ገድሊ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ካብ ስንክሳር

     “ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህብበካ እየ።” ራእይ ፪፡፲/2፡10

                 

፩፤ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ ሎሚ ዕለት ፳፫/23 ሚያዝያ ፀሐይን ኮከብ ጽባሕ ዝተሰምየ ናይ ዓቢይን ክቡርን ዝኾነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ፍጻሜ ሰማዕትነቱ እዩ።

፪፤ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ መስፍን ኮይኑ ስሙ አንስጣስዮስ ካብ ሀገረ ቀጰዶቅያ እዩ። ኣዲኡ ድማ ቴዎብስታ ካብ ሀገረ ፍልስጤም እያ። ብንኡሱ ከሎ ኣቦኡ ዓረፈ።

፫፤ ናይ ኣቦኡ ሽመት ክቕበል ኣብ ፳/20 ዓመቱ ናብ ንጉሥ ዱድያኖስ ተንሢኡ ከደ። እቲ ንጉስ ጣዖት ኣቚሙ ንጣዖት ከምልዂ ንዂሎም ሰባት ከገድዶም ከሎ ረኸቦ።

፬፤ ነዚ ርእዩ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣዚው ሓዘነ ምስኡ ንዝነበረ ዅሉ ገንዘቡ ንድኻታትን ምስኪናትን ሃበ ንባሮቱውን ነፃ ኣውጽኣ።

፭፤ ብድሕርዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆይሙ ብክቡር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣመነ። ንጉሥውን ሓባበሎ ብዙሕ ቃል ኪዳንውን ኣተወሉ ንሱ ግና ኣይተቐበሎን።

፮፤ ንምስማዑ እኳ ዘጨንቕ ስቅያት ኣሳቐዮ ጐይታ ግና የጽንዖ ቁስሉውን የድኅኖ ነበረ። ከምኡውን ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ከም ዝትንሥኦ፡ ኣብ መበል ራብዓይ ጊዜ ግና ኣክሊል ሰማዕትነት ከም ዝቕበል ነገሮ፥ ቃል ኪዳንውን ሃቦ ስሙ ኣብ ኵሉ ዓለም ግሉጽ ምእንቲ ክኸውን ብተጋድሎ ብጽኑዕ መከራን ስቅያትን ሾብዓተ ዓመት ከም ዝነብር መላእኽትውን ከም ዘገልግልዎ ነገሮ።

፯፤ እቲ ንጉሥ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብዘይ ምእዛዙ ብዘይ ምምላሱን ኣዚው ሓዘነ፡ ስለዚ ድማ ኣትናስዮስ ዝበሃል ዓቢይ መሰርይ ኣምጽኣ፥ ንሱ ስሚ ቀሚሙ ኣብ ጽዋዕ መሊኡ ኣስማት ደጊሙ ክሰትዮ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ሃቦ። ብኡንብኡ ዝመውት መሲልዎ ነበረ እቲ ቅዱስ ግና  ኣማዕቲቡ ብስመ ሥላሴ ነቲ ጽዋእ ሰተዮ፣ ሓንቲ እኳ ኣይጎድኦን።

፰፤ እቲ ጠንቋሊ ነዚ ምስ ረኣየ ብኽቡር ጐይታና ኢየሱስ ኣሚኑ ብሰማዕትነት ኣዕረፈ፥ ምስኡውን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ብሰማዕትነት ሞይቶም ናይ ሕይወት ኣኽሊል ተቐበሉ፥ ቁጽሮምውን ፫ተ ፻፻ወ፯ተ፻ተ/30,700 ነፍሳት እዩም።

፱፤ ቅዱስ ጊዮርጊስውን ኣብ ቅድሚ ዱድያኖስን ሰብዓ ነገሥታትን ቆይሙ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ሰብኣ መናብር ነይሮም፥ ነቲ ቅዱስ ድማ እዞም ኮፍ ኢልናሎም ዘሎና መናብር ከም ዝቦቕል፣ ዝዕንብቡን፣ ዝፈርዩን ክትገብሮም ነደሊ ኣሎና። በዚ ጊዜ ጸለየ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ ነዚ መስተንክር ዝኾነ ሥራሕ ርእዮም ቁጽሪ ዘይብሎም ብዙሓት ኣሕዛብ ብጐይታ ኣመኑ።

