ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቤተ ክርስቲያን ኣማልከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ ደቂ ሰባት ካብ ኃጥያት ናብ ጽድቂ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክመልስ ብክቡር ደሙ ዝመሥረታ ኣካሉ እያ። ኤፊ.1፣23። ክሳብ መፈጸምታ ዓለም  ከኣ መሕደሪኡን መንበሪኡን እያ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ዘላ መንፈሳዊት ዓለም ስለዝኾነት ናታ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ዝኾነ መንፈሳዊ መምርሕን ኣዳይዳን ፣ ንኹሉ ዝድህስስ ታሪኽን ኣለዋ።

መቕድም ናይ ኣርእስትና ብዛዕባ መንነት እዛ ሓንቲ ቤተክርስቲያን መብርሂ ምሃብ ኣገዲሲ ኢዩ።

ቤተ ክርስትያን እንብሎ ናይ ክርስቲያን ሃይማኖት እዩ: ትርጉሙ ከኣ ምሕዳር; ወገን; ነገድ; ጉባኤ ; ማኅበር ማለት እዩ: ቤተ ክርስትያን ዝብል መሠረቱ ግእዝ እዩ::  ምስ ኣቅሌስያ ዝብል ናይ ጽርዕ ቃል ሓደ ትርጉም ኣለዎ:: መፍቲሕኡ ከኣ ዝተጸውዑ; ናይ ኅሩያን እግዚአብሔር ጉባኤ ማለት እዩ::

ብዛዕባ መንነት እዛ አሐቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን መብርሂ ብሓጺር ክግለጽ ከሎ ነዚ ይመስል።  ቤተ ክርስትያን ብዘይቤን ምሥጢርን ሠለስተ ዓይነት እዩ ዝትርጕም::  ዝተፈላለየ ናይ ትርጉም ኣፈታትሓ ከኣ ኣለዎ።   ካብዞም ብዙኃት መግለጺ ንሎሚ  ኣብ ሠለስተ ከፊልና ክንርኢ ኢና።

1ይ ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ መእምናን ፡2ይ ምእመናን ወይ መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ፡3ይ ሕንጻ ቤተ-ክርስቲያን ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

ማኅበረ መእምናን 

ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ኣብ ኣርብዓን ኣብ ሰማንያን ብአብ ብወልድ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠምቁ ምእመንና ይበሃሉ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣመልኪቱ ክጽሕፍ ከሎ “ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ሕይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማኅበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ።” ይብልሞ ኣስዒቡ “ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማኃበርውን ሰላም በሉ። ሮሜ 16፡3-5” ብምባል ሰላምታኡ የቕርብ። ምስዚ ብዝመሳሰል ናብ ናይ ቆሮንቶስ መእምናን ኣብ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቱ 16:19 “እተን ማኅበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማኅበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።”ብምባል ደጊሙ ይጽሕፍ። ብተወሳኺ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሃቦ ምኽሪ “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ግብ 20:28” እዘን ብማኅበር ተገሊጸን ዘለዋ ኩለን ማኅበረ መእምናን ኢየን። ካልእ ተወሳኺ ትርጉም ናይ ቤተ-ክርስቲያን ወገን፡ ዓሌት፡ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ድማ ቤተ- እስራኤል ናይ እስራኤል ወገን ማለት ከምዝኾነ፡ ቤተ- ያዕቆብ ናይ ያዕቆብ ወገን ማለት ከምዝኾነ፡ ከምኡውን ቤተ ክርስቲያን ናይ ኤርትራ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ እስክንድርያ ክብል ከሎ ኣብ ኤርትራ ዘላ ማኅበር ወይ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ግብጺ ዘላ ማኅበር ቤተ ክርስቲያን ማለት ኢዩ። ብመንጽር እዚ ትንታነ ቤተ ክርስቲያን ክበሃል ከሎ ናይ ክርስቶስ ወገን ማለትውን ኢዩ። ካልእ'ውን ብስም ኃዳሪ ንማኅደር ብስም ማኅደር ንኃዳሪ ምጽዋዕ ኢዩ።

 መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን

ቤተ-ክርስቲያን ቀዳማይ ትርጉሙ ማኅበረ መእምናን ምዃኑ ርኢና ኣለና። ዝአመኑ ወገናት ኩሎም ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ይብሃሉ እዮም። ካልኣይ ተወሳኺ ትርጉሙ ከኣ  ናይ ቤተ-ክርስቲያን መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ይበሃሉ ኢዮም። እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ኣይሰኣንን። ጐይታ ንገዛእ ሰብነቱ ብቤት መቕደስ መሲሉ ከምዝተዛረበ ንዝክሮ ኢና።  ዮሐ 2:19። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣካል ክርስቶስ ክገልጽ ከሎ "እቲ ሥጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” 1ይቆሮ 6፥15 ይብለና። ኣስዒቡ ድማ ሓደ ኣማኒ ቤት መቕደስ ከምዝበሃል "ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?”1ይ ቆሮ 3:16 ክብል ኣመሳጢርዎ ኣሎ። ስለዚ ሓደ ኣማኒ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ማሕደር ብምዃኑ ቤት መቕደስ እንተተባሂሉ፥ ከምቲ ቅዱስ ቃሉ ክልተን ሠለስተን ብስመይ ኣብ ዝተኣከብሉ ኣብ ማእከሎም ኣለኩ ብዝበሎ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ድማ ቤተ-ክርስቲያን ይበሃሉ ኢዮም። እዚኦም እቶም "ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ” ግብ20:28 ዝተባህሉ ኢዮም። ጐይታ ንሓደ ዝበደለ ሓው ክግበር ዝግበኦ ኣተሓሕዛ “ሓውኻ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውኻ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሠለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ” ማቴ 18፡15-17 ብምባል ይምህረና። ኣብዚ ማኅበር ብምባል ዝተገልጸ እቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳር ዝተመዘዘ ሰብ ወይ ዝተመደበ ሰብ’ውን እዩ።

 ብጹእ አቡነ ሲኖዳ 3 መበል 117 ፓትርያርክ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዝነብሩ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም  ኣብ መጽሓፎም ብኸምዚ ይገልጽዎ፥

1st. The word church signifies three things … The church as a building (Rom.16; 5: 1Cor. 4; 17).  2nd. The church congregation…. (Acts.2:4. 8:1; 12:5; 1Cor.11:8; Eph.5:25-26. )…    3rd. The church as leadership, that is the Holy Orders (priesthood). (Mat.18:17-18) so, in the Creed, the word Church means the believers and their leadership.  

H.H. Pope Shenouda III. The Creed (Cairo, Dar El Tebaa El Kawmia , July, 1998) pp.94-95:   

ትርጉም- 1. ቤተክርስቲያን ዝብል ንሠለስተ ነገራት የመልክት……..ንህንጻ ቤተ ክርስቲያን (ሮሜ 16:5 1ይ ቆሮ 4:17) 2. ንማኅበረ መእምናን (ግ. ሃዋ 2፡4, 8:1, 12:5, 1ይ ቆሮ 11:8, ኤፌ 5:25-26)። 3ይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳር ማለት ውሉደ ክህነት (ማቴ 18:17-18)። ስለዚ ኣብ ናይ ሃይማኖት ጸሎት ቤተክርስትያን ዝብል ቃል ንኣመንቲን ንመራሕቶምን ማለት ኢዩ።

ሕንጻ ቤተ-ክርስቲያን

ብስም ኃዳሪ ማኅደር ፡ ብስም ማኅደር ድማ ኃዳሪ ከምዝጽዋዕ መእምናን ተኣኪቦም ዝጽልይሉ፡ ብእግዚአብሔር ዝቕደሱሉ፡ ዘመስግንሉ፡ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽምሉ፡ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸሙሉ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ይበሃል። ብዛዕባ እዚ ሕንጻ ቤተክርስቲያን ኣመልኪቱ ኣቐድሙ ንጠቢብ ሰሎሞን እዚ ዝስዕብ ተስፋን ቃል-ኪዳንን ኣትዩሉ ኔይሩ። “ እግዚአብሔር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሠራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘልዓለም ኣብአ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን”1ይ ነገስት 9፡3። ጐይታውን ናብ ቤት መቕደስ ኣብዝኸደሉ፡ ነቶም ኣብኡ ክሸጡን ክልውጡን ዝጸንሕዎ ከውጽኦም ከሎ “ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።”  ዮሐንስ 2:16።  ኢዩ ዝብለና ቅዱስ ወንጌል።

ብዛዕባ ትርጉም ቤተ ክርስቲያን ብሓጺሩ ከምዚ ዝግለጽ ኮይኑ ፣ ናብቲ ቀንዲ መበገሲ ኣርእስትና ምስ እንሰግር።

ሠለስቱ ምእት ኣብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ዘውጽዎ ናይ ሃይማኖት መግለጺ “ልዕሊ ኩሉ ብዝኾነት ብናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክስርስቲያን ንኣምን” ዝብል ኢዩ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ኢያ።

