እዛ ሥዕሊ  ግና መን ስኢልዋ፧

             

ኣብ ቤተ-ክርስቲያና ድሕሪ ቅዳሴ ምውድኡ ክርስቶስ “ተንሣአ እሙታን“ ኢሉ ምስ ተኣወጀ ንቤተ-ክርስቲያን ሞባእን ገጸ በረኸትን ዝሃቡ ኣሕዋትና ስሞም እናተረቁሐ ይትወከፍ ተበሃለሎ። ምእመንናን በቲ ዝተገበረ ሞባእ ታሕጓሶም ንምግላጽ ዕልልታ ደርጉሕዎ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ መስዋዕቲ ጽድቆም ክቅበለሎምውን  ጸሎት ተግብረሎም።

ማክዳ፡ እዛ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ሥላሴ መን ስኢልዋ፧ ሽም ናይቲ ዝሰኣላ ወይ ዘወፈያ ኣይሰማዕክዋን ብጣዕሚ ጽብቅቲ፡ ደስ ክትብለካ። እዛ icon(ቅዱስ ሥዕሊ) ብጹብቅ ክተሓዝ ኣለዋ፡ እንተ ተኻኢሉውን ፍረየምን ተሰሪሕላ መስተያት እንተ ተኣቱ ዝበለጸ መስለኒ መስለኒ።

ናቱ፡ ማክዳ እቲ እዝንኺ ብኽንዲ ስፍኢ ዝኣክል ሓጺን ስቋር ጸቂጥክዮ ደኣ ኣበይ ክትሰምዒ። የግዳስ ሕቅኺ ኣለኺ ፡ ምስ ሓሳብኪ ይሰማማዕ ፡ እዚ ስዕሊ ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ብጽቡቅ  ክተሓዝ ኣለዎ። ኣውድኣመት ምድሪ’ዶ ክንሕሱ ኮይና  እዋእ በዚ ጽቡቅ ቅዱስ ስዕሊ ንርእይ በቲ ሓደ ወገን ከኣ  በዓል ማክዳ  ነቲ ሓቅኛ  ሥዕልን ምስልን ቅድስቲ ሥላሴ እናቀደንን ተበላሽውኦ ኣለኸን። ሓንሳብ ብሓጺነ መጺን  ተንኵልኦ፡ እኒ ሓንሳብ ቀለም በጽቢጽክን ትጸያይቅኦ።

ማክዳ፡ ናቱ ናይ ደሓን ዲኻ! ኣውደኣመት ምድሪ እስኪ ሕማቅ ኣይትዛረብ በጃኻ ኢለካ፡ ኣበይ ርኢኻኒ ሥዕሊ ቅዱሳን ክቀደድ ወይ ብመስማር ከንኩሎ። ጽወታ ዋዛ  እናመሰልካ ብሓሶት ምኽሳስ ዘይተቋርጾ። ኣውደኣምት’ዩ ጸጽቡቅ እስኪ ተዛረበላ እዛ መልሓስካ።

ናቱ፡ ኣይትሓሱ’ያ በለ። ብስመ አብ በሊ!! ማክዳ እዚ ገጽኪ እሞ ርኣይዮ። ብፍላይ ኣፍንጫኽስ ብኽንደይ መሳምር ተወጋጊኡ ኣሎ። ኣብ ብዙኃ ኴናት ዝተሳቱፉ ኣሕዋትና ከማን ክንድዚ ገጾም ኣይተበጃጀሉን።

ማክዳ፡ ንድሕሪት ገጻ ቁሌሕ እናበለት ኣንታ ሰብ ከይሰምዓካ ተሰተር። ናተይ ገጽ፡ ምስ ሥዕሊ ቅድስቲ ሥላሴ እንታይ  ዘራኽብ ኣለዎ። ኣይትሕርቀኒ እስኪ ተቀዲሰ’የ ዘለኹ ሱቅ ኢልካ ኣይትዛረብ ። ንገረኒ ግዳ ኣነውን ነቲ ነዛ ሥዕሊ ዝሰኣለ ሰብ ክረኽቦ ደሊየ ኣለኹ።

ናቱ፡ ማክዳ ብላሽ። ንስኺ ምስልን ስዕልን ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ምዃንኪ እባ ኣትረስዒ። እቲ ሓቀኛ ምስልን ሥዕልን ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ምሳኺ ዘሎ ቅድም እሞ ብሥነ-ስርዓት ሓዝዮ ድሕሪኡ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ንሓልፍ። ዝኾነ ኮይኑ ሕማቅ ኣይንዛረብን  ትንሣኤ ምድሪ፡ እዛ ሥዕሊ ንፀሐየ ትፈልጦ ሓንቲ ዕድመ ዝደፍእት ጻዕዳ’ያ ስኢታላ። ዲቮራ(ዲቦራ) ትበሃል።

ማክዳ፡ ፈጺመ ዘይሓሰብክዎ ኣብ ልበይ ዘይነበረ መልሲ። ኣፍሪሕካኒ እኳ ድሕሪ ሕጂ ኣብዛ ጣቃይ ጽንጽያ እኳ ክዓልበኒ ኣይቅርቦየ ይትረፍ ሓጺነ መጺነ። ስምዓኒ እን’ዶ ዋላ እቲ ጽሕፈት ባዕላ ጽሒፋቶ። ትግርኛ ትኽል ድያ።

ማክዳ፡ ክገርመኪ ፀሐይ ከምዛ ትፈልጥዮ ንጸዓዱ ይኹኑ ዋላ ጸሊም ብዘየገደስ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘለዎ ፍቅሪ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይብልን እዮ። ንሱ በቲ መንፈሳዊ ሥርሑ ንሳባት ይጸሉ፡ እምበር ጋሻ ባህርያት ወይ ብናይ ደገ ጽልዋታት፡  ናይ ግዳም ምህሮታት  ናብ ደገ ንቤተ-ክርስቲያን ኣየምጽእን እዮ። እዛ ፃዕዳ፡  ዋና እቲ ተኽርይዎ ዘሎ ገዛ  ኮይና፡ንፀሐየ ኣብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘለዎ ፍቅሪ፡ ኣብ ቤተ-ክርትስቲያን ዘልዎ ፍትወትን ምስ ርኣየት መንፈሳዊ ቅንኢ ሓደራ ። ንዓይ ንበረኸት ክኾነኒ ንቤተ-ክርስቲያን እንታይ ክገብረላ  ምስ በለቶ ሓንቲ ንእሽተይ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ሥላሴ  ሂቡ እዚኣ ይዕቢኺ ብምስዓል ንቤተ-ክርስቲያን ሞባእ ሃብያ  በላ። ተገዲሳ ዝኾነ ነገር ከይተጎድልን ንዕኡ እናተወከሰት ስኢላታ።

ማክዳ፡ ኣታ በዓል ኣነ ‘ኸ ምስ ምንታይ ንቁጸር። ናይ ደገ ባህልን፡ ጽልዋታትን፡ ኣካይዳን ንቤተ-ክርስቲያን ሒዝናላ ንመጽእ ። እዚኣስ ዓበይ ትምህርቲ እያ። ንፀሐይ ክሓቶየ፡ ጸበለ ናይታ ጻዕዳ እንተለኸየኒ፡ ዝያዳ መብርሂ  ይህበኒ።

ርሑስ ቀነ በዓለ ፋሲካ፡

ኣከ

2022-04-25

Comments are closed.