፲፤ ብድሕርዚ ነቲ ቅዱስ ወሲዶም ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ መቑሎ ገይሮም ኣቃጺሎም ሥጋኡን ኣዕጽምቱን ሓመድ ገብርዎ። ጥሒኖም ሓመድ ብምግባር ድማ ኣብ ነዊሕ እምባ ኮይኖም ዘረውዎ ጐይታ ድማ ንነፍሱ ናብ ሥጋኡ መሊሱ ኣተንሥኦ ናብቶም ነገሥታትውን ተመሊሱ ብጋህዲ ብኽቡር ስም ጐይታና ኢየሱስ ሰበኸ ቁጽሪ ዘይብሎም ኣሕዛብ ተገረሙ ብጐይታውን ኣሚኖም ሰማዕትነት ተቀበሉ።

፲፩፤ እቶም ነገሥታት ደጊሞም ሙታን እንተ ኣተንሢእካ ኣምላኽካ ሓቀኛ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ብእኡውን ክንኣምን ኢና በልዎ፥ እቲ ቅዱስውን ጸለየ ካብ ጉድጓድ ውሽጢ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣጉባዝን ኣተንሥኣ፥ ንሳቶም ድማ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተምሃሩ ብዛዕባ ናይ ገሃነምውን ተዛረቡ ጥምቀትውን ተጠምቁ ናብ ዕረፍቶም ድማ ተመልሱ።

፲፪፤ እቶም ከሓድያን ነገሥታት መናፍስቲ ሰይጣን ኣርኣኻና እምበር ሙታን ኣየተንሣእኻን ኢሎም ተቓወምዎ። ካብቲ ዝነበሮም ጭንቀት ዝተላዕለ ድማ ኣብ ሓንቲ ድኻ ሰበይቲ ከም ዝሕሎ ገበሩ ንሳውን እንጌራ ክትልምን ወጸት መልኣኸ እግዚአብሔር ካብ ላዕሊ ኵሉ ሠናይ ነገር ዝተመልኣ መኣዲ ኣቕረበላ፥ ኣብ ገዛ ናይዛ መበለት ዝነበር ዓንዲውን ጨናፍር ኣብቊሉ ዓቢይ ገረብ ኮነ።

፲፫፤ እታ መበለት ምስ ተመልሰት ናይ ገዛኣ ዓንዲ ጨናፍር ኣብቊሉ ዓቢይ ገረብ ከም ዝኾነን ብዛዕባ እቲ መኣዲውን ዓቢይ ምልክት ርእያ ናይ ክርስቲያን ኣምላኽ ሰብ ተመሲሉ ናባይ መጸ በለት። እቲ ቅዱስውን ኣነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እምበር ኣምላኽ ኣይኮነኩም በላ ንሳውን ከምዚ ኢላ ለመነት፥ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንተ ኾንካ ምሕረትካ ክትበጽሓኒ እልምነካ፥ ዕውር ደንቆር ድዳ ዝኾነ ውሉድ ኣሎኒሞ ምእንቲ ከተድኅነለይ እልምነካ ኣሎዂ በለቶ። ንሱ ድማ ብዛዕባ ናይ ጐይታ እምነት ኣስተምሃራ እሞ ብምልክት መስቀል ኣማዕተበ በቲ ጊዜ ወዳ ረኣየ እቲ ቅዱስውን ኣብ ካልእ ጊዜ ክሰምዕ ክዛረብ ክኸይድ ከገልግለኒውን ኣነ ይደሊ እየ በላ።

