ታሪኸ ናይ ቅዱሳን ባሕታዊያን ኣቦታት

"ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለስ ይጽሊ ነበረ።" ሉቃስ 5=16

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ኩሉግዜ ክንተግህን ናቱ ምሳሌ ንኽንክተልን ነጊሩና እዩ፡ ፍጹም ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ናይ ጸሎትን ናይ ምስጋነ ሕይወትን ማዕረ ክንደይ ዝጸበቐ ክምዝኾነ አርኢዩና'ዩ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮውሓንስ'ውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ንሕዝቢ እስራኤል ንኽሰብኽ ክሳብ ዝጽዋዕ ኣብ ምድረ በዳ እዩ ዝነብር ዝነበረ።

ባሕታውይን ኣቦታት ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዃን ኣዝዮም ይጽልዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዓለም ድልየት ብምቕታል ንዓለም ገዲፎም ንዓኡ ንምድላይ በረኻታት ወጺኦም እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ሓሳባቶምን ሕልንኦምን ምስ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ዝመሳሰል ብዘይ ምቁራጽ መዓልትን ስዓትን ኣብ ውሽጢ ሕይወት ገዳም ብጸሎት ኔሮም እዮም። ዝምገብዎ መሪር ቆጺሊ ንይ በረኻ ቆጽሊ ኣብ ውሽጢ አፎም ክሳብ ዝምቅር።

ናይ መጀመርታ ባሕታዊ -  ኣባ ጳውሊ

ብ229 ዓ.ም አብ ላዕልይ ግብጺ ቲባ ኣብ እተባህለ ክፍለ ሃገር ዝተወልደ ጳውሊ ነቲ ኣዝዩ በዓል ጸጋ ዝኾነ ሰብ ካልአይ ወዱ እዩ። እዞም ክልተ ቆልዑ ኣባኦም ብሞት ምስ ተፈልዮም ከኣ ናይ ኣብኦም ሃብቲ ክካፈልዎ ደለዩ ኮይኑ ግና እት ምዕባይ ጳውሊ ዝኾነ ጴጥሮስ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ንዕኡ ዝወሓደ ድማ ንጳውሊ ሃቦ። እዚ ጉዳይ'ዚ ድማ ንኽልቲኦም ህሕዋት ክሰማምዖም ስለዘይከኣለ ናብ ዝልዓለ በጺሖም ፍርዲ ንኽረክቡ ናብ ዳኛ ክኸዱ ወሰኑ። እንዳኸዱ ከለዉ ድማ ብዙሓት ሰባት ዝሞተ ሰብ አብ ውሽጢ ሳንዱቕ ሬሳ ጌሮም ብልቕሶ ዓጂቦም ናብ ቀብሪ ክኸዱ ከለዉ ረአይውምሞ ጳውሊ መንነት ናይቲ ዝሞተ ስብ ንምፍላጥ ንሓደ ካብቶም ናብ ቀብሪ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ምስሓተተ። ብቃሬዛ ተሰኪምንዮ ንኽይድ ዘሎና ምውት ሰብ ካብ መጠን ዝሓለፈ ወርቅን ገንዘብን ዝነበሮ ብተድላን ብምቾትን ዝነብር ዝነበረ ሰብ እዩ፡ ብተወሳኺ'ውን ብብዕለቱ ዝለብሶም ዝነበሩ ኣልባሳት ኣዝዮም ብሊጻት ክቡራትን እዮም ኔይሮም። ሎሚ ኸኣ ከምዛ እትርእዮ ዘሎኻ ነዛ ንሥግኡ እናሐጎሰ ዝነብራ ዝነበረ ዓለምን ነዚ ኩሉ ሃብቱን ገዲፉ ሞይቱ ስለዚ ዝወደይ ንሕና'ውን ናይዚ ሰብ እዚ ሕይወት ከይተኸተልና ናይቶም እዛ ዓለም እዚኣ ከይተገብኣቶም ኣብ ውሽጢ እዛ ዓለም መንፈሳዊ ኩናት እንዳተዋግኡ ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣብነት ምስ እንኽተል እግዚኣብሔር ሰማያዊ መንግስቱ ንኸውርስና ፍጹም ፍቓዱ እዩ በሎ። ጳውሊ እዚኣ ቃላት እዘን ቃላት እዚኣተን ምስሰመዐ መንፈሳዊ ስምዒት ስለዝተስምዖም ሃንደበት ኣብ ቅድሚኡ እዛ ዓለም ባዶ ኾይና የመልከታ ብድሕርዚ ናብ ሓዉ ግልብጥ ኢሉ በጃኻ ዝሓወይ ንመለስ በሎ። ናብ ገዛ እናተመልሱ ከለዉ ጳውሊ ንሓዉ ተከቲሉ እንዳኸደ ከሉ ካብ እግሪ ሓዉ ተሪፉ ተሰወረ። ጴጥሮስ ከኣ ንሓዉ ንመዓልታት ደለዮ ምስስኣ " ስለምንታይ እዩ በዚ ከንቱን ሓላፍን ዝኾነ ዓለማዊ ሃብቲ ምስ ሓወይ ዝተቛዮቕኩን ንሓወይ ዘሕዘንኩን " እናበለ አምሪሩ በኸየ ጳውሊ እታ ኸተማ ገዲፍዋ ምስ ወጸ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ናት መቓብር ቦታ ረኸበሞ ናብኡ ኣትዩ ንሰለስተ መዓልታትን ለይትን ብዘየቓርጽ ተመስጦን ጸሎትን ጸንሐ። ብራብዓይ መዓልትን ስዓትን ድማ መልአኸ እግዚአብሔር ተገሊጹሉ ብወገን ምብራቕ ናብ ዝርከብ ምድረ በዳ መሪሑ ወሲዱ ናብ ጥቃ ፍርያም ሰየን ዓይኒ ማይ ዝርከብ ጫካ ኣመልኪቱ ተሰወሮ።

