"  ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ" ዮሓ.1፥18።

በስም አብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን።

ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን

እዚ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ እዋናዊት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ክካትዑላ  ዝረኣየ ሓውና መልሲ ክትከውን ኢሉ ዘዳለዋ እያ።

"  ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ" ዮሓ.1፥18።

በዚ ጥቕሲ ተላዒሎም፥ ወይ’ውን ነዚ ጥቕሲ ሒዞም ኣይኮነንዶ ምሥጢሩ፥ንባቡ እኳ ከገናዝቡ ዘይተዓደሉ ናይ ይሖዋ እምነት ተኸተልቲ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን ስለ ዝብል፥ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ተራእዩ እዩ እሞ "ሎቱ ስብሐት" ኣምላኽ ኣይኮነን ፍጡር እዩ ይብሉ።

ካልኦት ድማ ካብዚ ብዘይፍለ ተመሳሳሊ ኣባሃህላኡ ከይተረድኡ ምሥጢሩ'ውን ከይፈለጡ በዚ ጥቕሲ እዚ፥ነቲ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን ዝብል ባዕሎም ንእግዚአብሔር ኣቦ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን ብዝብል ፍልስፍናዊ ትርጉም ሂቦም፥ ኣቦ ኣይተራእየን ስለዚ ሥእሊ ናይ ሥላሴ ክንጥቀም ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ይትርኹ።

እዚኣቶም ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ "ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢና እናበሉ ግና ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ሠናይ ነገር ዘበለ ክገብሩ ዘይበቕዑን ስለ ዝኾኑ ብተግባሮም ይኽሕድዎ። " ከም ዝበሎ ቲቶ1፥16። ብስም ጥራይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢና እናበሉ ግን ከኣ ኦርቶዶክሳዊ ዝኾነ ትምህርቲ ዘይብሎም ብተግባሮም ዝኸሓድዎን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘየገናዘቡ ውልቀ ሰባት እዮም።

ቀጺለ ሓደ ብሓደ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ትርጉም ናይቲ ጥቕሲ ብመልክዕ ሕቶን መልስን ክርእዮ ፍቐዱለይ፧

ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣

 ልዑል እግዚአብሔር ኣብ በብዘመኑ ንቕዱሳኑ ርእሱ ገሊጽሎምን ተራእይዎምን እዩ። ንምሳሌ ዝተወሰነ ንመረዳእታ ዝኣክል ጥራይ ክጠቅስ÷

ኣብርሃም ብሃርሃረት ቀትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ኸሎ እግዚአብሔር ኣብተን ዓበይቲ መምሬ ዘለዋኦ ተገልጸሉ። " ዘፍ.18፥1።

"በታ ንጉሥ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ኣነ ንእግዚአብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ረኣኽዎ"

ኢሳ6፥1። እኒ ነቢይ ሕዝቅኤል፥እኒ ነቢይ ዳኒኤል፥ ከምኡውን ካልኦት ርእዮምዎ እዮም።

"ሽሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ሓደ ልሕጺ" ከም ዝበሃል ከኣ፥ ሕጽር ዝበለ ጐይታ ባዕሉ ንምድኃና ኣብዛ ዓለም ምስ ተገልጸ'ውን ኣብ ናይ ኣንቀጸ ብጹኣን ትምህርቱ÷

"ንጹኃን ልቢ ንኣምላኽ ክርእይዎ እዮም እሞ ብፁኣን እዮም ።" ኢሉና እዩ ማቴ.5፥8። እሞ ኣብ ዘመን ነብያቱ ዝኾነ ዘንጊዕና፥ነቲ ቀጥታ ባዕሉ ዝበለናውን’ዶ ኣይፋል ክንብል ክንደፍር ኢና ፧ ዝገርም እዩ። ብካልእ ወገን'ውን ሓዋርያት ብኣመክንዮም "ዘይፍለጥ ሥውር ኣይኮነን፥እንታይ ደኣ ብኦሪትን ብነብያትን ብርግጽ ፈሊጥናዮ ኢና።" ንዝበልዎ ንጹህን ጽኑዕን ዝኾነ ትምህርቲ እምነት ዘይምቕባል እዩ።

ብሓጺር ክንርእዮ ድማ በዚ ኹሉ ናይ ነብያትን ሓዋርያትን ከምኡ ከኣ ቀጥታ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንዝሃቦ ትምህርቲ ምንጻግ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ድሓር ከኣ ክርስቶስ ከም ዝረኣናዮ እንተ ተቀቢልኩም፥