 እዚ እምነት ናይ ክርስትና ኢዩ። እታ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝነበረትን ኣብ ዘመነ ኣበው ዝነበረትን ከምኡውን ኣብ ዘመነ ኦሪትን ዘመነ ሓዲሽን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ኢያ። ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣበይናይ ክፍሊ ዓለም ትሃሉ፡ ብኸመይ ዝበለ ኩነታት ትሕለፍ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ኢያ። “ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ሥጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት”  ኤፌ 4፡4-5። “እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሠረት ነብያትን ሓዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ሥድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን” ኤፌ2: 19-20። ቤተ ክርስቲያን መሠረታ ነብያትን ሓዋርያትን፡ እምኒ ማዕዝና መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ቤተ-ክርስቲያን መርዓት ናይ ክርስቶስ ኢያ። ቤተ ክርስቲያን ብደም ጐይታ ተሓጺባ ዝጸረየት፡ ኣካል ናይ ክርስቶስ ክትከውን ከላ ጐይታ ባዕሉ ድማ ርእሳ ኢዩ።

ናይ እምነት ሓድነት - ዶግማ - ትምህርት ሃይማኖት

ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ኢያ ንምባል ብትምህርት ሃይማኖት ሓድነት ክህልዋ ይግባእ። እዚ እቲ መሠረታዊ ዝኾነ ነጥቢ ኢዩ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት።” ከምዝበሎ ሓንቲ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ዝሃለወት ትሃሉ እትምህሮ ትምህርቲ ሃይማኖት ሓደ ኢዩ። እዛ ሓንቲ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሰማይ ቅዱስ እናበሉ መላእክት ንእግዚኣብሔር ከምዘመስግንዎ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ደቂቀ ኣዳም ነዚ ቅዱስ ዝብል ናይ ምስጋና ቃል ኢዮም ዝደግሙ። ቅዱስ ዝብል ቃል እምበኣር ቋንቋ ሰማይን ምድርን ቋንቋ ሰብን መላእኽትን ኢዩ።  ቤተ-ክርስቲያን እትሰብኮ ወንጌል ኢዩ። ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ጽንሰቱ፡ ልደቱ፡ ጥምቀቱ፡ ስቕለቱ፡ ሞቱ፡ ትንሳኤኡ፡ ዕርገቱን ዳግም ምጽኣቱን ኢያ እትምህር። ጐይታ ንሓዋርያት ንዓለም ክነግሩ ዝኣዘዞም እዚ ኢዩ። ነዚ ግን ቅድም ዝሰበኽዎ መላእክቲ ኢዮም። ስለዚ ሓንቲ ቤተ-ክርስቲያን ፍጹም ሓድነት ኣለዋ ንምባል ኣበይናይ ክፍሊ ዓለም ኣላ ብዘይገድስ እቲ እትምህሮ ትምህርቲ ሓደ ክኸውን ይግባእ። እዚ ሓድነት እዚ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ንዘላ ቤተ-ክርስቲያን ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እዛ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤት መቕደስ ምስታ ኣብ ስማይ ዘላ ቤት መቕደስ ሓንቲ ኢያ። ቤተክርስቲያን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ሓንቲ ኢያ። ነዚ ናይ እምነት ሓድነት ኣመልኪቱ ሕሩይ ኣቕሓ ዝተባህለ መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ "ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። 2ይ ቆሮንቶስ 6:14" ብምባል ካብቶም ብእምነት ዘይመስሉና ክንፍለ ይእዝዘና።

ናይ ሥርዓት ሓድነት - (ናይ ቀኖና)

ቤተ-ክርስቲያን ሓንቲ ኢያ ክትበሃል እቲ ካልኣይ ነጥቢ ናይ ሓድነታ፡ ሓደ ሥርዓት ምስዝህልዋ ኢዩ። ሥርዓተ ኣጽዋማት፡ ናይ ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ኣፈጻጽማ ሥርዓት፡ ናይ ቅዳሴ ሥርዓት ኮነ ካልኦት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍጸመሎም መንገድታት ኵሉ ሓደ ዓይነት ምዃኖም ምልክት ሓድነት ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኢዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሥርዓት ኣመልኪቱ "እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ሥርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና” 2ይተሰ3:6። ብምባል ዝጸሓፎ ሎሚ'ውን እንተኾነ ናይዛ ሓንቲ ቤተ-ክርስቲያን መምርሒ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ ሥርዓት ምስታ ናይ ዘመነ ሓዋርያት ኮነ ዘመነ ሊቃውንት ዝነበረት ቤተ-ክስርቲያን ሥርዓት ሓደ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን ካብ ሓዋርያት ዝመጸ ኢዩ። እዚ ኣብዛ ምድራዊት ቤተክርስቲያን ዘሎ ሥርዓተ ምስታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤት መቕደስ ዘሎ ሥርዓት ሓደ ኢዩ።(ራዕ11:19, 4:4,  5:8, 8:3)