ጳውሊ ድማ ክብ ቆጽሊ ሰየ ክዳን ኣዳልዩ ለበሰ'ሞ ብኡ ንቡኡ ብትግሃት ከምዚ እንበለ ክጽሊ ጀመረ " ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ዝኾንካ ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መጻወድያ ጸላኢ ሰናይ አድሕነኒ። " ኹሉ ፍቓድካ ዝኾነ ንኽፍጽምን ብሰላም ኣብ ኢድካ ብኽዓርፍን ምሕረትካ ለግሰለይ። ሓያልን ክብርን ንዓኻ ንንጉስይ ንዘልዓለም ይኹን አሜን፡ ብድሕርዚ ጳውሊ ሕይወት ምንኩስና ብወገን ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ገዳም ብ250 ዓ.ም ጀመረ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ድማ ን80 ዓመታት ዝኣክል ተቐመጠ።

ኣባ እንጦንስ ንኣባ ጳውሊ ከምዝረኸቦ

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣባ እንጦንስ "ምንም ኣብ ዘይብሉ ምድረበዳ ንኽነብር ዝጀመርኩ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣነ እየ " ዝበለ ትዕቢት ይሓድሮ በዚ ግዜዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ምድረበዳ እዚ ነዛ ዓለም እዚኣ ዘይተገብአ ሓደ ሰብ ኣሎ በሎ። ብድሕርዚ ኣብ እንጦንስ ቀልጢፉ በትሪ ብምሓዝ ነዚ ቅዱስ መናኒ ብምድላይ ጉዕዝኡ ይጅምር። ምሉእ መዓልቲ ክጉዓዝ ድሕሪ ምዓውሉ ድማ ተንበርኪኹ ክጽልይ ይጅምር። ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ድሕሪ ምሕዳሩ ድማ ብኡ ንብኡ ተንሲኡ ጉዕዝኡ ቀጸለ ጸሓይ ናብ ኣጋ ዕርበታ ምስ ኮነ ኸኣ ኣብ ጥቕኡ ሓደ ጫካ ተመልከተ ጽግዕ ኢሉ እንተርአየ ድማ ናይቲ በዓቲ ማዕጾ ተዓጽዩ ርአየ እሞ። ብጉልበቱ ተንበርኪኹ ቅዱስ ኣቦይ መን ከምዝኾንኻን ካበይ ከምዝመጻኩን እስኻ ትፈልጥ ኢኻ ስለዚ ገጽካ ከይርአኹኻ ካብዚ ቦታ ኣትእለይን እየ እንሰሳ ዘገዳም እዃ ንኽኣትው እናፈቐድካሎም ንዓይ ከመይ ጌርካ ትኽልክለኒ በሎ።