እሞ ከምቲ ከማኹም ከኣ ንባቡ ጥራይ ወሲድና ንዛረብ እንተ በልና ንባቡ " ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን " ዝብል ብምዃኑ በዚ ከም ይሖዋ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን ማለትኩም’ዶ ኣይከውንንን፧ እዚ ሕቶ ከይመጾም ነቲ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን ዝብል ጥቕሲ ንእግዚአብሔር ኣቦ ናብ ዝብል ናይ ርእስኹም ትርጉም ሂብኩም ትዛረቡ ምህላውኩም ግልጺ እዩ። ኣብዚ ምዕራፍ ግን ከምኡ ዝብል የልቦን። ኣይረኣይዎን እምበር ኣይርእይዎን ከም ዘይብል ድማ  ምስትውዓል የድሊ።

እሞ ከም ዝርእይዎስ ኣበይዶ ኢሉ እዩ እንተ በልኩም፥ ከም ዝተራእየ ናይ ኦሪትን ነብያትን ርኢና ከም ዝረአ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ "ንጹኃን ልቢ ንኣምላኽ ክርእይዎ እዮም እሞ ብፁኣን እዮም።" ዝበሎ ነዚ እኩል መልሲ ዚኸውን እዩ። ማቴ5.፥8። ወዮ ንምርዳእ ልብኹም ዘይፈቐደ ኮይኑ እምበር እቲ ጥቕሲ÷"ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን። "ጥራይ ዘይኮነ ዝብል "እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ።" እዩ ዝብል። ዮሓ.1፥18።

ህድእ ኢልና ነዚ ጥቕሲ እንተ ደኣ ርኢዮ ድማ "ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን” እናበለ  ነቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ክርስቶስ ድማ ኣምላኽ ይብሎ ምህላው እዩ። ስለዚ እቶም ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን እትብሉ ናብ ካልእ ከይከድና ጥቕሱ ባዕሉ ንሓሳብኩም ዘፍርሶ ስለ ዝኾነ ነገርኩም ውዱቕ እዩ። ብኻልእ ምኽንያት እንተ ዘይኮይኑ ከም ኣመለኻኽታኹም ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን እዩ ኢሉ ንእትብልዎ እኳ ንርእሱ ውዱቕ እዩ። ከመይሲ እቲ ዝተራእየ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ።

ብካልእ ወገን ከም ዝተመልከትናዮ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ልዑል እግዚአብሔር ንቕዱሳኑ ከም ዝተረኣዮምን ከም ዝተገልጸሎምን ይዛረብ እዩ እሞ፥

ብኣመለኻኽታኹም ምስዚ ናይ ዮሓንስ ትምህርቲ ብኸመይ ክተዓረቕ ይኽእል፧ መረዳእታ ሃቡ።

ቀጺለ ድማ ነቶም "ኣቦ ኣይተራእየን" ዝብሉ መልሰይ ይስዕብ።

ኣቐዲመ ልዑል እግዚአብሔር ኣብ ኦሪትን ነብያትን ቅዱሳን ከም ዝረኣይዎን ከም ዝተገለጸሎም ጠቒሰ ነይረ። ነቶም ኣቦ ኣይተገልጸን እትብሉ ሕቶ ኣሎኒ፥ ሕራይ ኣብ ሓዱሽ ኪዳንስ ሥጋ ዝለበሰ ወልድ ጥራይ ብዝተፈልየ ኣካሉ ብምዃኑ ኣቦ ኣይተራእየን ንምባል መሕብኢ ተጠቐምሉ። ኣብ ኦሪትን ነብያትን ዝርአን ዝግለጽን ዝነበረኸን መን እዩ፧ ኣቦ፧ ወልድ ፧ ወይስ መንፈስ ቅዱስ፧ መን እዩ፧ ከምቲ ንስኻትኩም እትምልከትዎ ዝተረድኦ ፍሊጶስ ማለት ወልድ እምበር ኣቦ ኣይተራእየን ኢሉ ስለ ዝሓሰበ "ጐይታይ ነቦ ደኣ ኣርእየና እምበር ይኣኽለና።" ኢልዎ እዩ ዮሓ. 14፥8።

ክርስቶስ ግና መልሱ ኣይፋል ኣቦ ክርአ ፍቓዱ ኣይኮነን ክትርእይዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም ዝብል ኣይነበረን፥እኳ ድአ ፊልጶስ ዘቕረቦ ሕቶ ምስትውዓል ዝጎደሎ ብምንባሩ ሓውሲ ተግሳጽ ገይሩ "ፊልጶስ"ብእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጊዜ ምሳኻትኩም ክነብር ከለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ፧ እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ርኣዮ፣ ከመይ ኢልካ ደኣ " ነቦ ኣርእየና ትብለኒ ኣሎኻ፧ እዩ ኢልዎ። ዮሓ.14፥8-9። እዚ ክንርዕመሉ ዘሎና እሙን ቃል እዩ። ከመይሲ ክርስቶስ ተራእዩ ንብል እንተሎና፣ ክርስቶስ ባዕሉ ድማ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ርኣየ ይብለና ኣሎ።እንተ ዘየሎ ግን ኣይተራእየን ብምባልኩም ምስ ክርስቶስን ቃሉን ተራጸምኩም። 

