ዘመነ ኣስተምህሮ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ብናይ ቤተ ክርስትያና  ዘመን ኣቆጻጽራ መሠረት ካብ ወርሒ ሕዳር 6 ክሳብ ታኅሳስ 13 ዘሎ እዋን ዘመን ኣስተምህሮ ይበሃል።

ዘመን ኣስተምህሮ ማለት ናይ ይቅሬታ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ደቃ ይቅሬታ ምሕረት ትሓተሉ፣ ምእመናን ስለ በደሎም ይቅሬታ ዝሓትሉ፣ ብዛዕባ እዚ ሰፊሑ ትምህርቲ ዝወሃበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ዘመን ዘለዉ ሓሙሽተ ሰናብቲ ፣ ኣስተምህሮ፣ ቅድስት፣ ምኩራብ፣ መጻጉዕን፣ ደብረዘይት ተባሂልም ይጽውዑ። እዞም ኩሎም  ሳምንቶም ሓልዮም ከኣ ቤተ ክርስትናያ ተኽብሮም።

ሎሚ ከኣ ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ብዛዕባ ዘመነ ኣስተምህሮ ክንርኢ ኢና።

ዘመነ ኣስተምህሮ።

“ ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰለነ ።”

“ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝሓደግናሎም በደልናን ኣበሳናን ሕደገልና ።”  ማቴ.6፣12።

እዚ ቃል ዝተዛረቦ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ፍጻሜ ዓለም ንዝነብሩ ክርስትያን ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ ኢሉ፣ ካብ ዘምሃሮ ካብ ናይ ጸሎት ትምህርቲ እዩ።

ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና፣ ስምካ ይቀደስ፣ መንግሥትኻ ትምጻእ’ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፣ ከምእውን ኣብ ምድሪ ይኹን፣ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና፣ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝሓደግናሎም በደልናን ኣበሳናን ሕደገልና፣ ካብ ኩሉ ኩፋእ ኣድኅነናን እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፣ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘልዓለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን። ማቴ.6፣9-14።

እዚ ጸሎት ናይ ቤተ ክርስትያን  ሊቃውንቲ ኣቦታት ናይ ጐይታ ጸሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ዕለታዊ ጸሎትና ናይ መጀመርያ ሓረግ ብምሓዝ ኣብ “ ሰማይ ትነብር ኣቦና ” ብግእዝ ከኣ “ አቡነ ዘበስማያት” ንብሎ።

እቲ ጸሎት ኣብ ሓጺር ኮይኑ ትሕዝትኡ ግና ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ ውሽጢ ጸሎት ፣ተስፋ ፍቅሪ፣ እምነት፣ ኃዳጊ በደል (ይቕሬታ)፣ ምስጋና፣ ዝኣመሰሉ ዘጠቃለለ እዩ።

እዚ ጸሎት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዘምሃሮ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ ኣብ ቤተ ክርስትያና ዓቢ ቦታ እዩ ዘለዎ። ንኹሉ ጸሎት መእሰርያን ጸሎትን፣  ማዕረገ ጸሎትን ኮይኑ እዩ ዘገልግል። ኣብ ውሽጡ’ውን ካብ መጀመርያ ሓረግ ጀሚሩ ስጋብ መጨረሻ ዘሎ መልእኽቲ ነፍሲ ዘጽግብ ናብ ሰማይ ዝወስድ መንፈሳዊ ነገረ መለኮት ዝሓዘ መልእኽቲ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ዘመነ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ይቅሬታ ወይ በደል ምሕዳግ ዝስበኹሉ ስለዝኾነ ኣብዚ እዚ ውሽጢ ዘሎ ኣንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

“  ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰለነ ። ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝሓደግናሎም በደልናን ኣበሳናን ሕደገልና፣” ካብዚ ቃል ብዙሕ ንመሃር ኢና።

ሀ. እግዚአብሔር ንኃጢያትና ክሓድገልና ከምዝፈቱ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ይቕረ ክብለና እንተዘይፈቱ ኔሩ ይቅሬታ ክንሓትት ኣይምነገረናን ኔሩ። ንሕና እንድሕር ተመሊስና ዋላ ግጉያት እንተኾንና፣ ዋላ እኳ ኣዚና እንተረስሓና ከድኅነና ይቅረ ክብለልና ድሉው እዩ። ከምዚ ይብለና

“ ንዑ ሸኽምኹም ዝኸበደኩም ፣ ኣነ ከዕርፈኩም እየ። ” ስለዚ ኣብዚ ጸሎት “ በደለና ይቕረ በለልና ።” ኢልና ክንሓትት ከምዝግበኣና ኣምሂሩና።

ለ.  በደልና ክሕደገልና  እንታይ ክንገበር ኣለና።

በደልና ክሕደገልና ዝፈተወ ኣምላኽና፣ ነዚ ሕድገት ክንረክብ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ኣብዚ ቃል ነጊሩና እዩ። እንታይ ክንገብር ኣለና።