በዚ ግዜ'ዚ ኣባ ጳውሊ ዝብ ውሽጢ'ቲ በዓቲ ኮይኑ ዝኾነ ይኹን ንምጽዋት ብንብዓት እምበር ብቁጥዐ አይርኽቦን እዩ በሎ። ኣባ እንጦንስ ነዚ ምስ ሰመዐ ንኻላኣይ ግዜ ኣብ ደገ ማዕጾ በዓቲ ኮይኑ ንነዊሕ ሰዓታት ገንበርኪኹ ድሕሪ ምጽንሑ ኣባ ጳውሊ ማዕጾ ከፊቱ ኣእተዎ፡ ክልቲኦም ተሓቛቒፎም ሰላምታ ምስተለዋወጡ ድማ ብሓደ ኾይኖም ክጽልዩ ጀመሩ። ብድሕሪ'ዚ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ድንቂ ተኣምራት እናተዘራረቡ ከለው ሐደ ኳኽ እንዳበረረ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ሓንቲ ሕብስቲ ደርብይሎም በታ ዝመጸላ ተመሊሱ ይኸይድ። ኣባ ጳውሊ ናታ ሕብስቲ ብኽብሪ ድሕሪ ምልዓሉ ናባ ኣባ እንጦንስ ገጹ ምልስ ኣቢሉ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላክ ቅዱስ ስሙ ዝተመሰገነ ይኹን ንዝሓለፉ ሰማንያ ዓመታት በብዕለቱ ዝህበኒ ዝነበረ ግርቂ ሕብስቲ እያ ኔይራ ሕጂ ግና ንስኻ ስለ ዝመጻእኻ ሓደ ምሉእ ሕብስቲ ሂብና። ሕጂ'ውን ንኹሉ ንእንብልዖን እንሰትዮን ዘዳሉ ጎይታ ዝተባረኸ ይኹን ኢሎም ተንሲኦም ዳግማይ ንፈጣሪኦም ብጸሎት ኣመስገኑ ጸሐይ ክሳብ እትበርቕ ድማ ምሉእ ለይቲ ፈጣሪኦም ከመስግኑ ኣውግሕዎ ብድሕሪ እዚ ኣባ እንጦንስ ናኣባ ጳውሊ ዎ ኣቦይ ንዓካ ንምርካብ ነዚ ኩሉ ዘዳለወለይ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን በሎ። ኣባ ጳውሊ'ውን እንጦንስ ኣባ ኣትናቴዎስ ዝህበካ ካባ ንኸትምጽኣለይ ተንሲእካ ኪድ። ሕጂ ካብዛ ዓለም ተፈልየ ዝኸደላ ስዓት ስለዝቐረበት ሰውነተይ በቲ እተምጽኣለይ ካባ ገኒዝካ እተዕርፈኒ ግዜ ስለዝበጽሐ ሕጂ ናብኡ ቀልጢፍካ ውጻእ።

ኣባ ጳውሊ ኢሉ ምስ ባረኾን ምስ ጸለየሉን ተሓቛቒፎም ይፈላለዩ። ኣብ እንጦንስ ክልተ መዓልቲ ኣብ ምስረ በዳ ድሕሪ ምጉዓዝ ናብ ገዳሙ ይበጽሕ ንመዓልታት ብምጽንሑ ተጨነቖም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝርኣይሉ ግዜ ደስ በሎም ቀልጢፎም ናብኡ ብምጽጋዕ ድማ ኣቦና ናበይ እኻ ኬድካ ኔርኻ? ኢሎም ብሃንቀወታ ይጽበይዎ ንዝነበሩ ኣቦኦም ሓተትዎ።