ካብዚ ምዕራፍ ከይወጻእና ማለት ዮሓ.14 ኣብ ፍቅዲ 7 ንዓይ ፈሊጥኩምኒ እንተ ትኾኑስ ነቦውን ምፈለጥኩምዎ ነይርኩም ድሕሪ ማለት "ካብ ሕጂ ግና ፈሊጥክምዎን ርኢኽምዎን ኣሎኹም" ኢልዎም እዩ። ስለዚ መልስኹም ኣቦ ስለ ዘይርአ ወይ ስለ ዘይተራእየ ዘይኮነ፥ገና ንስኻትም ንወዱ ስለ ዘይፈለጥኩም እዩ።

 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ባዕሉ " ካብ ሕጂ ግና ፈሊጥክምዎን ርኢኽምዎን ኣሎኹም " ንዝበሎ ሓዲግና ንዓኻትኩም ንሰምዓሉ መንገዲ የልቦን።

"ሎቱ ስብሓት" መድኃኒዓለም ክርስቶስ « እቲ ነኣይ ዝረኣየ ነቦ ርኣዮ፥ከመይ ኢልካ ደኣ ነቦ ኣርእየና ትብለኒ ኣሎኻ»፧ ንዝበሎ ሓደ ኣብነት ክህበኩም ፍቐዱለይ÷

ጽሓይ ብርሃና እምበር ከምቲ ንብርሃና ካብ ምንጽብራቓ ዝተላዕለ ንክበባ ኣተኲርና ኮነ ጠንቂቕና ክንርእያ ኣዒይንትና ክንዓውር እንተ ዘይኮይና ተፈጥሮና ኣይፈቕደልናን። ኣይተራእየትን ክንብል ድማ ኣይንኽእልን።

ካብ ክበቡ ከይተፈልየ መጺኡ እንርእዮ ብርሃን "ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ" ዝበለ ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ፥ ኣበው ቅዱሳን ኣብ ናይ ሃይማኖት ጸሎትና "ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን" ከም ዝበሉ፥ብርሃን ዝተረኽቦ ክበብ ድማ እግዚአብሔር ኣቦ እዩ። ብብርሃን ንክበብ ከም እንርእዮ ንኣቦ ድማ፥ ዮሓንስ “ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ።” ዮሃ.1፥18። ከም ዝበሎ ብወልድ ረኣናዮ። ነዚ ከኣ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ” እቲ ነኣይ ዝረኣየ ነቦ ርኣዮ” ብማለት ኣጽንዓልና። ከምቲ ጸሓይ ብርሃኑ እምበር ክበቡ ኣጸቢቕና ዘይንርእዮ፥ብክበብ ንዝምሰል ኣቦ'ውን ሥጋ ስለ ዘይለበሰ ከምቲ ንክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ብግዝፊ ኣይረኣናዮን።

ቅዱስ እግዚአብሔር ብዝተረድአ መገዲ ካብ ኣቦና ኣብርሃም ጀሚርና ክሳዕ እኒ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስን ካልኦት ቅዱሳንን ድሒሩውን ከምኡ ብሓድነትን ሠለስትነት ተራእዩን ተገሊጹን እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ "ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥ እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ" ዮሓ.1፥18 ምስ ዝበሎ ደኣ ብኸመይ ይተዓረቕ ኣይጋጮን’ዶ እንተተባህለ ግን ፈጺሙ ዝጋጮ ኣይኮነን።፥

እግዚአብሔር ንሱ ባዕሉ ኣብ ዝፈቐዶ ብሓድነቱን ብሠለስትነቱ ክግለጽን ክርአን ከም ዝኽእል ወይ ከም ዝተገልጸን ከም ዝተራእየን ዝተፈልጠ ኮይኑ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ዝሃበና ትምህርቲ ግና እግዚአብሔር ኣይተራእይን ወይ ክርአ ኣይኽእልን ንምባል ዘይኮነስ ንኽልተ ነገር ምኽንያት ዝገበረ እዩ።

ንሱ ኸኣ ሓደ ሰብ ዝኾነ ወይ ሥጋ ዝለበስ ብዝተፈልየ ኣካሉ  እግዚአብሔር ወልድ ጥራይ እዩ ንምባል አብን መንፈስ ቅዱስን ሥጋ ከም ዘይለበሱንኸረድእ ክኸውን እንከሎ÷

