እንቋዕ አብጽኅነ ወአብጸዕክሙ ለዘመነ መስቀል።

        በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

ንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና።

ምስባክ

“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ።”

“ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።”  መዝ. 59፣40 (60፣40)።

መስቀል

ኣብዚ ዕለት ናይ ጐይናታ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ንምድኃን ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቅለሉ መስቀል ዕለቱ ዘኪርና ነብዕለሉ እዩ።
መስከረም 17 ኩዕታ ተጀሚሩ መጋቢት ተወዱኡ መስቀል ወጺኡ ብርሃን በሪሁ። ሙታን ኣተንሢኡ ። በዚ ዕለት ብስም መስቀል ቤተ መቅደስ ተሃኒጹ መስከረም 17 ቅዳሴ ዝተቀደሱ ዕለት እዩ ።
ዕጸ መስቀል ዝተረኽበ ክልተ ግዜ ክኸወን ከሎ መጀመርያ ብቅድስቲ ኢሌኒ ኢድ ካብቲ ኣይሁድ ብተንኮሎም ቀቢሮሞ ዝነበረ ክኸውን ከሎ።
እቲ ካልኣይ ድማ መሳፍንቲ ፋርስ ካብ ኢዮርሳሌም ብምርኮ ምስ ወሰድዎ ንጉሥ ሕርቃል ኩናት ገጢሙ ሲዒሩ ዝመልሶ እዩ ። ታሪኹ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

 

" ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም፣ ንበውዕ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚ አብሔር ። ወንሰግድ ውስተ መካን ኃበ ቆመ እግረ እግዚእነ። መዝ. 131፣ 6።
እንሆ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማኅደሩ ንእቶ ኣብ መርገጽ እግሩ ንሰግድ ፣ ኦ እግዚ አብሔር ንስኻን ታቦት ኃይልኻን ተንሥእ። 132፣6 "

