'ንዑ ንረድ፡ ንዑ ንውረድ!' ዘፍ. 11፡7

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

'ጥቅመ ሰናኦር፡ ግምቢ ባቢሎን'

      ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ እምሃበ አልቦ ሃበ ቦ (ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር) ኣምፂኦም ንዓለም ካብ ዝፈጠሩሉ ኣትኂዞም ኣብዚ ዓለም ተገሊጾም ተነጊሮም ዘይውድኡ ድንቂ ድንቂ ዝኾነ ትእምርትን ተኣምራትን ግብርታትን ፈጺሞም እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝፈጸምዎ ተኣምራት ሓደ ኣብ ምድረ ባቢሎን ዝፈጸምዎ ዕጹብ ተኣምር እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስትያና'ውን ነዚ ፈጣሪ ዓለማት ብሓድነቶምን ሠለስትነቶምን ንዝፈጸምዎ ተኣምር ዓመት መጸ ብ፯ (7) ጥሪ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥርዓት ከተክብሮ ትነብር ኣላ። መሠረቱ ድማ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ ፲፩፥፩-፱ / 11፡1-9 ተጻሒፉ ንረክቦ ታሪኽ እዩ፡ ብሕጽር ዝበለ ክንምልከቶ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሥጢራቱ ይግለጸልና ኣሜን።

ባቢሎን ሎሚ ዒራቅ ኣብ ዝተባህለት ሃገር እትርከብ ስፍራ ጥንታዊት ታሪኽ እያ። ትውፊት ቤተ ክርስትያናን ሊቃውንትና ከምዝነግሩና ኣብቲ ዘመን'ቲ ኣብ ኵላ ምድሪ ሥልጡናት ዝነበሩ ዓለውትን ከሓድትን ሠለስተ ነገሥታት ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ። ኣስማቶም ድማ ሳሮግ ብወገን ደቡብ፡ናምሩድ ብወገን ዓረብ፡ ሣልሳዮም ድማ ሰናኦር ብወገን ኣዜብ ይበሃሉ ነበሩ። ንዅሎም ነገሥታት ስዒሮም ንጸላእቶም ኣጥፊኦም ዝጻብኦም ኃያል ኣብ ዘይርከበሉ ዘመን በጺሖም ነበሩ። ነቲ ሰማይን ምድርን ንኣኣቶም'ውን ዝፈጠረ ኣምላኽ ረሲዖም ኣብ ዝተፈላለዩ ባዕድ ኣማልክቲ ከምልኹን ንጣዖታት ክሰግዱን ጀመሩ፡ ጠንቆልቶም ድማ ገዓርቲ ነበሩ።

      ብድኅሪ'ዚ ሓንቲ ብወርቂ ቀለም ዝተጻሕፈት ሕትምቲ ጽሕፍቲ ብኢድ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ካብ ሰማይ ናብቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ምድሪ ዓለበት። ደቂ ሰናኦርን ናምሩድን ድማ ነታ ጽሕፍቲ ከፊቶም ምስ ኣንበብዋ ክርድእዋ ኣይኸኣሉን። ደቂ ናምሩድ ድማ ኣብ ቤት መዝገብ ኣቀመጥዋ፡ ድኅሪ ሠለስተ ዓመትን ሾሞንተ ወርኅን (3’ተ ዓመትን 8’ተ ወርኅን) ሰናኦርን ሳሮግን ዘከርዋ ሰናኦር ናብ ናምሩድ ልኢኹ እታ ጽሕፍቲ ከም ትመጽእ ገበረ፡ ነታ ጽሕፍቲ ምስ ሳሮግ ኣንበብዋ። ትኅዝቶ እታ ጽሕፍቲ ከምዚ ትብል ነበረት "ኣብ ኣርያም(ሰማይ) ንጉሥ ከምዘሎ ዝገልጽን አብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ሥላሴ ንጉሥ ምዃኖም ዝገልጽ እዩ ኔሩ"። እዞም ናይ ባቢሎን ነገሥታት ዕቡያትን ምኩሓትን ስለዝነበሩ 'መን እዩ ናይ ሰማይ ንጉሥ'ከ፧ ንጉሥ ኣብ ልዕሌና እንተሎ ምሳና ይቃለስ ሽዑ ካብ ኢድና ዘናግፎ እንተሎ ንርኢ ተበሃሃሉን ጨደሩን፡ ክሳብ እቲ ዘለዎ ኵሉ መንግሥቱ እንኸቦ ሓደ እኳ ዘምልጥ የልቦን፡ ነቲ ንጉሥ ኂዝና ምሕረት ኣይንገብረሉን ኢና፡ ናብ ሃገሮም ሰማይ ኣቲና ክንወግኦም ኢና' ዝብል ውዱእ ምኽሪ ገበሩ። ነዚ ክገልጽ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 1፡21-22 “ ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ጌሮም ስለዘየኽበርዎ ሓሳቦም ከንቱ ኮነ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም'ውን ጸልመተ፡ ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸው።” ብምባል ይገልጽ። ስለዚ ናብቲ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ተባሂሉ ዝተነግሮም አብ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስን ይርከብ ኢሎም ናብ ዝሓሰብዎ ሰማይ መደያይቦ ክሠርሑ ተመሓሓሉ። ገለ ገለ ሊቃውንት ድማ ከምዝብልዎ 'ነቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ማይ ኣይሂ ዘምጽአ ኣምላኽ፡ ንዅሉ ሕዝቢ ዘጥፍአ ንጉሥ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሕና ድማ ነጥፍኣዮ!' ኢሎም ሕነ ክፈድዩ ዝተበገሱ ምዃኖም ይነግሩ እዮም፡ በዚ ድማ ስሞም ንዘልዓለም ዝጽውዓሉ ሥራሕ ክሠርሑ ወጢኖም ሓንጸጹ። በዚ ድማ ተሰማሚዖም መሠረቱ ዘይነቃነቅ ጌሮም ንምሕናፅ ኣብ ወርኂ ታውፊን (ግንቦት) ነቲ መናድቅ ክነድቅዎ ጀመሩ። እዞም ሠለስተ ነገሥታት ብነገድ ጌሮም ድኅሪ ምምቅቃሎም፡ ኣሽሓት ነደቅቲ ብምውፋሮም ነቲ ሥራሕ ተተኃኃዝዎ፡ ኣብዚ ወፍሪ ነዚ ሕንፃ ዘጸብቑ ሥነ-ጥበበኛታት ኣእዋም ዝቈርጹ፡ ቅርጺ ዝቐርጹ፡ ንብረት ዘቀባብሉ፡ መግቢ መስተ ዘዳልው ኵሉ ሥራሕ ዘከናውኑ፡ ዅሉ ዘዳልው ሠራሕተኛታት ገበሩ፡ ኣሽሓት ነደቅቲ ጌሮም ሥርሖም ጀመሩ።

  በቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዝነበረ መናድቅ ድማ ይምክሑ ነበሩ፡ እቲ ዝምኻሕ ብክርስቶስ ብኣምላኽ ይመካሕ ዝብል ቃል ረሲዖም ብክእለቶምን ብኃይሎምን ብጥበቦምን ብሥልጣኖምን ክምክሑ ጀመሩ። ዲያብሎስ ድማ ብምኽሪ ይድግፎም ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክውጥሑ ምስ ጀመሩ፡ 'እምበኣር በጺሕና ኢና፡ ኣርኪብናዮ ኢና!' እናበሉ ነቲ በሊሕ ዂናቶም ናብቲ ጽዑቅ ደመናታት ይስንድውዎ ነበሩ፡ሰይጣን ድማ ተተቐቢሉ ደም እናጠምዐ ይመልሰሎም ስለዝነበረ ያኢ ንእግዚአብሔር ዝወግእዎ እናመሰሎም ኣጆኩም ስዒርና ይብሉ ነበሩ። ነዚ ክገልጽ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ መልእኽቱ “ ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር እዚ ሕጊ'ከ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዚ ዓለምኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዚ ዓለም እዚዶ ዕሽነት ኣይገብሮን ዶ እዩ፧” ብምባል ይገልጽ (1ይ ቆሮ 1፡20)። ክፍኣቶምን ሓሳቦምን ግብሮምን ዝረኣዩ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ከምዚ በሉ 'ንዑ ንረድ ወንክዐው ለነገሮሙ፡ ከመ ኢይሳምዑ ነገሮሙ አሐዱ ምስለ ካልኡ፡እምበኣር ማንም ሰብ ንዘረባ ብጻዩ ከይሰምዕሲ ንዑ ንውረድ ኣብኡ ከኣ ዘረባኦም ንደባልቅ በለ።” (ዘፍ 11፡7)። ከምቲ ዝበሎ ድማ ልሳኖም ስለዝተኸፋፈለ ነንሕድሕዶም ክረዳድኡ ኣይከኣሉን። ነቲ ሥራሕ'ውን ክቅጽሉ ስለዘይከኣሉ ኣብ ኵላ ምድሪ ፋሕ በሉን ተበተኑን፡ እታ ምድሪ'ውን በቲ ዝተደባለቐ ቛንቛኣን ፋሕ ፋሕ ምባላን 'ባቢል ትርጕሙ ባቢሎን' ተሰምየት። ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ በዚ ክፉእ ሓሳቦምን ክፉእ ግብሮምን ስለዝተቘጥዑ ከኣ ንቅዱስ ዑራኤል ሰዲዶም ኣሰር መዘከርትኦም ክሳዕ ዝጠፍእ ነቲ መናድቆም ኣፍረሶ ንሕዝቢ ሰናዖር ከኣ ደምሰሶም። እምበኣር ንዑ ንውረድ ቋንቛኦም ንደባልቕ ኢሎም ዝተዛረቡን መናድቅ ዘፍረሱን ሥላሴ እዮም። ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያና'ውን ነዚ ክቡር በዓል ብምዝካር 'ገባሪ ኵሉ!' ንዝኾነ እግዚአብሔር ከትውድሶን ክተመስግኖን ትነብር ኣላ፡ ክትነብር እያ ክብሪ ንቅድስት ሥላሴ ይኹን ኣሜን። (መዝ. 150፡2 ፡ ሮሜ 11፡36)።