እቲ ካልኣይ ድማ፥ከምቲ ሽምዓ ብሓዊ ዝመክኽ ከም ዘይነበረ ከኣ ዝኸውን ዝኾነ ፍጡር ድማ ኣብ ቅድሚ መለኮታዊ ክብሪ እግዚአብሔር ንምቋም ኮነ ናብኡ ክቐርቡ ተፈጥሮኦም ስለ ዘየፍቅደሎምን ብሕይወት ክነብሩ ስለ ዘይክእሉን በቲ መለኮታዊ ባህርየ መንነቱ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን ንምባል እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ከም ዝረኣይዎን  ዝርእይዎም ክንዛረበሉ ዝጸናሕና ንዕኡ ብዝምጥን ምግላጽ ወይ ተገሊጹ ንምባል ዘይኮነ ንዓና ብዝርድኣና ተገሊጹና ተራእዩና ማለትና እዩ።

በዚ ኹሉ ብዛዕባ ሥእሊ ሥላሴ ኣገናዚብና እንተ ደኣ ክንርእዮ ኮይና እምበኣር ናይ ሥላሴ ሥእሊ ዝሰኣል 

ባህርየ መንነቶም ጠንቂቑ ይገልጽ ወይ እዚ እዩ ኢልካ ንምውሳን ዘይኮነ፥ ከምቲ ብጽሑፍ ስእላዊ ንመስፈርትና ዝምጥን ገለ ስለ ሓድነትን ሠለስትነት እግዚአብሔር ንምርዳእ ምእንቲ ከኽእለና ከም ዝኾነ እዩ። ቅኑዕ ሕልና ንዘለዎ ከኣ ኣይኮነንዶ ብሓድነት ሠለስትነትን ተገሊጾም ብሓድነት ጥራይ እዩ እንተተባህለ እኳ ብሥላሴ እትኣምን እንተ ኾይንካ፥ ነቲ ሓደ ዝተራእየ ወይ ዝተገልጸ ምሥሊ ናይ ኣካል ሠለስትነት ንምርዳእ ሠለስተ ሓደ ምስሊ እንተ ገበርካ ብኸመይ እዩ ጌጋ ክኸውን ዝኽእል፧ ኣቦታት ንኣቦ ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፥ንመንፈስ ቅዱስፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፥ንወልድ ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ኣለዎ።ብመልክዕ ገጽ ሓደ ርኢኻ ምእማን እዩ እምበር እዚ ኣቦ እዩ እዚ ውልድ እዩ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢልካ ኣይፍለይን ዝብሉ ምእንትዚ እዮም።

ገለ ገለ ሰባት ሥእሊ ናይ ሥላሴ ንምቅዋም ብዛዕባ ኣብ ጥምቀት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝኾነ ፍጻሜ ወልድን መንፈስ ቅዱስን እምበር ኣቦ ኣይተራእየን ይብሉ።

    መልሲ÷

ብዛዕባ ኣቦ ምርኣዩን ዘይምርኣዩን ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና። ግን ሓደ ነገር ክሓትት ፍቀዱለይ።

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሥላሴ መልክዖም ሰብ ይመስሉ ይብል።

ንምሳሌ ሊቀ ነብያት ሙሴ÷"ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር…"በለ ዝበሎ እዩ ዘፍ1፥26።

ሃይማኖተ ኣበው ዘሠለስቱ ምእት እውን ነዚ ኣቐሙጡ ኣሎ ሃይ•ኣበው 19፥33።መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝወረደ ግን ብኣምሳል ርግቢ እምበር ብኣምሳል ሰብ ኣይኮነን። ኣብ ጽርሐ ጽዮን ቅድስት'ውን ብኣምሳል እሳት እምበር ብኣምሳል ሰብ ኣይነበረን። ስለዚ ከም ኣባህላኹም መንፈስ ቅዱስከ ርግቢ ይመስል ሓዊ ይመስልዶ ክብል  ኢና፧ምስቲ ሰብ ከም ዝመስሉ ዝተነግረናስ ብኸመይ ምትዕራቕ ይከኣል፧ ኣነ ግና ጐይታ ከም ዝበሎ "መጻሕፍቲ ኮነ ኃይሊ ኣምላኽ ብዘይምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።"

ክብለኩም እፈቱ። መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ብኣምሳል እሳት ብኣምሳል ነፋስ ምውራዱ ወይ ምግላጹን በዚ ዝምህረና ነገር ስለ ዘሎ እምበር እዚ እዩ ምስለይ ዝብል ኣይኮነን። " ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን" ዝተባህለ'ውን ከምኡ ተመሳሳሊ። ስለዚ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዘይምግንዛብ ኣብ ርእስና ጥፍኣት ኣይነምጽእ። ምስትውዓል እምበር ንስነ መጎት ኢልካ ክትዕ ፍሬ ኣይርከቦን።

ልዑል ፈጣሪ ምስትውዓሉ ይዓድለና ኣሜን።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ  ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

      ዲን.ዓንደማርያም

Comments are closed.