1 ኃጢያትና ምፍላጥ፣ ምእማን፣ ምዝካር

2 ንዝበደሉና ይቅረ ምባል

3 ይቅሬታ ምልማን።

1.ኃጢያትና ምፍላጥ፣ ምእማን፣ ምዝካር

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ በደልና ሕደገልና ” ኢልና ክንጽሊ ከለና፣ ዝነግረና ፣ ብመጀመርታ ደረጃ በደለኛ ምዃና ንክንፈልጥን ክንዝክርን ይገብረና ።

ንሕና ደቂ ሰባት ድኹማት ስለዝኾና ኩሉ ግዜ ብሓሳብ፣ ብምዝራብ፣ ብገቢር (ብምግባር)፣ ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝኾነ ልብናን  ሰውነትናን ነርስሖ፣ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝሞተልና መንነትና ነርስሖ ኣለና። ንሕና ብቅድስና ንዕዑ መሲልና ክንነብር ፣ ዳሕራይ’ውን ኣብቲ ዝተዳለወልና ናይ ዘልዓለም መንግሥቱ ንኽንወርስ ፍቓዱ ንዝኾነ እግዚአብሔር ንሰውነትና ብምርስሓና ነሕዝኖ፣ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠረና ንኽብሩ ዝፈጠሮ ሰውነትና ብምርስሓና የቆጥዖ። ንጹሐ ባህርይ ዝኾነ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር  ንጽህናን እዩ ዝደሊ፣ ስለዚ ካባና ቅድስና እምበር ኃጢኢና ካብኡ  ክንርሕቅ ፍቓዱ ስለዘይኮነ ንልብና ብንጽህና ክንሕልዋ ናይ ይቕሬታ ሰባት፣ ሓደግቲ በደል ካብ ቂም ዝርሓቕና ክንከወን ደጋጊሙ ይነግረና ።

ስለዚ ደበልና ንክሕደገልና ብመጀመርያ ንሕና  ኃጢያተኛታት ምዃን ምፍላጥን ምእማንን የድልየና። ናብዚ ፍልጠት ንምብጻሕ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ምንባብን ቃል እግዚአብሔር ምምሃር ይግበኣና። ምኽንያቱ ጌጋታትና ንኽንፈልጥ ተግባርና፣ ዘረባና፣ ሓሳብና ኣብ ቅኑዕ መገዲ ምህላዉ ንምንጽጻር፣ ብሚዛነ ቃለ እግዚአብሔር ክንርእዮ ይግባእ ። እዚኦም መነጻጸሪ ሚዛን ድማ ኣብ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝተጻሕፉ ሕግታትን ትእዛዛትን እዮም። ስለዚ እዚኦም ምስእንፈልጥ ጉድለትና፣ ድኻምና ግልጺ ኮይኖም ይወጹ። እዚኦም ምስ ዘይህልዎ ግና እንዳበደልና ከምዘይበደልና ክመስለና ይኽእል እዩ። ንኃጥያት ከም ጽድቂ ጌርና ክንቆጽሮ ስለእንኽል ፣ ኩሉ ግዜ ካብ ቃል እግዚአብሔር ክንፍለ የብልናን።

2.ንዝበደሉና በደሎም ብምሕዳግ፣

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ጸሎት ንበደልና ሕድገት ክንሓትት ከምዝግበኣና ብምስትምሃሩ፣  በደልና ከምዝሓድገልና  ከምዝፈቱ ከምዝነግረንና ኩሉ ይቅሬታ ንምርካብ ንሕና ከኣ ንዝበደሉና በደሎም ክንሓድገሎም ናይ ግዲ ከምዝኾነ ብግልጺ ነጊሩና እዩ ።

በደልና ሕደገልና ክንብል ከልና ንዝበደሉና ምስ እንሓድገሎም ንሕና ከኣ በደልና ከምዝሐገልና ነጊሩና ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚኦም ጉዳያት ኣብ ዝተፈላላየ ጊዜን ቦታን ብተደጋጋሚ ኣሚሂሩና እዩ። ኣብዚ ናይ

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ እምባ ስብከቱ  ኣምሂሩና እዩ።

“ ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፣ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ። ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።” ማቴ.7-2።

ኣብ ካልእ ቦታውን  ከምዚ’ሉ ነዚ ጉዳይ ብምሳሌ ክነግረና ከሎ ከምዚ ይብል ።

“ መንግሥተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። ኪጻባጸብ ምስ ጀምረ እልፊ መኽሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ ። ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ፣ ንስኡን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ኹሉ ኺሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፣ ጐይታይ ተዓገሰኒ ኩሉ ከኣ ኪፈድየካ እየ፣ ኢሉ ሰገደሉ። ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሓሮን ፈትሖን፣ ዕዳኡውን ሓደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ  ረኸበ። ሒዙ ኸኣ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ኢሉ ሓነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ ተዐገሰኒ ኩሉ ኪፈድየካ እየ ፣ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና ኣበዮ፣ ከይዱ ድማ ክሳብ ዕዳኡ ዚፈዲ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጎሃዮ። ከይዶም ከኣ ዝኾነ ኩሉ ንጐይታኦም ነገርዎ።

ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፣ ኣታ ክፋእ ባርያ ኣነ ክንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሓደግኩልካ። ንስኻኸ ከምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገበኣካን በሎ። ጎይታኡ ኾርዩ ኩሉ ዕዳኡ ክሳብ ዚፈዲ ንዜጽብብሉ ኣሕሊፉ ሃቦ። ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ ብልብኹም ይቕረ እንተዘይበልኩምሉ ፣እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ከሙኡ ኪገብረኩም እዩ። ” ማቴ.18፣23-35።

ብሓፈሻ ሕድገት ንምርካብ ናይ ግድን ንሕና’ውን ሓደገቲ ክንከውን ኣለና። ኣብ ልዕሌና ዝፈርድ ፍርዲ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብዚ ትምህርቱ ከኣ ነዚ እዩ ዚነገርና ዘሎ። “ ኣነ ንዓኹም ዚፈርደኩም፣ ንስኻትኩም ኣብ ልዕሌኹም ብዝፈረድኩም መልክዕ እዩ። ”

 3 ይቅሬታ ምልማን።

ኃጢያትና ፈሊጥና ካብ ኣመና፣ ንዝበደሉና ካብ ልቢ ይቕረ ምስ በልናሎም ፣ ንሕና’ውን ይቕረ ምእንቲ ኪበሃለልና ኪንልምን ኣለና።

“ ይቕረ በለለይ ” ኢልኩም ጸልዩ ኢሉ ብዘምሃረና ንዚ ንግረ ንርዳእ። ናብ ኣበ ንስሓ ብምኻድ ንኃጥያትና ተናዚዝና ቀኖና ክንቅበሎ ዝግበኣና ተቀቢልና። መጀመሪና ብዛዕባ ኃጢያትና ብኸምዚ መልክዕ ምስ ምስኣልቀስና እዩ። ድሕርዚ ቀነኖና ምስ ወዳእና ኮነ ከይወዳእና ብዛዕባ ኃጢያትና ይቕሬታ ንሓትት።

ብርግጽ ይቕሬታ ንሓትት ብዝሠራሕናዮም ብዝገበርናዮም ሓደሽቲ ጌጋታት ገና ንስሓ ዘይኣተናዮም ጥራሕ ዘይኮነ፣ ነቶም ንስሓ ስለዘኣተናዮም ስለ ዝቀደሙ በደልናን ጌጋታትና ብተወሳኺ እዩ። ከም ቅዱስ ዳዊት ፣ “ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ ምሕረትካ ትቃባበለና።  ” መዝ.78፣8። እንዳበልና ብዛዕባ ናይ ቀደም በደልናን ኃጢያትናን እንዳሓሰብና ኣብ ሕይወትና ኩሉ ይቕሬታ ምሕታት ይግብኣና።

ይቕረ ንሓቶ ንኹሉ ንዝክሮን ዘይንዝክሮን ፣ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝበደልናዮን ዝኃጥኣናዮም ኪኸውን ኣለዎ።

ስለዚ ይቕረ በለለይ ኪንብል ከለና ንሕና ካብቲ ቅኑዕ መገዲ ወጻኢ ብብዙሕ መልዕክ ንኣምላኽና ከምእንብድል ፈሊጥና ልመናና ብዛዕባኦም’ውን ኪኸውን ይግባእ።

ስለዚ ንጸሎት ቅድሚ ምድላውናን ፣ ናይ ጐይታ ጸሎት ቅድሚ ምጽላይናን ፣ ንዝበደሉና ይቕረ ከምዝበልናሎም ርግጸኛታት ኪንከውን ይግበኣና።

“ንዓና በደልና ይቕረ በለልና” ክንብል ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ነገራት እንዳሓሰብና፣ ይቕረ ክብለልና ዝፈተወ ኣምላኽና እንዳመስገና ምዃኑ ይግባእ። ብሓቂ ነዚ ጸሎት ኪንጽሊ ከለና በዚ መልክዕ ኢና ንጽልዮ ᎒ እንተዘይኮነ ምልምማድና ካብ ሎሚ ንጀምሮ። ነዚ ክንገብር ከኣ ኣምላከ ቅዱሳን ናይ እግዚአብሔር ኣብ ድኻምና ይደግፈና ፣ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

                                                                                                             ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

                                                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣

                                                                                                  ወለመስቀሉ ክቡር።

 

 

ዘሚካኤል

 

Comments are closed.