           

  'ምንተ ንግበር፡ እንታይ ንግበር፧'

   ደቂ ሰባት ድማ ኣብ ምድሪ መዋዕሎም ሓጺር ኃይሎም ፍልጠቶም ጥበቦም ሥልጣኖም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ድኹም ምዃኑ ፈሊጦም ንርእሶም ካብ መጻወድያ ትዕቢት ከርሕቁ ትመክር። ትዕቢት ንወዲ ሰብ የውድቆን የሕስሮን እምበር ኣየክብሮን እዩ።  (መዝ 73፡6 ፣ ምሳ 8፡13 ፣ ምሳ 11፡2 ፣ ምሳ 29፡23 ፣ ኢሳ 2፡11 ፣ ኢሳ 2፡17 ፣ ምሳ 16፡18)። ስለዚ ሕዝበ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ደቂ ሰባትን ብትሕትና እምበር ብትዕቢት ክንጐዓዝ ከምዘይግብኣና ታሪኽ ሰብ ባቢሎን ዓቢይ ትምህርቲ ይህበና እዩ። ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ንዘይግዝኡን ንዘይፈርሁን ዕቡያትን ምኩሓትን ውዒሉ ኃዲሩ እግዚአብሔር ከምዘሕስሮም ሰብአ ባቢሎን ኣብነትና እዮም ። (ዘሌ 26፡19 ፣ ኢሳ 2፡11፣ ኢሳ 23፡9፣ ኢሳ 28፡3፣ ኤር 13፡9፣ ሕዝ 7፡24)። ብትዕቢት ዅሎም ክወድቁ ኢና ንርኢ፡ ዲያብሎስ ብትዕቢቱ ካብ ክብሪ ናብ ውርደት ክድርበ ኢና ንርእዮ (ራዕ 12፡9)፡ ሰብኣ ባቢሎን ወይ ጥቅመ ሰናኦር ብትዕቢቶም ፋሕ ክብሉን ክጠፍኡን ኢና ንርኢ፣ በንጻሩ ድማ ብትሕትና ሰብ ልዕል ክብል እዞም ኵሎም ቅዱሳን ኣብነትና እዮም። (ምሳ 22፡4፣ ቈሎ 3፡12፣ 1ይ ጴጥ 5፡5)። ልዕሊ ኵሉ ድማ ንቅድስት ሥላሴ ዘቘጥዕ ሕንፃ ትዕቢት፡ ሕንፃ ኑፋቄ፡ ሕንፃ ዝሙት፡ሕንጻ ስክራን፡ ከይንሓንፅ ንጠንቀቅ ። (ይሁ 1፡20፣ ኤፌ 2፡22)።

ናይ ጥንቲ ጥቅመ ሰናኦር ንዛረብ ኣለና እምበር ክንደይ ጥቅመ ሰናኦር ሓናፂ ሕንፃ ኃጢኣትን ርክሰት ዓለምን ካብ ምሕናፅን፡ ጡብን እምንን ካብ ምቕባል ርእስና ንሓሉ ንጠንቀቅ። ነዚ ግምቢ ዝሓነፅና ድማ ነዚ ብቀሊሉ ዘፍርስ 'ተነስሑን ተመለሱን' ዝብል ንስሓ ዝበሃል ኣሎ እሞ ርእስና ብንስሓ ሓጺብና ብቅዱስ ቍርባን ሓቲምና ነቲ መርዓዊ ክርስቶስ ክንጽበዮ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሓደራ ትብል ኣላ። (ግብ. ሓዋ. 3፡20፣ መዝ. 90፡3)።

ነዚ ክንገብር ጌርና ክንጸድቕ ቅድስት ሥላሴ ብምሕረቶም፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዴና ብኣማላድነታ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ብጸሎቶም ብረድኤቶም ይደግፉና ኣሜን። ዓውድ ዓመተ ኢየሩሳሌም ዝባረኸ ዓውደ ዓመትና ይባርኸልና ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሑና ንጸድቀሉ ኣእምሮ ይፍጠሩልና ኣሜን።

 "ሰላም ለአዕይንቲክሙ እለ ተኬነዋ አዕይንተ፡ ቅድምናክሙ ሥላሴ ዘኢያመክነየ ጥንተ፡ ሲሳየ ውሳጤ ይኩነኒ ወክዳነ አፍአ ሜላተ፡ ዘአንደደ ጥበብክሙ እንበለ እሳት እሳተ፡ ወእንበለ ማይ አቍረረ ማያተ።'

'ስብሐት ለአኀዜ ኵሉ ዓለም፡ ስብሐት ለወልድ ለገባሬ ኵሉ ፍጥረት፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ለዘያርሁ ክረምት በበዓመት። አሜን ወአሜን!

'ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልዓለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።' ሮሜ. 11፡36

ብዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

፭ ጥሪ ፳፻፲ ዓ.ም.

(14 ጥሪ 2018 ፈረንጂ

Jan 16, 2020

Comments are closed.