረዳእታኣሎና። ሰባት ብኸመይ ኣመለኻኽታ ከም ዚርድእዎ መን እዩ ከም ዚብልዎን ዝፈለጠ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ፥ ነዚ መበገሲ ገይሩ ከኣነቲ ትኽክል ዝኾነ መንነቱ ንኹሉ ብግልጺ ክነግር ስለ ዝፈተወ፥ኣብ ሃገር ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ፥ ንደቀ መዛሙርቱ "ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩይብልዎ?ኢሉ ሓቲትዎም እዩ። እቶም ሓዋርያቱ ድማ ሰባት ዝብልዎ ብምዝርዛር" ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦም ኤርምያስወይ ድማ ሓደ ኻብ ነብያት እዩ ዚብሉ ኣለው። " ክብሉ መለስሉ። እዚ ደቀ መዛሙርቱ ይብሉኻ ኢሎም ጠቒሶምዎ ዘለው ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮዝፍለ ኣይኮነን። እቲ ቁምነገሩ ግን ከምቲ ዝብልዎ ድዩ ወይስ ኣይኮነን ዚብል እዩ እሞ፥ ከምዚ ምስ በሉ ጐይታስ እንታይ በለ᎒ ንርአ÷ ጐይታ ከኣ "ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ᎒"በሎም። ኣብዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ከይኣመንዎ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ፍሉይ ዝኾነ ተኣምራትንኃይልን ግን ዝተፈላለየ ስምን መንነትን ዝህብዎ ዝነበሩን፥ ከምኡ ነቶም ንዕኡ ኣሚኖም ኹሉ ናብርኦምን ወገን ዘመዶምን ሓዲጎም ዝሰዓብዎ ኣብዝወዓሎ ዝውዕሉ ኣብ ዝሓደሮ ዝሓድሩ ደቀ መዛሙርቱን ኣምጺኡ ብምንጽጻር ንምርዳእና ዝደለየ ይመስል። "ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ᎒ "ምስበሎም ፥ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ኩሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣኅዋቱን ወኪል ኮይኑ ፥«ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያውኣምላኽ ኢኻ» ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ጐይታ"ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ንኡድክቡር ኢኻ።" በሎ።
እዚ ብዙሕ ሓተታን መብርሂ ዘይድልዮ ንጹር መልሲ እዩ ። ስለዚ መንነት ናይ ክርስቶስ ከምቲ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦምኤርምያስ ወይ ድማ ሓደ ኻብ ነብያት እዩ ዚብልዎ ዘይኾነስ እቲ ሓቀኛ መንነቱ ከምዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምስክርነት ንሱ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። እቲ ንቅዱስ ጴጥሮስ " ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ንኡድ ክቡር ኢኻ። "ዚበሎከኣ ንዕኡ ሓቅኻ ምባሉ ዘስምዕ ጥራይ ዘይኮነ፥ እቶም ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦም ኤርምያስ ወይ ድማ ሓደ ኻብ ነብያት እዩዚበልዎ ካብ ሥጋን ደምን እምበር መንፈስ ኣምላኽ ገሊጽሎም ሓቁ በሪህሎም ከም ዘይኮነውን ዝገልጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ " ኣነ እብለካ ኣለኹ፥ ጴጥሮስ ( ከውሒ፥ጽኑዕ፥ኃያል) ኢኻ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያነይክሃንጻ እየ። ኣብዛ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ሕያው ኣምላኽ እዩ እትብል ጽንዕቲ፥ ሓቀኛ እምነት ንቤተ ክርስትያነይ (ንምእመናነይ) ክሃንፃ (ክሃንጾም) ማለቱ እዩ። ብዙኅ ነውጺ ብዙኅ ፈተና ኣለዋ፥ መሠረታ ጽኑዕ እምነታ ርቱዕን ሓቀኛ ስለ ዝኾነ ግን ደጌታት ሲኦል ኣይክኅይልዋን እዮም። መርኆታትመንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸኣ ኣብ ሰማይ ፍቱሕኪኸውን እዩ"በሎ። ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህንነት ሃቦም። ማቴ.16፥13-19።
ናብቲ ዝቐደመ ንመለስ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ ቀጺሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ነቶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚሻየጡንዝነበሩ ኹሎም ሰጎጎም፥ ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብርቲ ሸየጥቲ ርግብ'ውን ገልበጠ። "ቤተይ ቤት ጸሎት ኪበሃል እዩ።" ዚብል ጽሑፍ ኣሎንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ እናበለ ከኣ ገሰጾም። ጎሓሉት ዝበሎም ዝኸተርዎ ኣብኡ ይሸጡ ካብቲ ንዕሽር ዝወጸ ከኣ ይሰርቁ ስለ ዝነበሩእዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ኣብ ምኩራብ ክንምልከቶ ይከኣል። ከምዚ ገይሩ ከኣ ንቤተ መቕደሱ ኣኽበረ። ሓደነቶምን ሠለስትነቶምን ንምርዳእ ኸኣሠለስተ ጊዜ ዞራ። እዚ ዑደት ወይውን ንቤተ መቕደስ ዝግበር ዙረት ካብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብዝተማሃርናዮ እንሆ ንዓናተሪፉ እዚ ሎሚ ኣብ ዓበይቲ በዓላት እንፍጽሞ ዝተቐደሰ ሥርዓት እዩ።
እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ኣብጽሓና
ኣምላከ ቅዱሳን ፡ቅዱስ እግዚአብሔር ናብዚ ዓቢይ ክብረ በዓል ዕለተ ሆሣዕና ዘብጽሓና ምስጋና ይኹኖ።
ይትባረክ አምላከ አበዊነ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
ዲን.ዓምደማርያም