                                                                   እንቋዕ አብጽኅነ ወአብጸዕክሙ ለዘመነ መስቀል።

ቅድስቲ ኢሌኒ ናብ እግዚአብሔር መብጽዓ ኣትያ ነብረት ከምዚ ብምባል ። ወዲ ወሊደ እንተ ነጊሱ፣ ክርስትያን ከኣ እንተ ኰይኑ ዝተሰቀልካሉ ዕጸ መስቀል ደልየ ኣውጺኤ ኣብነት ንክርስትያን ክኸውን ምእንቲ ከቐምጦ እየ ኢላ ኔራ። አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ከኣ ልመናኣ ሰሚዑ ። ውላድ ሃብ ቆስጠንጢኖስ ከኣ ተሰየመ ንጉሥ ኮይኑ ከኣ እምነት ኦርቶዶክስ ተኸተለ ኣጽኒዑ ከኣ ሓዞ።
ድሕሪኡ ቅድስቲ ኢሌና ከምቲ መብጸዓኣ ሠራዊት ኣኸቲላ ንቅዱስ መስቀል ንምድላይ ናብ ኢዮርሳሌም ዝኸደት ፣ ኣቡኡ ምስ በጽሐት ከኣ ንዘለዎ ቦታ ዝሕብራ ሰኣነት ። ኪራኮስ ዝበሃል ሽማግለ ሰብኣይ ረኸበት። ዕጸ መስቀል ኣበይ ከምዘሎ ክሕብራ እንተሓተቶ ካብ ወገን ኣይሁድ ስለዝኾነ ክነግራ ፍቓደኛ ኣይኮነን። እሳ ከኣ ጨው ዝበዝሖ መግቢ ኣብለዓቶ’ሞ ማይ ከይሰትይ ከኣ ከልከለቶ። ብርቱዕ ጽምኢ ማይ ምስ ሓዞ ሕራይ ክዛረብ እየ ኢሉ ኣበይ ከምዘሎ ሓበራ።
ኣብ ጎልጎልታ ሰለስተ እምባታት ኣለዉ። ካብኦም ሓደ እዩ መስለኒ ። ኣይሁድ ንጐይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሰቀልዎ ዮሴፍን ኒቆዶሞስን ብኽብሪ ኣውሪዶም ገኒዞም ምስ ቀበርዎ። ኣይሁድ ንመስቀሉ ኣብ መሬት ቀቢሮሞ። ምኽንያቱ ደቂ መዛሙርቱ ናይ መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ ንመስቀሉ ኣብነት ጌሮም ንሕዝብና ክህውኹ እዮም ብምባል፣ ንመስቀል ድሕሪ ምቅባሮም ንኹሉ ሕዝቢ ጽርግራግ ኩኡ ጎሓፉ ኣብቲ ዕጸ መስቀል ዝተቀብረሉ ቦታ ክደፍእዎ ነዚ ዘይገብረ ንብረቱ ክፈርስ ቤቱ ክውረስ እዩ ብምባል ኣዋጃ ኣንገሩ። እቲ ሕዝቢ’ውን ከምቲ ዝተኣዘዞ ብምግባር እቲ መስቀል ዝተቀብረሉ ቦታ ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣዝዩ በሪኽ ዝኾነ እምባ ስለዝኾነ እዩ ካብ እዚኤን ሰለስተ እንባታት ብንጹር ኣየናይ ምዃኑ ክፈልጦ ዘይከኣሉ ብምባል ኪራኮስ ነገራ።
ድሕሪኡ ቅድስቲ ኤሌኒ ካህናትን ዲያቆናትን ኣኪባ ምህለላን ጸሎትን ሓዙ።ሰንድሮስ ዝበሃል፣ ጻዕዳ ዕጣን ኣምጺኣትሎም እሱ ከኣ ምስ ዓጠንዎ እቲ ትኪ ናብ ላዕሊ ንሰማይ ወጺኡ ተመሊሱ ከኣ ናብቲ እምባ ዓለበ። ድሕሪኡ ነዚ ምልክት ርእያ ነቲ እምባ ከተኹዕቶ ጀሚራ። ንሕዝቢ ከኣ ዳመራ ክድምሩ ኣዘዘቶም፣ መስቀል ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ከኣ ኣብ ኩሉ ዓለም ብርሃን ክርኤ እዩ። ሽዑ ከኣ መስቀል ከምዝረኸብክዎ ክፍለጥ ምእንቲ ዳመራኹም ኣብሪህኩም ደስታኹም ግለጺ ኢላ ነገረቶም።
መጋቢት ዓሰርተ ከኣ ዕጸ መስቀሉ ረኸቡ። መጀመርያ ናይ ዳክርስ ዝተባህለ ሽፍታ ፈያታዊ ዘጸጋም ተረኺቡ ዋላ ሓንቲ ምልክት ከኣ ኣየርኣየን። ቀጺሉ ከኣ ናይ ጥጦስ ፈያትዊ ዘጸጋም ተረኽበት። ኣብቲ ከኣ ከባቢ ከኣ ብርሃን ኮነ።
ቀጺሉ ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ ቅዱስ መስቀል ብርሃን ለቢሱ ብርሃን ተጎናጺፉ ተረኽበ። ኣብቲ እዋን ከኣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ብርሃን ኮነ። ሕዝበ ክርስትያን ከኣ ዳሜርኦን እንዳብርሁ እንሆ መስቀል እንሆ ኢሌኒ ንግሥት ረኺባቶ ሓጎሶም ገሊጾም።
ብመስቀሉ ከኣ ድውያት ተፈዊሶም ፣ ለምጻማት ነጺሆም ፣ ምውታን ተንሢኦም። እዚ ከኣ ኣብነት ኰይኑ ብኹሉ ሕዝበ ክርስትያን መስከረም 17 ብድምቀት ይኽበር።
ድሕሪኡ ቅድስቲ ኢሌኒ ኣብቲ መስቀል ዝረኸበትሉ ቦታ ቤተ ክርስትያን ኣስሪሓ መስከረም 17 ንቅዱስ መስቀል ኣእቲያ ብኽብሪ ብምቅማጥ ናብ ሃገራ ሮሜ ብሓጎስ ተመልሰት።
ካልኣይ
ንጉሥ ሕርቃል ኣብ ሮም ኣብ ዝነገሠሉ እዋን ካብ መሳፍንቲ ፋርስ ሓደ ናብ ኢዮርሳሌም ወሪዱ፣ ተዋጊኡ ምስ ሰዓረ። መስቀል ኣብ ዘለዎ ቤተ ክርስትያና ምስ በጽሐ፣ ቅዱስ መስቀል ክበርህ ምስ ረኣዮ። ኢዱ ዘርጊሑ ክትንክፎ ምስ ሰደደ ካብቲ መስቀል ብርሃን ወጺኡን ንኢዱ ኣንደዶ። ብጀካ ክርስትያን ዋላ ሓደ ከምዘይትንክዮ ሰባት ነገርዎ። ክልተ ዲያቆናት ኣምጺኡ ከኣ ንዕጸ መስቀሉ ኣሰከሞም። ብዙሓት ምርኮ ማሪኹ ከኣ ካብ ኢዮርሳሌም ናብ ሃገሩ ተመልሰ።
ንጉሥ ሕርቃል ሰብአ ፋርስ ካብ ኢዮርሳሌም ዝኸበረ መስቀልን ሰባት ከምዝማረኹ ሰሚዑ፣ ኣዝዩ ሓዘነ። ንምእመናን ክጸሙን ክጽሉዩን ኣዘዞም። ናብ ፋርስ ወሪዱ ከኣ ንመሳፍንቲ ፋርስ ተዋጊኡ ሰዓሮም። ቅዱስ መስቀልን እቶም ዲያቆናት ግና ክረኽቦ ኣይከኣለን።
ቅዱስ መስቀልን እቶም ክልተ ዲያቆናትን ምስ ሕዝቢ ማሪኹ ዝወሰዶም መስፍን ኣብ ቤቱ ካብ ወገን ካህናት ዝኸኖተ ሓንቲ ሰብይቲ ። እሳ ከኣ ክቡር መስቀልን ፣እቶም ክልተ ዲያቆናት ቀቲሉ ክቀብሮም ከኣ ብመስኮት ተቀልቂላ ትርእዮም ነበረት።
ናብ ንጉሥን ሕርቃል ከይዳ ከኣ ኩሉ እቲ ዝኾነ ነገረቶ። እዚ ምስ ሰምዐ ተሓጊሱ ፣ ድሕሪኡ ካህናትን ዶያቆናትን ኣኪቡ ምስ ብዙሕ ሠራዊት ኣዐጂቡ እታ ሰብይቲ እንዳመርሓቶም ናብቲ ቦታ በጽሑ።ንክቡር መስቀል ከኣ ረኸብዎ ብልብሰ መንግሥቱ ጠቅሊሉ ብኽብሪ ሓሪ ኣልቢሱ ናብን ከተማ ቆስጦንጥንያ ወሲዱ ብኽብሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቀመጦ።
መስከረም 17 ቅድስት ኢሌኒ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣንጊሳ ኣኽቢራቶ። ስለዚ በዓለ መስቀል 17 መስከረምን 10 መጋቢትን ብኽብሪ ይበዓል።

እንቋዕ አብጽኅነ ወአብጻዕክሙ ለዘመነ መስቀል።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኸ በዓለ መስቀል ይግበረልና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መድኃኒትነ  ወእለ አመነ።

 

Comments are closed.