ናይ ትውፊት ሓድነት

ምንጪ ትምህርቲ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትውፊት፡ ዲድስቅልያ፡ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ሶኖዶስ ኢዮም። ኣብዚ እንርእዮ ትውፊት ኢዩ። ትውፊት ብቃል፡ ብግብሪ ክመሓላለፍ (ክወራረስ) ዝነብር ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ'ዚ "ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ” ቆሎ 2፥6-7 ዘጸናንዕ ቃል ዝጸሓፈሎም፡ ነቲ ብቃሉ ዝማሃሮም ትምህርቲ ዓቂቦም ብእምነት ንኽጸንዑ ኢዩ። ። ኣብ ጊዜ ቅዳሴ እቲ ካህን "ዘኣወፈየኒ ኣወፈይኩከ።" ይብል።  ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ሓዋርያ "ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ” 1ይ ቆሮ11:34 ብምባል ዛዛሚ ሓሳብ ናይዚ ምዕራፍ፡ ክንዮ ብደብዳቤ ዝጸሓፎ ብኣካል ተረኺቡ ዝሰርዖን ከምዘሎ ኢዩ።  ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ድማ " ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሐጐሰይ ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር አሎኹ” 2ይ ዮሐ 1፡2 ገሊጽዎ ኣሎ።

 እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ሓዋርያት ናባና ዝበጽሐት ብምቅብባል ኢያ። እዚ ቅብብል እዚ ትውፊት ይበሃል። ቤተ-ክርስቲያን ናይ ትውፊት ሓድነት ክህልዋ ግድን ኢዩ። ናይ ትውፊት ሓድነት ምስዘይህሉ ኣብ ጉዕዞ ናይዛ ቤተ ክርስቲያን ክመጽእ ዝኽእል ሽግር ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። እዚ ሓዋርያት "ምስ መጻእኩ ክሰርዖ እየ፡ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም እየ፣" ዝብሉ ቃላት ክንዮ እዚ ዘለና ጽሑፋት ብቃል ዝተወርሰ ብዙሕ ከምዘሎ ኢዩ። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ትውፊት ሓድነት ክህልዋ ወሳኒ ኢዩ። እዚ ምስዘይከውን ግን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክትበሃል ኣይትኽእልን።

ናይ ምሕደራ ሓድነት

ሓንቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ ሓንቲ ኢያ ንኽትበሃል ናይ ምሕደራ ሓድነት፡ እቲ ካልእ ክህልዋ ዝግባእ ረቛሒ ኢዩ። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ስልጣን ተዋረድ፥ ንጎኒ ዘሎ ርክብ ማለት ኣብ መንጎ ሓደ ኣማኒ ምስ ካልእ ፡ሓደ ካህን ምስ ካልእ ኣብ መንጎ ጳጳት ዘሎ ማዕርነትን ናይ ክብሪ ብልጫን፡ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ምስ ካልእ ክህሉ ዝግባእ ርክብን ዝምድናን ሓደ ኢዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሬታ ካብ መን ናብ መን ይመሓላለፍ፡ መን ንመን የቐብል ንጹር ኢዩ። ካብ ተራ መእምን ክሳብ ዝለዓለ ፓትርያርክ፡ ካብ ክልል ሰበኻ ጉባኤ ክሳብቲ ዝለዓለ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሎ ምሕደራዊ ሰንሰለት፡ ሓድነት ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣጉሊሑ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ናይ ምሕደራ ሓድነት ኣብ ኩለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሓደ ኢዩ። ንዕብየት ቤተ ክርስቲያንን ምስሳን መጓሰ እግዚአብሔርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሕደራ ሓድነት ምህላው ግዲ ኢዩ። "ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ሥጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ” ኤፌ4: 11-13  ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ማለት ጉስነት ምእምናን፡ ንስብከተ ወንጌል፡ ንኣተኣታትዋን ኣወጻጽኣን ገንዘብ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝህሉ ዘይምርድዳእ ብከመይን ኣበይን ይፍታሕ ወዘተ ዝብሉ ዝርኢ ኢዩ። እዚ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ስፍሕ ዝበለ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣብ ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ከም መንኮርኮር ዘገልግል ኢዩ።

 እምበኣር ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ዘብሉዋ እዞም ኣቐድም ኣቢልና ዝረእናዮም ነጥብታት ኮይኖም፡ ሓደ ካብዞም ዝተጠቕሱ ምስዘይህሉ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ኢያ ኣይትበሃልን። 

  

 ሰብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ላእከማርያም ዘደብረ ብርሃን

 

 

Comments are closed.