ኣባ እንጦንስ ከኣ "እግዚአብሔር ኣምላክ ብርግጽ ካባይ ኣዝዩ ዝበልጽ ሰብ ስለዝርኣየኒ ኣነ ከንቱን ሓጢኣተኛን እየ" በሎም። ብድሕር'ዚ ጳጳስ ኣብ ኣትናትቴዎስ ዝሃቦ ካባ ሒዙ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦ ይመልስ። ኣብኡ ምስበጽሐ መላእክተ ሰማይ ናይቲ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ናይ ኣባ ጳውሊ ነፍሲ ሒዞም ክዓርጉ ይምልከት። ኣባ እንጦንስ ናብቲ ብዓቲ ምስ ኣተወ ሰውነት ኣብ ጳውሊ ብመስቀልኛ ቅርጺ ኣብ መሬት ተዘርዚሑ ይርኢ'ሞ ኣዝዩ ኣምሪሩ የልቅስን ይሓዝንን። ብድሕሪ እዚ ናይ'ዚ ቅዱስ ኣቦ ንጹህ ኣካል በቲ ሒዝዎ ዝመጸ ካባ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምብቅዑ ካብ ልቢ ሓዚኑ እንዳልቀስ ጸሎት ገበር። ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ውሽጢ ምድረ በዳ ነዚ ቅዱስ ኣቦ ሰርነት መዕረፊ ዝኸውን ጉድጓድ ከመይ ጌሩ ክኹዕት ከምዝኽእል ሓሳባት ከውርድን ከደይብን ከሎ ክልተ ኣናብስ ባብቲ ብዓቲ ሰተት ኢሎም ብምእታው ናብ ኣብ ጳውሊ ተጸጊዖም ሰውነቱ ክልሕስዎ ጀመሩ። ቀጺሎም ናብ ኣእጋሩ እናልሐስዎ ዘይሮም ብምዃድ ኣበይ ክንኩዕተሉ ብዝብል ርእይቶ ናባ እንጦንዮስ ቅንዕ እንዳበሉ ክምልከትዎ ጀሚሩ። በዚ ግዜ'ዚ ኣባ እንጦንስ መሬት እናጻሕተ ቅርጺ መስቀል ስኢሉ ምስ ኣርኣዮም እቶም ኣናብስት ብቕልጡፍ መቓብር ክፍሕሩ ጀመሩ። ኣብ እንጦንስ ናይ ኣባ ጳውሊ ሥጋ ኣብቲ ዝትዃዕተሉ መቓብር ድሕሪ ምዕራፉ ካብ ቆጽሊ ሰየ ሰውነቱ ዝሽፍነሉ ዝነበረ ልብሱ ሒዙ ናብ ጳጳስ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብምምላስ ናብቲ ቅዱስ ኣቦ ቅድስና ብዓይኑ ምምልካቱ ኣዕለሎ። ጳጳስ ኣባ ኣትናቴዎስ ድማ ነቲ ኣባ ጳውሎ ዝለብሶ ዝነበረ ቆጽሊ በርከት ጌሩ ብምውሳድ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ጥራይ ማለት ኣብ ብዓላት ጥምቀት፡ ትንሣኤ ዕርገትን ክለብሶ ጀመረ። ጳጳስ ኣባ አትናቴዎስ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ሥጋ ካብቲ ምድረ በዳ ናብ እስክንድረያ ግዒዙ ኣብ ጥቓ ሥጋ ጳጳስ ኣባ ኣናኔዎስ ንኽዓርፍ ሓሰበ። ብድሕሪ እዚ ኣባ እንጦንስን ውሑዳት ቀሳውስትን ሒዙ ናይ ኣብ ጳውሊ ብዓቲ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ንኸድልዮ ውጽዮም ንክኸዱ ይገብር፡ ብድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣድካሚ ምድላይ ከኣ እቲ ኣንፈት ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝጠፍኦም ከኣ ናብዚ ዳድቅ ሰብ እዚ ብዓቲ ከይረኸብዎ ይተርፉ፡ ብድሕሪ'ዚ ኣባ ጳውሊ ንጳጳስ ኣባ አትናቴውስ ብራዕይ ተገልእጹ ኣምላክ ሥጋይ ንኽርከብ ስለ ዘይፈቐደ እዞም ኣቦታት ዚአቶም ምድላዮም ኣቛሪጾም ናብቲ ዝመጹሉ ቦታ ንኽምለሱ ንገሮም ክብል ኣዘኻከሮ። በዚ ግዜ'ዚ ቅዱስ ኣትናቴውስ ንኣባ ኦልጊዎን ቀልጢፉ ኣጸዊዑ ናይ ኣባ ጳውሊ መልእኽቲ ብእኡ ጌሩ ኣቦታት ካብ ዝኸድሉ ምድረ በዳ ንኽምለሱ ይልእኸሎም።