፲፬፤ በቲ ጊዜ ንጉሥ ኣብ ሜዳ እቲ ሀገር ክዛወር ከሎ ነታ ገረብ ርእይዩ ተገረመ ብዛዕባኣውን ሓቲቱ ኣብታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተቐመጠላ ናይታ መበለት ገዛ ዓንዲ ከም ዝኾነ ነገርዎ እቲ ንጉሥውን ተቖጥዐ ነቲ ቅዱስውን ካብኡ ወሲዶም ብኃይሊ ከም ዝሃርምዎ ገበረ ብመንኮራኩርውን ኣኼድዎ፥ ሽዑ ሞተ ድማ ካብ ከተማ ኣውጺኦም ደርበይዎ። ጐይታ ካብ ሞት ምስ ኣተንሥኦ ናብቶም ነገሥታት ተመሊሰ፥ ንጉሥ ነዚ ርእዩ ሰንበድ ስለ ሕይወቱ ድማ ኣድነቐ።

፲፭፤ ብድሕርዚ ምእንቲ ከታልሎ ኣብ መንግሥቱ ካልኣይ ክገብሮ ቃል ኣተወሉ ቅዱስ ጊዮርጊስውን እናባጨወ ጽባሕ ንግሆ ነቶም ኣማልኽትኻ መሥዋዕቲ ከቕርበሎም እየ ንስኻ ድማ ክሥውእ ከሎዂ ምእንቲ ክርእዩ እቲ ሕዝቢ ክእከብ ኣዝዝ በሎ። እቲ ንጉሥ ናይ ብሓቂ ዝሥውእ መሲልዎ ደስ በሎ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ኣእቲው ድማ ኣሕደሮ።

፲፮፤ ክጽሊ ተንሢኡ መዝሙረ ዳዊት ኣንበበ ሰበይቲ ዱድያኖስ ንግሥት እለእስክንድርያ ሰሚዐ በቲ ቃል ደስ በላ። ነቲ ዘንበቦ ምእንቲ ክትርጉመላ ለመነቶ ንሱውን እግዚአብሔር ዓለም ካብ ዝፈጠረሉ ክሳዕ ሰብ ዝኾነሉ ንዝኾነ ኵሉ ነገር ከረድኣ ምስ ጀመረ፥ እቲ ትምህርቲውን ኣብ ልባ ተቐሪጹ ብኽቡር ጐይታ ኣመነት።

፲፯፤ ንጽባሒቱ ቅዱስ ጊዮርጊስ ነቶም ኣማልኽቲ ክሥውኣሎም ከሎ ንምርኣይ ምእንቲ ክእከብ ኣዋጅ ነጋሪ ዞረ፥ እታ ናይ ቤታ ዓንዲ ዘብቖለላ መበለት ሓቂ መሲልዋ ሓዚና በኸየት ንወዳ ሓዚላውን እናንበኸየት ወጸት።

፲፰፤ ቅዱስ ጊዮርጊስውን ምስ ረኣያ ፍሽኽ በለ ንወድኺ ኣብ መሬት ኣንብርዮ በላ ሽዑ ንወዳ ጸዊዑ ናብ ኣጵሎን ኪድ ናባይ ምእንቲ ክመጽእ ድማ ብኽቡር ጐይታና ኢየሱስ ኣዝዞ በሎ። በቲ ጊዜ እቲ ወዳ ድኂኑ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከም ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብቲ ጣዖት ዝሃደረ ርዂስ መንፈስውን ካብ መሕደሪኡ ወጺኡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናብ ዘለዎ መጺኡ ኣነ ንዂሉ ሰብ ዘስሕት እምበር ኣምላኽ ኣይኮንኩም ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቢ ኣመነ እቲ ቅዱስውን ምድሪ ምእንቲ ክትውሕጦ ኣዘዘ ቀልጢፋውን ውሓጠቶም ነቶም ጣዖታትውን ምስ ኣገልገልቶም ኣጥፍኦም ንጉሥ ድማ ምስ ወገናቱ ሓፈረ።