ኣባ ኣትናቴዎስ ናይ ኣባ ጳውሊ ናይ ሕይወት ታሪኽ ባዕሉ ብኢዱ ብምጽሓፍ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን እስክንድርያ ብኽብሪ ንኽቅመጥ ስለዝገበረ ክሳብ ሎሚ ንኹሎም ናይ ምንኩስና ህይወት ንዝደልዩ መንፈሶም ንኽልዓዓልን በረከት ንኽረኸቡሉን ኮይኑ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴኦጽ ኣባ ጳውሊ ሰፍዩ ዝሃቦ ቆጽሊ ሰየ ኣብቲ ናይ ዝሞተ ቆልዓ ኣካል ምስ ኣንበሮ እቲ ቆልዐ ብቅጽበት ተንሲኡ ደው በለ። እዚ ሓደ ዓቢ ተኣምር ካብ ናይ ኣቦና ኣባ ጳውሊ እዩ ብምባል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምስክርነቱ ሂቡ እዩ።

ኣባ ጳውሊ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ልዕሊ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኔሩ እዩ፡ ካብ ውሽጢ'ዚ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝኸውን ዕድሚኡ ዘሕለፎ ብወሀን ምብራቕ ዝርከብ ምድረ በዳ እዩ። ናይዞም ቅዱስ ኣቦ ገዳም ብ4ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ኣብ ውሽጢዚ ምድረ በዳ ስለ ዝተሃንጸ ክሳብ ሎሚ ንምሕበረ መነኩሳት መጽለሊ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። እቲ ገዳም ኣብ ገዳም ኣባ እንጦንስ ኮንካ ክርአ እንከሎ ደቡናዊ ምብራቕ ሒዙ ይርከብ፡ እዞም ክልተ ገዳማት ቦኣሽ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ዝተመሰረቱ ክኾኑ ከለዉ እዚ ቦታ'ዚ ብስፍሓቱ ባኒ ሱውፍ ካብ ዝብሃል ከፍለ ሃገር ቀጺሉ ዝርከብ ግዝዓት እዩ።

ኣባ እንጦንስን ኣባ ጳውሊን ዘይፈላለዩ ኣዕሩክ እዮም፡ ኣብ ስእለ ቅዱሳን ክልቲኦም ጎኒ ንጎኒ ቆይሞም እዮም ዝስአሉ። ኣብ ውስጢ ቅዳሴውን " ዓበይቲ ቅዱሳን አቦታትና ኣባ እንጦስን ኣባ ጳውሊን" ኢልና ኣስማቶም ንዝክሮም ኢና፡

ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ናይ ኣባ ጳውሊ ዓመታዊ በዓል ወርሒ ለካቲት ዝአተወሉ ኣብ ካልአይ መዓልቲ ተክብሮ ኢያ።

ናይ ክርስቶስ ፈተውቲ ናይ ዝኾኑ ናይ ኣባ ጳውሊን ኣቡነ ኣንጦንዮስን በረኸት ኣባና ይሕደር።

Comments are closed.