፲፱፤ ንጉሥ ሕርቃንን ቁጥዐን ተመሊኡ ናብ ንግሥቲ ሰበይቱ ኣተወ። ንሳውን ኣምላኾም ኃያልን ጽኑዕን እዩ እሞ ንክርስቲያን ኣይትበኣሶም ኢለካዶ ኣይነበርኩን በለቶ። ነዚ ካብኣ ሰሚዑ ኣዚው ተቖጥዐ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናብ እምነት ክርስቶስ ከም ዘእተዋውን ፈለጠ።

፳፤ ብድሕሪ እዚ ካብ ከተማ ኣውጺኦም ክጎስዋ ብመጋዝ ክጨድዋን ኣዘዘ። ናይ ሰማያት ኣክሊልውን ኣብ መንግሥተ ሰማያት ተቐበለት።

፳፩፤ በቲ ጊዜ ብዛዕባ ሥራሕ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኲሎም ነገሥታታ ሰምበዱ ሕፍረት ምእንቲ ከይውስኸሎም ዕረፍቲውን ምእንቲ ክረኽቡ ርእሱ ብሰይፊ ምእንቲ ክቑረጽ ዝእዝዝ ጽሑፍ ክጽሕፍ ንንጉሥ ዱድያኖስ መኸርዎ።

፳፪፤ በቲ ጊዜ እቲ ናይ ክቡር ጊዮርጊስ ርእሲ ብሰይፊ ክቑረጽ ኣዘዘ እቲ በዓል ዓወት ጊዮርጊስውን ኣዚው ተሓጎሰ፥ ሓዊ ካብ ሰማይ ኣውሪዱ ምእንቲ ከቃጽሎም ነቲ መከራውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸጥ ክብል ንጐይታ ለመነ ብኡንብኡ ሓዊ ወሪዱ ነቶም ፸/70 ነገስታት ምስ ሠራዊቶም ኣቃጸሎም።

፳፫፤ ብድሕርዚ ክቡር ጐይታና ንቅዱስ ጊዮርጊስ ተገሊጹ ብዙሕ ቃል ኪዳን ሃቦ፥ ኣብ ምድሪ ተዝካርካ ዝገብር ኵሉ ኣነ ኲሉ ኃጢኣቱ ክድምስሰሉ እየ። ኣብ ውሽጢ መከራ ኮይኑ ብባሕሪ ኮነ ብየብስ ወይ ብደዌ ብስምካ ክፍውሶ ንዝልምነኒ ኣነ ቀልጢፈ ካብ መከራ ከድኅኖ እየ። ከመዚ ኢሉ ጐይታ ናብ ሰማይ ዓረገ።

፳፬፤ ብድሕርዚ ርእሱ ኣድነነ ብሰይፊውን ቆረጽዎ ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ኣክሊላት ተቐበለ ካብ ኣገልገልቱውን ዝተረፉ ሥጋኡ ወሲዶም ብኣልባስ ጠቕሊሎምዎ ናብ ሃገሩ ልዳ ወሲዶም ቤተክርስቲያን ሰርሑሉ፥ ኣብ ውሽጢ ኣንበርዎ ኣብኡ ቁጽሪ ዘይብሎም ብዙሓት ተኣምራት ድማ ተገልጹ።

፳፭፤ ስብሐት ንእግዚአብሔር ይዂን። ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ በረኸቱን ረድኤቱን ካብ መከራ ሥጋን ነፍስን ንዂልና ሕዝበ ክርስቲያን ይዕቀበና። ኣሜን!!!

ሰላም ለከ ሰርዌ ሰማዕታት ኣእላፍ።
ዘሞገሰ ስምከ በጽሐ መንገል ኵሉ ኣጽናፍ።
ብቅድመ ፀሐይ ብሩህ ዘኢየኣርብ ለዘልፍ።
ሕማምየ ዝሩ ነሢኣከ ወፀዊረከ በኣፍ።
ጊዮርጊስ ቀሊል ክንፉ ከራድዮን ዖፍ።    

ዲያቆን ዘሚካኤል

Comments are closed.